ሙሉጌታ በሪሁን

አቐዲመ ከም መዘኻኸሪ እዛ ጽሕፍቲ እዚአ ቕድሚ ፯ዓመት ጽሒፈ፣ አብ መጽሄት ውራይና ወፂአ ምንባራ እናሓበርኹ፣ጠቐሜታአን እተሕልፎ መልእኽቲ ድማ ዘላቒ ዝኾነ ረብሓ ህዝቢ ትፈጥርያ ኢለ ስለዝአምን፣ ሓደ ሓደ ዝውሰኽን ዝቕነስን ሓሳባት ብምምሕያሽ ንኻልአይ ጊዜ ንመንበብተይ ንትዝርግሓ ዝስማዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉንሞ ሰናይ ንባብ።

ውልቐ ሰባት አብ ህንጸት ሃገር ኮነ፣አብ ወድቀት ሃገር ዝጻወትዎ ግደ ወይድማ “እጃም” ዓብይ ስለዝኾነ አነ፣ንስኻ፣ንስኺ እነውፍዮ ናይ ስነ ምግባርን፣አተሓሳስባን አበርክቶ ዝናዓቕ አይኾነን። ቐደም እዩ ኢሎማቶ, አብ ሓንቲ ሃገር፣ እቲ ሕዝቢ ብሳአን ፍትሒን ርትዕን፣ ብሌብነትን፣ስቓይ ድኽነትን ምስተማረረ፣ እታ ሓንቲ እንኮ ዝቐረየቶ ኽገብራ ዝኽእል መማረፂት, ንሰማይ አንቓዕሪሩ፣አንታ ፈጣሪ አምላክና፣እረ እንታይ ዓይነት በደልን አበሳን ኔሩና እዩ ? እረ ብስሩኸ እንታይ በዲልናኻ ኢና “ጥዑይ መራሒ” እትኸልአና ?ብምባል ንዝአምንዎ ፈጣሪኦም ልመናን፣ምሕጽንታንአቕረቡ። ኦ አምላክና ዝበደልናኻ ይቕረ በለልና !


በደልና ሕደገልና! ኦ አምላክና እናበሉ ብተደጋጋሚ ይልምኑ? ፈጣሪ አምላክ ድማ “ዝለመንዎ ዘይኸልእ፣ዝነገርዎ ዘይርስዕ” እዩሞ እሺ ኢሉ፡ ምህሌላኹም ሰሚዔ ! ድሌትኩም ድማ ኸማለዐልኩም ወሲነ አለኹ በሎም። ወያ አህዛብ አምላክና ሰሚዑና ኢሎም ብታሕጓስ ይፍንጽሑ። ፈጣሪ አምላኾም ብምቕፃል በሉ ጥዑይ መራሒ ስኢና እሞ ጥዑይ መራሒ ሃበና ? እዩ ልመናኹም, እወ በሉ ንዓኹም ዝኸውን ጥዑይ መራሒ ኻብ ዓዲ ሃገረ “እንግሊዝ” ሓርዬሉኩም አለኹ ይብሎም።

ወዮ አሕዛብ ብዋጭዋጭ መሬት ሓንቲ ይገብርዋ። አምላኮም ግራ ይአትዎሞ እሂ እንታይ ኮይንኩም ? ኢሉ ይሓቶም ወያ አሕዛብ በፍጹም አይኸውንን ይብልዎ። አምላኮም በሉ ጸገም የለን ኽቕይረልኹም ብምባል፣ እሞ ኻብ ሃገረ “አሜሪካ” ኸምጸአልኹም እንተበሎም ? ሕዝውን ኡኡ ብምባል ዋጭዋጮም ይቕጽልሉ።


