ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

ሓደ ስርዓት “ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ‘ዩ!” ክበሃል ከሎ ካሊእ ዘይኮነ ሓደ መንግስቲ ብሽምን ሽፋንን ሕግን መንግስትነትን ከምኡ ድማ ብሽም ህዝቢ ዝሰርሖምን ዘከናውኖምን ሀገራዊ ዋኒናት ህዝቢ ናይ ምፍላጥ መሰል ስለ ዘለዎ ‘ዩ። ብኻሊእ ኣገላልፃ፥ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዘይረኣን ይጭበጥን መንፈስ ዘይኮነ የግዳስ መግለፂኡ ክብሩን መሰሉን ዝተሓለወሉ ህዝቢ ‘ዩ። እቲ ሓቂ፥ በዚ ልክዕ ክብሩን መሰሉን ዝተሓለወሉ፣ መቑሑ ዝሰበረ፣ ኣብ ትሕዚ ፍትሓዊን ሚዛናዊን ዝኾነ ሕግን ስርዓትን ዝነብር፣ ነፃ፣ በዓል ዋና ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ ኣብ ትግራይ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ባዕሉ ዕብደት ‘ዩ። ሓሳበይ ብኣብነት ከረድኣ፥ መራሕቲ ህወሓት ንሰልስተ ወዓሰርተ ዓመታት ክረግፀኪዶ ክሓድገኪ እናበሉ ዝዓንደሩላ ሸገር ንድሕሪት ገዲፎም ኣብ ሆቴላት ከተማ መቐለ ምኽታሞም ስዒቡ ሃላዋቶም ኣስናኑ ዝወደኣ ተናባሒ ኸልቢ ካብ ምኻን ሓሊፎም ትርፊ ዘይብሎም ውልቀ-ሰባት ንምኻኖት ካብ ዘረጋገፁ ኩነታት ሓደ ጉዳይ ትእምት (ኢፈርት) ምንባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሰብን ፈጣርን ዘይፈርሑ መራሕቲ ህወሓት ድሕሪ 27 ዓመታት “ትእምት ናይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ” ክብሉ ኸለዉ ሰብ እንታይ ይብለና ኣይበሉን። እቲ ዘሕዝን፥ ካብ ሓደ ገዛ ሰለስተን ኣርባዕተን ኣቃሊሱ ኣርባዕቲኦም ዝሰኣኖም ህዝቢ ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ብመስዋዕቱ ደቁ ዝተረኽበ ሃብቲ ኣመልኪቱ ክሓትት ይትረፍ ቅንዕ ኢሉ ናይ ምኻድ መሰሉ ዝተሃገረ ማሕበረሰብ ኮይኑ ምትራፉ ‘ዩ።

