ትማሊ ኣንስቶም ነቶም ኣብ ትግራይ ተዋፍሮም ዘሎዉ ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን ብወዝቢ ረኺብና ነይርና። ንሰን “ሎሚ ይሓይሽ ቅሩብ ቀሲና ኣሎ።ኩናት የለን።ቶኽሲ ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ።ስልኺ ሕልፍ-ሕልፍ ኢሎም ይድውሉልና እዮም።” ካብ’ቶም ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 3 ሽሕ ዝኰኑ ናብ ትግራይ ዝኸዱ ኣባላት ፖሊስን ጸጥታን መብዛሕትኦም ብዘይድሌቶም ብትእዛዝ መንግስቲ እዮም ከይዶም ዘሎዉ።

ካብ ፖላይስ ብርክት ዝበሉ ብብልሽውናን ብከላን ዝተበከሉ እዮም።ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅምር ብደሓር ካብ ተጋሩ ዘይተኣደነ ብላዕ ዝቕበሉ ዝነበሩን፡ዝተፈላለዩ ገበናት ብምፍጻም ተቀጺዖም ዝፈልጡን ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩን ዝርከብዎም እዮም። እንተኰነ ዝኰነ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ዘይምክኣሎም ነንስቶም ክድውሉለን ከለዉ ይገልጹ እዮም።

“ፋኖን ሰራዊት ሻዕብያን ዝገብርዎ ዘሎ ዝኰነ ኣጻየፍቲ ነገራት ርእዮም ከም ዘይረኣዩ እዮም ዝኰኑ ዘሎዉ። ምክንያቱ ንህይወቶም ይሰግኡ እዮም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ተገዳስነት የብሉን” ክብሉ ገለ ገለ መርመርቲ ገበናት ዝኰኑ ኣባላት ፖሊስ ሓቢሮም።

#መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ “ዘመተ ኣንጻር ብልሽውናን ብከላን” (ዘመቻ ጸረ ሙስና) ወይ ድማ “campaign against Corruption/ Anti corruption in Action!” ዝብል ጽሑፋት ኣብ ፈቐዶ ኣብየተ ጽሕፈትን ግደናታትን ብምዝርጋሕ ይኹን ኣብ ማዕከናት ዜና ፍሉይን ዕቱብን ኣተዂሮ ብምብሃብ ለይትን መዓልትን የቃልሕ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ህዝቢ ግን “ሽጣራኩም ድለዩ! ንመን ንምትላል እዩ ” ወዘተ እናበለ መንግስቲ ኰነ ኢሉ ኣንፈት ንምስሓትን ኲናት ትግራይ ኣጀንዳ ኰይኑ ንክልተ ዓመት ዝተጠቐመሉ ሎሚ ሃዋሁ ሰላም ይፍጠር ብምህላዉ፡ካልእ ኣጀንዳ ክደልይ ነይርዎ።

ንሱ ኸኣ ሙስና ዝብል ዛዕባ መሪጹ ልብና የጥፍኣልና ኣሎ ዘይብል ሰብ የለን። ነዚ ወፍሪ ዘመተ ብዝብል ድማ ክዉቕዑ ዝተደልዩ ኣካላትን ዉልቐሰባትን ግዳይ ኣብ ምኳን ይርከቡ ኣሎዉ። ኣብ ፌደራል ፖሊስ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ኣዲስ ኣበባ ኮምሽንን ዝርከቡ ግዳያት ዝኰኑ ከም ዘሎዉ ምንጭታት የረድኡ። ቕድሚ ሎሚ ንካድረታት ፖለቲካ ዝኰኑ ዝነብርሉ ገዛውቲ ወይ ሕንጻታት ክሳዕ 5 ሚሊዮን ኣውጺኦም ክሕድስዎን ከማዕርግዎን ኣቢይ ኣሕመድ ብቃሉ ሓብሪዎም ነቲ መምርሕኡ ተቀቢሎም፡ዝተግበረሉን ልዕሊኡ (ልዕሊ 30 ሚልዮን) ዝግመት መጠን ገንዘብ ኣውጺኦም ዘሐደሱን ከም ሓዲስ ዘስርሑን ብጸረ ሙስና ስለ ዝድለዮም ግዳያት ገይርዎም ይርከብ።

ብመሰረተ ትእዛዝ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኩሉ ከተማታትን ክልላትን ወፍሪ ጸረ ሙስና ብዝለዓለ ምውዕዋዕን ታህዲድን ይትግበር ኣሎ።ንዝደለይዎም ሰባት ኣደዳ ይገብርዎም ከም ዘሎዉ ብሰፊሑ ህዝቢ ይዛረብ ኣሎ። ኣብነት፡ምስ መንግስቲ ቕርበት ዘሎዎምን ምስጥር ዝፈልጡ ሰባትን ካብ ዝዛረብዎ ዘሎዉ ተኰይኑ “ኣብ ክልል ኦሮምያ ብሙስና ዝኰነ ሰብ ዝተኣስረ የለን።ምናልባት ዝደልይዎም ዝነበሩ ብሰበባ ሰበብ ተዘይኣስሮሞም።ኣብ ክልል ኣምሓራ ተኰነ ክሳዕ ሕጂ ብዕሊ ዝተኣስረ የለን።ግን ምኽንያት ክደልይሎም ዝጸንሑ ሰባት ኣብ ቐይዲ ኣትዮም ኣሎዉ።

