ተመስገን ሰይፉ

ሓደ ካብ ስሙ ኣትሒዝኻ-እቲ ዘተ ወይ ምድርዳር ኣብ መንጎ መን ምስ መን ድዩ ዝግበር ዘሎ ዝብል ሕቶ የስዕብ ኣሎ።ንሱ ድማ መንግስቲ ትግራይ ድዩ ዝደራደር ዘሎ ወይስ ሕወሓት እዩ ዝብል ሕቶታት ክውሕዝ ይረኣይ ኣሎ።

ዜና ስምምዕ ዘተ ሰላም ምስ ተሰምዐ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበዝሕ መዘናግዒ ማእከላት ደርፍታት ትግርኛ ልዕሊ ንንቡር ክድረር ኣምሰየ።

ካድረታት ብልጽግናን ደግፍቶምን ኰነ ኣባላት ጸጥታን ምክልኻልን ዝኰኑ ድማ ኣብ ፈቐዶ ህዝቢ ዝእከበሉ ከም ማእከላት መዘናግዕን ኣውቶቡሳትን ኰነ ዝተፈላለዩ ትካላት እናኸዱ “ኢትዮጵያ ስዒራ እያ።ድሕሪ ደጊም ሕወሓት ጠበንጃ ከምዘይትዓጥቕ ክትከውን እያ።ብዝደለናዮንንብዝተለምናዮን መንገዲ ተደራዲርና ተዓዊትና ኢና!” ዝብል ብሰፊሑ ይውረይ ኣሎ።

እዚ ድማ ንተጋሩ ናብ ክልተ ከፊልዎም ይርከብ ኣሎ።እቲ ዝበዝሕ መንእሰይ ትግራይ ሕማቕ ስምዒት ወይድማ ኣብ ድንግርግር ክእትዎ ከሎ፡እቶም ዓበይቲ ወለዲ ግን ብታሕጉስን ሮፍታን ካብ ገጾምን ኲነታቶምን ተንብቦ ኢኻ።

ሎሚ ብኣቆጻጽራ ሓበሻ 24 ጥቕምቲ ብምኳኑ ሓደው ዉግእ ብዕሊ ዝጀመሩ ዕለት እዩ።ኣብ ኩሉ ትካላት ንጁንታ/ሕወሓት ዝኩንንን ምክልኻል ዝተጠለመሉን ዝተክሓደሉን ዝኽሪ ብዝብል ፕሮፓጋንዳ ክሰርሕሉ ዉዒሎም ኣሎዉ።

ብዙሓት ተጋሩ ተምሃሮ ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ጸቕጢ ፈጢርሎም ከም ዝወዓሉ ንወለዶም ክሓቱን ከዋጥሩን ተራእዮም እዮም።

እቲ ካልኣይ ነጥቢ ድማ ኩለን ማዕከናት ዜና ብፍላይ መደበራት ሬድዮ ጣብያታት ንዘተ ሰላም ኣድሂበ ከቃልሓ ብዝወረደን ትእዛዝ መሰረት-ዝተመረጹ ፖለቲከኛታትን ተንተንትን ብምግባዝ ከጋውሓ ዉዒለን ኣሎዋ።

ገለ ገለ ፖሎቲከኛታት ንኣቢይን ንብልጽግናን ዘዋርድን ዝነቕፍን ርእይቶታትን ሓሳባትን ተጋዊሖም፡ናይ ህዝቢ ርእይቶ ኣብ ዝቓልሓሉ ካድረታት እናደወሉ ነቲ ዝሽርሸር ሓሳባት ሚዛን ከትሕዙን ክእንፍቱን ክስምዑ ዉዒሎም እዮም።

ሓደ ተወላዲ ኦሮሞ ዝኰኑ ምሁር፡ከም ሓደ ጋሻ ኰይኖም ምስ ካልኦት ዝተሓርዩ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ትካል ሬድዮን ተለቪዥንን ኣሃዱ ቀሪቦም፡ንብልጽግና ኣምሪሩ፡ከም ብዕሉግ ዉድብ ብምግላጽ፡ ንኣቢይ ኣሕመድ ብቕዓትን ቕንዕናን ዘይብሉ መራሕን ብሕግን ብታሪኽን ክሕተት ኣሎዎ  ምርር ዝበለ ሓሳቦም ከቕርቡ ከለዉ፡እቶም ጋዜጠኛታት ከቋርጽዎም ይረኣዩ ነበሩ።