እቲ ሓቂ፥ መሰቦ፣ መስፍን፣ አልመዳ፣ መድሓኒት ፋብሪካ ወዘተ “ናይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዮም” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ‘ዩ? ኣብ ሎሚ በፂሖም ናይ ህዝቢ ዝኾንሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? ቅድሚ ሕዚኸ ናይ መን ‘ዮም ነይሮም? ንዝሓለፈ 27ን ዓመታት ናይ መን ኮይኖም ‘ዮም ፀኒሖም? ኣታዊኦም? ትርፎም? ካሊእ ይትረፍ በየናይ ሕጊ ስርዓትን ደንብን ‘ዮም ዝመሓደሩ ነይሮም? መን ብዝፀሓፎ? መን ‘ዩ ዘመሓድሮም ነይሩ? መን ብዝሸሞምን ብዝመረፆምን?… ኢልካ ምሕታት ኣብ ትግራይ ናብ ውኽኒ ዘውርድ ጥራሕ ዘይኮነ ብሕቲ ህይወትካ ዘስእን ‘ዩ። ንምንታይ? መራሕቲ ህወሓት መልሓሶም ክሳብ ዝደሚ ብኣፎም “ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ” ዝብልዎ ነገር፥ ደርጊ ብደም ንፁሃት ዘጠልቀያ ኢትዮጵያን ከም ኡውን ኪም ጆንጉን (kim Jong-un) ዲሞክራሲያዊት ሊፓብሊክ ሰሜን ኮሪያ ዝብላ ፅላል ኣልባ ውኽኒ ቤት ዜጋታታ ዝተፈለየ ነገር ስለ ዘይብሉ ‘ዩ። ንስርቅን ንኽፋእን ተዘይኮኑ ንቑምነገር ዘይበቕዑ መራሕቲ ህወሓትን ዕሱባቶምን ወግሓ ፀብሓ “ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ” እናበሉ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዘፋለጥዎ/ዝዘርግሕዎ ስርዓት ብሓቂ ረብሓን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅ ስርዓት ዘይኮነ፥ ሓደራ ሰማእታት ትግራይ በሊዑ፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ባሪያ ገይሩ ናይቲ ብረብሓን ብመውስቦን ዝተኣኻኸበ ቀታሊ ነፍሲ ጉጅለ ህወሓት ውልቃዊን ጉጁላዊን ረብሓ ዘረጋግፅ መስርሕ ‘ዩ ነይሩ። ብኻሊእ ኣባህላ፥ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ን17 ዓመታት ተቓሊሱ ናይ ህይወት መስዋእትነት ብዝኸፈለሉ ስርዓት ተጠቃሚ ንኽኸውን ዝገብር ዘይኮነ ብኣንፃሩ ብሽም ትግራይን ሰማዕታት ትግራይን እናመሓሉን እናጠሓሉን ሕቶ ንዝሓትት ዘበለ ኹሉ ዝጥሕል፣ ትግራይ ናይ ወላድ መኻን ዝገበረ ቀታሊ ነፍሲ ዝኾነ መስፍናዊ ስርዓት ‘ዮም ፈጢሮም።      