ወዮ አምላኾም ይግረምሞ በሉ ሕራይ,ካበ እንግሊዝን፣አሜሪካን ኻብ ዘይደለኹሞም ኻብ “ጀርመን”  ከምፃአልኹም ምስ በሎም፣ጭራሽ ኻብ ጀርመን ! እዙይማ ዘይሕሰብ እዩ ኢሎም ኡይ በሉ። ብድሌታቶምን፣ብባህጎምን ዝተዳናገፀ አምላኾም፣ ኸምዙይ ክብል ሓተቶም፣ ልመናኹም ሰሚዔ ዘቕረብኩልኹም መማረጺ እንታብ ዘይተቐበልኹም፣ አነ ዳአ ኻበይ ከምጸአልኩም ደሊኹም ? ኢሉ ጠየቆም። ወዮ አህዛብ ንሕና ዝጠየቕናኻ፣ ኻባና ኻብ ውሽጥና፣ ጎበዝን, ቅኑዕን, መራሒ ሃበና ? ኢና ዝበልናኻ ምስ በልዎ። ወዮ አምላኾም ድማ ከምዙይ በሎም።ኻባኹም ኻብ ውሽጥኹም ዳአ, ንስኻትኹም ባዕልኹም ዘይፈጠርኩሞን፣ ዘየፍረኹሞን መራሒ አነ ኻበይ ከምጽአልኩም ? ኢልዎም ከደ ይባሃል። ልክዕ እዩ መራሕቲ ሓንቲ ሃገር”ሓደ ሕዝቢ” ውጽኢት ፍረ እቲ ዝወጽሉ ማሕበረሰብ እዮም።

አብ ታሪኽ አጋጣሚ ብልቕ ዝብሉ ፉሉያት መራሕቲውን ይፈርዩ እዮም። ከም ተጋሩ ብብልሖም ዓብይ ታሪኽ ሰሪሖም ዝሓለፉ ተጋሩ፣ ስሞም ደሚቑ ዝላዓሉ ትግራዎት አለውና። ከምኒ ሃጸይ ካሌብ፣ኤዛናን ሲዛናን፣ንጉስ ባዜን፣ራእሲ ስሑል ሚካኤል፣ሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ፣ራእሲ አሉላ አባነጋን፣ ጠ/ሚ መለስ ዜናዊን ጀነራል ሓየሎም አርአያ፣ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገ/ተንሳይ ዝመሳሰሉ ታሪኽ ዘይርሶኦም ተጋሩ አለውና። ውልቀ ሰባት ኸምቲ ጥንኩርን፣አድማዕን ታሪኮም ደቒ ሰባት እዮምሞ፣ ድኽመት እውን ከምዘለዎም እንተይረሳዕና፣ ታሪኾምን ስራሕቶምን፣እቲ ዝውሰኽ ወሲኽና፣እቲ ዝእረም አሪምና ንረብሓ መፃኢ ወለዶ ሰኒድና ብምትሕልላፍ፣ ደቕና ኻብ ስሕተትና ንኽማሃሩ ምግባር ትግራዋይነት ግዴታ አለና ኢለ ይአምን።

እምባአር ከስ ናይ ማሕበረሰብ ለውጢ ኽንገብር እንትንብል እንተለና መጀመርቱኡ፣ ሱር መሰረቱ ውልቀ ሰባት ምዃኖም ነፂርኻ ምርዳእ ያድልይ፣ኻብ ኹሉ ንላዕሊ ግን እንታይ ዐይነት ለውጢ ኢና ንደልይን ? ንምነይን ነፂርና ምፍላጥ የድልየና። እዚ ሕቶ እዙይ፣ዝምልከቶም ሓለፍቲ መንግስትን፣ሰብ ሞያን ናይ ሕዝብና ታሪኻዊ፣ ባህላዊ፣ ስነ ልቦናዊ ጽንዓት ብዝተሞርኮዘ፣ ምስናይ ዓለም አንፈትን ምዕባለ እናመዘንኻ፣ ባህልናን ታሪኽናን ሓሊና፣ ምትላም ምምሕያሽን፣ ኽእረሙ ዝግቦኦም ድማ ተአሪሞም ናብ ግብሪ ምእታው የድልየና እብል። ታሪኽና (ታሪኽ ተጋሩ) ብዝተፈለለዩ ምኽንያታት፣ዋላኳ ተዳፊኑን፣ተዓፊኑን እንተነበረ፣ እቲ ድሙቕ ክዕበጥን፣ ክሕባእን ዘይኽዕል ጀግንነትን ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ ግን፣ ኻብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሓላለፈ፣ ናብዝ ዝንሄናሉ እዋን በፂሑ ብዓይንና ርኢናዮ። ጣዕመ መቐሬትኡን፣ ሰቓይ መከርኡን ተቛዲስናዮ፣ ብጭቡጥ ድማ ንነብሮ አለና። ልኽዕ ሂወት ቓልሲ እዩ።

