(ናይ ለውጢ ኣጀንዳ)

እዚ ፅሑፍ ብ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ብ ምያዝያ 2014 ዓ.ም. ዝተዳለወ ኮይኑ ምስ ኩነታት ብ ምዝማድ ኣብ ለካቲት 2015 ዓ.ም. ን መንበብቲ ዝተዘርግሐ እዩ።

ለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ

መእተዊ

ናይ ሕብረተሰብ ታሪኽን ዝሓለፎ ጉዕዞን ክረአ ከሎ ኣብ ከባቢኡ ሰላምን ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን እናማዕበለ ክመፅእ ከሎ ድማ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅን ናይ ዝግበር ቃልሲ ጉዕዞ ገይርካ ምርኣይ ይከኣል እዩ፡፡ ብፍላይ ናይ ወዲሰብ ምዕባለ ብቴክኖሎጂ እናተሓገዘ ኣተሓሳስብኡ እናማዕበለ ኣብ ዝመፀሉ ናይ ቀረባ እዋናት ታሪኽ፣ ካብ 200-150 ዓመታት ናብዚ (ናይ ኢንዳስትሪ ናዕቢ (industrial revolution) ተባሂሉ ካብ ዝፅዋዕ ግዘ ናብዙይ) ዘሎ ናይ ሕብረተሰበ ጉዕዞ ናይዞም ሰለስተ ዝተገለፁ ጉዳያት (ሰላም፣ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓት፣ ናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን) ንምህናፅ ዝግበር ጉዕዞ ኢልካ ክውሰድ ይከኣል እዩ።

እዚ ጉዕዞ እዙይ ዝነበሮ ሰለጤን ካብ ሕብረተሰበ ናብ ሕብረተሰበ ይፈላለ እዩ፡፡ እቶም ቀዲሞም ናይ ኢንዳስትሪ ወያነ ዘካየዱ ሃገራት ከም በዓል ኢንግሊዝ ዝበሉ ቀልጢፎም ባህግታቶም እናዕወቱ ናብ ዝለዓለ ስልጣነን ኣወዳድባ ሕብረተሰበን እናደየቡ ከይዶም፤ እቶም ደሓር ናብዚ ጉዕዞን መስርሕን ንምእታው ዝቃለሱ ዘለው ከም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ሃገራት ዝመሳሰሉ ድማ ገና ኣብቲ ታሕተዋይ ቀፀላ ስልጣነ ናይ ሕብረተሰብ ባህጊ (ድሌት) ንምምላእ ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከቡ፡፡ ኣቐዲሞም እቲ ጉዕዞ ዝጀመሩ እውን ከይተዓንቀፉ ቀጥ ኢሎም ኣይኸዱን፡፡ ኣብቲ ጉዕዞ ዓንቀፍቀፍ እናበሉ ካልኦት ካብቶም ቀዳሞት ብዝሓሸ ዝተወደቡን ዝተመርሑን እናቐደምዎም እዚ ድማ በቢግዚኡ ኣብ ሃገራት ምብልላፅ እናፈጠረ እቲ ናይ ታሪኽ ጉዕዞ ይቕፅል ኣሎ።

እቲ ዋና ጉዳይ ሕብረተሰበ ኣብቲ ሐዚ በፂሕዎ ዘሎ ናይ ምዕባለ ደረጃ ብፍላይ ድማ ሐዚ ኣብ ዓለም ከቢድ ተፅዕኖ ይፈጥር ኣሎ ተባሂሉ ዝእመነሉ ናይ (መረዳእታ ቴክኖሎጂ) ምዕባለን ምስኡ ተኣሳሲሩ እናሰፍሐን እናዓሞቐን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ኢንዳስትሪታት ምስፍሕፋሕ መዋእልን ናይ ሕብረተሰበ ድሌትን ባህግን እናሰፍሐን እናዓሞቐን ይኸይድ ኣሎ። እዚ ማለት ናይ ሕብረተሰበ መራሕቲ ብፍላይ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብዚ ዘለናሉ እዋን ሰላም፣ ናይ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን፣ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ከመይ ገይርና ኣሳሊጥና ናይ ሕብረተሰበና ባህግን ድሌትን ነርዊ ዝብል ጉዳይ ኣዕርዩ እዋናውን መተሓሳሰብን ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ምኽንያቱ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ናይ ዓለም ዘሎ ማሕብረተሰበ ኣብ ካሊእ ከባቢ ዘሎ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ምዕባለ ምስዚ ተተሓሒዙ እውን መነባብርኡ፣ ናይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ስርዓቱ፣ ብሰላምን ቅሳነትን ምንባሩ፡ ብቐሊሉ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኮይኑ መረዳእታ ይረክብ እሞ ንባዕሉ ምስ ካልኦት ህዝብታት የወዳድር። ባህግታት የዕብይ፡፡ ኣብ ከባቢኡ ተዓፅዩ ብዘይ መወዳድርቲ መነፃፀርን ምንባር ተሪፉ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ውን ንፖለቲካዊ መራሕቲ ዘቕርቦ ጠለብ ዝለዓለን በቢግዚኡ ቀልጢፉ ዝምዕብል እዩ፡፡ ናይ ሃገራት ፖለቲካዊ ስርዓት ነዚ ናይ ሕብረተሰበ ባህጊ በቢደረጅኡ እናመለሰ ንኽኸይድ ናይቲ ሕብረተሰበ ምዕባለ የግድድ፡፡

 ሓደ ሕብረተሰበ እናማዕበለ ንቕድሚት ክስጉም ምድላዩ ባህርያዊ እዩ። እዙይ ዘይምነን ዘይፈልጥን ሕብረተሰበ ኣብዚ እዋን እዙይ የለን፡፡ እቲ ጉዳይ ከመይ ኢልካ ናብዚ ናይ ምዕባለ ሃዲድ ትኣቱን ብቐፃልነት ካብቲ ሃዲድ ከይወፃእኻ ትቕፅልን እዩ። እዙይ ስለዝተመነኻዮ ዝፈለጥካዮን ስለዝመስለካን ብቐጥታ ብዘይፀገም ኣብ ተግባር ዝውዕል ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ ብዙሓት ዝሓላልኽዎ ጉዳያት ኣለው፡፡ ሓደ ኣቐዲምካ ክግለፅ ዘለዎ ጉዳይ ግን ሰለስቲኦም ዝተኣሳሰሩን ብኣወንታ ወይ ኣሉታ እናተፀላለዉ ዝኸዱ ምዃኖም ምግንዛብ የድሊ። ሰላም እንተዘይሃልዩ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ልምዓት ኣይሕሰብን።

ብዘይካ ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ድማ ሰላም ነዊሕ ዕድመ የብሉን። ሰላም ድልዱል መሰረት ክህልዎን ንማሕበረ ኢኮኖምያዊ ቀፃላይ ልምዓት ዝተመቻቸወ ኩነታት ክፈጥርን እቲ ሕብረተሰበ ዝቕበሎ ኣነ እውን ተሳቲፈሉ እየ ዝብሎ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክህሉ ኣለዎ፡፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት እናደልደለ ክኸይድ ሰላም የድሊ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት ካዓ ነቲ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝበለፀ ክድልድል የኽእሎ፡፡ ብሓባር ተኣሳሲሮም እዮም ናይ ሕብረተሰበ ምዕባለ ዘምፅኡ፡፡ ሓደ ሕብረተሰበ (ንባዕሉ ከም ሓደ ሃገር ተወዲቡ መንግስቲ ዝመስረተ ይኹን ካብዙይ ብዝተሓተ ኣግባብ ዝተወደበ) ብዛዕባ እናዓሞቖን እናሰፍሐን ዝኸይድ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ይኹን ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት ንክሕሰብ ብመጀመርያ ህልውናኡ ውሑስ ክገብር ኣለዎ፡፡ ኣዚ ጉዳይ እዙይ ኩሉሻብ ዓብዪ ጠመተ ዝወሃቦ ጉዳይ እዃ እንተኾነ ብፍላይ ኣባና ኣብ ተጋሩ ሐዚ ዝያዳ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ እውን ንመንነትና ብምቅዋም ጥራሕ ከም ህዝቢ ከጥፍኡና ተወዲቦም መኺሮም ተዓጢቆም ዝወፈሩ ፀላእትና ገና መሊእና ኣይሰዓርናዮምን ኣብ ህልውናና ንምርግጋፅ ዝግበር ግብግብ ኢና ዘለና፡፡

ህልውና ውሕስ ምግባር ድማ ጦር ሰራዊትን ነፈርትን ኣዋፊሮም ዝጭፍጭፉና ዘለው ፀላእትና ብኣካል ካብ መሬትና ብምስጓግ ጥራሕ ኣይውዳእን፤ ህላወና ውሑስ ምግባር ምግቢ በሊዕኻ ምሕዳርን ዘርእኻ ምርባሕን ጥራሕ ኣይኮነን ህላወና ውሑስ ምግባር ብቐፃልነት ምምዕባል ማለት እውን እዩ፡፡ እቲ ሕብረተሰበ ብዝደልዮን ብዝመረፆን ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣግባብን ክመሓደርን እዙይ ቀስ ብቀስ እናዓመቆ ክኸይድን ምኽኣል ማለት እውን እዩ፡፡ ነዚ ዘፃብኡ ፀላእቲ ክመፁ ከለው ተኸላኺሉ ጠጠው ምባልን ድልየቱ ክፍፅም ምኽእል ማለት እውን እዩ፡፡ ዝመረፆ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓት መንገዲ ብባዕሉ እምበር ብናይ ካልኦት ፀቕጥን ሓይሊ ክድርብዩ ወይ ክልወጦ ዘይግደደሉ ኩነታት ምፍጣር ምኽኣል ማለት እውን እዩ፡፡

ህልውና ሓደ ሕብረተሰበ ካብ ደገ ብዝመፁ ተፃባእቲ ሓይልታት ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ ካብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰበ ባዕሉ ብዝበቑሉ ፀገማት እውን እዩ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ፡፡ እዙይ ማለት ኣብቲ ሕብረተሰበ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ብዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ፀገማት ናይቲ ሕብረተሰበ ሰላምን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ጉዕዞ የተኣጓጉልዎ ናብ ህውከት ዕግርግር ክኣቱ ነዚ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ካብዙይ ብዝነኣሰ እውን እቲ ሕብረተሰበ ተስፋ እናቆረፀን ዓቕሉ ፀቢብዎን እናተበታተነ ህልውንኡ እናማህመነ ክኸይድ ይኽእል እዩ፡፡ ኣብታ ሐዚ ዘላ ኤርትራ ዝረኣይ ዘሎ ጉዳይ ናይዚ ዓብዪ ኣብነት እዩ፡፡

 ንኣና ንተጋሩ ተላፊኖም ኩሉ ዓቕሞም ኣዋዲዶም ከጥፍኡና ወፊሮም ዘለው ፀላእትና ብምምካት ህልውናና ውሑስ ክኸውን ምግባር ናይ መጀመርያ ምዕራፍ እዩ፡፡ ቀፂሉ እዙይ ህልውናና ብቐፃልነት ውሑስ እናኾነ ክኸይድ ከም ሕብረተሰብ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና ኢልና ክንሓስብ ክንመክር ዝበለፀ መማረፂ ክንውስን ክንትግብር ኣብ ንግደደሉ ታሪካዊ ወቕቲ ዝበፅሐና ምዃንና ምስትብሃል የድሊ፡፡ ናይ ሓደ ሕብረተሰበ ብዝለዓለ ደረጃ ህልውንኡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዝወድቕ እቲ ሕብረተሰበ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ሰላም ክስእን ከሎ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን ሰላም እንተተዘሪጉ ብዛዕባ ካልኦት ጉዳያት ምሕሳብ ኣይከኣልን፡፡ ሰላም ድማ ብዘይካ እቶም ካልኦት ጉዳያት እናደልደለ ኣይኸይድን፡፡

