ክቡራትን ክቡራንን፣ብዛዕባ ኣቶ ገብረኽርቶስ ኣድሂበ ክፅሕፍ ካብ ዝብል ጊዜ ኣይቐለንን`ዩ። እንተኰነ ሕልፍ ሕልፍ ቢለ ሕጽር ዝበሉ ጽሑፋትን እፈታትን ምንባረይ ትዝ እብለኒ።

  ብዝኰነ ንሎሚ እውን ብዙሕ ናብ ዝርዝር ኣይክኣቱን’የ።ምኽንያቱ፡ብዛዕባ ኣቶ ገብረኽርስቶስ ክጽሕፍ ተላዒለ ኣለኹ ቢለ፣ንክቡር ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ ብዝፀወክዎም፡ትማሊ ሰኑይ፣ንሶም ድማ “…ዝህውኽ ነገረ ተዘይብልኻ-ኣነ ገለ ነገራት ክህበኻ እሞ-ትክእል ተኰይንካ ተጸበየኒ ኢኻ!~” በሉኒ።ኣነ ደማይ `”ኣመሪኻ በጺሕኩም ክሻዕ ትመለሱ ድየ ክፅበየኹም ወይስ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ተራኺብና ኢኩም ክትህቡኒ፧” በልክዎም።

   ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ ዘድልየኒ ሓበሬታ ብምሃብን ምስ ሰባት ዝራኸበሉ ሣውያ ብምምሽሻውን (መገዲ ብምሕባርን) እጃሞም ብዘይ ዝኰነ ጠለብ ዝምጥውንን ዝሕግዙንን ግሩም ዝኰኑ ምሁር እዮም።ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም እናበልኹ።ብመሰረት ሳምዕና ብዛዕባ ኣቶ ገብረኽርስቶስ ተኽለሃይማኖት ኣድሂበ ብሰፊሕ ኣይክፅሕፍን`የ። ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ-እዛ ኣብ`ዛ ላዕሊ እዙይ ጽሑፍ ዘላ ስእሊ፡ስእሊ ክቡር ኣቶ ገብረኽርስቶስ ተኽለሃይማኖት እተርእ እያ።ካብ መጽሓፍ ሓያል ተመራማርን ጸሓፍን ሽወደናዊ ጉስታቭ ኣረን ዝረኸብክዋ ስእሊ እያ።   ንዓመታት እዛ ስእሊ ጥራሕ ድያ ዘላ ቢለ ንክንደይ ሰብ ሓቲተ እየ።ናብ መንግስታዊ ትካላት ከይደ ድማ ተወኺሰ እየ።ግን ግቡእ ምትሕብባር ይትረፍሲ ኣተኲሮ ዝህበሉን ዝህበካን ከቶ ኣይትረክብን ኢኻ።እንታይ ዝበለ ዘመን`ያ ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ዝኰነ እዋን ኰን ኢና ዘሎና የብለኻ እዩ።

    እንተዀነ ሳላ ዘይሕለል ጻዕርን ሓልዮትን፡ ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ ብዙሕ ስለ ዝሰጎምኲ-ንክቡር እንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖት ሓው ኣቶ ገብረኽርቶስ ክረክብ ባብ ተራሕወለይ።እንሆ እኳ ብዕለት 7 ለካቲት 2022 ዓ/ም/ፈ ኣብ እንዳ ኣፈ-ንጒሥ ሓጎስ ተወልደመድህን ነበረ-ቕድሚኡ ድማ ክቡር ኣቶ ገብረኽርቶስ ዝነብርሉ ዝነበሩ መንበሪ ኣባይቲ ኬድና-ንማማ ሰብለወንጌል ሓጎስ ረኺብና፤ኣሳእልን ዘድልይ ሓበሬታን ክንረክብን ከኣልና።እዙይ ኲሉ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ-ዕዮን ትግሃትን እዞም ክልተ ሓላላት ኣቦታት ምኳኑ ክስመረሉን ኣፍልጦ ክወሃበሉን ይግባእ እብል።

    ናተይ እጃም እዚያ ንእሽተይ እያ።ብዝኰነ ማማ ሰብለወንጌል ስመን ምስ ሰማዕኲ-መስለት ገጸን ከይረኣክወን በዓልቲ ሻምላን ግድሥትን ኣደ ከም ዝኰና ትፅቢት ገይረ እየ ምስ እንጅነር ግርማይ ናብ ቤተን ዘምራሕና-ኣብ ጻኒሕትና ኸኣ፡ከም ትጽቢትናን ልዕሊ ትፅቢትናን ድማ ረኸብና ክብል እክእል`የ።

   እሞ ናብ`ታ ጽሕፍቲ ናብ ኣንበብቲ ማሕበራዊ መራኽቦ ዘቕረብክዋ ከብለኩም እሞ-ዝቕጽል ድማ ሓቢርና ንርእዮ እብል።

        “ዉዕሎ ሎሚ ብጭልፋ!