ኣብ መንጎ ሓደ ሰዓት ማለት ካብቲ ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን መደብ ዘተ ፖለቲከኛታት ኣብ ህልው ፖሎቲካዊ ኲነታት ኢትዮጵያ ዘድሃበ መርሓ ግብሪ፡ነቶም ምሁር ኣብ ቐጥታ ፈነወ ካድረታት ክኣትዉ ብምግባር ንስም ኣቢይን ንስም ውድቦም ክኸላከሉ ላሕ ክብሉ ዝተዓዘበ ኣድማጺ ገሪምዎን ኣራእሱ ክንውንው ይረኣይ ነበረ።

ብዝኰነ ማዕከናት ዜና ትርግታ ህዝቢ ከድምጻን ነቲ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ተዓዊታትሉ ወጺኣ እያ ዝብል መልእኽቲ ንኸሕልፋ ብዝወረደን ትእዛዝ መሰረት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ወጥሪ ፕሮፓጋንዳዊ ሃልኺ ተጸሚደን ዉዒለን ኣሎዋ።

በዝን ወድዝን ድማ ስምዒት ተጋሩ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ይረኣይ ኣሎ።ንሱ ድማ እቶም ብዕድመ ሽምግል ዝበሉን ወለድን ብዝኰነ መንገዲ ሰላም ይምጻእ ዝብል ዘየወላውል ርእይቶ ከስምዑ ፈቐድኡ ትርእይን ትሰምዕን ኢኻ።

“ሰላም ኰይኑ ሓመድን ዓድናን ሰብናን ስድራናን ንርእየሉ ይግበሮ።ሰላም መዳርግቲ የብላን እዩ።ስለዚ በቲ በለ በቲ ሰላም የውርደልና!” ኣብ ዝብል ኣብዝሓ ስሚዒቶም ክገልጹ ይረኣይ እዩ።ይስማዕ እውን ኣሎ።

ኣብ መንእሰያት ግን እቲ “ኢትዮጵያ እያ ስዒራ!” ዝብልን “ንሕና ብንደልዮ መገድን ድሌትን ኢና ተሰማሚዕና-ስዒርና ዘሎና!” ዝብል ከም ሓቂ ብምውሳድ ኣብ ብቊጠዔን ትካዘን ዝርከቡ ኣሎው ።

እቶም ሓደ  ወገን ድማ በዚ ዝተገብረ ስምምዕ ዘተ ሰላም ሕጉሳት ኰይኖም “ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ተተመሊሱ፣ሰራዊት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ተወፂኡ-ካልእ እንታይ ንደልዮ ነገር ኣሎ ድዩ፧” ብምባል ኣስዒቦም ከኣ “እቲ ሕቶ ዝከውን ግን ካብ ራያን ወልቃይትን እዞም መስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ንኣቢይ ኣሕመድ ሕራይ ኢሎም ክሰምዕዎን ክምእዘዝዎን ድዮም፧” ዝብል ዓቢይ ሕቶ ከስዕቡ ይረኣዩ እዮም።

ኣቢይ ኣሕመድ ሓላፍነት ዘይስምዖ ተራ መጋሚንዶ ብምኳኑ ንዑዑን ንመንግስቱን ክትኣምን ኣይትክእልን ኢኻ-ስለዚ ወትሩ ድልውን ንቁሕን ክትኸውን ይግባእ ብምባል ርእይቶታቶም ዝህቡ እውን ኣይሰኣኑን እዮም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓፈሻ ርእይቶ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ክምደብ ይከኣል እዩ።ንሱ ድማ ብሓቂ ሰላም ክወርድን ህይወት ናብ ንቡር ክምለስ ዝደልዩ ሓደ ጉጅለ ክዀኑ ከለዉ።

እቶም ካልኣይ ጉጅለ ኸኣ “ሕወሓት/ጁንታ መሊእኻ ምቕባር ይሓይሽ-ንምንታይ ብዘተ ሰላም ይዕንቐፍ።ሕወሓት ፍጹም ኣይእመንን እዩ።ጸረ ሃገር እዩ።ኣንጻር ልዑላውነትን ሰላም እዩ።” ዝብሉ እዮም።

እቶም ሳልሳይ ወገን ድማ ኣብ ኩሉን ምስ ኹሉን ከምዘየለዉ ዘምስሉ፡ግን ድማ ምስ ዝዓመረ ዓይነት ኰይኖም ከበሮ ሰላም ክህረም ሰላም ሰላም ዝዝምሩ፣ኸበሮ ኲናትን ዉግእን ወረ ዉግእን ክድሰቕ ኸኣ፡እናዘለሉ ዝድስቑን ዝሃርሙን እዮም።

ኣብ ኤርትራውያን ኸኣ ኣብ ሰለስተ ክምቐሉ ይክእሉ እዮም።ንሶም ኸኣ፡ንሰላም ከም ማይ ንግሆ ዝብህጉን ንብርሰት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሓስቡ-ሰላም ክወርድ ዝናፍቑ ሓደ ሸነኽ እዮም።

