ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

ረስሓትን ጎሓፍን፥ ሃመማን ካልኦት ረስሓት ተሸከምቲ፣ ንጥዕና ወዲ ሰብ ሓደረኛታት ዝኾኑ ነፍሳት ከም ዘፍርን ዝፀውዕን ሁከትን ዕግርግርን ሞትን ጥኣፍትን ደቂ ሰባት ኣብ ዘለዎ ቦታ ተኣሊሹ ዘይሰኣን ድማ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ/ህግደፍ ሓደ ‘ዩ። ብዙሓት፥ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት በላዒ ነፍሲ ዝኾነ ውልቀ መላኺ/ጉጀለ ከመይ ክተፍሪ ክኢላ? ዝብል ረዚን ሕቶ ኣለዎም። ብርግፅ ናይዚ ፅሑፍ ዓላማ ነዚ ዝተለዓለ ሕቶ ምላሽ ንምሃብ ዝተዳለወ ፅሑፍ ኣይኮነን፤ ኮይኑ ግን፥ ዘፍጥረት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኾነ ህግደፍ፥ ኤርትራ ገና ኣብ ማህፀን እናሃለወት ኮነ ድሕሪ ምውላዳ ‘ውን ኣጠራኺራ ዝቐፀለትሉ፣ ከም ሀገር ናተይ ‘ዩ ኢላ ዝሓዘቶን ዝተኸተለቶን ናይ ትምክሕቲ እምነትን ኣተሓሳስብን ንምዃኑ ምንም ኣየጠራጥርን። ልዕሊ ኹሉ ንኤርትራ ናብዚ ኹሉ ሓዊ ዘእተወ፥ ኤርትራ ዓቕማን ልክዓን ፈሊጣን መዚናን መሬት ሓዛ ኣብ ክንዲ ምኻድን ናብ ስራሕ ኣብ ክንዲ ምውፋርን ከም ዕቡድ ከልቢ መልሓሳ ካብ ቁመታ ንላዕሊ ኣንዊሓ ምስዝን ምስትን ክትነብሕን ክትናኸስን ዝነደቐቶ ማንነት ‘ዩ። መፅሓፍ፥ “ሞትን ህይወትን ኣብ ኢድ መልሓስ እየን” ከም ዝብሎ 30 ዓመት ንነፃነቱ ዝተቓለሰ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ድማ 30 ዓመት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደም ዝነብዐሉ ዘሎ ምኽንያት እዚ ‘ዩ። ካብ ስሕተቱ ዘይመሃር ህዝቢ ስሕተት እናደገመ ስለ ዝነብር ካብ ሓዘንን ጉስቁልናን ኣይወፀን። ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዝረኣናዮ ዘይከሓድ ሓቂ ‘ውን እዚ ‘ዩ። ናይ ትምክሕቲ መወዳእታ ዓመታት ዝዘለቐ ጉስቁልና ‘ዩ። ቅድም ኢሉ ካብ ዝነበረ ናይ ደርጊ ወፅዓን ዓመፅን ሚእቲ ዕፅፊ ዝኸፍኣ ኣረማዊ መንግስቲ ኢድ ምውዳቕ ‘ዩ።   

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምፅኡ፥ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እንታይ ከም ዝመስል፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ወታደራዊ ናይ ደርጊ መንግስቲ ዝኸፍኣ (ሚእቲ ዕፅፊ) ከም ዝዘብጦም፣ ፍትሕን ነፃነትን ኣስኢኑ ከም ዘምክነውን ከም ዘፅንቶም ናይ ምፍላጥ ዕድል ተዋሂብዎም ካብ ደርግን ካብ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንኽመርፁ ምርጫ ተዝቐርበሎም፥ ኤርትራውያን “በትርኻን ቢራኻን” እናበሉ ብዓሰርተ ኣፃብዕቶም እናፈረሙ ደርጊ ከም ዝመርፁ ዘጠራጥር ኣይኮነን። መፅሐፍ፥ ልቢ ሰብ ክፉእን ዓመፀኛን ‘ዩ ከም ዝብሎ፥ ወዲ ኣፎም ይቕተለኒ ዝብል ጃህራም ኤርትራዊ የለን ማለት ግን ኣይኮነን። ሰብ ከም ኣመሉ ካብ ሽቶ ሱዳን ላምባ ፈቱ እኳ ይበሃል የለ። ላምባ ኣብ ዝባና ዝሾመት ኤርትራ ግን እነሆ መሬታን ሰባን ብሕሰምን ከርፋ ናብራን እናነደዱ ይርከቡ።

