4 – 1 – 2022               

 ኣደይ ኣኸዛ ገዘሀኝ ኣፍለይ፡መፄክን ከም ኣመለይ፧

ሰላም ክቡራትን ክቡራንን፡እንሆ ንሎሚ ድማ እዛ ትስዕብ ሓጻር ዝክረይን ናዕታ ስምዒተይን ሒዘልኹም መፄአ ኣሎኹ፣እሞ ንቀደም በሉታ!

   ኣብ`ዝሓለፈ ሳምንቲ ደሃይ ክቡር ኮለነል ለገሰ ተገኝ ንምርካብን ኣብ ጉዳይ ሃለቃ ገዘሀኝ ኣፍለይ፡ኣድሂብና ንምሕታትን ዓሊምና ምስ ክቡር ኣቶ ዘሚካኤል ባርናባስ ገዘሀኝ-ኣብ ከባቢ ፒያሳ 45 ዝኸውን ደቃይቕ ሃለው ኢልናን ኣጣይቅናን ንቤቶም ብምርካብና፣ንመመላእታ 5 ሰዓት ኣቢሉ ጉጅም በልና።

   ኣብ ጉዳይ ምምስራት ዘመናዊ ትምህርቲ ኣብ ተምቤን ዓቢይ ዓድን ዝክሮም ብዛዕባ ሃለቃ ገዘሀኝ ኣፍለይ ድማ ብዘይ ምንድልሃፅን ዝኰነ ምርሳዕን ንእለቱ ኣብ መጋርያ ወግዕና ተመሲጦም ምስናይ ኣክብሮትን እድብናን ዝተሓወዞ ምስክርን ኣዘናትዋን ገይሮም፣እቱይ ዝፈልጥዎ ዘበለ ብዘይ ዝኰነ ማሓሕል (ቀልዓለም) ፀወዩና።

   ምስ ኣቶ ዘሚካኤል ባርነባስ፣ነንገዛና ክንከይድ እንከለና።ኣነ ኣደይ ኣኸዛ ከም ኣሙኦም መጠን፣ደሃየን ይሓቶም።ንሶም ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢለን ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂአን ከምዘሎዋ የውስኡለይ።ኣብ`ዚ እናሃለዋ ዘይምፍላጠይ ብምሕባር-ብቕንፍፅ ክረኽበን ከም ዝደልይ፣እሞ ዝርከባሉ መንገዲ ክነግሩኒ ብዝተላበክዎም-ንሶኒኣ ኸኣ ስልኺ ቊጽሪ ጓለን ወይዘሮ ሙሉ መኰነን ይልእኩለይ።

    ብድሕሪ`ዚ ናብ ጓለን ደዊለለ፡ቆፀራ ሒዝና ብምቕናይ-እንሆ ትማሊ ምስ ኣደይ ኣኸዛ ኣፍለይ ተራኺብና ኣብ ጉጅም በልና።እቲ ዝገረመኒ ድማ ዕሊ ምዝካረንን ምስትውዓለንን ዳርጋ ከምቲ ቕድሚ 4 ዓመት ዝረኸብክወን ኰይኑኒ ፀኒሑኒ።ኣብዚ ክልተ ዓመት እርጋን ዘስዓቦ ወዲቐን እግረን እኳ ተተሰብራ፤እንተኰነ ሓይሊ ገምሪ`ኤን ኰነ ክእለት ምዝካረን ዘገረም ተርእዮ እዩ ኰይኑኒ ዘሎ!

ጓል 99 ዓመት ኣዴና ኣኸዛ ገዘሀኝ ትማሊ ንመዘከርታ ካብ ዝሰኣልክወን ቕልዓት ኣሣእል ሓንቲ እያ።

     ንኣደይ ኣኸዛ ገዘሀኝ ዘላለየኒ ሓደ ካብ ዓሌተ እንዳ ዋዕሮ ዝኰነ ግዱስ ሓው፣ኣብ ታሪኽን ፖለቲካን እምብዛ ዝግደስ ሰብ እዩ።ንሱ፡ኣብ ፊት መንበሪ ቤተን ኣብ ከባቢ ዓዲ ሓቂ ናይ ቤተሰቡ ገዛውቲ ብሓደራ እናሥርሐ እንከሎ-“ንስኻ ኣብ ታሪኽ ኣመና ስለ ትግደሲ፣ኣብዚ ኣሎዋ ዓባይ ሰበይቲ-ኣብ`ዚ እንዳ ፀረ-ማርያም ዝበሃል ገዛ-እሞ ወላ ኣይዛረብይን እየ እንተ ኢለናኻ፡ከም ገለ ገይርካ ከይተሓልካ ተመላሊስኻ ገለ ክትረክበለን ኢኻ ዝብል እምነት ኣሎኒ`ዩ።~” እዙይ ሓውና ካብ ተገዳሥነት ተበጊሹ ከምዚ ካብ በለኒ፣ኣነ ድማ እሽታይ ገሊፀ ተፈለክዎ እሞ መዓልቲ ከይወሰድኹ፣ነቲ ከባቢ ኣፅኒዐን ኣስተውዒለን ድማ ታሪካዊ ቤት ምኳኑን ገለ ካብዘን ኣደ ከም ዝረክብ ብምእማን ኸድኩ።

