እዋናዊ መግለፂ ዓይጋ
እቲ ካብ ጥንቲ እናተወራረሰ ዝመፅአ እምቢ ን ባርነት ወያናይ ሰዓርነት ብ ኣናእሽቲ ጠለባት ከምዘይተረኸበ በብእዋኑ ብዝኽፈሉ መስዋእትነት ትውልድታት ክብርኻ ኣሕሊፍካ ከይሃብካ ከምዝፅናሕ ነባራይ ምልክት ይፀዋዕ እንተዝብሃል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትግራይ ዝስራዕ ኣይክህሉን።
ኣብ እዚ ሰሙን ብ ሰንኪ ኣፅነትቲ ወረርቲ ሓይልታት ዝተፈፀሙ ኣስካሕካሕቲ ግፍዕታት ርእሲ ኣዲኦምን ዓዶምን ከቅንዑ ምስ ሚልዮናት ጨካናት ገጢሞም ንክብሪ ዓዶም ብ ክብሪ ዝሓለፉ ተጋደልቲ እዚ ዘመን ዝግበር ዘሎ መርድእ ኣመልኪቱ ብ መንግስቲ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ‘ስርዓት ዝኽሪ ሰማእታትና’ ትግራይ ካብ ዝሓለፈቶም ከበድቲ እዋናት ሓደ ምዃኑ ብምግንዛብ ግቡእ ክብሪ ንህብ። ብቐዳምነት፥ ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ን ሰማእታት!
ካብኡ ብምቕፃል ዕጫ በፂሕኩም ሕድሪ ሰማእታት ኣብ ጫፍ ንምብፃሕ ራእይ ብፆትኩም ንምስኻዕ ካብ ጎኒ ስውኣት ዝተረፍኩም ተባዓት ተጋደልቲ ሰራዊት ትግራይ (TDF) ካብ ማንም ንላዕሊ ዝዓበየ ሓላፍነት ዝተሸከምኩም መራሕትን ኣለይቲን እቲ ዝተረፈ ዕዮ ስለዝኾንኩም ሕዚ እውን ካብ ሰማእታትና ብምቕፃል ዓብዪ ክብሪ ኣለና።
ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት ጀጋኑ፣ ከም ትግራዎት ን ትግራይ ኢሎም ክባር ህይወቶም ዝኸፈሉልና ሰማእታት ካብ ጅማትኩም ጅማት ካብ ደምኩም ደም፣ ብ ስጋን ዓፅምን ደኣ ካባኹም ይቀድሑ እምበር ካብ ሰሜን ክሳብ ምዕራብ ካብ ደቡብ ክሳብ ምብራቕ መላእ ትግራይ ዘካለለ ሓዊ እንትዘንብ ብረት ዝተዓጠቑ ውላዳት ፍረ-ከርስኹም ዕሸላት ንኣና ንደው ዝበልና ህይወቶም ዝገበሩ ሰማእታት ምዃኖም ዘማትእ የብሉን። ነዚ ድማ ሕድሕድ ትግራዋይ/ወይቲ እቲ ከም መትከል እናማዕበሎ ዝመፅአ ዝነበረን ዘሎን ምንባይ ስድራ ስውኣት ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ብ ኣኽብሮት ንፅውዕ።
ዓይጋ ንዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ማለት እውን ካብ ግዘ ወራር ሻዕብያ ጀሚሩ ን ህዝቢ ትግራይ ኣማእኺሉ ብጠቕላላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝካየድን ካልኦት ዓለምለኻውያን ጉዳያት ኮይኖም ንህዝብና ዝፀልው ዛዕባታት ኣልዒልካ ን ክፉት ዘተ (open discussion) ኣብ ምቕራብን ስለ ፖሊስታትን ስትራተጂታት ልምዓትን ልኡም መረዳእታ ብምውዛዕ ኣብ ኣንገብገብቲ ዛዕባታት ድማ እኹል መብርሂ ክህቡ ዝግብኦም ብምውካስ ናይ ሓበሬታ ሕፅረት ኣብ ምቕራፍ እኩብ መረዳእታ ድማ ን ዝተፈላለዩ ሚድያታት ብምብፃሕ ግደኣ ክትፃወት ፀኒሓ እያ። እዚ ኩሉ ዝኾነ ከኣ ብ ኣዕፅምትን ደምን ስውኣት ጀጋኑ ዕድል ረኺብና ደሃይ ህዝብና ክንሓትትን ንዕላምኦም ብሞይና ንምግልጋል ብምብቃዕና እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ወራር ፅንተት ትግራይ (Tigray Genocide) ይኹን ንእኡ ንምስኻዕ ዝተኣለመ ውዲት ዕፅዋን ክባን ዓፀባ ህዝብና ናብ ዓለም ኣብ ምቅላሕን ዝተፈፀሙ ገለ ካብቶም ግፍዕታት ኣብ ምስናድን ዓለም-ለኸ ሚድያታት ዝፀብፀብዎም ድማ ጥውቆታት ብምሓዝ ኣብ ህዝብና ዝበፅሐ ሞትን መቑሰልትን ብፍላይ ድማ ኣብ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈፀመ ሞትን ማህሰይትን ብዝተወሰነ መልክዑ ኣብ ትግራይ ጀኖሳይድ (Tigray Genocide) ዝብል ዓምዲ ክንእውልል ክኢልና ኢና። እዚ ድማ ሐዚ ይኹን ቀፃሊ ንዝግበሩ መፅናዕትታትን ፍትሒ ኣብ ምንጋስን ሓገዝቲ ተራ ከምዝፃወቱ ንኣምን።
ብ ቐፃሊ ድማ ህልውና ህዝብና መሊኡ ንክረጋገፅ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክምለስ ከምኡ እውን እቲ ጥንቃቐ ዝደሊ ኣተኣላልያ ሕርያ ናፅነትን ታሪኻዊ ግዝኣትን ብዝምልከት ንዝግበር ኣድመዓይ ኩለ መዳይ ቃልሲ ኣብ ምጥንኻር ብፍላይ ድማ ኣብ ርትዕን ስነ-ሞገትን ዝተደረኸ ብርዓዊ ገድሊ ምክያድና ከም ሓደ ናይ ፅሑፍን ስነዳን ኣገልገልቲ ኣሐይልና ከም ንቅፅል ብሽም ሰማእታት ቃል ንኣቱ።
ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዕላማ ሰማእታት እዚ ዘበን ዓሲሉ ንዝርኣዩ ብልሽውናን ኢፍትሓውነት ክቃለስ ካብ ዝኾነ ዓይነት ን ስውኣትና ዘናሹን ዘናዕቕን ዘይተገርሐ ዘረባ ክከላኸልን ዝግብኦም ክብሪ ምሃቡን ኣበሪቲዕኻ ክቕፅል ዝግብኦ ጉዳይ ምዃኑ ክነዘኻኽር ንደሊ።


ኣብ መወዳእታ ኣደ እቶም ምሩፃት ተጋደልቲ ክትከውን ተሓርያ ደቃ ስለ ዓድኹም ኢላ መሪቓ ዝሰደደት ኣደ ትግራይን ኣነ እውን ከም ኣሕዋተይ ኢላ ዝወፈረትን ኣብ ዓለም ዘይተርኣየ ተጋድሎ ማዕረ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ዝተቃለሰትን ዘቃለሰትን ጎርዞ ትግራይ እተን ኣብ ዓዲ ዝተረፋ ድማ ኣደዳ ሕልፊ ስቅያትን ፆታዊ ዓመፅን ዝኾና ኣማኢት ኣሽሓት ኣሓትና ዘለና ልዑል ክብሪ ንገልፅ።

“ዝተኸፈለልና ዋጋ ከቢድ እዩ!” እዚ ስለንፈልጥ ድማ ብሓላፍነት እጃምና ብምውፋይ ሰማእታት ትግራይ ዝተዋደቑሉ ዕላማ ክንቃለሰሉ ኢና።

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና!
ክፍሊ ኢድቶርያል ዓይጋ፥

By aiga