ኣብ መንጎ ሰላምን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ዘሎ ምትእስሳር ኣዕርዩ ዝጠንከረን ዝተወሳሰበን ብምዃኑ ናይቲ ሓደ ምጉዳል እቲ ካልእ ንከየማልኦ ምኽንያት ይኸውን እዩ። ንኣብነት ኣብ ሕብረተሰበ ፍትሓዊ ተጠቃማይነት ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ልምዓት የለን ኢሉ ዝኣመነ ሕብረተሰበ ብዓመፅ߹ ብሓይሊ߹ ብዕግርግር ረብሕኡ ከማልእ ከለዓዕል ይኽእል እዩ። በዚ ምኽንያት ሰላም ይዝረግ ሰላም ስለዝተዘረገ ድማ ነቲ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓት ብኣሉታ ይፀልዎ። እዚ ተመሊሱ ንዝገደደ ሰላም ምስኣን ምኽንያት ይኸውን። ከምኡ እናበለ ናብ ጠጠው ክተብሎ ዘፀግም ናይ ጥፍኣት ቁልቁለት የምርሕ ከምኡ እውን ዲሞክራስያዊ መሰልና ተዓፊንና ኢና ድምፅና ኣይተሰምዐን ባህግና ኣብ ግምት ኣይኣተወን ዝብል ክፋል ሕብረተሰበ ብሓይሊ߹ ብዓመፅ߹ ድልየቱ ከማልእ ይንቀሳቐስ። እዚ ንሰላምን ቅሳነትን እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ የውድቕ። በዚ ምኽንያት ድማ ማሕበረ-ኢኮነምያዊ ልምዓት ይዕገት። ተመሊስካ ናብ ንምውፅኡ ኣፀጋሚ ዝኾነ ዕንክሊልን ናይ ቁልቁለት ጉዕዞ ይኣቱ።

ኣብዚ ዘለናሉ መዋእል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ፖለቲካዊ መሪሕነት (ውልቀ ሰባት ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ ዝተወደበ ፖለቲካዊ መሪሕነት ማለተይ እዩ) ። ናይ ብቕዓቱ መዐቀኒ ካብቶም ዝተሓላለኹ (ምኽንያትን ውፅኢትን (cause and effect) ፀገማት ደረጃ ብደረጃ ቀስ ብቀስ ከመይ ምውፃእ ይከኣል ኢሉ ሓሲቡ በዚ ተመሪሑ ናብቲ ናይ ሰላምን ማሕበረ-ኢኮነምያዊ ልምዓትን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ሃዲድ ከምዝኣቱ ምኽኣል እዩ። እዚ ከምቲ ብዘረባን ብፅሑፍን ዝቕመጥ ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ግን ድማ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ መሪሕነት ህላወን ምንቅስቓስን ትርጉም ዝህልዎ ካብቶም ዝተገለፁ ዝተወሳሰቡ ፀገማት ንሕብረተሰብ ንምውፃእ ቀፃላይ ቃልሲ ምግባር እዩ። ካሊእ መማረፂ የለን። እቲ ቃልሲ ብኣግባቡ ተሓሲብሉ ብዝተወደበ መንገዲ እንተተኻየዱ ናይ ምዕዋት ዕድል ዝሰፍሐ ይኸውን።

ኣብቲ ሐዚ ወድሰብ በፂሕዎ ዘሎ ናይ ምዕባለ ደረጃ ድማ ካብዚ ዝተወሳሰበን ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታ ዝፀላሎ ናይ ውድቀት ቁለቁለት ወፂእካ ናብ ቀፃላይ ናይ ሰላም ልምዓትን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ሃዲድ ዝእቶ ሕብረተሰብ ብመንግስታዊ ውዳበ ኣቢሉ ዕላማታቱ ከዕውት ክኽእል ከሎ እዩ፡፡ እቲ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝኽተሎ ኣተሓሳስባ ናይ ፖለቲካዊ ኣይድዮሎጂ ዝኾነ ይኹን ብነፃን ተኣማንነት ብዘለዎን መረፃ ህዝቢ ዝመረፆ እንተኾይኑ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ሰላም ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ከባቢኣን፣ ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዕብየት ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ከምፀአለይ እዩ ኢሉ ዝኣመነሎም ህዝቢ ዝደገፎ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ይከኣል እዩ፡፡ በቲ ኣተሓሳስባ ተመሪሕኻ እቲ ዝድለ ውፅኢት ይመፅእዶ? ኣይመፅአን ኣብ ተግባር ዝረአ እዩ፡፡ እቲ ዋና ጉዳይ ግን ሕብረተሰበ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ባህግን ዘለዎም ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ተወዲቡ ስርዓት ብዘለዎ ኣግባብ ተወዳዲሩ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቆፃፂሩ ብመንግስታዊ መሓውራት ኣቢሉ ቀፃልነት ዘለዎ ምዕባለ ከምፅእ እዩ ዝንቀሳቐስ፡፡

ኣብዚ ናይ ሕዚ እዋን ዝተፈላለየ ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ፖለቲካዊ ውድባት  ሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ኣቕሪቦም ብናይ ህዝቢ መረፃ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምሓዝ እዮም ተግባራዊ ክገብርዎ ዝፅዕሩ፡፡ ሕብረተሰበ በፂሕዎ ብዘሎ ናይ ምዕባለ ደረጃ እቲ ባዕሉ ንባዕሉ ንምምሕድዳርን ባህግታቱ ኣብ ተግባር ንምውዓልን ኣብ ውሽጡ ዘለው ዝተፈላለዩ መማረፂ ሓሳባት ዘተኣናግደሉ መንገዲ ተወዳዲርካ መንግስታዊ ስልጣን ብምሓዝ ዝግበር ኣገባብ እዩ፡፡ መንግስታዊ ኣወዳድባ ዝለዓለ ሕ/ሰባዊ ኣወዳድባ እዩ፡፡ ብሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ዝፀደቐ ሕገ-መንግስቲ (ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝእቶ ውዕሊ) መሰረት ዝገበረ ብነፃን ተኣማንነትን ዘለዎን መረፃ ተወዳዲሩ ስዒሩ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዝመርሖ መንግስቲ ክህሉ ኣለዎ፡፡ ስርዓት ዘለዎ መንግስቲ ዘይብሉ ሕብረተሰበ ብዛዕባ ሰላም፣ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዕብየት ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ዝበሃል ነገር ክሕሰብ ኣይኽእልን፡፡ መብዛሕትኡ ግዘ ከም ውሁብ (Given) ገይርካ ስለዝውሰድ ናይ ስርዓት ዘለዎ መንግስቲ ግደ ኣብ ናይ ሕብረተ-ሰብ ምዕባለ ጎሊሁ ኣይዝረበሉን፡፡

እዚ ክጠፍእ ከሎ ዘምፀኦ ሳዕቤን ኣብ ናትና ዕድመ እኳ ኣብ ሶማልያ ዝተፈጠረ ኩነታት ዓብዪ መምሀሪ ኣብነት እዩ፡፡ ዝኾነ ጠመንጃን ዝሕሽክርዎ መናእሰይ ዝኣከበ ናይ ግዚኡ ሓያል እየ በሃላይ ከምድላዩ ዝገብረሉ ናይ ወዲኒን ወሮበላን ሃገርን ሕብረተሰብን እዩ ዝህሉ ከምዚ ዝመሰለ ሕብረተሰብ ድማ ብዛዕባ ሰላም ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ክሓስብ ኣይኽእልን፡፡ ስርዓት ዘለዎ መንግስቲ ብዘይ ምህላዉ ኣብ ሓደ ሕብረተሰበ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ዘርዚርካ ምውዳእ ኣይከኣልን፡፡ ሕዚ እዙይ ከም መበገሲ ወሲድና መንግስቲ ናይ ሕብረተሰባዊ ምዕባለ ዋና ሃንዳሳይን ተግባራይን ክኸውን ከመይ እንተተወደበ፣ እንተሰርሐ ይሓይሽ ዝብል ጉዳይ ንምርኣይ ኢና ነልዕሎ ዘለና፡፡

ናይዚ ፅሑፍ ዕላማ ሐዚ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኲናታት ሰላምን ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ኣብ ድልዱል መሰረትን ዘተኣማምን ናይ ቀፃላይ ምዕባለ ሃዲድን ንምእታው ከመይ ዝመሰለ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ይሃልወና ኣብ ዝብል ጉዳይ ንምይይጥ መልዓሊ ክኾኑ ዝኽእሉ ሓሳባት ንምቕማጥ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፈተና ኣሎ ዝተሓላለኸ ቃልሲ ውን ይፅበዮ ኣሎ። ነዙይ ብብቕዓት ንክሓልፍ ዝተወደበ ጥንኩርን ፖለቲካዊ ኣመራርሓ የድልዮ። ምውዳብ ድማ ዝተሓሰበሉ ውድብ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ እዩ ዝጅምር። (በተን ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዝኽተልኦ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ንመረፃ ምስቀረበ ህዝቢ ክመርፅ እዩ ካብ ዝብል ተበጊስና) ዝተሓሰበሉ ውዱብ ኣተሓሳስባ ንምሓዝ ሰፋሕቲ ምይይጣት ናይ ሓሳብ ልውውጥ ኣሳታፋይ ዝኾን ፖለቲካዊ መሰርሕ ይሓትት። እዚ ንምጅማር ዶ’ኾን ይሕግዝ እዩ ናይዚ ፅሑፍ መልዐሊ። ካብ ናይ ትግራይ ኩነታት ጀሚርና ደሓር ካብ ትግራይ ወፃእ ዘሎ ኩነታት ናይ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወፃእ ዘሎን ኩነታት ብኣንፃር ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ምውሳን ቀፃላይ ረብሕኡን ህላወንኡን ውሑስ ምግባርን ኣንፃር ክንርእዮ ኢና ፡፡ ቅድሚኡ ግን ሓፂር መበገሲ ከቕርብ፡-

ድሕረ ባይታ (Background)

እቲ ኣጠቓላሊ ናይ ኢትዮጵያን ከባቢናን ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዝበለፀ ንምርኣይ ዝጠቅም ሕፅር ዝበለ ፖለቲካዊ መበገሲ ምልዓል ይግባእ ይመስለኒ፡፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ትግራይ ውን ሓዊስካ ንዝሓለፈ 150 ዓመታት ኣቢሉ ዝለዓሉ ዋና ዋና ናይ ሰላም ጠንቅታት ካብ ዝኾኑ ፖለቲካዊ ጉዳያት ጎሊሁ ዝረኣይ ናይ ኢትዮጵያ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ መስርሕ ዘስዕቦ መዘዝ እዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከምዝተገለፀ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ መስርሕ ጠቕሊልካ ወዲእኻ ዝተረጋግዐ ብሰላም ስርሑ ዝሰርሕ ሃገረ መንግስቲ ተመስሪቱ እዩ ኢልካ ንምውዳእ ንውሕ ዝበለ ጊዜ ወይ ናይ ወለዶታት ዕድመ ይወስድ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ኲናትን ደም ምፍሳስን ዝተመልኦ እዩ፡፡ ናይ ኣውሮፓ፣ ኣሜሪካ፣ ኤስያ፣ ሃገራት በዚ መስርሕ ሓሊፈን እየን፡፡ ኣብዚ ሐዚ በፂሐንኦ ዘለዋ ኩነታት በፂሐን ዘለዋ፡፡

ኣብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ባዕዳዊ መግዛእቲ እቲ ከይዲ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ምዕባለ ኣይተካየደን፡፡ ናብዚ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ምዕባለ ናይ ምኻድ ዕድል ዝነበሮ ኣብ ኢትዮጵያ እዩ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ሰብ ዳርጋ ከም ቅቡል ገይሩ ዝወስድ ሃፀይ ምኒሊክ ዝገበርዎ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ መስርሕ እዩ፡፡ እዚ ናይ ሃፀይ ምንሊክ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ ምንቅስቓስ ኣብ ትግራይ፣ ደቡብ ኢትዮጵያ ደማዊ ነይሩ፡፡ ብፍላይ ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዋናነት ናብ ኦሮሞን ሐዚ ህዝብታት ደቢብ ተባሂሎም ዝፅውዑ ዘለው ህዝብታትን ዝተገበረ ወታደራዊ ወፍርታት ንቶም ህዝብታት ብሓይሊ ጨቊንካ ብምሓዝ ዝተፈጠረ ሃገረ መንግስቲ እዩ ቦቂሉ ኣብ ልዕሊ እዙይ እቲ ትግርኛ ተዛራባይ ህዝቢ ካብ መረብ ንሰሜንን ንደቡብ ተኸፊሉ ንንበይኑ ኣብ ትሕቲ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ስርዓታት ክመሓደር ተገዲዱ፡፡