ቓልሲ ድማ ፍረ መስዋእቲ እዩ። በዞም ዝሓለፉ ፪ ናይ ወየንቲ ሕዝባዊ ቓልሲን፣በዚ ሎሚ ገጢሙና ዝንሄ ፍሉይ ናይ ትግራዋ ዘርኢ ምጽናት “ጀኖሳይድን” ብዙሓት አሻሓት፣ አሓትን፣ አሕዋትን አያታትን፣ አዴታትን፣ እታ እንኮ መተካእታ ዘይብላ ሂወቶም ከፊሎም ሓሊፎም እዮም። ንምንታይ እንተ ኢልና ? በእንተ ትግራይ፣ በእንተ እዛ ኽብርቲ መሬት ትግራይ። አብዙይ ከም ተጋሩ ባህግታትናን፣ድሌታትናን ናብ ዝቕጽል ናይ ዕቤት ብርኪ ንምውሳድ፣ዝሓለፈ ማንነትና ከም ተጋሩ ድኽመትና፣ ጥንካሬናን፣ አበይ ኔርና ? አበይ እንሄና ? ናበይክ ክንኸድ ንደሊ ? እዚይ ብዕሊ ነጺርና ክንጓዓዝ አለና።

እንተዘይኮይኑ ብግምትን፣ብአንፈት አልቦ ኸይዲ፣ እንመርሖን፣ እንጓዓዞን ኸይዲ፣ ኸይዱ ኸይዱ ጭቃ እዩሞ አንፈትናን ባህግናን ንነጽር። አነ ብወገነይ ትማሊ ዝገበርኩዎ ስሕተት (ጌጋ) ንከይደግም ከም ውልቀ ሰብን፣ ከም ፍረ ማሕበረሰብ ትግራይን፣ ብፍላይ ድማ ከም ወለዶ 50ታትን ሕዝበይን ዓደይን፣ ይጠቅም ዝብሎ ሓሳበይ እንትጽሕፍ እሕበን። ናይ አሜሪካ ፕሬዚዳንት “ጃን ኦፍ ኬነዲ” አብ ሓደ መደረ ከምዝበልዎ “ሃገረይ እንታይ ጌራትለይ ? እንተይኮነ ክንሓትት ዘለናስ፣አነኸ ንሃገረይ እንታይ ጌረላ?” ነብስና ክንሓትት አለና ! ዝበልዎ ዘረባ ነዚ ንዝትየሉ ዘለና አርእስቲ ከም ጽቡቕ መበገሲ ክኾነና እዩሞ ሰናይ ንባብ።

ብመሰረቱ ተጋሩ ከም ተጋሩን፣ተጋሩ ከም ኢትዮዺያዊያንን ኻብ ዝሓለፈ ታሪኻዊ ረኽብናን፣ ዘለና ርድኢት ሃገራዊ ሓድነትን፣ ምፍታሽ ዋላኳ እንተድለየና፣ አነ ከምዝተረዳእኽዎ፣እቲ ሱር ዝሰደደ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊ፣ ሰነልቦናዊን፣ ታሪኻዊ አረዳዳአናን፣ እምነትናን ፍጹም ዘይቃዶ፣ ኽልተ ዝተፈላለየ ኽዕረቕ ኮነ ክስተኻኸል ዘይኽእል። ፍልልይ ከምዘለና አሚና እነቕርቦን፣ እንውስኖን መጻኢ ድሌትና ብግልጽን፣ ረብሓ መፃኢት ሃገረ ትግራይ፣ ናይ መወዳእታ ሽቶ ዝዐለመ ክኸውን አለዎ ኢለ ይአምን።

ሕጽር ብዝበለ ዝሓለፈ ታሪኽ ትግራዎትን፣ኢትዮዺያዊያንን ብዝተወሰነ መልክዑ ገሊጸ፣ብናሃተይ ዕድመ ዝርአኽዎ ሓቓዊ ታሪኽ ሓዊሰ፣ ሎሚ ብሚዲያታት ኢትዮዺያን፣ ብመንግስቲ ኢትዮዺያን አብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንምንታይ ? ኢልና ምጥያቕ ዋላኳ መልሱ ግልጽን ርኡይን እንተኾነ፣ ንምንታይከ ተጋሩ ጠጠው ኽነብሎ ዘይኻአልና ? እዚኹሉ ግፍዒ አብ ልዕሊ ሕዝብና እንትፍጸምከ ተጋሩ ከም ተጋሩ ጥፍአትና እንታይ ይመስል ዝብል ከም ውልቀ ሰብ ኻብ ጌጋና ተማሂርና አብ መፃኢት ትግራይ ዝህልወና እጃም ኽገልጽ ኽፍትን እዬ።