   ካልእ ጊዜ ሓደ ነተን ኣብቲ ቤት ዝነበራ ከብቲ ዝሕልውን ዝሕብሕብን መንእሰይ “ዝሓወይ፡ማማ እንሄዋ ዶ፧” በልክዎ።ንሱ ድማ “እወ፡እኒሃ እያ!” በለኒ እሞ ናብ ዉሽጢ ቤት ኣትየ።ሰላም በልክወን።ንሰን እውን ሰላምትአን መጠዋኒ።

  “ታሪኽ ክትፀውያኒ ኢለ እየ መፂአክን ዘሎኹ።ዝኰነ ዝፈልጦ ሰብ ብዛዕባክን ምስ ነገረኒ ግድን ክረኽበክን ኣሎኒ ካብ ዝብል እየ መጺአክን ዘሎኹ።”-በልክወን።ኰፍ ክብል ብዝነገራኒ ድማ ሓደን ክልተን ኢልና ከውግዕ ከሎና-“እማን ድየን ዘንብባ ዘሎዋ!” በልኩ ብዉሽጢ ልበይ።ምኽንያቱ ጓል 95 ዓመት ምኳነን ነጊረናኒ ብምንባረን እዩ።እዛ ትስዕብ ዘላ ሥእሊ ሻቡ ዘልዓልክወን እያ።ሕያው ምስክር ትዀውን እያ ድማ እብል።

“ጓል 95 ዓመት፡ኣደይ ኣኸዛ ገዘሀኝ ነታ ቅድሚ 100 ዝተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብቋንቋ ትግርኛ እናንበባ ከለዋ ኢዩ።

ልዕሊ ኩሉ ናይ ምዝካር ኽእለተንን ፍቅሪ ምንባበን ማሪኹኒ ኢዩ።

ፈሪሓ ኣምላኽ ኣብ ቦትኡ ኢዩ።”-

እዛ ፅሕፍቲ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኽቦ ብዝለጠፍኹዎ፣ ኣብ ታሪኽ ዝግደሹ ሰባት ኣዕሚዩቐ ክሓተንን ነቲ ኣብ ቤተን ዘሎ መፅሓፍቲ ቕዳሕ ተክኢለ ክሕዝን ተላብዮሙኒ እዮም።ኣነ እውን ፈቲነ እየ ግን ኣይኰነለይ።እቲ ምንታይ ክንደይ መደናገርን ንብረት ሰብ ወሲዱ ኣብ ዘይመልሰሉ እዋን፣ንዓይ ዘይፈጣኒ ሰብ ክህባኒ ኣጊምወን ብምንባሩ እዩ።

   ነዚ ድማ ዝርደኣንን ዝቕበሎን ብምኳኑ~ “እቲ ኣብ ቤተን ዘሎ መንእሰይ ምሳይ ሒዘ ቕዳሕ (ኮፒ) ገይረ ክሕዝ እምበር ምሳይ ሒዘዮ ኣይከይድን እየ!” ቢለ ተነገርክወን-ካልእ ሕቶ ሓተታኒ።ኣነ ግን ሓቂ ክዛረበንን ብቅንዕና ክቐርበን ስለዘሎኒ እቲ ዝጠለባኒ ከይገበርኩ-ናብ መገሻይ ኣበልኩ።እዙይታት ትማሊ ኣብ ወግዕና ኣልዒልናዮ ብምንባርና፣ንቅንዕነኣን ኰነ ንነፍሲ ወከፍ ርክብና ዘኪረን ምዝራበን ገሪሙንን ኣርሚሙንን እዩ ኣምስዩ።