ንጉስ ሃይለስላሴ ምስ ነገሱ እቲ ናይ ምኒሊክ ካብ ሓደ ምእኹል መንግስታዊ ናይ ስልጣን ተዋረድ ተጠርኒፉ ዝመሓደር ናይ ኣምሓራ ባህሊ፣ ታሪኽ ልዕልነት ዘስበኸ ዘስፋሕፈሐ ኣተሓሳስባ ሐዚ ብዝሓሸ ቴክኖሎጂ (መራኸቢ መጓዓዝያ፣ ዘመናዊ ናይ መንግስቲ ስርዓት ወዘተ) ተደጊፉ ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ። ንኤርትራ እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣት ክትኣቱ ገይሩ፡፡ እዚ መስርሕ ብሰላም ዝቐፀለ ኣይነበረን፣ መጀመርያ ተጋሩ ብሄርተኛታት ከቢድ ዓመፅ ኣልዒሎም ንማእኸላይ መንግስቲ ነቀይ ነቀይ ኣቢሎምዎ ናይ ኢንግሊዝ መንግስቲ ሓገዝ መፂኡ እዩ ንናይ ንጉስ ሃይለስላሴ መንግስቲ ኣድሒንዎ፤ ፅንሕ ኢሎም ድሕሪ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፌደሬሽን ምፍራስ ናይ ኤርትራ ሃርበኛታት ንሃገራዊ ነፃነቶም ቃልሲ ጀሚሮም፡፡ ናይ ኦሮሞ ህዝብታት ዓመፅ ኣየቋረፀን ቀፂሉ ናይ ጎጃም ሓረስቶት እውን ኣንፃር ማእኸላይ መንግስቲ ዓሚፆም ዳሓር ድማ ዝተወደበ ናይ ህዝብታት ቃልሲ ምስቲ ኣቐዲሙ ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ኤርትራ ሃርበኛታት ንሃገራዊ ነፃነት ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ናይ ትግራይ፣ ናይ ኦሮሞ፣ ናይ ሶማል፣ ናይ ዓፋር፣ ህዝብታት ቃልሲ ቀፂሉ፡፡

ኣብ እዋን ንጉስ ምኒሊክ፣ ንጉስ ሃይለስላሴን ናይ ኣውሮፓ ሃገራት ዝገብርኦ ዝነበራ ንኣፍሪቃ ተኸፋፊልካ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናይ ምእታው ምንቅስቓስ ናብ ኢትዮጵያ ድማ መንግስቲ ጣልያን ክልተ ግዜ ዓበይቲ ወራራት ኣካይዱ (ኲናት ዓድዋን ኲናት ማይጨውን ተባሂሉ ዝፅዋዕ) ኣብ መጀመርያ ‘ውን ኣብ ኲናት ዓድዋ ደሓር ‘ውን ብስዕረት ካብ ኢትዮጵያ ተሰጊጉ እዩ፡፡ እዞም ክልቲኦም ዓበይቲ ኲናታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ መስርሕ ቀሊል ዘይኮነ ፅልዋ ኣሐዲሮም እዮም። ብፍላይ ሻቡ ናይ ዓለም ልዕለ ሃያላን ዝነበራ እንግሊዝን ኣመሪካን ኣብ ናይ ሃይለስላሰ ማእኸላይን ሃፀያዊን መንግስቲ ምድልዳል ዓብዪ ኣስተዋፀኦ ነይርወን እዩ፡፡

እቶም ሃፀይ ሃይለስላሰ ምስ ወረዱ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ናይ ወታሃደራት ምትእኽኻብ ሃፀይ ሃይለስላሰ ምስ መንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ኮይኖም መስሪተምዎ ዝነበሩ ብምንፅፃር ክረአ ከሎ ጥንክር ዝበለ ማእኸላይ መንግስቲ እዮም ወሪሶም ፡፡ ንጉስ ሃይለስላሰ ናይ ህዝቢ ዓመፅ ምስ ኣውረዶም እቲ ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ ምስ ፈረሰ ስልጣን ዝሓዘ ናይ ወታደራት ምትእኽኻብ ናይ ሃፀይ ምኒሊክን ሃፀይ ሃይለስላሴን ፖለቲካዊ መምርሕን ኣተሓሳስባን እዩ ሒዙ ቀፂሉ፡፡ ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ድማ ነዚ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ማእኸል ገይሩ ጥርኑፍ መንግስቲ መስሪትካ ናይ ህዝብታት መሰል ብምዕፋን ሓደ ሃገረ መንግስቲ ንምምስራት ዝግበር ምንቅስቓስ ብኸቢድ መስዋእትነትን ተጋድሎን ይቃወም ነይሩ፡፡ ናይ ትግራይ፣ ናይ ኤርትራ፣ ናይ ኦሮሞ፣ ናይ ሶማል ቃልስታት ናይዚ ተጋድሎ ኣብነታት እዮም፡፡

      ናይዚ ተጋድሎ ውፅኢት ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ብዝገበሮ ቀዳማይን ካልኣይን ወያነ ትግራይ ብፍላይ እቲ ናይ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ከቢድ መስዋእትነት ቃልስን ምስ ካልኦት ተቓለስቲ ኢትዮጵያውያንን ኾይኑ ናይቶም ወታደራት ተኣኻኺቦም መስሪቶምዎ ዝነበሩ መንግስቲ ፈሪሱ ብመተካእትኡ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራትን ብሄረሰባትን ማእኸል ዝገበረ ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ ተመስሪቱ ኤርትራ ብሪፈረንደም ነፃ ሃገር ኮይና ተመስሪታ፡፡ ብኻሊእ ኣዘራርባ ካብቲ ዝነበረ ዝተፈለየ ናይ ህዝብታት ናይ ባዕሎም መሰል ባዕሎም ዝውስንሉን ባዕሎም ንባዕሎም ዘመሓድርሉን ናይ ሓባር ጉዳዮም ድማ ብሓባር ዝርእይሉን ሓዱሽ ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት መስርሕ ሓዱሽ ሕብረ- ብሄራዊ ፌደራላዊ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ዝገበረ መስርሕ ተጀሚሩ፡፡

እቲ ብሃፀይ ምኒሊክ ዝተጀመረ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ መስርሕ ብብዙሕ ዓንቀፍቀፍን ሕድሕድ ኲናትንድኽነትን ጥምየትንሰንከልከል ዝብልዝነበረ ብሓዱሽናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታኣተሓሳስባ ተተኪኡ ዳርጋ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመታት ንታ ሃገር ናብ ዝሐሸ ማሕበረ- ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ተነፃፃሪ ሰላም ኣእትይዋ ነይሩ፡፡ ሐዚ ድማ እቶም ናይ ሃፀይ ሚኒሊክ ናይ ሃፀያዊ ሃገረ መንግስቲ ኣተሓሳስባ፣ ናይ ኣምሓራ ፈጣራይ ሓደጋይነት ኣተሓሳስባ ኣመንቲ ሓይልታት ተኣካኺቦም ናብቲ ዝኣረገ ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት መስርሕ ከእትወና ብቃልስና ዝረከብናዮ መንነትናን መሰልናን ከሕድጉና ከም ህዝቢ ከጥፍኡና ሓሲቦም ኲናት የካይዱ ኣለው፡፡

ብሓፂሩ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንትግራይ ዋና ማእኸሉ ዝገበረ ኲናት ናይ ክልተ ፍፁም ተፃረርቲ ዝኾኑ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ ኣተሓሳስባታት ዘበግስ ኲናት እዩ፡፡ ብሓደ ወገን ካብ ሃፀይ ምኒሊክ ጀሚሩ ዝነበረእሞ በብግዝይኡ ዝመፁ መራሕቲ እናጠናኸርዎ ዝኸዱ ገሊኦም ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ዝሰብክዎ ናይ ኣምሓራ ልዕልነትን ፈጣራይ ሓዳጋይነትን ዘረጋግፅ ንካልኦት ህዝብታት ከም ህዝቢ ዘይቁፀር ሃፀያዊ ናይ ሃገረ መንግስቲ ምስረታ ከይድን ባህግን ኣሎ፡፡ ብካሊእ ወገን ካዓ ናይ ህዝብታት ባዕሎም ንባዕሎም ናይ ምምሕዳርን ናይ ባዕሎም ዕድል ባዕሎም ናይ ምውሳን መሰልን ማንም ዘይህቦም ዘይካልኦም መሰል ምዃኑ ብሕገ መንግስቲ ሓንፂፁ ከም መምርሒኡ ዝተቐበለን ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት ኣተሓሳስባን ኣሎ፡፡ ናይዛ ሐዚ ኣብ ትግራይን ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ኲናት መበገሲኡ እዙይ እዩ፡፡

ኣብዚ ኲናታት እዙይ ህዝቢ ትግራይ ክልተ መማረፅታት ኣለውዎ። እቲ ሓደ ምስ ካልኦት ተቃለስቲ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ናይ ባዕሉ ዕዱል ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ኣሕሊፈ ከይሃበን ህልውናኡ ውሑስ ገይሩን ናብቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ዝበፅሐና ከም ህዝቢ መጠን ንኣና ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ከምዘይኣቱ ኣረጋጊፅናን ኣብ ገፊሕ ናይ ባዕልና ጉዳይ ባዕልና ምውሳን መሰል ኮይኑ ኣብታ ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ውሽጢ ኮይንናን ምንባር ወይ ድማ ናይ ባዕልና ነፃ ሃገር መስሪትና ምሕደራና ይኹን ካልኦት ባህግታትና ብዝመስለናን ብዝተስማዕማዕናሉ ኣገባብ ምምራሕ እዩ፡፡ እዞም መማረፅታት እዚኣቶም ሓሲብና ንውስነሉ ታሪኻዊ እዋን በፂሕና ኣለና፡፡ እዚ ሓረያን ውሳነን እዚ ህዝቢ ትግራይ ብዘይምንም ተፅዕኖ ብናይ ባዕሉ ድሌት ጥቕሙን ጉድኣቱን መዚኑ ክውስኖ ዘለዎ ውሳነ እዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዙይ ብዘይካ ህዝቢ ትግራይ ማንም ካሊእ ሓይሊ ክውስን ኣይኽእልን፡፡ ዝኾነ ውሳነ ይወስን ግን ናይ ህዝቢ ትግራይ ህልውናን ቀፃላይ ምዕባለን ዘረጋግፅ ምዃኑ እናመዘንካን ሓሲብካን ክውሰን ዘለዎ ምዃኑ ፀቕጢ ዘድልዮ ጉዳይ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ መሰሉ ናብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠሞን ገና ዘይተወድአን ከም ህዝቢ መጠን ንምጥፋእ ዝዓለመ ፀገም ተመሊሱ ክኣትወሉ ዝኽእል ዕድል ጠቕሊሉ ዘጥፈኦ ተመሊሱ ናብቲ ገና ዘይሓለፍናዮ ተዛሪብካ ክውዳእ ዘይኽእል ፀበባ ንዘይምእታው ሙሉእ ውሕስና ዘረጋግፅ ምዃኑ እናመዘንካ ክብፃሕ ዘለዎ ውሳነ እዩ፡፡

ናይ ትግራይ ውሽጣዊ ኩነታት

1. ናይ ሰላም ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሕቶ፡-

ዝበዝሐ ግዘ ኣብ ሕብረተሰበ ሰላም ብኲናት ወይ ማሕበራዊ ዕግርግር እንተዘይተዘሪጉ ዳርጋ ከም ኩሉ ግዘ ዘሎ ውሁብ ነገር ጌርካ ምውሳድ ኣሎ እዩ። ከም ንትንፍሶ ኣየር ዓይነት ክሳብ ክንደይ መሰረታዊ ምዃኑን ንቡዝሓት ማሕበራዊ ምንቅስቓስ (ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓት߹ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅ) ዳርጋ ቅድመ ኲናት ምዃኑ ዝፍለጠና ክንስእኖ ከለና እዩ። ስለዚ ናብ ኲናትን ማሕበራዊ ቀውስን ከይኣተና ከለና ሰላምና ምሕላው ክሰፍሕ ክዓሙቕ ምግባር፤ ነዚ ዝሕግዙ ዘጎልብቱ ምንቅስቓሳት ብፍላይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ምግባር ብጣዕሚ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ።

 እዚ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ሰላም ብሕብረተሰበ ምስፋን ጉዳይ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ መንግስትታት ኮነ ኢሎም ተገዲሶም ብዘፅደቕዎ ፖሊሲታትን፣ ንፖሊሲኦም መፈፀሚ ዝኸውን ስትራተጂታትን መደባትን ተፃዒርሉ ዝመፅእ እዩ፡፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ዝኾነ ደረጃ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ካብቶም ዝለዓለ ትኹረት ሂቡ ክጥምቶም ዝግባእ ጉዳያት ሓደ እዩ።

 ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ድማ ብፍላይ ከቢድ ኲናት ይካየድ ኣሎ፡፡ ሰላምና ተዘሪጉ ኣሎ፡፡ ህልውናናን ፖለቲካዊ መሰላትና ኣሕሊፍና ከይሃብና ሰላም ክነምፅእ ተገዲድና ናብ ኲናት ኣቲና ኣለና፡፡ ውዒሉ ሓዲሩ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንተስ ሓዲኡ ወገን ስዒሩ ወይ ወታደራዊ ዓወት ከምዘይርከብ ብምእማን ብዘተ ናብ ምጥቕላሉ ክኸይድ እዩ፡፡ ኣብ መጠቃለሊ እውን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስምምዕነት ምህላው ኣይተርፍን፡፡ ናይዚ ሐዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብቶም ዝሓለፉ ታሪኻት ዝወረሶ ውርሻ ከምዘሎ ኩሉ ካብዚ ኲናት እዙይ እውን ንቀፃላይ ዝተርፍ ፀጋ ወይ መዘዝ ምህላው ኣይተርፍን፡፡ ስለዚ ናይዚ ሐዚ ተታሒዙ ዘሎ ኲናት ኣወዳድኣ ኣብ ቀፃላይ ዝሐሸ ዕድመ ዘለዎ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ቀሊል ዘይኮነ ብፅሒት ኣለዎ፡፡ ስለዝኾነ እውን እዚ ኲናት ከመይ ንወደኣዮ ዝብል ጉዳይ እዚ ናይ ሐዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀገምን ፀበባን ንግዝይኡ ምፍታሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቐፃላይ ህላወና ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ዝገብርን ዝሐሸ ዕድመ ድልድል መሰረት ዘለዎ ሰላም ከመይ ክነምፅኦ ንኽእል ዝብል ጉዳይ ዝምልስ ክኸውን ኣለዎ፡፡ እዚ ድማ ብመሰረቱ ናይ ውሕሉል ለባም ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ናይ ገዛ ዕዮ እዩ፡፡

 ካብዚ ኣንፃር እዚ ሒዝናዮ ዘለና ኲናት ክንውድኦን እቶም ኣብ ላዕሊ ተገሊፆም ዘለው ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ዕውት ንምግባር እንታይ እንታይ ክሕሰብሉ ኣለዎም ኢልና እቶም ዋና ዋና ጉዳያት ንርአ፡፡

እዚ ኲናት ህዝቢ ትግራይ ብቃልሱ ዘረጋገፆን ኣብ ሕገ-መንግስቲ ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ዘፅደቆን መሰረታዊ ፖለቲካዊ መሰል ከኽብር ስለዝተነፈገ ዝተወልዐ ኲናት እዩ፡፡ ናይ መወዳእታ ሽትኡ ብኣንፃር ህዝቢ ትግራይ እውን መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ብምርግጋፅ ምጥቕላል ክኸውን ኣለዎ ኢልካ ምቕማጥ ትኽክል እዩ፡፡ እዚ መሰል ዓርሰ ውሳነ ናይ ምጥቕላል መስርሕ ብኣንፃር ድልየት ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ነፃ ሃገር ክሳብ ምምስራት ዝኸይድ መሰል እዩ፡፡ እዚ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየትን ምርጫን ጥራሕ ዝውሰን ጉዳይ እዩ፡፡ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየትን ምርጫን ጥራሕ ይውሰን ማለት ግን ኣብቲ መስርሕ ፀገማት የብሉን ብለማፁ ዝፍፀም እዩ ማለት ከምዘይኮነ ግልፂ እዩ፡፡

 እቶም ፖለቲካዊ ፀገማት እንታይ እዮም? ኣብዚ እቲ ብወተሃደራዊ ግጥም ዝግበር ስራሕ ብናይ ባዕሉ መንገዲ ተዛዚሙ ወይ እውን ገና ዘይተጠቓለለ ከሎ ናብ ናይ ብሰላም ንወደኣዮ ዘተ ክኣቱ ከም ዝኽእልን ኣብ ግምት ነእቱ ኢና፡፡ እቲ ወታደራዊ ግጥም ናይቲ ብሰላም ክፍታሕ ዘይተኸኣለ ፖለቲካ መቐፀልታ እኳ እንተኾነ ሐዚ እዚ ብናይ ባዕሉ መስርሕ ከምዝኸይድ ሓሲብና ኢና ንኸይድ ዘለና፡፡ እቲ ወታሃደራዊ ግጥም ነቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ንምዕዋት ህዝቢ ትግራይ ዝጥቀመሉ መስርሕ ምዃኑ ግልፂ እናሃለወ ናይ ባዕሉ ኣካይዳ ስለዘለዎ ሐዚ ኣብዚ ፅሑፍ ኣይነልዕሎን፡፡

ካብቲ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ምዕባለ ናይቲ ኲናት ተበጊስና ቀፃላይ ኣንፈቱ ክንርኢ ከለና ኣብ ኣዕርዩ ወሳናይ ዝኾነ ደረጃ በፂሑ ከምዘሎ ምግንዛብ ይግባእ። ቀፃላይ ውግኣት ናይ መወዳእታ ናይ ሞትን ሕውየትን ምዕራፍ እዩ።

 ቀፃሊ ዝመፅእ ሕቶ እዚ ቀፃሊ ምዕራፍ ናይቲ ኲናት ክንድቲ ዝተገለፀ ወሳናይ እንተኾይኑ ኣብ ጠቕላላ ናይዚ ጎዶቦ (Region) ፖለቲካዊ ኩነታት ዝህልዎ ተፅዕኖ ውን ምስኡ ዝመጣጠን ምዃኑ ኣይተረፍን። እዚ ኲናት ብናትና ሙሉእ ዓወት እንተተዛዚሙ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህሉ ማእኸላይ ምንግስቲ እንታይ ዓይነት እዩ ክኸውን? ኦሮሞ፣ ሶማል፣ ዓፋር፣ ወዘተ… ኣብዚ እዋን እዚይ ከመይ እዮም ክሓስቡን ክንቀሳቐሱን፣ ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታት ይቕመጥ? ብስሩኸ ብስርዓት ዓዲ ዘመሓድር ሰላም ዘምፅእ ማእኸላይ መንግስቲ ድዩ ክህሉ ወይስ በቢኸባቢኡ ዝቖሙ ናይ ክልል መንግስትታት እዮም ክበቑሉ? እዚኦም ኩሎም ሐዚ ንምምላሶም ኣፀገምቲ ጉዳያት እዮም።

 ብተመሳሳሊ መንገዲ ውን ኣብዚ ቀፃላይ ኲናት ናይ ኤርትራ መንግስቲ እንተተሳዒሩ ናይ ኢሳያስ መንግስቲ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራ ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ዝገብሮ ዝነበረ ገይሩ እናመሓደረ ናይ ምቕፃል ዕድሉ ይህልው’ዶ? እንተዘይኮይኑኸ ናይታ ሃገር ቀፃላይ ዕድል እንታይ እዩ ክኸውን? ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ኤርትራ ኣብቲ እዋን ዝፍጠር ኩነታት ናብ ቅድሚት ዘምፀኦም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዝህሉ ዝምድና እንታይ ክመስል ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ የድሊ። ነዚኦም ኩሎም ንፁር መልሲ ብሕዚኡ ምቕማጥ ኣፀጋሚ እዩ። ግን ዝኾነ እንተኾነ ኣብ ጌጋ ዘየውድቐና ውሽጣዊ ጉዳይና ፖለቲካዊ ስርዓትና ድሕንነትና ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትና ብቐፀልነት ዘዕቢ ማእኸል ገይርና ምሕሳብ ንኹሉ ዝመፅእ ብደሆታት ብዝበለፀ ተዳሊና ክንፀንሕ የኽእለና።

 ስለዝኾነ ’ውን ትኹረትና እዚ ሐዚ ዘይተዛዘመ ኲናት ብዓወት ኣብ ምውዳእን ካብ ብሐዚኡ ጀሚርና ጎኒ ንጎኒ ምስቲ ኲናት ክንጅምሮም እንኽእል ደሓር ድማ ምስ ኩነታት እናዛመድና እናዓሞቑ ክኸዱ ዝኽእሉ ናይ ህንፀት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት፣ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕድዳር ስራሕቲ ጀሚርና ምስ ኩነታት እናጎልበቱ ክኸዱ ምግባር ይግባእ። እዚኦም ሐዚ እቲ ኲናት ብዓወት ክንዛዝሞ ዓብዪ ብፅሒት ኣለዎም። እቲ ኲናት ምስተዛዘመ ’ውን ኣብ ዝሓሸ ውሕስና ዘለዎ ናይ ሰላምን ሕብረተሰባዊ ምዕባለን ሃዲድ ክንኣቱ የኽእሉና እዮም።       

 እቲ ኲናት ብውግእ ጥራሕ ዲና ክንውደኦ ወይስ ኣብ መንጎ ሰላማዊ ዝርርብ እውን እናተሓወሰ እዩ ክካየድ ዝብል ጉዳይ ገና ኣብ ከይዲ ክራኣይ እዩ። ናይ ሰላም ዝርርብ ምጅማር ማለት እውን እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላም ጥራሕ ክውዳእ እዩ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብሰላም እንተተወዲኡ ፅቡቕ ዕላማና ብሰላማዊ መንገዲ ይማላእ ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ግን እዙይ ናይ ዘይምዃን ዕዱል ኣሎ ተመሊስካ ናብ ኲናት ምእታው እውን ኣሎ፡፡ ኣሽንኳይዶ ዕላዊ ናይ ሰላም ዘተ ገና ዘይተጀመረ እናሃለወ ይትረፍ ብዕሊ ምስተጀመረ እውን ኣብ መንጎ ተፋሪስካ ተመሊስካ ናብ ኲናት ምእታው ከይህሉ ጥንቅቀን ጻዕርን ምግባር ዝግበኣና እኳ እንተኾነ፤ እቲ ናይ ሰላም ዝርርብን ኲናትን ምቕፃልን እናተፈራረቑ ናይ ምኻድ ዕድል ከምዘሎ እናሓሰብካ ምኻድ የድሊ። እዙይ መሰረት ገይርካ ንኽልቲኡ እናተዳለኻ ከከም ኣመፃፅእኡ እናተኣናገድካ ምኻድ ዘኽእል ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ህዝብናን ሰራዊትናን ምፍጣር ብቐፃልነት ብትኹረት ክስራሕ ዘለዎ ስራሕ እዩ፡፡

ስለዝኾን መወዳእትኡ ከመይ ከምዝጠቓለል ብንፁር ንምቕማጥ ኣይከኣልን ጥራሕ ዘይኮነስ ዝወስዶ ግዘ እውን ሓፂር ኣይኮነን፡፡ ነዙይ ሓደ ዓብዪ ፖለቲካዊ ምኽንያት ድማ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ኩነታት ከመይ ኢሉ እናማዕበለ ይኸይድ? ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ናይ ሰላም ዝርርብን ከመይ ብኣሉታ ይኹን ብኣወንታ ይፀልዎ? ክረአ ዘለዎ ካሊእ ዓብዪ ጉዳይ እዩ፡፡ ብዛዕባ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክንሓስብን ክንዛረብን ከለና ብዛዕባ እዚ ሐዚ ሒዝናዮ ዘለና ዘይተወድአ ኲናት ጥራሕ እናሓሰብና ኣይኮነን ክንዛረብ ዘለና፡፡ እዚ ሐዚ ተታሒዙ ዘሎ ኲናት ብናይ ህዝቢ ትግራይ ምርጫ (ሓረያ) ጥራሕ ክውዳእ ንምግባር ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዝተሓላለኹ ፖለቲካዊ ወታሃደራዊ ዲፕሎማስያዊ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ብድሆታት ከምዘለው ኾይኖም ነዚኦም ተደሪቦም እውን ኣብ ውሽጥና ኣብ ትግራይ ይኹን ምስ ከባቢና ንውሕ ዝበለ ዕድመ ዘለዎ ሰላም ንክህልወና ሐዚ እንታይ ንግበር ኢልና ክንሓስብ ኣለና፡፡ ካብዚ ኣንፃር ብሓደ ወገን ኣብ ውሽጥና ኣብ ትግራይ ንሰላም፣ ንልምዓት፣ ንዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት መሰረት ዝኾኑ ጉዳያት እንታይ እዮም ኢልና ኣለሊና ብቐፃልነት ክንሰርሐሎም ይግባእ፡፡ ብካሊእ ወገን ካዓ ኣብ ከባቢናን ምስ ከባቢና ብዘለና ዝምድናን ኣንፃር እንታይ ንፅበይ ንሕናኸ እንታይ ክንሰርሕ ኣለና ኢልና ክንሓስብን ክንሰርሕን ይግባእ፡፡  