መራሕቲ ህወሓት ንዝሓልፉ 30 ዓመታት

ኣብ መሬትን ኣእምሮን ህዝቢ ትግራይን ትግራይን

ዝዘርእዎን ዝሰበኽዎን ናይ ሓሶት “ዲሞክራሲ” እንታይ ይመስል? ንዝብል

  • መራሕቲ ህወሓት ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝሰበኹና ዲሞክራሲ፥ መንግስታዊ ስልጣን ሖዞም ብሽምን ሽፋንን ትግራይን ሰማዕታት ትግራይን እንሰርሖ ስራሕ ናይ ምፍላጥ መሰል የብልካን፤ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ትግራይ ንዓና ድኣምበር ንዓኻ (ንህዝቢ ትግራይ) ኣይምልከትን ዝብል ‘ዩ።
  • መራሕቲ ህወሓትን ካድረታቶምን ዲሞክራሲ ዝብልዎ እምነትን ኣተሓሳስባን፥ ሕቶ ዘልዓለ ናብ ዘብጥያ ምውራድን ምቕታልን ‘ዩ። ብመነፅር መራሕቲ ህወሓት ሕቶ ምልዓል ፀረ ዲሞክራሲ፣ ፀረ ህዝቢ፣ ፀረ ልምዓት ‘ዩ። ንምንታይ? ብእምነትን ኣተሓሳስባን መራሕቲ ህወሓት ዲሞክራሲ ማለት ዓይንኻን እዝንኻን ደፊንካን ዓሚትካን ስርቅን ዓመፅን ዝመለሊኦም መራሕቲ ህወሓት ዝበልዎ ምግባርን ዝሃቡኻ ምቕባልን ስለ ዝኾነ ‘ዩ፤  
  • ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓደ ብመውስቦን ብጥቕምን ዝተጋመደ ብውልቀ ሰብ ዝዝወር ውድብ ህወሓት ዝበለካ ምስማዕን ግበር ዝበለካ ምግባርን ‘ዩ፤
  • ዲሞክራሲ ማለት ህዝቢ ትግራይ ብሽሙን ብሽም ስውኣት ትግራይን ዝንግድ ‘ካሚካዚ’ (መጥፊኢ ዓዲ) ዝኾነ ውድብ ንዘልኣለም ባሪያ ኾይኑ ንኽግዛእ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምግባር ‘ዩ፤
  • ዲሞክራሲ ማለት ህዝቢ ትግራይ ብሽሙን ብሽም ስውኣትን ዝንግድ ውድብ ህወሓት ሃይማኖት ኽኾኖ ምግባር ‘ዩ፤
  • ዲሞክራሲ ማለት ህዝቢ ትግራይ ገባሪ ኽፉእ ውድብ ህወሓት እናመረቐ ንኽነብር ምግባር ‘ዩ፤
  • ዲሞክራሲ ማለት ሕጊን ስርዓትን ከም ጋሻን ዋልታን ተጠቒምካ ኣብ ልዕሊ ህጊ ምዕማፅን ምልጋፅን ‘ዩ፤
  • ዲሞክራሲ ማለት ንሕና (መራሕቲ ህወሓት) ዝበልናዮ ግበር ዘይትገብር ተኾይንካ ድማ መቓብርካ ፈሓር ‘ዩ፤
  • ዲሞክራሲ ብሚዛን መራሕቲ ህወሓት ንሕና ጥራሕ ኢና ንፈልጥ ‘ዩ፤
  • ዲሞክራሲ ማለት ኣብ ትግራይ፥ ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ትሕቲ መራሕቲ ህወሓት ከም ዝኾነን ምስ መራሕቲ ህወሓት ዝመዓራረ ውልቀ ሰብ ይኹን ህዝቢ የለን ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ዝፈልጥዎን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፀዓንዎን ዲሞክራሲ፥ ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ዘግለለ ውሳነ ምውሳን ምኽኣል ‘ዩ፤ 
  • ዲሞክራሲ ብዓይኒ መሪሕነት ህወሓት፥ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ መምርሒ ድኣምበር ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝሰምዕ እዚኒ የብልናን ዝብል ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝሰበኽዎ ዲሞክራሲ፥ ካሊእ ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ንኽነብር ዝገብር ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ዓይኖም ብጨው ሓፂቦም ዝምድርሉ ዲሞክራሲ ሕዚ ‘ውን ካሊእ ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ሓቂ ንኸይፈልጥ ዘልኣለም ብሓሶትን ብፕሮፓጋዳን ብደርፍን ብድራማን እናቖዘመ ክነብር ምግባር ምኽኣል ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝሰበኽዎ ዓይነት ዲሞክራሲ፥ ነፃነት ህዝቢ ትግራይ ዘረጋግፅ ዘይኮነስ ብኣንፃሩ ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ዝዕፍን ሓንቲ ፓርቲ፣ ሓንቲ ልሳን፣ ሓንቲ ድምፂ ዝሰብኽን ዝሕልውን ወልቀ መላኺነት ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ዲሞክራሲ ማለት እናበሉ ንህዝቢ ትግራይ ዝነገርዎን ዝዘተውሉን፥ ንሕና ተዘይሃሊና ክትጠፍእ ኢኻ! ዝብል ህዝቢ ብፍርሒ ንኽነብር ምግባርን መራሕቲ ህወሓት ምቃዋም ድማ ብኣውርኡ ፀረ ዲሞክራሲ ከም ዝኾነ ‘ዩ፤
  • ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ውስጠ ዲሞክራሲ ብዘይብሎምን ብዘይፈልጡን መራሕቲ ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝተዘርኣን ዝተሰብከን ዲሞክራሲ መራሕቲ ህወሓት ከም ፈጠርትን ሓደግትን ምፍራሕን ምምላኽን ‘ዩ፤
  • ኣብ ትግራይ ዝተሰበኸ ዲሞክራሲ ህዝቢ ትግራይ መሪሕነት ህወሓት ከም ንጉስ እናመረቐ ካብ ምንባር ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ከም ዘይብሉ ዘፍልጥ ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ንዝሓለፈ 30 ዓመታት ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ ዲሞክራሲ እናበሉ ዝሰበኽዎ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ሽቶን ዓላማን ባናና ትግራይ ፈጢሮም እናዋቕዑ ናይ ምንባር ባህጊ ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዘፋለጥዎ ዲሞክራሲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ህይወት መስዋእትነት ዝኸፈለሉ መሰሉ ተጠቒሙ መራሕቱ ብነፃነት ንኸይመርፅ ሽርሕን ተንኮልን እናፈሓሱ ብስንዳይን ዘይትን እናፈራርሑ ዘልኣለም ንሳቶም ጥራሕ ገዛእቲ ኾይኖም ንኽነብሩ ዝረድኦም መስርሕ ‘ዩ፤
  • መራሕቲ ህወሓት ለይትን ቀትርን ዝመፃደቕሉ ዲሞክራሲ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ተረባሒ ክግብሮ ዝኽእል ሓሳብን ዓላማን ማእኸል ዝገበረ ሕብረትን ሓድነትን ኸይፈጥር፣ ብነጻነት ዝመሰሎ ንኸይዛረብን ንኸይገብርን ምግባር ምኽኣል ‘ዩ፤ 

እንታይ ንግበር?