   ክቡራት ኣንበብቲ፡ብዝርዝር ኩሉ ከቕርቦ ኣይኰንኩን፡እንታይ ደኣ ዝክረይ መሰረት ገይረ እየ ዝፅሕፍ ዘሎኹ።እሞ ድኣ ኣብቱይ ጊዜ እቲ ጓል ሃለቃ ገዘሀኝ ኣፍለይ ምኳነን ምስ ፈለጥኩን ምስ ኣረጋገፅኩን፣ኣዝየ ተመሲጠ-ብዙሕ ሕቶታት ሓተትክወን።ንሰን ድማ ዝዕግብን ዝፍለጦን ጸወያኒ።ብዛዕባ ሃለቃ ገዘሀይ ኣፍለይ ከም ሓደ ኣርካን መስራቲ ቤት ትምህርቲ ንግሥስተ ሳባን ቤት ትምህርቲ ዓቢይ ዓዲ (ተምቤን) ዝሰምዖ ዝነበርዂ-ካብ ዉላዶም ዝኰና ድማ ምስክርነት ረኸብኩ።

   ካልእ ኣብ ኲናት መተማን ኰነ ደጉዓሊ፣ጉራዕን ሰሓጥን ወዘተ ተሳቲፎም ዝተሰውኡ ክንዲ ዝተክኣለ ዝርዝር ኣስማት ክሕዝ ሓደ ፈታውየይ ፕሮፌሠር ታሪኽ ተላብዮሙኒ ብምንባሮም፣ሃለቃ ገዘሀኝ ኣፍለይ ድማ ወላዲኦም ኣብ ኲናት መተማ ተዋጊኦም ብክብሪ ዝተሰውኡ ምኳኖም ኣውሰኣለይ።ብድሕሪ እዚ ሓደን ክልተን እናበልኩ ቀፀልክሉ-ካልእ ጊዜ ከቕርቦ ክፍትን እየ።

ኣብቱይ ጊዜ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኽቦ ንእሂን ምሂን ካብ ዝለጠፍክዎ ነዙይ ይመስል።

  “ሃለቃ ገዘሀኝ ኣፍለይ፡ኣብ ምድረ ትግራይ-ትግርኚ ካብቶም፡ኣዚዮም ምሁራትን ፈላጣትን ሓደ ዚነበሩ ኢዮም።

ወላዲ ኣብኦም፡ኣብ መተማ ምስ እኒ ሃጸይ ዮሃንስ፡እኒ ኣቦ ነጋድራስ ገብረሕይወት ባይከዳኝ ዝተሰውኡ ኢዮም።ወዘተ”

   ብድሕሪ’ዚ ድማ ምስ ዶ/ር ገብረሕይወት፣ምስ ዶ/ር ሰሎሞን ባርነባስን ተራኺበ ገለ እትዋት ምስ ረከብኩ ድማ እዛ ትስዕብ ሓጻር ፅሕፍቲ ናብ ኣንበብቲ ኣቕሪበ ምንባረይ እዝክር።

እሞ ደኣ ክቡራን ኣንበብቲ፡ንሎሚ ከይተዳለኩ ንኣይተት ተሃነይን ስምዒተይን ክብል ዝሓንጠጥክዎ ብምኳኑ ብዙሕ ኣይትፅበዩ ኢኹም እብል።እንተኰነ ትማሊ ምስ ኣዴና ኣኸዛ ገዘሀኝ ኣፍለይ ከውግዕ እንከለኹ-ብዛዕባ ዶ/ር ሚካኤል ተሰማ ኣድሂበ እውን ሓቲተይን ነይረ`የ።

    ንሰን ድማ ብዓይነ ሥግአን ሓንቲ መዓልቲ ጥራሕ ከም ዘረኣየኦም ፀወያኒ።ኣብ እንዳ ሓርበኛ ፊተውራሪ ወልደጊዪርግስ ተድላ ዝነበረ እንግዶት (ድራር) ምኳኑ እዙይ ድማ 61 ዓመት ኣቢሉ ተረዳዳእና።(ዓመተ ምህረት ስለ ዘይሕዛ እዩ)

  ንሰን ዶ/ር ሚቻኤል ተሰማ ኣዝዮም ምሁር ምንባሮምን ዝቀሰምዎ ትምህርቲ ዘየዕግቦምን ህዝቢ ክመሃር ዝነበሮም ብርቱዕ ህንጡይነትን ህርፋን፡`ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቀትሪ ምድሪ ፋኑስ (ማሾ) ኣብሪሆም፡ከም ዝኸዱ፣እዙይ ድማ ብቀትሩ ፀልሚቱኒ ኣሎ-ዘስምዕ እዩ፤ህዝቢ ተዘይተማሂሩ ደኣ እንታይ ትርጉም ኣሎዎ ኰይኑ እዩ`-ዝብል ምንባሩ ኣብ ህይወተን ካብ ዝፀለወን ቃልን ተግባር ዝተሓወሶ፡ንዝነበረን ከም ማህገራዊ ዝረስን ሃረርታ ትምህርቲ ኣድሂበን ኣውሲአናለይ እየን።

