ቤት ምኽሪ ነጣየሽ! ኢሉ ዝሓተተ ህዝቢ ዘሎ ይመስል፥ መራሕቲ ህወሓት ህይወቶም ንኸትርፉ ብፌርመኦም ዘፍረስዎ ቤት ምኽሪ ኣመልኪቶም “ቤት ምኽሪ ዝጣየሽ ህዝቢ ድምፁ ምስ ዝህብ ጥራሕ ‘ዩ … ቤት ምኽሪ ንኸነጣይሽ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣሰርናዮ ውዕሊ ኣይፈቕደልናን … ምእንቲ ሰላም ክንብል ኣፍሪስናዮ ኢና” እናበሉ ይፀንሑሞ ኣብኣ ናብኣ ድማ፥ ቀዳማይን ካልኣይን ሕሪያና ህዝቢ ዝመረፆም ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎም ኣባላት ነባር ቤት ምኽሪ ስለ ዘለዉ ነባር ቤት ምኽሪ ናይዚ ዝጣየሽ ዘሎ ኣማኻሪ ካውንስል ኣካል ክኸውን ኣለዎ! ይብሉኻ ኣለዎ። እቲ ሕቶ ኣዝዩ ቐሊል ‘ዩ፥ ትማሊ ይፈረስ! ኢልኩም ብፌርማኹም (ብሕጊ ብዝተኣሰረ ውዕሊ) ዘፍረስክምዎ ቤት ምኽሪ ሎሚ ካበይ መፂኡ ‘ዩ ናይ ህዝቢ ውክልና ስለ ዘለዎ ዝበሃል? ብፌርማኹም ዘፍረስክምዎ ቤት ምኽሪ ሎሚ ተመሊስኩም ናይ ህዝቢ ውክልና ዘለዎ ‘ዩ! ማለትስ ገበን ካብ ምዃን ሓሊፉ እቲ ብፌርማኹም ዝኣሰርኩምዎ ውዕሊ ምፍራስ ዶ ኣይኸውንን? ትማሊ “ብደም ዝመፀ መንግስቲ ‘ዩ” እናበልኩም ህዝቢ ትግራይ ክተፈራርሕሉ ዝኸረምኩም “መንግስትነት” ህወሓት ኣፍሪስኩም ጊዜያዊ ምምሕዳር ንኸተጣይሹ ዝኣሰርክምዎ ውዕሊ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ካብ ሕግን ስርዓትን ወፃኢ ዝተጣየሸ ናይ ሸፋቱ ስብስብ ‘ዩ! ዝብል ናይ ኢትዮጵያ መርገፂ፥ እማን ‘ዩ! ኢልኩም ስለ ዝተቐበልኩም ዶ ኣይኮነን ‘ዩ? እቲ ሓቂ እዚ ተዘይኸውን ነይሩ ቤት ምኽርኹም ኣይመፍረስኩምን ጊዜያዊ ምምሕዳር ንምጥያሽ ‘ውን ኣይምተገደድኩምን።

ካሊእ፥ መራሕቲ ህወሓት ከምቲ ንሳቶም ዝነግሩኻ ዘለዉ ምእንተ ሰላም ኢሎም ዘይኮኑስ ነፍሶም ንኽትርፉ፥ መንግስትና ኣፍሪስና ኣሳታፊ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክነጣይሽ ኢና! ኢሎም ውዕሊ ድሕሪ ምእሳሮም ብኢደ ወነንካ ዝነበረ ዝቕፅል ተዝኸውን ነይሩ ደብረፅዮን እቲ ዝነበሮ ስልጣን ሒዙ ንምንታይ ዘይቀፀለ? ስልጣን ደብረፅዮን በቲ ዝተበፅሓ ስምምዕነት እንተብቂዑ፥ ነባር ቤት ምኽሪ በየናይ ናይ ስምምዕነት ውዕሊ መሰረት ‘ዩ ህዝቢ ዝመረፆ፣ ሕጋዊ ቕቡልነት ዘለዎ ቤት ምኽሪ ኾይኑ ዝቕፅል?   

ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ዝተፈራረምናዮ ውዕሊ ሰነድ እዚ ‘ዩ ኢሎም ኣብቲ ንህዝቢ ዝበተንዎ ናይ ስምምዕነት ሰነድ ብግልፂ ከም ዝሕብሮ፥ ትግራይ ሓቋፋይ/አሳታፊ ጊዜያዊ ምምሕዳር ከም ትተክል ካብ ምግላፅ ወፃኢ ነዚ ኣመልኪቱ ዝርዝር ዝኾነ ዝፈቕዶን ዝኽልክሎን ተወሳኺ ስምምዕነት የብሉን። በቲ ስምምዕነቶም መሰረት እዚ ጊዜያዊ ምምሕዳር ተፀዋዒነቱ ንኣቢይ ኣሕመድ ምዃኑ ብዝርዝር ዘረድእ ካሊእ ናይ ሕጊ ሰነድ/ትርጉም ተሃልዩ ድማ ናይዚ ጊዜያዊ ምምሕዳር ዕለታዊ ስራሕቱ ኣመልኪቱ ዝቆፃፀርን ተሓታቲ ዝገብርን ካውንስል ትግራይ ከትምስርት ኣይትኽእል ‘ያ ዝብል ዓንቀፅ ክህልው ኣለዎ። ምእንተ ሰላም ክንብል ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ገዲፍናያ ኣለና! ዝበሃል ተኾይኑ ግን (ብጭቡጥ ኮይኑ ዘሎ እዚ ‘ዩ) ትግራይ ነቲ ዝተጣየሸ ጊዜያዊ ምምሕዳር ዝቆፃፀርን ተሓታቲ ዝገብርን ካውንስል ንኸተጣይሽ ክትግደድ ‘ያ። ተዘይ ኮይኑ፥ ትግራይ ጊዜያዊ ምምሕዳር ዝቆፃፀርን ተሓታቲ ዝገብርን ካውንስል ንኸይተጣይሽ ዝኽልክል ግን ድማ ብኣንፃሩ ክክትልን ደገፍን እናገበረ ምኽሪ ሓሳብ ዘቕርብ ኣማኻሪ ካውንስል ንኸጣየሽ ዝፈቕደላ ህግን ስርዓትን ፍልፍሉ ብግልፂ ክፍለጥን ክንገርን ኣለዎ። ንምንታይ? ምጥያሽ ካውንስል ናይ ሰፈር እርድ ስለ ዘይኮነ ‘ዩ። ብተወሳኺ፥ በዚ ብርኪ ኣብ መንግስታዊን ሀገራዊን ጉዳያትን ስራሕትን ጣልቃ ዝኣትው ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝጣየሽ ብሕጊ ‘ዩ ዝኽልከል ‘ውን ብሕጊ ‘ዩ። ብርግፅ፥ ሕንኽ ከይበለ ስለ ዲሞክራሲ ከምህርን ክሰብኽን ዝተሰምዓ ፍስሃ አስገዶም ዝተብሃለ ካድረ ህወሓት ‘ውን ተኾነ፥ መራሕቲ ህወሓት ዝወከሎም ዘይብሎም ብኢደ ወነኖም “2.8 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ብምርጫ ዘቖሞ መንግስቲ ዩ!” ክብለዎ ዝኸረሙ ኣፍሪሶም ምምፅኦም ዲሞክራሲያዊ ‘ዩ! ዝብል ኣሎ። ብዝኾነ፥ ክዝሕሎም ብኢዶም ክውዕዮም ብማንካ ዝለመዱ መምሰልትን መታለልትን መራሕቲ ህወሓት ምስ ተፈጥሮን ባህርን ሕጊ ዝተፋትሑ ቀይዲ በተኽ ፋሉላት ብምዃኖም እነሆ ንዓዓቶም ዝጥዕሞም ክገብሩ ትግራይ ብቐፃልነት ኣብ መዓሙቕ ደልሃመት ሰኽቲቶም ይሓቑንዋ ኣለዉ።

ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

By aiga