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ክሓልፈሉ ተኾይኑ፣ ትግራይ (ትጠቕለል ርእሳ ትኽኣል) ከም ግዝኣት ክትዕርይ ትኽእል፣ ኣሽሓት ዓመታት ዘቑፀረ ብድንቁርና ዝተሓፅረ ድሑር እምነትን ኣተሓሳስባን ስሱዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክፍወስ ዝኽእል ነፍሲ ወከፍ ትግራዋይ ንዲሞክራሲያዊ እምነትን ኣተሓሳስባን፣ ንልዕልነት ሕግን ስርዓትን፣ ከምኡ ድማ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ተነቒሉን ዓይኑ ተኸፊቱን ጥራሕ ‘ዩ። ሀገራዊ ለውጢ ሕብሽቲ ሰማይ ኮይኑ ካብ ሰማይ ዝወርድ ነገር ኣይኮነን። እዚ ሓቂ እዚ ክስወረና የብሉን። ከም ህዝቢ ክንልወጥን ከሓልፈልናን ተኾይኑ እቲ ልውጢ ዝጅምር ካብ ነፍሲ ወከፍና ‘ዩ። ድሌትናን ባህግናን ለውጢ ተኾይኑ፥ ለውጢ ካብ ነፍሲ ወከፍና ክትጅምር ይግባእ። ሞትን ድኽነትን ተሰልችይና፥ ብሽምን ሽፋንን ትግራይን ሰማእታት ትግራይን ከም ጠለ-በጊዕ እናኾብኸበ ብቐፃልነት ኣደዳ ሞትን ድኽነት ዝገብረና ዘሎ፣ ከፈጥሮ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘይብሉ፣ ካብ ሕጊ ንላዕሊ እየ ኢሉ ዝኣምን፣ ንስራሕ ዘይተፈጠረ ሌባ፣ ምስ ፀልማት እምነትን ኣተሓሳስባን ዝተሰፈየ መምሰልን መታለሊን ናይ ጥፍኣት ጉጅለ መሪሕነት ህወሓት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክነቃብፆ ይግባእ። እዚ ድማ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ ናይ ደላዪ ለውጢ ነፍስ ወከፍ ትግራዋይ ‘ዩ። ሓድሽ ወለዶ ትግራይ ኮይንካ መማረፂ መሪሕነት የለን ኢልካ ትኣምን ተኾይንካ ነፍስኻ ኢኻ ተዋርድ ዘለኻ። ጎበዝ፥ ከም ማሕበረሰብ መሰረታዊ መረዳእታና ክነስተኻኽል ግድን ‘ዩ። መሪሕነት ህወሓት ሓይሉን ጉልበቱን ተኣማማኑ ናይ ስልጣን በዓል ዋና ኾይኑ ንኽገዝኣና ክንፈቅድ የብልናን። ከም ህዝቢ መራሕትና ናይ ምምራፅን መንግስትነት ናይ ምትካልን ግደን ሓላፍነት ናህና ‘ዩ። እቲ እንመርፆ ኾነ እቲ ዝትከል መንግስትነት ‘ውን ተኾነ ንመርፆን ንተኽሎን ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ክመርሓና ድኣምበር ንሕና ባራዩ ንሳቶም ጎተት ንሕና ሓረስቶት ንሳቶም ዓፀድቲ፣ ንሕና ጋገርቲ ንሳቶም በላዕቲ፣ ንሕና ደኸምቲ ንሳም መገፅቲ ኾይኖም ክነብሩ፣ ዓፊኖምን ረጊፆምን ንኽገዝኡና ኣይኮነን።