ካብ ኤርትራስ የድሕነናባ!

ህግደፍን ደገፍቱን ኣእምሮኦም ክሳብ ዝስሕቱ ዝዓብዱ ዘለዉ ካሊእ ምስጢር ሃልይዎ ዘይኮነ፥

  • ቅድም ኢሉ፥ ትግራይ ብኹሉ መዳያት ሓሊፋትና ኸደት፣ ዓጋመ በለፁና፤  
  • ክዋጥዩን ክፃረፉን ናይ ሰብ መጨረሻ ኾይኖም ብምትራፎም ድማ ማሕለኻ/ዕንቅፋት ካብ ምኻን ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ስለ ዘይብሎም፤
  • ናይ ልቦም ምኽርን ሓሳብን ንኸይፍጽሙ ትግራዋይ ዓቕሚ ስለ ዘስኣኖም፤
  • ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገሞም ክፈትሑ ብዘይምኽኣሎም፤
  • ሕዚ ድማ ብቐንዱ፥ ትግራይ ስለስተን ኣርባዕተን ሀገራት ብቐጥታ ሰራዊተን ኣሳቲፈን ዝፈፀምኡ ወረራ ተኣምራዊ ብዝኾነ ስርሒትን ጀግንነትን ስዒራ ብምውፃኣ፤
  • ትግራዋይ ዘይፀነተን ዘይጠፈኣን ‘ዩ ለይትን ቀትርን ዘነጫንጮም፣ ከለፍለፍ ዘብሎምን፣ ብዘይ ዕጣን ሖይ እናበለ ዝጉረዖምን ዘሎ። ጉጅለ ሻዕቢያ ኾነ ኣፎም ከልቢ ዝሸነሉ ደገፉቱ ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ምኽንያት የብሎምን። ህግደፍን ፅምብላሊዕ ደገፍቱን ናይ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ፅቡቕ ክሪኡን ክሰምዑን ዘይደልዩ ሰባት ብምዃኖም ሎሚ ‘ውን ድሕሪ ዒስራ ዓመታት ወያነ! ወያነ! ዘብሎም ዘሎ ኣብ ዝባኖም ዝሰልጠ ሰፍ ዘይብል ድኽነት ከረሰዖም ዝኽእል ካሊእ መፅናዕንዕን መደዓዓስን ቋንቋ ስለ ዘይብሎም ‘ዩ።
  • ትግራዋይ፥ ብትምህርቲ፣ ብፖለቲካ፣ ብሚሊተሪ፣ ብቑጠባ ኮታስ ብኹሉ መዳይ ቀዲምና/ሓዲግና ኸይዱ ዝብል ሕዱር ሕስድና ህግደፍን ደገፍቱን ዝተልዓለ ሰሪሑ ብረሃፁ ዝነብር ትግራዋይ ንምፅላም ተዘይዓጥቁ ‘ዩ ክደንቀና ዝግባእ።