እቲ ቐዳማይ ውሕብቶ ተጋሩ ከም ማሕበረሰብ፣ ርህሩሃት፣ አመንቲ፣ ሓዳጋትን ይቕረ ባሃልቲን፣ኽብሪ ዓድና ታሪኽናን ባህልናን ብደምና እንሕሉ፣ ንሓቒ ንስዋእ፣ ፍትሒን ርትዕን እንትጓደል ዘይንቕበል፣ ጀጋኑ ማሕበረሰብ ኢና። አይኾነን ንትግራይን ንሕዝባን፣ ንኻልኦት አህዛብ ሂወትና ብምስዋእ፣ ንኻልኦት ነፃነት እንመውት ማሕበረሰብ ኢና። ሕዝቢ ኢትዮዺያ ብሚሊሊክ፣ ብሃይለስላሴን፣ ብደርጊን አብ ርእሲኡ ተሸኪምዎ ዝነበረ ባርነትን መግዛእትን ብናይ 17 ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ፈንፂሑ፣ 65ሺሕ መላምል ደቑ ሰዊኡ ነፃነት ዝሃበ ሕዝቢ እዩ። ንሕዝቢ ኤርትራ ደርጊ ብወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ ንሻዕብያ ጸራሪጉ ኻብ ምድሪ ኤርትራ ንኸጥፍኦ ጸሪጉ፣ ጸራሪጉ ናይ መወዳእታ ድፍዑ አብ ጎቦታት ሳሕል ምስተኸበበ መዛግቡን፣ዕጥቑን አቓፂሉ፣ ውድብ ሻዕብያ ንሱዳን ክሃድም ምስጀመረ፣ አለኩልኻ ንኢሽተይ ሓወይ፣ ቓልሲ ሕዝቢ ኤርትራ እንተጠፊኡ ቀጺሉ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ዝፈለጠ፣ ሕዝቢ ትግራይ ውድብ ህ.ወ.ሓ.ት ሰራዊቱ ሒዙ ሳሕል ብምብፃሕ ንሻዕብያ አድሒኑ ኽሳብ ዓወት ተደጋጊፎም ደርጊ ምስ ሳዓሩ፣ ኻልኦት ውድባትን,

አምሓራን ናጽነት ሕዝቢ ኤርትራ እንትቃወሙ፣ውድብ መርሕነት ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ, ንሕዝቢ ኤርትራ እቲ ብሂወቱ ዝኸፈለሉ መስዋእቲ ብፌርሙኡ ፈሪሙ ድማ ናጽነት ሃገረ ኤርትራ ዝሃበ ሕዝቢ ትግራይ እዩ።

ጊዜ ሕማቕ ሎሚ ግን፣ ነገራት ተቐይሮም ብዓይንና ንኽንርኢ ዕድመ ሂቡና። ሕጽር ብዝበለ እስኪ ብኢትዮዺያዊያንን ብኤርትራዊያንን ዝፍጸሙ ዘለው ግፍዕታት ንርአይ፣ብመርሕነት ውድብ ኢ.ሕ.አ.ዴ.ግ (ህ.ወ.ሓ.ት) ኢትዮዺያ ን25 ዓመት ተመሪሓ, አብ ዝላዓለ ብራኸ ልምዓትን፣ ለውጥን ዋላኳ እንተነበረት፣እዚ ዝተራአዬ ለውጢን ምዕባለን ፍጹም ዘይተቐበልዎ ፖለቲከኛታትን፣ አህዛብን ድማ ኔሮም እዮም። ኻብዚኦም ድማ መራሕቲ ሕዝቢ አምሓራን፣ መራሕቲ ሕዝቢ ኤርትራን እቶም አብ ቕድሚት ዝስርዑ እንትኾኑ፣ጥቕሰይ ዘክርዋ “መራሕቲ ፍረ ውጽኢት ማሕበረሰቦም እዮም” አይንረስዕ።