    #ሎሚ ምዕልቲ ምስ ወድ 94 ዓመት ዝኰኑ እንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖት፡ ብዝነበረና ቆጸራ መሰረት፡ተራኺብና ኢና።እዞም ክቡር ኣቦና፡ ናብ ሰብ ታሪኽን ዓቐብቲ ሰንዳትን ብምውሳድ ዕውት መዓልቲ ገይሮሙለይ ዉዒሎም እዮም።

    #ወ/ሮ ሰብለወንጌል ሓጎስ ጓል 80 ዓመት ኳዕናን ጓል ኣንስተይቲ`የን።ኣዝዩ ብርቱዕ ዕሊ ምዝክርን፣ዓሚዩቕ ባህሊ ምዕቃብን ምስናድን ዝወነና፡ጽሑፋትን ኣሳእልን ምስናይ መረዳእታኡ ዘሎዎን፡ንግደ ሓቂ ንጥፍትን ሃብሮመይትን ኣደ እየን።

    #ወ/ሮ ስብለወንጌል፡ብበዓል ቤተን ወገን እንዳ ኣቶ ገብረክርስቶስ ተኽለሃይማኖት-(ፈላሚ ሓበሻ ኣካያዲ ስራሕ ቤት ምሕተም ብርሃንና ሰላም ዝነበሩ) እየን።እዙይ ከም ዝተገልጸ ብሕእደ ወገነን እዩ።እቱይ ካልኣይ ድማ ብወላዲኣን ወገን ኸኣ ጓል ኣፈ-ንጉስ ሓጎስ ተወልደመድህን እየን።

  ተወልደመድሕን ድማ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩ ማለት እዮም።መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ኣብ ምትርጓም እጃሞም ካብ ዝገብሩ ወከፋት ሓደ ዝኰኑ እዮም።

    ሎሚ ኣብ መዋእል 20 ክፍለ-ዘመን ካብ ዝነበራ ምሁራት ደቂ ኣንስትዮ-ብፍላይ ካብ ኤርትራን ትግራይን ተወልድቲ ዝኰና ኣብነታውያን ጠቂሶም ብዙሕ ታሪኽ ኣቕሰሙኒ።ኣብ ደቂ ተባዕትዮ እውን ብተመሳሳሊ ግን ብዙሕ ተዘሪብሉ ብምኳኑ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣስፊሕና ትኲረት ሂብናሉ ኢና።

    #ብሓፈሻ ግሩም ተመኽሮን ምስክርነትን ዝተፈላለዩ ልሉያትን ሃብሮማትን ኰነ ሃብሮማትን ረኺበ ኣሎኹ።ኣብ’ዚ ተለጢፉ ዘሎ ድማ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እኳ ተኰነ ኣፈ-ንጉስ ሓጎስ ተወልደመድህን መሳርሒ ሙዚቃ ሒዞም፣ኣብ ሓያል ሰልሚ ስምዒት ተሸሚሞ ይረኣዩ ኣሎዉ። ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕግን ዲፕሎማትን ኰይኖም ብምስርሖም እውን ታሪኽ ዝምስክሮ ጉዳይ እዩ።   ኣፈ-ንጉሥ ንዝኰነ ቋንቋ ብቕንፍጽ ዝክእሉን ዝመልኲን ሰብ ምንባሮም ብርክት ዝበሉ ዘውስእዎ እዩ።ኣብ ምፅሓፍን ምስናድ ታሪኽ ወለዶታት ኸኣ ኣገናዕ ዘብል ዕዮ ዝዓየዩ እዮም።እታ ሓንቲ ኸኣ እንጅነር ግርማይ ምስ ማማ ሰብለ ኢሂን ምሂን እናተብሃሃሉ ተርእይ-ስእሊ ሎሚ መዓልቲ ዝተሳእለት ቕላዕ እያ።

  እታ ንገዛ ተርእይ ዘላ ስእሊ ድማ ኣቶ ገብረክርስቶስን ኣፈ-ንጉስ ሓጎስን ብርቱዕ ባህጊ ዓውደ ስነ-ጽሑፍ ስለ ዝነበሮም ዝጥቀሙላ ዝነበሩላ ክፍሊ እያ።

    ኣቶ ገብረኽርስቶስ ቅድሚ 80 ዓመት ኣቢሉ ጽሑፋት ዘዳልዉላ ዝነበሩ ክትከውን ከላ-ስዒቦም ከኣ ኣብ ወሓዚ ፈለጎም ዝተኰልኰሉ ወከፋት-

   ንኣሰሮም ሪዒሞም እጽሑፉላ ምንባሮም ካብ ምንጭታት ወሃብቲ ሓበሬታ ዝተረኽበ መረዳእታ የገንዝብ’ዩ።

ወ-ደሓንኩም!

 ኣይተስተውሓድዎ ኢኹም ክብል እፈቱ።”

    ኣቶ ገብረኽርስቶስ ተኽለሃይማኖት መን እዮም፧ ኣበይ ተወሊዶም፧ ኣበይ ተማሂሮም፧እንታይ-እንታይ እዮም ሰሪሖም፧ ወድ መን እዮም፧ ወዘተ ኣብ ዝቕጽል ክቐርብ እዩ። በሉ እምበኣር፡ንሎሚ ኣቶ ገብረኽርስቶስ ተኽለሃይማኖት፡በሃር ምሁር፣ጋዜጠኛን ጸሓፍን ምንባሮም ታሪኾም ዝምስክሮ ሓቂ`ዩ።እዙይ ኰይኑ ብዝርዝር መረዳእታ ምቕራቡ ድማ ምስ ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ ተላዚበን መኺረን-ኣብ ኢዶም ዘሎ ገለ ሰነዳት ወሲኸ ምፅሓፉ ተመራጽን ግድንን ምኳኑ ብምስትብሃለይን ብምእማነይን እዩ።

ብ ኣብራሃም ብርሃነ

By aiga