ካብ ኣዲስ ኣበባ

ትማሊ ዝተኣገዱ ሕሳብ ባንክታት ተጋሩ ተኸፊቱ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ወይ ዜና ብምዝርግሑ ብርክት ዝበሉ ናብ ባንክታት ከይዶም ነይሮም።

እንተኰነ “ኦዲት ክሳዕ ዝግበር ክጸንሕ እዩ!” ኢሎም መልሲ ይህብዎም ኣሎዉ።ብዛዕባ ባንክታት ብዙሕ ጉድ እዩ ዝስማዕ ዘሎ።ንሱ ድማ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ሕሳብ ባንኮም ዘየንቀሳቐሱ ሰባት (ዝበዝሑ ተጋሩ ምኳኖም ይእመን) እሞ ድማ ብሚልዮናት ዘቀመጡ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከም ዝተሰርቁን ዝተዘርፉን ፈለጥቲ ምስጥር ይሕብሩ እዮም።

ኣብነት፡ኣብ ኣብያተ ጨናፍር ዝተፈላለያ ባንክታት ፡ዘይንቀሳቐስ ሕሳብ ባንኪ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣብ መዕቆሪ ባንክ እታ ጨንፈር ዝቕመጥ ዝብል ስሩሕ ሕግን ደምብን ስለ ዘይብሉ-እዚ ናይ ትግራይ ኲነታት ድማ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ሕሳብ ባንኩ ንመመላእታ ክልተ ዓመት ዘይንቀሳቐሰን ንልዕሊ ዓመት ተኰነ ዘይንቀሳቐሰ እልቢ ስለ ዘይብሉ፡ንሰረቕትን ዘረፍትን ኣደዳ ኰይኑ ከም ዘሎ ኣብ ድሕነት ፋይናንስን ትካል ኢንሳን ዝሰርሑ ክኢላታት የረድኡ።

እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ (ማለት ሕጋዊ መንበሪ ዘሎዎምን ቀወምቲ ነበርትን) ሕሳብ ባንኮም ብናይ ትግራይ ባንክታት ዘውጽኡ-ምስ ተኣገዱ ዝኽፈል ጉቦን ብላዕን ብምክፋል ገንዘቦም ከውጽኡን ናብ ካልእ ሕሳብ-ባንክ (ኣካውንት) ከግዕዝዎን ተራእዮም እዮም።

እቶም ብሚልዮናት ዝግመት ሕሳብ ባንክ ዘሎም ተጋሩ ምስ ሰሎ ህልው ኲነታት፡ንመመላእታ ክልተ ዓመት ዘይንቀሳቐሱ ብፍላይ ብዕመ ዓበይቲ ዝኰኑ ሞይቶም እዮም፡ዝኰኑ ብዝብሉ ብሰራሕተኛታት እተን ባንክታት ተዘሪፉን ክዝረፍ ገይሮሞምን እዮም።

ነዚ ጉዳይ ንነዊሕ እዋን ክከታተልዎ ዝጸንሑ ኣብ ትካላ ድሕነት ፋይናንስ (Financial Intelligence) ንመንግስቲ ክሕብሩ እኳ ተጸንሑ ግን መንግስቲ ጉዳዩ ኣይነበረን።ሕጂ ግን ብተብተብ ዝእሰሩን ዝክሰሱን ሰባት ኣዳልዮም ይርከቡ።ይቃለሱ ከም ዘለዉ ንምምሳል እዩ።

ስለዚ፡ትማሊ ናብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ከይዶም፡” ሕሳብና ዳግማይ ተኣኸፊቱ ኣሎ፥ ሰሚዕና እሞ ገንዘብና ምህላውን ዘይምሃልውን ከነረጋግጽ ንደልይል ኢና” ምስ በሉ።

ብድንጋጸ ገለ ገለ ሰራሕተኛታት ባንኺ “ኦዲት ክግበር ኢዩ!” ኢሎም ክምልስሎም ተራእዮም እዮም።

ዝሰረቁ ሰሪቆም ዝሃደሙ ከም ዘለውን ኣይንፍለጥን ኢና ኢሎም ዝጸንሑ ከም ዘለዉ ድማ እቶም ኣብ ድሕነት ፋይናንስን ትካል ኢንሳ ዝሰርሑን ወሲኾም የረድኡ።

ካልእ ድማ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ይኹን ካብ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ፣ኬንያ፣ኡጋንዳን ሱዳንን ዝተመስሉ እሞ ብሓሶት ታሴራ (መለለዪ መንነት) ተጠቂሞም ገንዘቦም ኣብ ባንክታት ዘቐመጡ፡ዳርጋ ብርክት ዝበሉ ተበሊዖም ኣሎዉ።