    ጓል 99 ዓመት ዝኰና ኣዴና ኣደይ ኣኸዛ ገዘሀኝ ኣፍለይ-ክሳዕ ሎሚ ዘይምምሃረን ይሕመን እዩ፣እምብዛ የቀንዝወን እዩ።እቲ ምንታይ ትምህርቲ ዓንዲ ዕቤት፣ሥልጣነን ለውጥን ብምኳኑ እዩ።ንሰን ካብ ምሁራት (በቲ ዘመን) ዝኰኑ ወለዲ ካብ ሃለቃ ገዘሀኝ ኣፍለይን መምህር ታቦቱን ዝፈረያ ክነሰን-እታ ንኣሽሓት ብርሃን መኣዲ ትምህርቲ ዝመጠወት ስድራ-ንዐዐን ዘይምሃባን ቀልጢፈን ናብ መርዓን ደርዓን ምእታወን ክሻዕ ሎሚ ቃንዛ ልቢ ፈጢሩለን ምህላዉ፡ኣብ ዝገበርናዮ ወግዒ ልበን፣ ክግንዘብን ከስተውዕን ክኢለ ኣሎኹ።

   እንተዀነ እዘን ከም ሻምላ-ፅንዓት ጽንዕቲ ዝኰና ኣደ፡ብናይ ባዕለን ጻዕርን ልፍዓትን ምንባብ ይክእላ እየን።ዕግብቲ ግን ኸቶ ኣይኰናን እየን።ትማሊ ንባዕሉ ኣብ ዓራተን ኰይነን መጽሓፍ ቕዱስ ትግርኛ ሒዘን ክነባ እየን ፀኒሐናኒ።ድካም ሥጋ እኳ ተሃለወን፣ብመንፈሰን ግን ፅንዕቲ ኣደ እየን።

   ሓቦን ሕላገትን ዘሎወን ኣደ እየን።ጽባሕ-እወ እዛ ፅባሕ ወርሒ ሚያዝያ መበል 99 ዓመተን ምኳኑ`ዩ።ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ሂብወን መበል 100 ዓመተን ከብዕላ ተስፋይ ወሰን የብሉን እዩ።

ማማ ኣኸዛ ኣፍለይ ኣብ ጉዳይ ወራር ጥልያን ናብ ከተማ ዓድዋ ከመይ ከም ዝነበረን ንፈለማ እዋን ድምጺ ኣየር ዝሰምዓሉን ኲነታቱን ኰነ ኮለነል ኣልቤርቶ ፖለራ ካብ ዓድዋ ናብ ኤርትራ ክሃድም ኣብ ዶብ ከባቢ ዓዲ ኳላ ብምትሓዙ ተማሪኹ ብኣፍደገ ገዝአን ክሓልፍ ከሎ ዝረኣያ እየን።

 ባንዴራ ጥልያን ኣብ ቆንስል ጥልያን ኣብ ዓድዋ ክትድይብን ክትወርድን ዝዝክርኦ ኰነ ብዛዕባ ኣጀማምራ ቤት-ትምህርቲ ንግሥተ ሳባን እንዳ ኣቦይ ጎበዜ ጎሹን ኣድሂበን ቕድሚ 4 ዓመት ኰነ ትማሊ ዘውግዓኒ ድማ ኣሎ እሞ ሓደ መዓልቲ ጨሊፈ ከዘንትዎ ትስፉው እየ።

=ራእሲ ኃይለሥላሴ ጉግሳ ምስ እኒ ኮለነል ኣልቤርቶ ፖለራ።

 ደጊመ ዕድመን ጥዕናን ንማማ ኣኸዛ ገዘሀኝ እናበሉ-ጾር ማእገር ኰይንወን ብዛዕባ ህዝበን ወሪድዎ ዘሎ ኣደራዕን እንቅዓ ሕሰምን እፅልያን ይነብዓን ምህላወን-ብምርኣየይ ማዕረ ክንደይ ሓላፍነታዊ ኣደ ምኳነን ይስወጠካ እዩ።

By aiga