ጃህራን ፈኸራን ፀርፍን ደርፍን ዋጋ ዘይብሉን ዘይውፅእን ከረንሲ ኤርትራ ‘ዩ

ምምሕዳር ኣስመራ፥ ምንም እንኳ እታ ስሙ ኣብ መዝገብ ሕቡራት መንግስታት ትስፈር ድኣምበር ከም መንግስቲ ግን ዝረብሕ መንግስቲ ስለ ዘይኮነ ቁም ነገር ዝብሎ/ዝቕበሎ ሀገርን መንግስትን ዓለምና የለን። ዝሓርበቶ መንግስቲ ከም ምኳኑ መጠን ድማ ብኻሊእ ብፅቡቕ ነገር ክፍለጥ ስለ ዘይኽእል ብስርቂ፣ ብዓመፅ፣ ብግብረ ሽበራ ክፍለጥ ክኢሉ ‘ዩ። ዝረብሕ ዝሰርሖ ስራ ስለ ዘይብሉ ሙሉ ጊዚኡ ዘሕልፎ ሓሶት ኣብ ምፍብራኽን ምዝራእን ‘ዩ። ኤርትራ፥ ኣይኮነንዶ ምዕራባውያን ነፀላ መንደቓ ዘለና ተጋሩ ነዊሕ ዘበን ዝረሳዕናያ ዓዲ ‘ያ። ድሕሪ ዒስራ ዓመት ሎሚ ‘ውን ኣብ ፀለመን ጠቐነን ህዝቢ ትግራይ ተሰፊያ ዝተረፈትሉ ምኽንያት ‘ውን ተኾነ ትግራዋይ ፀማም እዝኒ ከም ዘይህባ ስለትፈልጥ ምንዝናዛ ጥራሕ ‘ዩ። ዓለም ንኤርትራዊያን ዝተፈጠረት ትመስል መንግስቲ ሻዕቢያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ተሰኽቲቱ በዚ ኣተኹ በዚ ወፃኹ፣ እዚ ገበርኩ ኣብዚ በፃሕኹ ዝብሎ ናይ ቃላት ለቖታ ‘ውን ንሻዕቢያ ክንእሶ ‘ዩ። ንምንታይ? ጃህራን ፈኸራን ፀርፍን ደርፍን ዋጋ ዘይብሉን ዘይውፅእን ከረንሲ ኤርትራ ስለ ዝኾነ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኾነ ጉጅለ ሻዕቢያ ጃህራን ፈኸራን ካብ ምንዛሕ ዝሓለፈ ቁም-ነገር ተዝህልዎም ነይሩ ህዝቢ ኤርትራ ቀትርን ለይትን ነቐዝ ዝበልዖ ማሸላ እናገዓተ ካብ ምብላዕ ምገላገልዎ ነይሮም። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ተዝኸውን ነይሩ 3 ሚልዮን ዘይምልእ ህዝቢ ሓፈው ካብ ዝበልዖ ናብራ ህዝቡ ምለወጠ ነይሩ። ህዝብን ዓድን ዝልውጥ ግን መትሓዚ ዘይብሉ ቆሎ ጥጥቖ ዘረባ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘይኮነ ዝተፈተነ ፍልጠትን ጥበብን ምኻኑ ተወሊዳ እግሪ ከይተኸለት ዝነቖረትን ዝተቖፀየትን ኤርትራ እኹል መረዳእታ ‘ያ። እዛ ከም ንቡር በጀት ዓመት ዘይብላ ሀገር ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገንዘብ ካልኦት ሀገራት በሊዓ ክትከፍል ብዘይምኽኣላ ናብ ቤት ፍርዲ ንኽትቀርብ መፀዋዕታ ዝወፀላን እትእለሽን ዘላ ዓዲ ‘ያ።