እዚ ማለት እቶም ባንከራት ኤርትራውያን ምኳኖም ወይ ይፈልጡ ወይ ሓቲቶም የረጋግጹ እሞ “ወይ ከነትሕዘኻ ኢና ወይ ድማ ንዓና እውን ሕሰበልና እምበር ኤርትራዊ ምኳንኻ ፈሊጥናካ ኢና” ኢሎም ሚልዮን ክልተ ሚልዮን ዝተቐበልዎም ኣሎዉ እዮም።

ገሊኦም ኤርትራውያን ድማ ኣዝማድን ሰብን ረኺቦም ብስምምዕ ብዝተወሰነ ግቦ ዝተማሕሩ ኣሎዉ እዮም።

ነቶም ምስ ህግደፍ ርክብ ዘሎዎም ግን ኣይትንክፍዎምን እዮም።ኣብነት ኣብ ከባቢ ጀሞ፣ላፍቶ፣ገርጅን ዝርከቡ ምስ ህግደፍ ርኽብ ዘሎዎም ሚልዮነራት ምንም ኣይተተንከፉን ኣሎዉ።

ብፍላይ ዘይሕጋዊ መስተን ካልእን ኣብ ሱዳን፣ኣብ ሱዕድያን ወዘተ ሸይጦም ብሚልዮናት ገንዘብ ዘካዕበቱ ዝበዝሑ ገንዘቦም ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ሓበሬታ ዘሎዎምን ምስዞም ሰባት ቕርበት ዘሎዎም ኣካልትን ይሕብሩ።

ብሓጺሩ፡ኣብዚ ምጭብርባርን ዝርፍያን ኣብዝሓ ኣምሓሩ ዝርከብዎም ዝገብርዎ ምኳኑ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ዝገበሩ የረድኡ እዮም።

እቶም ግዳያት ድማ ተጋሩን ኤርትራውያንን ብቀንዲ ዝርቁሑ ኰይኖም ግን ካልኦት ብሄራት ዝርከብዎም እውን ከም ዝኰነ ርዱእ ነገር እዩ።

ፌደራል ፖሊስ፡ቤት ጽሕፈት ድሕነትን ኢንሳን ቕድሚ ሎሚ ብዙሕ ጥርዓናትን ክስን ክቐርቦም እኳ ተጸንሐ ግን ጸማም እዝኒ እዮም ክህብሉ ጸኒሖም።

ሎሚ ግን ከምስሉ ሰብ ክኣስሩ ጀሚሮም ኣሎዉ።ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ እቶም ሓለፍቲ እተን ባንክታት ተኰኑ ጮማ ዝኰነ ቢዝነዝ ስለ ዝረኸቡ ኢዶም ተቆማጢዑ እዩ።

ኣብነት፡ኣብ ሲኤምሲ ከባቢ ዝርከብ ሓደ ባንክ ናይ ሓደ ኤርትራዊ +(ፋራ እዩ ኢሎም) ካብቲ ሚልዮናት ገንዘብካ ኣካፍለና ኢሎሞ፡ከይተሓዝ ፈሪሑ ተሰማሚዑ፡ብሚልዮን ዝግመት ገንዘብ ሂብዎም ኣሎ።

ኣብ ገርጂ፣ሃያሁለት፣ኣብ ቄራን ፒያሳን ድማ ንተጋሩ ሕሳብኩም ከነቀሳቕሶን ከነዛውረልኩምን ክንድዚ ክፈሉ ኢኹም ኢሎም ብሚልዮናት መጠን ገንዘብ ከንቀሳቕስሎም ተራእዮም ኣሎዉ።

እዞም ተጋሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝውረይ ተበራሪ ወረታት ተበጊሶም ንሕጋዊ ገንዘቦም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ክእትዉዎ ይረኣዩ ኣሎዉ።

#ኣብ ኣዲስ ኣባባ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣዋርቆም ዝተዘርፎም እንዳ ወርቂ፡ብርክት ዝበሉ ዓጽዮሞ ምቕናዮም ክንከታተሎ ቀኒና ኢና።ገሊኦም እውን ገና ዘይተፈተሎም ኣሎዉ እዮም።

መንግስቲ ድማ ከፈራርሖም ይረኣይ ኣሎ።ነቶም፡ዝተኣስሩ ድማ ንገሊኦም ኣይፈትሕዎምን ኣሎዉ።

ፒያሳ እናዋርቅ ተዘሪፎም ተባሂሉ ምስ ተወረየ፡ህዝቢ ንወረ ሃብናኩም ብፒያሳ ዞክዞክ ክብልን እቶም ፀረ ተጋሩ ዝኰኑ ድማ ክሕጎሱን እንቋዕ ገብርዎምን ኢሎም፡ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻህን ቡንን ክዛረቡ ኣይሓፍሩን እዮም።ኣይስከፉን እዮም።

ኣምሰሉ ዝኰነ ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቅድሜኻ ዝብለካ ካልእ ብድሕሬካ ዝበለካ ካልእ እዩ።

By aiga