እቶም ካልኣይ ሸነኽ ከኣ ከም ህግደፍን መራሕቶምን ኲቱር ጽልኢትን ቂምን ዝሓዙ፡ኣብ ጥፍኣትን በደልን ሕወሓት ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ቃንዛን ስቓይን ህዝቢ ትግራይ ዘላግጹን ዘባጭዉን እዮም።

ወግሐ ጸብሐ ንቊስሊ ህዝቢ ትግራይ ብዓዘና መልሓሶምን ኣንደበቶምን ጨው ዝነዝሑን ከም እሾኽ ኣስሔት ዝዋግኡን ክዀኑ ከለዉ-ንነስፎም ከም ፈላጣትን ተሓለቕቲ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን መሲሎም ከምቲ “ወኻርያ ጻድቕ ክትመስል ዝዋዕውዕ ትኣስር” ዝበሃል ጻድቃት መሲሎም ዝረኣዩን ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይን ግፍዕታቱን ዓው ኢሎም ዘይዛረብሉ ብዉሽጦም ግን ጸባ ሓሊብ ዝሰትይሉ ሕልና ኣልቦታት ክኰኑ ከለዉ-እቶም ሳልሳይ ወገን ድማ “ኣብዚ የለው-ኣብቲ የለውን!” ዝዓይነቱ ዝመስሉን ዝኰኑን ኰይኖም ጥራሕ እቲ ዉግእ ኣብ መሬትናን ኣብ ህዝብናን ኣይኩን እምበር ኣብ ኢትዮጵያ ድላዩ ይኹን ወላ ሓዊ ይሮካዕ ዝብሉ ከም ዝርከብዎም ብቐሊሉ ትዕዘቦን ትርእዮን ኢኻ።

ኣብ መወዳእታ፡ዉዕል ኣልጀርስ መሰረት ናብ ቤት ፍርዲ ዘ-ሄግ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቐሪበን-ገበነኛን ጻሕታሪት ኲናት ኤርትራ እያ ምስ ተብሃለን-ብይን ዶብ ምስ ተውሃበ-መራሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተሃንዲዶም ናብ ማዕከናት ዜና ብምውጻእ ታሪኻዊ ጌጋታት ፈጺሞም እዮም።

ብኣንጻሩ እቲ ኲፉእን ብሕግን ስርዓትን ጭራሽ ዘይኣምን ኢሳይያስን መጫፍርቱን መዓልታት ዝከውን ጊዜ ወሲዶም ብምምማይን ምምርማርን ዉጺኢቱ ናብ ህዝቢ ከም ዘቕረቡ ይዝከር እዩ።

ወላ እኳ መንግስቲ ኤርትራ ሓንቲ ብልጫን ሓቅን፡የነበረቶ-እቲ እንቕዓ ሓሶትን ምድንጋርን ግን ብማእለያ ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳን ዓሎቕን ነእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽቦ ኣናዉጽዎን ጠምዚዝዎን ነይሩ እዩ፣ገና እውን ኣሎ እዩ።

ስለዚ፡መንግስቲ ትግራይ ወይ ሕወሓት ከም ኣቢይ ኣሕመድ ክውኽ ኢሎም መግለጺታት ከብዝሑን ናብ ዘይተደለየ ጌጋታትን ምድንጋርን ከይኣትዉ ግቡእ ጥንቃቐን ምስትውዓልን ዘድልይዎም ይመስሉ።

ኣቢይ ኣሕመድ ስነ ልቦናን ኲነተ ኣእምሮን ህዝቢ ኢትዮጵያን ህግደፋውያንን ሕርሕራይ ገይሩ ተረዲእዎ ስለ ዘሎ ይኹን ብትእዛዝን መንገዲ ኢሳይያስን ክሳዕ ዝኸደ-ህዝብን ሃገርን እናብረሰን እናባርዐን ገና ክሳግም ምኳኑ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ’ዩ።

ነዚ መራጎዲ ዝኰነና ድማ ኣብ ህልዉ ፖለቲካዊ ኲነታትን፡ዘሎ ስምዒታትን ርእይቶታትን ህዝብን ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያን ደገፍቲ ህግደፍ ዝኰኑ ኤርትራውያንን ርኢኻን ሰሚዕካን ድምዳሜ ክትገብረሉ ዝከኣል ምዃኑ ኣይትስሕቶን ኢኻ።

እንተኰነ ምሁራትን ተመራመርትን ኰነ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን መጽናዕትን ምርምርን ገይሮም ክበጽሕዎ ተስፋ እገብር።

ተመስገን ሰይፉ

By aiga