ካልእ መጠን ሃፍትኩም ኣመዝግቡ ኣብ ዝተብሃልሉ እዋን ‘ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓደ 10 ሚልዮን ዘሎዎ ሓላፊ 20 ሚልዮን ከም ዘሎዎ የመዝግብ።ምኽንያቱ ንዓመታ ዘሪፉ ዕጽፊ ስለ ዝገብሮ።ኣብ ኣሮምያ ክልል ድማ ቀኒሶም ሃፍቶም የመዝግቡ ኣሎዉ’ ክብሉ እቶም ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ዝከታተልዎ ግዱሳት ሰባት የገንዝብ።

በዚ መሰረት እዚ ብወፍሪ ጸረ ሙስና ዝግበር ዘሎ፡ሆይሆይታ ንዝደለይዎም ዝውሕጥ እምበር ንኹሉ ዘተኰረ ኣይኰነን እዩ።

“ኢህወደግ ይሕሸና ነይሩ።ወያነ ደኣ ካብዚ ዝገደደ እንታይ ገይሩ።ኣብ ዘመነ ወያነ ሰሪሕካ ይእቶ፣ካብን ናብ ትንቀሳቐስ ኢኻ።ሎሚ ረኺብናዮ ዘሎና መከራ ጉድ እዩ” ኣብ ፈቐዶ ታክስን ኣውቶስብን ትሰምዖ ስምዕታታትን እዩ።

ብፍላይ ተወለድቲ ኦሮም ኰይኖም ካብኡ ናብኡ ድማ ደቂ ወለጋን ኣምቦን ክዛረቡ ከለዉ ማንም ሰብ ዳርጋ ይፈርሕ እዩ።ምኽንያቱ ንሶም “ኣብይ ኣድጊ እዩ።ኣቢይ ደንቆሮ እዩ።ሃገር ክመርሕ ኣይክእልን እዩ።መዓልቱ ይጸበይ ፍድኡ ክበልዕ እዩ!” ወዘተ ክትሰምዕ ከሎኻ ገለ ሰባት ኣመና ይፈርሑን ይሰግኡን እዮም። መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ድማ ንተወልድቲ ወለጋን ኣምቦን ኣብ ዝኰነ ነገር ከይሳተፉን ኣብ ስራሕ ከይቁጸሩን ብዉሽጢ ዉሽጢ ይሰርሓሎም እዩ።

ምልክታ ስራሕ ተወጺኡ ደቂ ወለጋ ብመንፋዕቶም ኣብ ታሪኽ ተጠቐስቲ እዮም።ግን እቲ ዕድል ኣይወሃቦምን እዩ።ስለዚ መለለዪ-መንነቶም ክሳዕ ምቕያር ዝበጽሑ ኣሎዉ እዮም።መታን ስራሕ ክቁጸሩን ኣብ ዓይኒ መንግስቲ ከይኣትዉን ግን እቲ ዝበዝሕ “ኣነ ካብ ወለጋ እየ!” ካብ ምባል ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ። ኣብ ዝኰነ መነሃርያ ኣውቶቡሳትን ታክስን ካብ ምዕራብ ኦሮምያ (ወለጋ፣ ኣምቦን ነቀምትን) ንዝመጹ ፍሉይ ክትትል ከም ዝግበረ ፈለጥቲ ምስጥርን ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ይሕብሩካ እዮም።

ብተወሳኺ፡ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 300 ኣባላት ጸጥታን ድሕንነትን (ኣባላት ሃገራዊት ድሕነትን ተሓባበርትን) ከም ዘሎዉ ካብ እሙናት ምንጭታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ገለ ኣብ ስለያን ሃሱስነትን ክሰርሑ ዝሓገዩ ናብ ኣስመራ  ዝሓለፈ ሰሙን ዝኸዱ ኣሎዉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሓደስቲ ዝመጹ ኣሎዉ እዮም።

ብፍላይ ፍሉይ ኣተኩሮ መታን ከይረኽቡ ግዲ ሓሊኖም፡ኣካለ ስንኩላት፣ጸገም ጥዕና  ዘሎዎምን ሰብ ዕድመ ጸጋን ተዋፊሮም ከም ዘሎዉ፡ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስለያ ዝሰርሑ ዝነበሩን ምስ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኣፍልጦ ዘሎዎምን የረድኡ።