           ኣብ ቀፃላይ ዝህሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከጋጥሙ ይኽእሉ ተባሂሎም ክሕሰቡ ዘለዎም ፖለቲካዊ ጉዳያት እንታይ እዮም፤ እቶም ፖለቲካዊ ብደሆታት ካበይ ይምንጭዉ ብዝብል ከፋፊልካ ምርኣይ ይከኣል እዩ፡፡ ባህርያቶም እውን ምስቲ ዝምንጭውሉ መሰረቶም ዝተተሓሓዘ ስለዝኾን እቶም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፖለቲካዊ ፀገማት ኣብ ክልተ ከፊልካ ክረኣዩ ይኽእሉ እዩም፡፡ ደጋውን ውሽጣውን ተባሂሎም፣ ደጋዊ ማለት ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝምንጭው ፖለቲካዊ ጉዳያት ማለት እንትኸውን ውሽጣዊ ድማ እቶም ካብ ትግራይ/ ተጋሩ ባዕልና ዝምንጭዉ ፖለቲካዊ ጉዳያት እዮም፡፡ ኣብ ክልቲኦም ምዝማድን ምትእስሳርን ክህሉ እዩ፡፡ ብዝበለፀ ግልፂ ጌርካ ንምርኣይ ግን ፈላሊና ንርኣዮም፡፡ በቶም ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገማት ንጀምር፡-

 2. ድነት ህዝቢ ትግራይ ምድልዳል፡-

እቲ ክሳብ ሐዚ ዘጋጥመና ዘሎ ፀገም ከቢድ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ዝመከቶ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ስለዝተቓለሰ እዩ፡፡ ሓድነቱ ኣስጢሙ መሰለይን መንነተይን ኣሕሊፈ ንባዕዲ ኣይህብን ስለዝበለ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዝነበሩን ዘለውን ፀገማትን ሽግራትን ይፅንሑለይ ዳሓር ክምለሶም ኢሉ ኩሉ ጠመትኡ ነዚ መሰሉ ንምሕዳግን መንነቱ ንምጥፋእን ከም ህዝቢ ህላወና ንምጥፋእን ዝመፆ ሓደጋ ቐዳምነት ሂቡ ክቃለስ ስለዝወሰነ እዩ፡፡ እዚ ንጉዳያት ፖለቲካዊ ባህሪኦም ብምስትውዓል ናብ መደምደምታ ናይ ዝብፃሕ ፖለቲካዊ ማሕበረ ሰብ ኣተሓሳስባ እዩ፡፡ ብምዃኑ ’ውን ክነኣድ ዘለዎ እዩ፡፡ ምስ እዚ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ግዝይኡ ዝህልዉ ፖለቲካዊ መራሕቲ ነዚ ናይ ህዝቢ ብስለት ዝምጥን፣ ነዚ ናይቲ ሕብረተሰብ ኣተሓሳስባ ዝቕበልን ዝሓቁፍን ኣሰራርሓ ክኽተሉ ይግባእ፡፡ ክልቲኡ እንተዘይተቃንዩ ዝድለ ውፅኢት ኣይመፅእን፡፡ እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ ኣብ ቀፃላይ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ኩነታት ሓድነት ህዝቢ ትግራይ እናዓሞቐ እናደልደለ ክኸይድ ቀፃላይ ፃዕሪ ምግባር መሰረታዊ እዩ፡፡

ኣብ ሓደ ህዝቢ ሓድነት ኣሎ ማለት ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ መማረፂ ሓሳባት የለውን ካብ ሓደ ማእኸል ብዝንቁርቆር ኣተሓሳስባ ጥራሕ ይምራሕ ማለት ኣይኮነን። እዚ እንተነጊሱ ናይ ግዘ ጉዳይ እዩ እምበር እዚ ከምዚ ዝመሰለ ሕብረተሰብ ካብ ውሽጢ ፀረ ህዝባዊ ኣተሓሳስባን ብስልጣኖም ድልየቶም ክገብሩ ዝደልዩ ጨቆንቲ መራሕትን እንተስ ብፓርቲ መልክዕ ተወዲቦም እንተስ በብውልቆኦም ምብቋሎምን ምጉዋዶምን ኣይተርፍን፡፡ ከምዚ ዝመሰለ ሕብረተሰበ ድማ መማረፂ ሓሳባት ዘየምፀኦ ውጥም ውጥም ዝበሉ ሓሳባትን ሰባትን እናተመንጠሉ እናበስበሰ ዝኸይድ ሕብረተሰበ እዩ ዝኸውን፡፡

ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን መማረፅታትን ብዘይፍርሕን ጭቆናን ምዕምባብ ንሓደ ሕብረተሰበ ፀጋ እዩ ። ናይ ቀፃላይ ምዕባልኡ ሓባሪ ውን እዩ፡፡ ስለዚ ኣብ ሓደ ሕብረተሰበ ናይ ኣተሓሳስባ ሓድነት ክንሓስብ ከለና ነዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዝምንጩ ኣተሓሳስባታትን መማረፅታትን ፀጋ ከየጥፋእና ብኣንፃር ንሃገራዊ ህንፀት (ሰላም ፣ ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ናይ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ልምዓት) ከመይ ጉልበት እናወሰኸሉ ክኸይድ ንገብሮ ምባል ጥራሕ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ ካብ ሓደ ኩሉ ፍልጠት ዝተውሃቦ ማእኸል ብዝንቁርቆር ኣተሓሳስባን መምርሕን ሰጥ ኢልካ ተገዛእ ክኸውን የብሉን፡፡ እቲ ዋና ናይ ፖለቲካ ጥበብ ድማ ነዞም ኣብ ሓደ ሕብረተሰብ ዘለው ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ባህግታት ከም ፀገም ዘይኮነስ ከም ፀጋ ሪኢኻ ንህንፀት ሕብረተሰባዊ ምዕባለ ከምዝውዕሉ ገይርካ ምምራሕ/ምምሕዳር ይኸውን፡፡

እዚ ንሕና ንጅምሮ ሓዱሽ ተርእዮ ኣይኮነን፡፡ እቲ ዝሰልጠነ ዝበሃል ምዕሩይ መንግስቲ መስሪቶም ሰላምን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፣ ናይ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ልምዓትን ብቐፃልነት እናመዝገቡ ዝኸዱ ዘለው ሃገራት ኣብ ተግባር ኣውዒሎም ውፅኢት ዝረኸብሉ ዝተፈተነ ኣተሓሳስባ እዩ፡፡ ብሓፂሩ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብወረቐት ብፅሑፍ ዘይኮነስ ብተግባር ክኽበሩ እናገበርካ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባን ባህግን መማረፂ ሓሳባትን ዘለዎም ሰባት ብዘይ ምንም ፅዕንቶ ክውደቡ ከይተወደቡ እውን ሓሳባቶም ከም ድላዮም ክገልፁ እቲ ሕብረተሰበ እዞም መማረፂ ሓሳባት ክቐርብሉ ነዚኣቶም ጥቕሞምን ጉድኣቶምን ፈሊጡ ክመርፅ ዝኽእል ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ተግባራዊ ምግባር እዩ፡፡

ዝኾነ እንተኾነ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ህዝቢ ኩሉ ብዘይ ኣፈላላይ ዝድግፎ ኣተሓሳስባን መማረፂ ኣንፈትን ኣይህሉን፡፡ እቶም መማረፅታት እቲ ሕብረተሰበ ብዝኣመነሉን ዝተቐበሎን ኣብቲ ናይ ሃገር ሕገ መንግስቲ ዝሰፈረን ኣሰራርሓ መሰረት ናብ ህዝቡን መንግስቱን እናቐረበ ውሳነ ይወሃበሉ፡፡ እቶም ዝበዝሐ ወሰንቲ ዝድግፍዎ ኣተሓሳስባ ናይ ተግባር መምርሒ ይኸውን፡፡ እቲ ቡዙሓት ዘይደገፍዎ ኣተሓሳስባ ካልእ መዓልቲ ይፅበ፡፡ ብዙሓት ስለዘይተቐበልዎ ኣብ ሓደ እዋን ጌጋ እዩ ወይ ጠቓሚ ሓሳብ ኣይኮነን ማለት ኣይኮነን፡፡ ተቐባልነት ንኽረክብን ውሳነ ኮይኑ ክሓልፍን ኣብቲ እዋን ኩነታት ኣይተመቻቸወን ማለት ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ብዙሓት መማረፂ ሓሳባት ምህላው ሃገር ናብ ዕግርግርን ኣንፈት ዘይብሉ ሕምስምስ ምእታውን ማለት እውን ኣይኮነን፡፡

እዙይ ጉዳይ እዙይ ኣብ ተግባር ንምውዓል ንሕና ተጋሩ ካብ ዝሓለፈ ልምድና ተበጊስና ክንርእዮ ከለና ክንሰግሮ ዘለና ቀሊል ዘይኮነ ኣብቲ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ባህልና ዘሎ ማሕልኻታት ኣለውና፡፡ ንዚኣቶም ብውነ ክንሓልፎም ይግባእ፡፡ እዙይ እንተዘይገይርና ኣተሓሳስብኡን ባህጉን ብዝተወደበን ሕጋውን ሰላማውን ብዝኾነ መንገዲ ክግለፅን ህዝቢ ክኣምንን ዘይከኣለ ኣካል ሕብረተሰበ ናብ ካልእ ዘይሕጋውን ዘይሰላማውን መማረፂ ምጥማቱን ነዚ ኣብ ተግባር ምውዓሉን ኣይተርፍን፡፡ እዙይ ቀስ ብቐስ እናዓበየ ድማ ናይቲ ማሕበረ ሰብ ሰላም ዝዘርግ ብኡ ኣቢሉ ድማ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዕቤትን ዘተኣጓጉል ይኸውን፡፡

 ናይ ህዝቢ ትግራይ ሓድነት ነቲ ሐዚ ተታሒዙ ዘሎ ገና ዘይተወድአ ኲናት ናብቲ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ደረጃ ንክበፅሕ ዝነበሮ ብፅሒት መሰረታዊ እዩ፡፡ ናይቶም ክሳብ ሐዚ ዝረኸብናዮም ዙርያ ምላሽ (ወታደራዊ ዲፕሎማስያዊ) ዓወታት መስሪቱ እዩ፡፡ እዙይ ንቐፃላይ ዝበፅሐና ዝተሓላለኸ ቃልሲ እውን ናይ ዓወታትና መሰረት እዩ፡፡ ስለዝኾነ ዝተፈላለዩ መማረፂ ሓሳባት ክንዲ ዝተኽኣለ ኣብ ሰፋሕቲ መድረኻት ክቀርቡ ህዝቢ ክፈልጦም ሓሳብ ክህበሎም ምግባር ይግባእ፡፡ ኣብዚ ናይቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ውድብን ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ መንግስትን ሓላፍነት ዓብዪ እዩ፡፡ በቲ ክሳብ ሐዚ ዝነበረ ዘይሓቋፋይ ኣሳታፋይ ዘይኮነ ኣካይዳ ምኻድ ይውዓል ይሕደር ዋጋ ክኽፍለና እዩ፡፡ እቲ ዝኸበደ ዋጋ ድማ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ነቓዕ ክፈጥረሉን ኣብ ሓደጋ ክወድቕን ብምግባር ኣብቲ ቃልሲ ዝፍጠር ምልሕላሕ ኣቢሉ ዝፍጠር ዋጋ እዩ፡፡ እቲ ፖለቲካዊ መሪሕነት ብፍላይ እቲ መንግስቲ እዙይ ከይፍጠር ዝካኣሎ ኩሉ ክገብር ኣለዎ፡፡ እዙይ ማለት ኩሉ ዝመፀ ሓሳብ ተቐበል ማለት  ከም ዘይኮነ ግልፂ ይመስለኒ፡፡ እቲ ብቑዕ ምኽንያት ዘለዎን ጠቃሚ ሓሳባት ንምምማይን ንምልላይን ዘኽእል መስርሕ ምዝርጋሕ ንቶም ጠቆምቲ ሓሳባት ብግልፂ ምቕባልን ኣብ ተግባር ምውዓልን እቶም ግዝይኡ ዘይፈቐደሎም ወይ እውን ጠቐምቲ ዘይኮኑ ሓሳባት ድማ ብብቑዕ ምኽንያት ምንፃግን ምኽንያቱ ግልፂ ምግባርን ይግባእ፡፡ እዙይ ግልፅነት ዘለዎ ኣካይዳ ብግዜ ንቲ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ወገን ዝኾነ ተቓላሳይ እናኣከበ ንቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዕግርግር ዝብል እውን እናፈለየ ክኸይድ ዝኽእል ኣካይዳ እዩ፡፡