ብርግፅ፥ ነገራት ከም ኣፍ/መልሓስ ህግደፍን መጣቓዕቱን ተዝኾኑ ነይሮም ኣይኮነንዶ ሰብ ፈጣሪ ‘ውን ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝፋኑ ኣይምተቐመጠን። ኣብ መንጎ ህግደፍን መልሓስ ተመን ዝኾኑ ልሒቃን ኣምሓራን ዘሎ ብሕቲ ኣፈላላይ እንተሃለወ እቲ በምሓርኛ እቲ ብቕይጥ ትግርኛ ዝዋጥዩ ምኻኖም ጥራሕ ‘ዩ። እንተ እታ ፅምብላሊዕ (መቐመጢኣ ከይከደነት ምድሪ እትኸድን) መንነቶም ግን ሓንቲ ያ። ተመዚኖም ሚዛን ዘይደፍኡ መላኻዕቲ ‘ዮም። ብመልሓሶም ዘይነቕልዎን ዘየፍለስዎን ነገር የለን። ብኣፎም ዘይበፅሕዎን ዘይኮንዎን ነገር የለን። እንተ እታ ኣብ መሬት ዘላ ሓቂ ግን ዓለም ንኤርትራ ትፈልጣ ብኻሊእ ብፅቡቕ ነገር ዘይኮነ ብፍልሰትን ስደትን፣ ኮን ደኾን ይሓልፈለይ ኢሉ እንጀራ ደልዩ ዝወፅእ ኤርትራዊ ኣብ በረኻታት ኣፍሪቓን ማኸላይ ምስራቕን ገሊኡ ዝብኢ በሊዕዎ ገሊኡ ነባሪ ዓሳ ውሒጥዎ ዝተርፍ ዘሎ ሰብን ዓድን ዘይብሉ ህዝቢ ምኻኑ ‘ዩ።   

ሰበ ስልጣን ኤርትራ፥ ናይ ዓዶም ውድቀትን ጫፍ ዝበፅሓ ዘይገልፆ ድኸነት ኤርትራ ንምሽፍፋን፣ ኣለና ንማለት፣ ተኸተልቶም ንምፅንዕናዕ ጃህራን ፈኸራን ምንዛሕ ከም ሓደ ሜላ ጠቓሚ ኾይኑ ክረኣዮም ይኽእል ‘ዩ። ኤርትራ ብዝፈከረት ቁፅሪ ግን መቓብራ/ጉድጓዳ ‘ያ ተንውሕ ዘላ። እዚ ነቲ ተራ ኤርትራዊ ብቐሊሉ ዘይረኣዮ መሪር ሓቂ ውላኳ ተኾነ፥ እቲ ኣፋፋ መቓብር ኮይኑ ጃህራን ፈኸራን ይነፍሕ ንዘሎ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ግን ግልፂ ‘ዩ። ኤርትራ ዝተሓሰመታ ሰላም ክትረክብ ተኾይና፣ ህዝቢ ኤርትራ ዓደይ ዝብላን ሰሪሑ ዝነብረላን ሀገር ክትህልዎ እትኽእል፣ ሕዚ ‘ውን ኤርትራ ሰብ ዝነብረላ ዓዲ ከትከውን ተኾይና ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝመፀትሉ ናይ ትምክሕቲ እምነትን ኣተሓሳስባን ገዲፋ ኣመላ ተስተኻኺላ ጥራሕ ‘ዩ። ለሚና ድኣምበር ተለሚና ዝፍጠር ነገር ድማ ከም ዘየለ ንፈተዊ ዓዱ ንኹሉ ኤርትራዊ ግልፂ ክኾኖሉ ይግባእ። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይ ኣብ ቀረባ እዋን ክግበር ዝኽእል ዕላዊ ናይ ስምምዕነት መድረኽ ኣነ ‘ውን ክሳተፍ ኣናበለት ኢዳ ክሳብ ዝደምይ ኢምባሲታት ዓዲ ሰብ ኣብ ምንኩሕኳሕ ተፀሚዳ ዘላ ኤርትራ እቲ መድረኽ ንኤርትራ ዝምልከት ኮይኑ ዘይኮነስ በዚ ተሸፊና ናይ ምምዕርራይ ኣጀንዳ ስለ ዘለዋ ‘ዩ። እዚ ዕድል እዚ ተጠቒማ ምስ ትግራይ ሰላም ተዘይውሪዳ ድማ ንዘልኣለም ኣብ ፀልማት ከምትነብር ስለ ትፈልጥ ‘ዩ።  ልቢ ግዛእ ኤርትራዊ፥ ተዘይኮኑ ናይ ሬሳ ሳንዱቕ እናገዛእኻ ክትነብር ኢኻ (እዚ ‘ውን ነቲ ዓቕሚ ዘለዎ ‘ዩ)።  