ጎበዝ፥ ትግራይ ዝመፀቶ መንገዲ ድኽነትን ስእነትን ንኸይቕፅል ተደሊኻ ብሽምካ ማዕፆ ዓፅዩ ምስ ዘረፍትኻን ቀተልትኻን ንጥፍኣትካ ዝመክር ዘሎ መሪሕነት ህወሓት ወጊድ ኢልካ ክተወግዶ ኣለካ። ትግራዋይ ከም ህዝቢ ክሓልፈልካ ተኾይኑ፥ ንዕቤትን ለውጥን ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ማሕልኻ ዝኾነ መሪሕነት ህወሓት ሎሚ ዘየላጢ ስጉምቲ ክትወስድ ተኽኢልካ ጥራሕ ‘ዩ። ዲሞክራሲያዊት ትግራይ ክንፈጥር ተኾይና ሕማም ትግራይ ዝኾነ መሪሒነት ህወሓት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ትምህርቲ ዝወስደሉ ስጉምቲ ክንወስድ ተኽኢልና ጥራሕ ‘ዩ። ሰበ-ስልጣን ትግራይ (ወታደራዊ መኮነን ይኹን ናይ ፖለቲካ በዓል ስልጣን) ሎሚ ‘ውን ብሽም ሰላም ዝርኣየናን ዝሰምዓናን የለን! ኢሎም ብቐፃልነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀምዎ ዘልዎ ክሕደትን ገበንን ብሕግን ብስርዓትን ሓላፊነት ንኽወስዱ፣ ተሓተቲ ንኽኾኑ ተቖሪፅና ናብ ዘብልዎ የብሎምን።

ትግራይ ክትፍወስ፣ ዓይንን እዝንን ህዝቢ ትግራይ ፍትሕን ርትዕን ክሪኣን ክሰምዓን ተኾይነን፣ ትግራዋይ ከም ህዝቢ ክሓልፈልካ፣ ንቡር ክትርኢ፣ ካብ ሕሰምን ድኽነትን ክናገፍ ተኾይንካ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ዝባንካ ዝጠጠዓ ፀልማት እምነትን ኣተሓሳስባን መራሕቲ ህወሓት ከም ጨው ክሓቅቕ ኣለዎ። ኣነ ዝበልክዎ ተዘይኮኑ፣ ኣነ ድሌተይ ተዘይረኺበ፣ ኣነ ቅድሚ ሰብን ልዕሊ ሰብን ክስማዕ ተዘይክኢለ፣ ኣነ! ኣነ!  ኣነ!  ኣነ! ዝብል ሕማም ዝፀንዖ ብኹት መሪሕነት ህወሓት ስለ ዘይረብሓካ ዝተኸፍለ ዋጋ ይከፈል ካብ መድረኽ ፖለቲካ ትግራይ ክፅረግ ኣለዎ። ትግራይ ትጠቕለል ርእሳ ትኽኣል ብዘየገድስ፥ ናብራና፣ ህዝብናን ዓድናን ንምልዋጥ ዘላትና መማረፂ እዚኣ ‘ያ። ተጋሩ ከም ህዝቢ ክሓልፈልና፣ ክንልወጥን፣ ሰብ ዋናታት ስልጣን ኮይና ማዕረ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕቲ ኾይና ክነብር ተኾይና ቀታሊ ነፍሲ መሪሕነት ህወሓት ነበርያ ነበረ ክኸውን ኣለዎ። መሰረታዊ ዝኾነ ናይ ትግራይ ፀገም ማለት ‘ውን ሕመቕን ሕማምን መሪሕነት ትግራይ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክዕርን ክውፈስን ዝኽኣል ሎሚ ዝቑረፅ ቆሪፅና (መሪሕነት ህወሓት) ንቕድሚት ንኽንከይድ ትኽክለኛ ዝኾነ ነገር ንምግባር ተቖሪፅና ጥራሕ ‘ዩ ሞ ተረባሕታ ንዝገብረና ነገር ስንፍና ኣይሓዘና።

በቃይ ይኣኽለኒ እንተልካ መቑሕ ባርነት ካብ ክሳድካ ክትሰብሮ ኢኻ!

እዚ ፅሑፍ “ታሪኽ ውድቀትን ኪሳራን ትግራይ” ብዝብል ርእሲ ንሕትመት ተዳሊዩ ካብ ዝርከብ ሓድሽ መጽሐፍ ዝተረኸበ ፅሑፍ ‘ዩ።

By aiga