 3. ለውጢ ንምምፃእ ዘገምታዊ (reform) ብናዕቢ (revolution)

 ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ኣብ ትግራይ ለውጢ ንምምፃእ (ለውጢ ምምፃእ ግድን ምዃኑ ተቐቢልና) ብኸመይ ዝመሰለ ኣግባብ እንተመፀ ይሐይሽ ዝብል ጉዳይ ምልዓሉ ጠቓሚ እዩ ብርግፅ ማሕበራዊ ኩለመደያዊ ለውጢ (ፖለቲካዊ፣ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ወዘተ) ብፍላይ ፖለቲካዊ ለውጢ ፕላን ገይርካ ጥራሕ ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ውሕሉል ኣርሒቑ ኣሚቱ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ እንተልዩ ማሕበራዊ ለውጢ ፕላን ገይሩ ክሳልጥ ክመፅእ ይኽእል እዩ፡፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ግን በዚ መንገዲ ጥራሕ ኣይመፅእን፡፡ እቶም ክልተ መማረፅታት ሓደ ኣብ ሕብረተሰበ ዝመፅእ ዘገምታዊ ለውጢ እዩ (reform ዝበሃል) እቲ ካልኣይ ድማ ብናዕቢ፣ ብጎነፅ፣ ብሓይሊ፣ ዝመፅእ ለውጢ እዩ፡፡

ዝበዝሐ ግዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ባዕልትና እውን ዘሎ ተሞክሮ ዘርእየና ብጎነፅ ብሓይሊ ዝመፅአ ለውጢ ብዙሓት ጉድኣታት ኣለውዎ፡፡ ብሓደ ወገን ኣቐዲሙ ተሃኒፁ ዝነበረ ክቕፅል እውን ዘለዎ ኣወንታዊ ጉዳያት ምስቶም ኣሉታዊ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ጉዳያት ብሓባር ፀራሪጉ ናይ ምጥፋእ ዕድሉ ዝሰፍሐ እዩ፡፡ እዙይ ኣብ ንውሕ ዝበለ እዋን ዝተዋህለለ ማተርያላዊ ሃፍቲ ክኸውን ይኽእል፣ በብግዝይኡ እናተመሓየሸ ዝመፀ ኣሰራርሓታት ክኸውን ይኽእል፡፡ ብሓፈሻ ነቲ ኣወንታዊ ጉዳያት መሪፅካ ናይ ምቕፃል ዕዱል ፀቢብ እዩ፡፡ ኩሉ ነገር ካብ ባይታ ካብ ዜሮ ክትጅምር የገድድ፡፡ እቲ ዓመፅ ምስተጀመረ መዕለቢኡ ርግፀኛ ኮይንካ ምትንባይን ምዝራብን ኣይከኣልን፡፡ በዓል ግዘ ናብ ዝወሰዶ እዩ ዝኸይድ እዙይ ኩሉ ግዘ ፅቡቕ ውፅኢት የምፅእ ማለት ኣይኾነን፡፡ መንግስታዊ ሕብረተሰባውን ትካላት ፈራሪሶም መተካእተኦም ገና ከይተመዓራረየ ንሕብረተሰብ ናብ ብልሓቱ ዘይፍለጥ ዕግርግር ክኣትው ይኽእል እዩ፡፡

ኩነታት ተገንዚቡ ሕብረተሰብ ብዘገምታዊ ወቕቱ ዝሓለወ ለውጢ እናመርሐ ናብ ምዕባለ ዝወስድ ብሱል ፖለቲካዊ ኣመራርሓ እንተዘይሃልዩ እቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ መማረፂ ብሓይሊ፣ ብጎነፅ፣ ብናዕቢ ለውጢ ንክመፅእ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ጥራሕ ግን ኣይኮነን እቲ ሕብረተሰብ መወፃፅኢ ስኢኑ ኣንፈት ጠፊእዎ ዕንይንይ እናበለ ’ውን ኣብ ውሽጡ ኣብ ባዕሉ ከፈርስ ይኽእል እዩ። ናብ ውሽጢ ይፈርስ (Implode) ይገብር። እዙይ ’ውን ከቢድ ሓደጋ ሒዙ እዩ ዝመፅእ። ድሕሪ ዙይ ጠርኒፍካ መሪሕኻ ኣለዓዒልካ ሕብረተሰብ ንምህናፅ ናብቲ ክጥቀስ ዝፀንሐ ናይ ምዕባለ ሃዲድ ክኸትት ንምግባር ኣፀጋሚ ይኸውን።

 ብዓመፅ፣ ብናዕቢ፣ ዝመፅእ ለውጢ በዓል መዓልቲ ሒዙልካ ይመፅእ፡፡ ኣነ/ንሕና ኢና እቲ ’’ሕማቕ’’ ስርዓት ኣወጊድና እሞ  ሕልፊ ይግባኣና እዩ በሃላይ ፖለቲካዊ ሓይሊ ሒዙ እዩ ዝመፅእ፡፡ እዚ ብቃላት ይገለፅ ኣይገለፅ እቲ ተግባር ግን በዚ ኣተሓሳስባ ዝምራሕ ምዃኑን ይግባኣኒ በሃልቲ ንባዕሎም ምስቲ ናዕቢ /ዓመፅ እናተሓሓዙ ይግባኣኒ እዩ ምባሎምን ኣይተርፍን፡፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣፈላላይ ይፈጥር፡፡ ቤተኛን ኣማዕድዮም ጠመተን ቀስ ብቐስ ድማ ሰላምን ቅሳነትን እቲ ሕብረተሰበ ዘስእን ይኸውን፡፡ ብዘገምታዊ ምንቅስቓስ (reform) ለውጢ መብፅሒኡ (በብጊዜ ኩሉ ሕብረተሰበ እናተሳተፈሉ ስለዝኸይድ) ይፍለጥ እዩ፡፡ እቶም ኣወንታዊ ፀጋታት ናይቲ ሕብረተሰበ (ማተርያላዊ ይኹን ተቋማዊ፣ ባህላዊ ወዘተ) ከይተፀራረጉ ተሓልዮም ምናልባት እውን ማዕቢሎም ናብ ቀፃላይ ምሕላፍ ዕድሎም ዝዓበየ እዩ፡፡ ዝበዝሐ ናይቲ ሕብረተሰበ ክፋል ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝሳተፈሉ ስለዝኾነ ፍሉያት በዓል ውለታ ፖለቲካዊ ሓይልታት ወይ ውልቀ ሰባት ናይ ምፍጣር ዕድሉ ዝፀበበ እዩ፡፡ እቲ ዝርከብ ለውጢ ኣብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝመፅእ ስለዝኾነ ሰፊሕ ናይ በዓል ቤትነት መሰረት ይህልዎ፡፡ ብምኳኑ እውን ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ደረጃ ናይ ለውጢ እንተተበፂሑ ናብ ድሕሪት ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝፀበበ እዩ፡፡ ንኣሰታፋይ ዝኾነ በብግዝይኡ እናዓመቐ ዝኸይድ ሕብረተሰብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናይ ምቁፅፃር ዓቕሙ ዘዕብይ ብምዃኑ እውን እናደልደለ ዝኸይድ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅ ዝተመቻቸወ ኩነታት ይፈጥር፡፡ 

ኣብ ትግራይ ብዙሓት ጉዳያት ኣብ ግምት ብምእታው ማለት እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተገለፁ ብተወሳኺ ዘለናሉ ከባቢ ተኣናፊ ምዃኑ ገና መሊኡ ዘይተወድአን መዕለቢኡ ዘይተፈለጠን ኲናት ኣብ ዝባና ስለዘሎ ውሑድ ድኻ ህዝቢ ዘለና ምኻኑ ናትና ምክፍፋል ክጥቀሙ ተሃንጥዮም ዝፅበዩ ብላዕልን ብታሕትን ፀላእቲ ስለዘለውና ዝሓለፈ ታሪኽና እውን ሓደ ሓደ ኣሉታ ነገራት ስለዘለውዎ ኣብ ትግራይ ክመፅእ ዝደለ ለውጢ ብጎነፅ ወይ ብናዕቢ እንተዘይኾነ ይምርፅ፡፡ ብሓይሊ ብጎነፅ (revolution) ዝመፅእ ለውጢ ንቡዝሓት ዓመታት ብክንደይ ፃዕሪ ዝተኣከቡ ሰብኣውን ማተርያላውን ሃፍትታት ትግራይ ብሓፂር ግዘ ምዕናው ከምዘሎ ኮይኑ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ እውን ምትንባይ ኣፀጋሚ እዩ ዝኸውን፡፡ ኣብ ውሽጥና ምክፍፋል ተፈጢሩ ኣደዳ ናይ ደገ ፀላእቲ ክንኸውን ኩነታት ዘመቻቹ እዩ። ዳሓር ተመሊስካ ሓደ ኮይንካ ናብ ሰላም፣ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን ንምእታው ኣፀጋምን ግዘ ወሳድን እዩ ዝገብሮ፡፡

 እዙይ ግን ስለዝተመነኻዮ ጥራሕ ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ሕብረተሰብ መማረፂ ስኢኑ ናብ ናዕቢ ዝኣትወሉ ኩነታት ብምውጋድን ብምፍታሕን እዩ ዝመፅእ፡፡ ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ዝኽበረሉ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ባህግታትን ብሰላማውን ዲማክራስያውን ኣግባብ ብሰፊሕ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ መዕለቢ እናተገበረሎም እንተተመሪሖም ጥራሕ እዩ፡፡ ዝኾነ መማረፂ ሓሳብ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ውልቀ ሰብ ብግልፂ ብዘይምንም ፅዕንቶን ምሽምቓቕን እናቐረበ በቲ ሕብረተሰብ ዝተቐበሎ ኣሰራርሓ እናተኣናገደ እንተኸይዱ እዩ፡፡ እዙይ ብወረቐት ተቐሚጡ ብኣፍ እውን እናተለፍለፈ ብተግባር ግን ናይ እዙይ ተፃራሪ ስራሕ ዝሰርሕ እንተኾይኑ ሕብረተሰብ ካብቲ ሕጋውን ሰላማውን ዝበሃል መንገዲ ካሊእ መንገዲ ምንዳዩን ምጥቃሙን ኣይተርፍን፡፡

ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታትን ባህግታትን ብሰላማውን ሕጋውን ኣግባብ ምምራሕ እሞ ሕብረተሰበ ናብ ናይ ጎነፅ መማረፂ ከይኣቱ ናይ ምግባር ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ኣብቲ እዋን ፖለቲካዊ ስልጣን ተቆፃፂሩ ዘሎ መንግስታዊ ሓይሊ እዩ፡፡ መንግስቲ ሕብረተሰበ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታቱን መማረፅታቱን ባህግታቱን ብዝተወደበ ይኹን (ፖለቲካዊ ውዳበታት ማሕበራት) ብውልቅኡ ብነፃ ብዘይፅዕንቶ ከይተሸማቐቐ ከቕርብን ድምፁ ክስማዕን ኩነታት ከመቻችው ኣለዎ፡፡ ካብዙይ ወፃኢ ብፀቕጥን ፀጥታ መሓውር ተጠቒምካ ሰላምን ማሕበረ-ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ምምፃእ ኣይከኣልን፡፡ እዙይ ማለት እቲ ሕብረተሰብ ንመንግስቲ እናተፀበየ ክንድቲ መንግስቲ ዓቂኑ ዝሃቦ ጥራሕ እናተቐበለ ክኸይድ ኣለዎ ማለት ውን ኣይኮነን፡፡ ሕብረተሰብ መሰሉ ዘረጋግፅ እናተቓለሰ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ውን ዝተፈለየ ክኸውን ኣይኽእልን፡፡ እቲ ዝግበር ቃልሲ ሰላማውን ሕጋውን ክኸውን ኣለዎ ማለት ጥራሕ እዩ፡፡