ብዝተዋደደ ጥምረትን ሕብረት አምሓሩን፣ኤርትራዊያንን ብሓፈሻ ኢትዮዺያዊያንን ዝተገብረ ዕላዊ መጽናት ዘርኢ ተጋሩ ሕጽር ብዝበለ ብሚዲያታቶም ንሕዝቦም ምምሃር ጀመሩ እቲ አስተምህሮ መጀመርያ ብሚዲያ ንተጋሩ የቀን ጅቦች፣ጸጉረ ለውጦች፣ ካገኛቹህ ያዟቸው ግደሏቸው፣ እሰሯቸው። ቐጺሎም ጁንታዎች፣ የሃገር ሃብት ዘራፊዎች፣ ቐፂሎም ትግራዋይ አብ ዝነብረሉ ክልላት ብሰላም ከይነብር ክእሰርን፣ ብእምኒ እናተቀጥቀጠ ክቅተልን ገበሩ፣ትግራዋይ ዘለዎ ሃፍቱን፣ ትካላቱን እናተሓድገ ቤት ማእሰርቲ አዕለቕለቑ። ቐጺሉ ኸበባታት፣ዋና ናይ ፌደራል መንገድታት፣ ብአምሓሩ ተዓጸዉ፣ቐጺሎም ኢንቨስት ዝገብሩ ትካላትን ሰብ ሃፍትን ንትግራይ ከይኸዱ ተኸልከሉ፣ ናይ ቻይና፣ ናይ ግብጺ፣ ናይ ቱርኪ፣ ስብ ሃፍቲኻብ አውሮፕላን እናውረዱ ከልከልዎም። ትግራይ ሓያል አምበጣ ምስ አጥቓዓ፣ነጸግቲ መድሓኒት ኻብ ድምበር ትግራይ ኻብ አላማጣ እናተመልሳ ንንየው እናነጸጋ ትግራይ ንአምበጣ ባልዕ ተሳጠሐት። ናይ ኮሮና ሕማም መካላኸሊ ንኢትዮዺያዊያን ተማሃሮ እንትውሃብ፣ ተማሃሮ ትግራይ ብዕሊ ተኸልከሉ። ፌደራል መንግስቲ ኢትዮዺያ ብዕሊ ባጀት ትግራይ አገደ። ብጥቅምቲ 24 ድማ ብዕሊ ኤርትራን፣ ኢትዮዺያን፣ሶማሊያን፣ምስ ኩሎም ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይልን፣ናይ አምሓሩ ፋኖን፣ብሙሉእ ድጋፍ ዓረብ ኤምሬትን፣ሱዕዲ ዓረብን ንትግራይ ወረራአ።

ሚዲያታትን አምሓሩ ድማ ብፖለቲከኛታትን፣ብመራሕቲ ሃይማኖትን፣ አክቲቪስት ኩሎም ብሓደ ጥምረት ተሰሊፎም ብሙሉእ ሓይሎም አብ ትግራይን፣መሪሕ ውድብ ትግራይን፣ መንግስቲ ትግራይን ከቢድ ናይ ሚዲያ ዄናት ከፈቱ።ብጦር ሜዳ ክስዕርዎ ዝአበዮምን፣ዘፍሸሎምን ጀግና ሕዝቢ ትግራይ ሽሙን እናጸለሙ ስነልቦኑኡ ኽሰብሩ ላሕ ይብሉ አለው።

እኒ አገኘሁ ተሻገር ሕዝቢ ትግራይ ቀንደኛ ጸላኢ ሕዝቢ ኢትዮዺያ ስለዝኾነ ኽጠፍእ አለዎ። ኢሉ ብቴሌቭዥን ናይ ኽተት አዋጅ አዊጁ። አንዳርጋቸው ጽጌ እዚ ሕዝቢ እዙይ ብቲ ዝግባአና ልኽዕ ኽንጭክን ስለ ዘይካአልና ኸነጥፍኦ አይካአልና። ኻብዙይ ብዝበለጸ ምጭካን የድልየና ኢሉ አዊጁ ። ዳንኤል ክብረት ብብሄራዊ ሚዲያ እዞም ሕዝቢ እዚኦም ኻብ ገጽ ምድሪ ምጥፋኡ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ኻብ አእምሮ ወዲ ሰብ ተፋሒቆም ክጠፍኡ አለዎም ኢሉ ቅስቀሳ ጀመረ። ደቅና ናይ ጭራቕ ተምሳሌት ንሶም ከምዝኾኑ እናነገርና ኽነዕብዮም አለና እሉ መደረ ጌሩ። ወርቁ አይተነው ዝተባህለ ናይ ሰሊጥን፣ናይ ዘይቲን ነጋዳይ ነዚኦም ምቕታል ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ቐቲልኻ ከም ስጋጤል ጠቢስኻ ምብላዕ እዩ። ኢሉ ምቕስቓሱ ጥራሕ እንተይኮነስ አብ ቤንሻንጉል 11 ተጋሩ ኻብ ቤት ማእሰርቲ አውጺኦም ብሂወቶም ብሓዊ እንተቃጽልዎም ብሚዲያ አርእዮሙና።