By aiga

One thought on “ህግደፍን መልሓስ ተመን ደገፍቱን ዘጉርዖም ዘሎ እንታይ ‘ዩ?”
  1. አነለ ክዉስከልካ:-

    ኢሳያስን ደገፍቱን ንኤርትራ ናይ ድሁላትን ብፍርሂ ናይ ዝተሸመመ ህዝቢ ዝነብሩላ ክትከዉን ዝገበሩ ጨካናት ሰባት እዬም ኤርትራዉያን አብ 60 ዓመታት ዘግነይዎን ዝኮንዋን እንትረኦ:-
    – ካሀድቲ ሀሳዳት ቀነዓት ጠባናት
    – ጉረኛታት አቅሞሞ ዘይፈልጡ ሀሻዎ ሰረቅቲ ደፈርቲ ምድፋሮም ዘየህንኮም ብኩርአት ቁፅሪ ዝደፈርወን ከም አወት ዝምድሩ ካብ ሰብነት ናብ ጉዑዝ ብታህቲ ክወርድ ዝገበረ
    – “ኢሱ” አምላኮም ክኮን ዝፈቀድ
    – ሰብ ምኳኖም ተሪፍ ከም አቅሀ ልጣልያን ንእንግሊዝ ነምሀራይ ንአረብ ተሸይጦም
    አብ የመን ኢትዬጵያ ትግራይ አብ ሶማልያ ቀለብ አራዊት ዝኮኑን እናኮኑ ዘለዎ
    -ልዕዳጋ ምቅራቦም ብዘይ ህንከት ከምፀጋ ተቀቢሎም “ይካአሎ ዋርሳይ” እናበሉ ልጭር
    – ሰሞልያ አደታት ደቅና አምፅኡ ኢለን ንመንግስተን ወጢረን ይሀታ አዴታት ኤርትራ ግን ንብረት ተጋሩ (ጀሪካን ማንካ እክሊ ክዳን …) ክዘርፋ ምስ አራዊት ደቀን ኮይነን ይዘምታ
    – ዓለም ሰለ ስደት እንትባሀል መርከብ ስደተኛታት ሂዛ ሰሚጣ እንትባሀል ናይ መጀመርታ ተጠቃሲት ኤርትራ ክትኮን ዝገበረ
    – አብ ስደት ብስርቂ ቅትለት ምድፋር ትወዛዕ ተሎ ከቀዲማ ክትመፅእ ዝገበረ
    ኮታስ ንኤርትራራውያን ብኢሳያስን ብደገፍቱቱን ዝተፈፀሞም ግፍዕን መንከራን ከም ፀጋ ተቀቢሎም አብ ፀገሞም ግዘ አዕቂሉ ቀሊብ አምሂሩ ናብ ዝደለይዎ ዓለም ዘሽገረ ህዝቢ ትግራይ ከጥፍዑ ምስ ዝመፁ አምሀሩ ኮይኖም ከቱሞት ክዝሞቱ ዘለዎ ኢሳያስን ደገፍቱን ን60 ዓመታት አብ ስነልቦኖኦም ሀሞቶምአፍሲሱ ሀይማኖታዊ ባህላዊን ሰብዕነቶም አልሚሱ አራዊትነታዊ ባህሪ ክለብሱ ክፈቀድ ዝገበረን አብ ዓለም “መስሀቂ ጋህማማት” ከምዝባሀል ክኮኑ ዝገበረን ኤርትራውነት ባዕሉ አብ ዓለም ከመንሽሮ ክረዐ ዝተገበረን ትዉልዲ ዘፍረየ ጨካን መንግስቲ እዮ:: ውፅኢቱ ድማ አብስደት ዕዉን ኢሱ ክብሉ ትሰምዕ ተለካ ክንዳአቶም ተሀፍርለ ትሀዝንለ:: እዚ ትባሀል ግን ውሁዳትን በሳላትን ኤርትራዉያን የለዉይ ማለት አይኮነይ::

Comments are closed.