ሕብረተሰብ ብሰላማውን ሕጋውን ቃልሲ ብዘገምታዊ ለውጢ እናተቐየረ እናማዕበለ ክኸይድ በቲ ኣብ እዋኑ ዝህሉ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክግበር ዘለዎ ተገሊፁ እዩ። እዙይ ጥራሕ ግን እኹል ኣይኮነን። ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለው ፖለቲካዊ ውድብ ዝተወደቡ ሓይልታት ‘ውን እቲ ለውጢ ንክመፅእ ክቃለሱ ኣለዎም። እቲ ሕብረተሰብ ካብቲ ዘለሉ ኩነታት ናብ ምንታይ ክበፅሕ ይኽእል ኢሎም ካብ ጭርሖ ዝሓለፈ ባይታ ዝረገፀ ኣብ ዝርዝር ፅንዓትን ዝተወደበ መማረፂ ሓሳብ ክቐርቡ ኣለዎም። ካብቲ ኣብ ሓደ እዋን እቲ ሕብረተሰብ ዝርከበሉ ኣጠቓላሊ ኩነታት ናበይ ክበፅሕ ይድለይ። እቲ ክበፅሐሉ ዝተደለየ ሽቶ ወይ ዕላማ እንታይ ይመስል? ብኸመይ ዝመሰለ ኩነታት ተሓሊፉ እንታይ እንታይ ተሰሪሑ ይብፃሕ ኣብቲ ጉዕዞ ዘጋጥሙ ፀገማት ከመይ ይፍትሑ ብኣግባቡ ዝተሓሰበሉን ዝተወደበን መማረፂ ሓሳባት ናብቲ ሕብረተሰብ ክቐርቡ ክኽእሉ ኣለዎም።

ካብዚ ኣንፃር ኣብ ትግራይ ዘለው ተቓወምቲ ውድባት ከመይ ይምዘኑ ኢልካ ምርኣይ ይግባእ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይን ተመሳሳልነትን ክሳብ ክንደይ ብሓባር ክሰርሑ ዘየግብር እዩ? ኣብ መንጎኦም ስልጡን ኣብ ሓሳብ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ዝምድና ኣለዎም ‘ዶ? ንትግራይ ካብቲ ሐዚ ዘላትሉ ኩነታት ናብ ልዕል ዝበለ ምዕባለ ዘብፅሕ ኩሉመዳያዊ ዝተወደበ መማረፂ ሓሳባት ኣሎዶ? ወዘተ ኢልካ ምሕታት ይግባእ። እቶም ተቓወምቲ ውድባት ክሳብ ሐዚ ዝተፈላለየ ፀገማት ተፃዊሮም ዝገበርዎን ዝገብርዎ ዘለውን ቃልሲ ዝነኣድ ኮይኑ ንቐፃላይ ድማ ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብፅሒቶም ብዝለዓለ ደረጃ ንኸወፍዩ ብዝበለፀ ክዳለው ይግባእ። እዚኣቶም ናይቲ ዘገምታዊ ለውጢ ሓደ ዓብዪ ኣካል እዮም።

ምስዚ ጎኒንጎኒ ካብ ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባልነት ናፃ ዝኾነ (ከም ማሕበር መጠን) ዝተፈላለየ ናይ ሕብረተሰብ ውዳበታት ናይ ሞያ ውዳበታት ክኾኑ ይኽእሉ። ናይ ፅንዓትን ምርምርን ማእኸላት ክኾኑ ይኽእሉ ወዘተ። ኣብ ናይቲ ሕብረተሰብ ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን እናማዕበለ ዝኸይድ ዘገምታዊ ለውጥን ዘለዎም ብፅሒት ዓብዪ እዩ።

ኣብዚ ሓደ ክለዓል ዘለዎ ጉዳይ ኣብ ሕብረተሰበ ውሽጢ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ረብሓታቶም ከማልኡ (ፖለቲካዊ ኢኮነምያዊ ወዘተ) ዝደልዩ ሕብረተሰባዊ ሓይልታት (ዝተወደቡ ይኹን ዘይተወደቡ) ኣይህልውን ማለት ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ ንቲ ዝለዓለ ዕላማ ንምዕዋት ተባሂሉ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ናይ ምኽባር ኣሰራርሓ ክብለፅሉ ዝደልዩ ናብ ናይ ውልቀ ረብሐኦም ከውዕልዎ ዝደልዩ ሓይልታት ክህልዉ እዮም፡፡ ነዚኣቶም ንፁርን ግልፅን ዝኾነ ናይ ሕጊ ስርዓት ብምህናፅ ተግባራዊ ብምግባር ብዘይ ምልስላስ ስርዓት ክሕዙ ምግባር ይግባእ፡፡

ኣብዙይ ካብቲ ናይ ስራሕ ፈፃሚ ፅዕንቶን ቁፅፅርን ወፃኢ ዝኾነ ብሞየኦምን ስነ-ምግባርን ሕብረተሰብ ዝተኣማመነሎም ናይ ሕጊ ሰብ ሞያ ዘለውዎ ናይ ነፃ ፍርዲ ቤታት ታራ ኣዐርዩ ተደላይን ኣገዳስን ይኸውን፡፡ ብፍላይ እዙይ ግዘ እናወሰደ ኣሰራርሕኡ እናፅፈፈ ብሕብረተሰብ እውን ተኣማንነት እናረኸበ እንተኸይዱ ኣብ ሰላምን ምርግጋፅን ምምፃእን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀት ዘለዎ ታራ መተካእታ የብሉን፡፡ ስለዚ ንሕና ተገሩ ለውጢ የድልየና እዩ፡፡ ለውጢ ማለት ምዕባለ ንቕድሚት ምስጓም ማለት ስለዝኾነ እዙይ ንብህጎን እንምነዮን ምምፅኡ ዘይተርፍን ለውጢ ኣብቶም ክሳብ ሐዚ ረኪብናዮም ዘለና ሰብኣውን ማተርያላውን ፀጋታትን፣ (values) እናወሰኸ ቀስ ብቐስ እናደልደለ ዝኸይድ ሓድነትና ዘጠናኽር ንፀላእቲ ነቓዓት ዘይፈጥር እናኾነ ክኸይድ ክንገብር ኣለና፡፡ እዙይ ናይ ምግባርን ንቲ ሕብረተሰበ ቐፃላይ ዘተኣማምን ሰላምን ማሕበረ ኢኮነምያዊ ዕቤትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን ናይ ምውሳድ ሓላፊነት ብዋናነት ኣብቲ ኣብ ሓደ እዋን ፖለቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ኣመራርሓ እዩ ዝወድቕ፡፡ እቲ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ንርኡይ ዝጭበጥ ዘገምታዊ ለውጢ ኩነታት ከየመቻቸዉ እንተተሪፉ እቲ ሕብረተሰብ ናብ ናይ ውድቀት ቁልቁለትን ሰላም ምስኣን ምእታው ኣይተርፍን፡፡

 4. ኣብ ውሽጢ ትግራይ ሰላም ምስፋን፡-

ኣብ ሃገራት ናይ ሰላም ምስኣን ዋና ጠንቂ ውሽጣዊ እናኾነ እዩ መፂኡ፣ እዚ ዝተፈላለዩ ፅንዓታት ኣረጋጊፆምዎ እዮም፡፡ እዚ ኩነታት ማለት ናይ ሰላም ዋና ጠንቂ ውሽጣዊ ምዃኑ ብፍላይ ኣብተን ዘይማዕበላ ዝበሃላ ዝበዝሓ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ጎሊሁ ዝረኣይ እዩ፡፡ እዚ ማለት ካብታ ሃገር ወፃኢ ዝምንጭው ናይ ሰላም ምዝራግ ፀገም የለን ጠፊኡ እዩ ንምባል ኣይኮነን፡፡ እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ሰላም ዝዘርግ ጉዳይን ናይ ወፃኢ /ነዚ መሰረት ብምግባርን ዝግበር ፀረ ሰላም ምንቅስቓስ እውን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ኣይተርፍን፡፡ እቲ ዝዓበየን ንቶም ፀገማት ክተሓላለኹ ዝገብርን ግን እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ኩነታት እዩ፡፡

እቶም ዓበይቲ ናይ ሓደ ሃገር ሰላም ዝዘርጉ ጉዳያት ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም እዙይ ብፍትሒ ምስኣን፣ ብኣድልዎ፣ ወገናውነት፣ ብግዕዝይና ወዘተ ይገልፅ፡፡ ናይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ምጉዳል ወይ በቲ ሕብረተሰብ ዝደልዮን ዝብህጎን ደረጃ ዘይተረጋገፀ ምዃኑ ናይ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን ግልጋሎትን ፍትሓዊ ተጠቃምነት ኣድልዎ ዝመሰሉ ጉዳያት እዮም፡፡ እዚኣቶም ዝተኣሳሰሩ እዮም፡፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝተመቻቸወ ኩነታት ይፈጥረሉ ወይ ድማ ኣሉታዊ ኩነታት ብምፍጣር እቲ ፀገም ተኣሳሲሩ እናተጋደደ ክኸይድ ይገብሩ፡፡

ኣብ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኲናት ህወሓትን ብኡኡ ዝምራሕ መንግስትን ኩሎም እቶም ኣብ ላዕሊ ዘለው ፀገማት ኣለውኒ ነዚኣቶም ክፈትሖም እየ ኢሉ ብዕሊ ገሊፁ እዩ፡፡ ነቶም ፖለቲካዊ ፀገማት ንምፍታሕ ይዕበ ይንኣስ ምንቅስቓስ ምስተጀመረ እቲ ሃገራዊ ማለት እውን ብኢትዮጵያ ደረጃ ዘሎ ናብ ኲናት ዘምረሐ ቀውሲ ተጀሚሩ ቀስ ብቐስ ድማ ናብ ኲናት ኣምሪሑ ኲናት ተወሊዑ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ውሽጣዊ ፀገማት ይፅንሐልና ኢሉ እቲ ኲናት ብዓወት ንምዝዛም ብሙሉእ ዓቕሙ ከቲቱ ይቕፅል ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ግን እቶም ፖለቲካዊ ፀገማት ኣይረአዮምን ዘሎ ኣይዛረበሎምን ዘሎ ማለት ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ በቲ ትግራዋይ ሊሂቅ (ናይ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣባላት፣ ምሁራት፣ ነጋዶ፣ ናይ ዲያስፖራ ነበርቲ) ከም ዘተሓሳስብ ኣጀንዳ የልዕሎም እዩ፡፡

ካብቶም ዝለዓሉ ጉዳያት ሓደ መግለፂ ኣብቲ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ብቕዓትን ነዚ ንኣትዎ ዘለና ዝተሓላለኸ መድረኽ ብዓወት ክንወፆ ኢና ዝብል እምነቱ ትሑት ዝኾነ ክፋል ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ነዚ መበገሲ ዝገብሮ ድማ ቅድሚ እቲ ኲናት ብቕዓት ዘለዎ ምድላው ዘይተገበረሉ ዋና ምኽንያት ብስትራተጃዊ ኣመራርሓ (ኣቀዲሙ ንኩነታት ኣሚቱ መፍትሒ ኣቀሚጡ ብኡ መሰረት ዝንቀሳቐስን ዝመርሕን ኣመራርሓ) ጉድለት እዩ ኢሉ ይኣምን፡፡

እቶም እቲ ውደብ ዝኣምነሎም መሰረታውን ዓበይትን ጉድለታትን (ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ) ንምፍታሕ ምስቲ ናይቶም ፀገማት ዕብየት ዝመጣጠን መፍትሒ ቅድሚ ኲናት እውን ብፍላይ ድማ ሐዚ ፀላኢ ዝበዝሐ ትግራይ ምስ ለቐቖም እቲ ውድብን መንግስትን ናብ ቦትኡ ምስተመለሰ ናብቲ ዝነበሮ ብፍልጦን ዝምድናን (net work) ተኣሳሲርካ ምስራሕ፣ ግዕዝይና፣ ፍትሒ ምጉዳል ናይ ፀጥታን ድሕንነትን ሽግራትን ወዘተ ከምቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መሊሱ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ኣሎ ዝብል መረረት ኣሎ፡፡