መራሕቲ ሃይማኖት አምሓራን፣ አርቲስት አምሓራን፣ እዚኦም ቐቲልኻ ምንሳህ ይሓይሽ እንትብሉ ሰሚዕና፣ ደበበ እሸቱ ዝብኢ ቐቲልኻ በሊዕኻ ምንሳህ ይሓይሽ ኢሉ እንትዛረብ ሰሚዕና።ዻዻስ ናይ አምሓራ ሕዝቢ አኺቡ ምስ ጁንታ ኻብ ምንባር፣ምስ ሰይጣን ምንባርን፣ሰይጣን እንተዝመርሓና ንመርጽ ኢሎም እንተምህሩ ሰሚዕና።

አምሓሩ ፉኖ ተጋሩ እሕዋትና ዓሚጾም ዘርእኽን ክነጽርዮ ኢና፣ደምክን ምስ አምሓራ ኽዋራረስን ትግራዋይ ከይትወልዳን ኢና ንገብረክን ዘለና ኢሎመን። ሻዕብያ ኽቡራት ቤተኽርስቲያናትና አርኪሶሞ፣ኻህናት እናቐደሱ አብ ውሽጢ ቤተክህነት ረሺነሞም፣መሳጊድ እኒ አልነጃሽ ብመድፍዕ ወቒዖሞ፣መጻሕፍቲ ቤተክህነት ፣አልባሳትን፣ቅርስታትን ትግራይ ወሪሮሞ፣ሶማሊያዊያን መላፍንቶም አዴታትናን ፣ፈለስቲን ደፊሮመን ሎሚውን እዚ መቕተልትን ስቓይ ሕዝብናን፣ ብፍላይ አብ ምዕራብ ትግራይን፣አብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ፣ ወረርቲ ሰራዊት ኤርትራን፣፣ምስ መላፍንቶም ናይ አምሓራ ፋኖ ይቕጽል አሎ።

እሞኸ ዳአ ኻብዝ ወራርን ግፍዕን እዙይ ፈንፂሕና ከምንወጽእ 100%ርግጸኛታት ኢና፣ከም ተጋሩ መፃኢት ትግራይ ብኸመይ ክትህነጽን፣ተፈጢራ ክትዕምብብን አለዋ ንዝብል ሕቶ ብወገነይ ቕድሚ ፯ዓመት ንውራይና መጽሔት ዘቕረብክዎ እምነተይ ከምዘሎ እናቕረብኩ፣ኩሉ ጊዜ ለውጢ ካብ ርእስኻ ስለዝጅምር ማሕበረሰባዊ ለውጢ ክነምጽእ ምስ እንፍትን፣ወልቐ ሰባዊለውጢ የድልይ፣አነ፣ ንስኻ፣ንስኺ መጀመርያ ከም ውልቀ ሰብ አመለኻኽታናን ርድኢትናን ብምፍታሽ ብሕታዊን፣ውሽጣዊን ለውጢ ብምግባር እታ ንምነያን ንብህጋን ትግራይ ንምፍጣር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ስጉምትና ንጀምር፣ሓሳብ ሓይሊ እዩሞ ሓሳባት ተጋሩ ኩሉ ተሰሚዑ እቲ ንትግራይ ዝጠቅም ናብ ናይ ሓሳብ ባንኺ ብምጽምባር እጃምና ነውፍይ እናበልኩ ናብ ዝቕጽል ጽሑፈይ እሰግር።

By aiga