ኣብነት፡ኣብ ከባቢ ቄራ፣ፒያሳ፣ቦሌን ሃያ-ሁለት፣ሜክሲኮ፣ላፍቶን ዝተርኣዩ ኣሎዉ። #ኣወል ስዒድ ኣብ ከተማ ኣኲሱም ተረኺቡ “ዝክረ ሰማእታት!” ብምግባሩ ንብዙሓት ኣቆጢዑ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።ማእለያ ዘይብሉ ግብረ መልስታት ድማ ካብ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከይተረፈ ይወሃቦ ከም ዘሎ ይፍለጥ’ዩ።

ኣወል ስዒድ፡ብከመይ ዝበለ ሓለዋን ዕጀባን ከም ዝኸይድ ዘሎ ተዓዘብቲ የገንዝቡ።ምኽንያቱ ኣወል ስዒድ (ወዲ ስዒድ ኮይሶም) ግዲ ካብ ኣብኡ ወሪስዎ፡ፈራሕ ፈራሕ እዩ። ድዑል በጊዕ ወይ ምክት እንተ ርእዩ መንገዲ ዝቕይርን ዝሃድምን ሰብ እዩ።ኣብ ኣስመራ ብኸምኡ እዩ ዝፍለጥ።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኰነ ኣብ ከባቢ ገርጂ ኣብ ዝርከብ ዞላ ሆቴል እትው ኢልኻ ዘላ ገስት ሃውስ (guest house) ዓራት ሒዙ ኣብ ዝሓድረሉ እዋን፡ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓደ ክንዲ ግዛዕ ዝኸውን ጤል ርእዩ ይፈርሕ ምንባሩ ይፍለጥ እዩ።

ጽርግያ ቐይሩ ወይ ሃዲሙ እዩ ዝኸይድ ነይሩ።ክቱር ፍርሒ (ቊርጺ ፍርሒ-Phobia) ከም ዘሎዎ መዋዕልቱን ብጾቱን ይሕብሩ እዮም።

ኣብ ኣኽሱም ከኣ ኣትዩ ክሳዕ ዝወጽእ ብፍርሕን ሽቑረራን ከም ዝሕለፎ፡ካብ ኣስመራ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

#ናብ ኤርትራ ተጋሩ ከይኣትዉ ዕቱብ ክትትል ከም ዝግበር ምንጭታት የረድኡ።ብፍላይ ድማ ድሕሪ ኲናት ትግራይ ብዕቱብ ዝረኣይ ጉዳይ እዩ።

እንተኰነ ገለ ገለ ሰባት ክኣትዉ ይረኣዩ እዮም።ንገለ ገለ ሰባት ሕቶ ይፈጥሮሎም እዩ።ግን ተወለድቲ ወልቃይት ወይ ራያ ተኰይኖም ብስቱር ክኣትዉ ይፍቐደሎም እዩ።ገሊኦም ድማ “ኣምሓሩ ኢና!” ኢሎም ከም ዝኣትዉ ይፍለጥ እዩ።

ገሊኦም ከኣ ኣስማቶም ናይ ኣምሓራ ዝኰነን ዝመስልን ብፍላይ ዜግነት ምዕራባዊ ዓለም ዘሎዎም ይኣቱ እዮም።ገለ ድማ ምስ ኤርትራዊ ስድራ መውስቦ ዘሎዎም ኰነ ቤተሰብ ዘሎዎም ክኣትዉ ይረኣዩ እዮም።

ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብፍላይ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ርክብ ዘሎዎ ከኣ ይፍቐዶም እዩ።ገለ’ውን ሰላሕ ኢሎም ኣትዮም ዝወጹ ኣይሰኣኑን እዮም። ሎሚ ቕነ ንሓደ ስሙ ናይ ትግራዋይ ዝመስል ኢሎም ሃገራዊ ድሕነት ሒዞሞ ቀንዮም እዮም።እቲ ሰብ ድማ “ኣነ ኣምሓራይ እየ!” በሎም።ሰባት ተጸዊዖም ምስ እንዳ ስለያ ቕርበት ዘሎዎም ክወጽእ ገይሮም ኣሎዉ።

Smart ሞባይል ሒዞም ከይንቀሳቐሱ ትእዛዝ ሂቦሞም ይርከቡ። ኣብ ኣስመራ፣ባጽዕን ከረንን ኰነ ኣብ ዞባ ደቡብን በጺሖም ዝተመልሱ ወጻእተኛታት ከም ዝሕብርዎ፡ግፋን ማእሰርትን ጉድ እዩ ዘብል ዘሎ ክብሉ የረድኡ። “ኣብ ንግደት ማርያም ጽዮን፡መሬት ደሓን ኣሎ ኢሎም ክስዕሙን ክነግዱን ዝወጹ ክንደይ ተኣሲሮምን ተገፊፊምን እዮም።” ብምባል ከኣ ወሲኾም የረድኡ።

By aiga