እቲ ውድብን መንግስትን ቀደሙ እውን ኣሳታፋይ ኣይነበረን፡፡ (ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ነፃ ማሕበራት ሓሳብ ዘለዎም ምሁራት) ብጠቕላላ ካብቲ ናይቲ ውድብ መሓውር ወፃኢ ዝኾነ ትግራዋይ መግለላይ ነይሩ፡፡ ሐዚ እውን እዚ በቲ ኩነታት ዝሓቶ መሰረት ኣይተመሓየሸን፡፡

ኣብ ልዕሊ እዚ እቲ ኲናት ዝፈጠሮም ከበድቲ ፀገማት ኣለው፡፡ ትግራይ ሐዚ ኣብ ከቢድ ኲናትን ዕፅዋን እያ ዘላ፡፡ ሰብኣዊ ረዲአት ከም ናይ ኲናት መሳርሒ ዝጥቀም ብዓለም ለኸ ሕጊ ዝተወገዘ ስራሕ እናሰርሐ ንህዝቢ ጠቕሊሉ ከጥፍእ ለይትን ቀትርን ዝሰርሕ ናይ ኢትዮጵያ ማእኸላይ መንግስትን መሻርኽቱ ናይ ኤርትራ መንግስትን ናይ ኣምሓራ ዕጡቓት ኣጥፋእናኩም ይብሉና ኣለው፡፡ ኩሉ ዓይነት ኢኮነምያውን ማሕበራውን ግልጋሎት ተዓፅዩ ሰብ ኣብ ባንኪ ገንዘብ እናሃለዎ እውን ቤተሰብ ገንዘብ ክልእኹሉ እናኸኣሉ እውን ብጥሜትን ካልኦት ፀገማትን ዝሳቀየሉ እዋን ኢና ንሓልፍ ዘለና፡፡ እዚ ዝፈጥሮ ማሕበራዊ ኢኮነምያዊ ፀገም፣ ፖለቲካዊ ፀገም ከቢድ እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ እዙይ እቲ መንግስቲ ዝፈጥሮ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ንብሎም ፀገማት ክድረብዎ ከለው ነቲ ኩነታት ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ከቢድን ይገብርዎ፡፡

ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ እዋን እቲ ትግራዋይ ሊሂቅ (ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ኣባላትን ኣመራርሓን፣ ምሁራት ፣ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣብ ማእኸል ዓዲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኩሎም ተጋሩ ወዘተ) ዘተሓሳስቦም ጉዳይ ናይ ቅድሚት ዕድልና ከመይ እዩ ክኸውን ዝብል እዩ፡፡ ብሓደ ወገን ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ናይ ኢትዮጵያ መንግስትን ናይ ኣምሓራ ሊሂቃንን ድልየቶምን ባህጎምን ዘመላኽቱ ኣብነታት ብዙሓት እዮም። ሃፀያዊት ኢትዮጵያ እንደገና ክትዕምብብ እሞ ንካልኦት ህዝብታት መሰላቶም ጨቒና ናይ ኣምሓራ ልዕልነት ኣረጋጊፃ ሓደ ጥርኑፍ /ኣሃዳዊ መንግስቲ ምምስራት ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡ እዚ ተግባራዊ ንምግባር ክንደይ ርሕቐት ክኸዱ ከምዝኽእሉ ኣብዚ ክሳብ ሐዚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ገይሩ ዘሎ ኲናት ኣርእዮምና እዮም፡፡ ነዚ ዕላምኦም ዋና ዕንቅፋት ህዝቢ ትግራይ እዩ ኢሎም ኣለልዮም ከም ህዝቢ መጠን ከጥፍእዎ ኩሉ ዝከኣሎም ናይ ወፃኢ ሓይልታት ውን ዓዲሞም (ኤርትራ፣ ሕቡራት ናይ ዓረብ ኢሜሬት፣ ቱርኪ) ጨፍጪፎምና እዮም። ብጥምየትን ሕማምን ክንረግፍ ፈሪዶምልና እዮም፡፡ ምስዚኦም ድሕሪ ደጊም ከመይ ገይርና ናይ ሓባር መንግስቲ መስሪትና ንነብር ዝብል ኣተሓሳስባ ገፊሕ እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን ናይ መሰል ዓርሰ ውሳነና ተጠቒምና ይኹን ካሊእ መንገዲ ተጠቒምና ናይ ባዕልና ነፃ ሃገር ንመስርት ዝብል ኣተሓሳስባ ብገፊሑ ይግለፅ ኣሎ፡፡

ብካሊእ ወገን ካዓ እዚ ተጀሚሩን ዝካየድ ዘሎን ኲናት መወዳእትኡ እንታይ ክኸውን ይኽእል ፡፡ ብሓይሊ ስዒርና ብሰላም ክንነብር ንኽእል ዲና? እቲ ዓለም ለኻዊ ማሕብረተሰብ ከም ነፃ ሃገር ተቐቢሉና ኣብቲ ናይ ዓለም ነፃ ሃገራት ማሕበር ተፈሊጥና ናብ ንቡር ናብራ ክንኣቱ ዲና? ገና ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ፡፡ ኣብዚ ማእኽል ብዙሓት ዝተሓላለኹ ፈተናታት ከምዘለው ግልፂ እዩ፡፡ ስለዚ ካብቲ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዓወት ናይ ምውፃእ ይኹን ዳሓር እውን ካብ ዝሐሸ መሰረት ንምጅማር ክነተኩረሎም ዘለና ጉዳያት ኣለዉ፡፡

ቅድሚኡ ግን ነፃ ሃገር ምምስራት ይኹን ኣካል ናይ ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ኮይንካ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምምሕዳር መሰል ተጠናኺሩ ምቕፃል ዝበሉ መማረፅታት ረብሐኦም ክምዘን ዘለዎ በቶም ሰለስተ ዓበይቲ ሽቶታት ቀልጢፍካ ውፅኢት ምምፃእ ኣንፃር ክኸውን ኣለዎ፡፡ እዚ ማለት ቀልጢፍና ዱልዱል መሰረት ዘለዎ ሰላምን ናይ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ህንፀትን ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዘረጋግፅ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ዕቤት ምምፃእ ዘኽእለና ኣየናይ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ይግባእ፡፡ ነፃ ሃገር ምምስራት ይኹን ኣካል ሕብረ ብሄራዊት ኢትዮጵያ ኮይንካ ምቕፃል ናብቲ ክንበፅሖ ንደልን ብቐፃልነት ሒዝናዮ ንጎዓዝን ሽቶና ንምብፃሕ ዝጠቕሙና መማረፂ መንገድታት ገይርካ ምርኣይ ይግባእ፡፡ ኣብ ውሽጥና ሰላም ዝረጋገፀሉ፣ ቀፃላይ ልምዓት ንምምፃእን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናፅን ምዕሩይ መንግስቲ ክህልወና ኣለዎ፡፡ ትግራይ ባዕላ ዝኸኣለት ነፃ ሃገር ክትኸውን ይኹን ኣብ ትሕቲ ገፊሕ ክልላዊ ስልጣን ኮይንና ባዕልና ንባዕልና ክነመሓድር (እዙይ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ሓረያ ዝውሰን ጉዳይ ስለዝኾነ) በብግዝይኡ እናጠንከረ ዝኸይድ ምዕሩይ /ድልዱል መንግስቲ ክህልወና ኣለዎ፡፡

5. ናይ መንግስትን ፖለቲካዊ ፓርትን ጉዳይ፡-

ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ናይ ፖለቲካ ውድብ ከምቲ ዝተገለፀ ብሰላማውን ሕጋውን ኣግባብ ንሕብረተሰብ ክመርሕ ኣብ ናይቶም መራሕቲ እምነትን ሰናይ ድልየትን ጥራሕ ዝድርበ ክኸውን የብሉን፡፡ እዙይ ንምግባር ዘኽእል ባዕሉ ንባዕሉ ንምቁፅፃር ዘኽእል መንግስታዊ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ክህሉ ኣለዎ። ምስ እዚ ድማ ናይ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ኣመራርሓ ዘለዎ ናይ ምቁፅፃር ዓቕምን ኣሰራርሓን ክጠናኸር ምግባር ይግባእ፡፡ እዚ ኣብ መንጎ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስትን ዘሎ ፍፁም ውህደት ብምትራፍ ክጅመር ኣለዎ።

ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ፓርትታትን መንግስትን ዘሎ ፍፁም ውህደት ካብቲ መንግስቲ ሓደ ገዛኣይ ደርቢ ንካልኦት ደርብታት ንምፅቃጥ ንምጭቋን ዝጥቀመሉ መስርሕ እዩ ዝብል ናይ ፀጋም ብፍላይ ድማ ናይቲ ናይ ሩስያ ኮምኒስት ፓርቲ መራሓይ ዝነበረ ሌኒን ኣተሓሳስባ ዘመንጨወ እዩ፡፡ ድሕሪኡ ዝመፁ ናይ ፀጋም ኣተሓሳስባ ዝኽተሉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ከምዝጠዓሞም ገይሮም እናተጠቐምሉ መፂኦም እዙይ ግን ብተግባር ንጭቆና ግዕዝይና ፀረ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምትካል እምበር ንሕብረተሰብ ኣጠቓላሊ ምዕባለ ክውዕል ኣይተረኣየን፡፡

ናይ ብሄርተኛ (Nationalism) ፖለቲካዊ እምነት ሰዓብቲ ድማ መንግስቲ ብፍላይ ካብ ሓደ ውሑድ ዝኾነ ብሄራዊ መንነትን ሓድነትን ዘለዎ ህዝቢ ዝፍጠር መንግስቲ (nation state) እናተብሃለ ዝፍለጥ በዚ ኣገባብ ዝምስረትን መንግስቲ ናይቲ ቢሄር ዝለዓለ ፖለቲካዊ ውዳበን ባህጊን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንሕብረተሰባዊ ምዕባለ ሃንዳሳይን ኣብ ተግባር ’ውን መራሓይን እዩ ኢሎም ይኣምኑ፡፡ ብምዃኑ ’ውን ኣብቲ ሕዚ ዘለናሉ ኩነታት ብዋናነት ናይ መንነትካ ውሑስ ምግባር ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ምንቅስቃስ ናይ መንግስቲ ተራ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዝዓዘዘ እዩ። 

ሐዚ እቲ ኣቐዲሙ ዝመፅእ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ፓርቲ ብቐጥታን ምምሕዳራዊ ብዝኾነ ኣግባብን ነቲ መንግስታዊ መሓውራትን ናይ መንግስቲ ፋይናንሳዊ ይኹን ማተርያላዊ ሃብቲ ምውፋርን ብፍፁም ብዘጥፍእ መንገዲ ዘሎ ጥምረት ክፈላለ ኣለዎ፡፡ እቲ ብመረፃ ዝሰዓር ፖለቲካዊ ፓርቲ ንመንግስቲ ዝመርሕሉ ስርዓት ብንፁር ክፍለን ክንፀርን ኣለዎ፡፡ ኣብዚ እቲ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ጠቓሚ ተመኩሮን ኣሰራርሓን እቶም ናይ መንግስቲ ፖለቲካዊ ስልጣናትን ካብዙይ ወፃኢ ዘለው ማንም ሰብ ክሕዞም ዝኽእል ሞያዊ ናይ መንግስቲ መስራቤታትን ብሕጊ ብኣዋጅ ኣብ ፅንዓት ተመስሪትካ ምፍላይ እዩ፡፡ እዚ ምስተግበረ ዝኾነ ኣብ ሓደ እዋን ብመረፃ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘሸነፈ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ መረፃ ንህዝቢ መፅበዓ ዝኣተወሎም ፖሊስታትን መደባትን ንምፍፃም ዘኽእልዎ ብሕጊ ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ናይ ስልጣን ቦታታት ይሽወም፡፡ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ግን ብናይታ ሃገር ናይ መንግስቲ ስቪል ስራሕትታት መማሓደሪ ሕጊ መሰረት ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኣባላት ይኹኑ ኣይኹኑ ብሞይኦም ተሓርዮም ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ይሕዝዎ፡፡ መንግስቲ ነዚ ዘመሓድረሉ ሕጊ እውን ይህልዎ፡፡

እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ዋና ትኹረቱ ናይቲ ውድብ ናይ ፖለቲካን ስነ ሓሳብን ፅርየት ብቐፃልነት ኣብ ምሕላው፣ ብብቕዓቶም ብስነ ምግባርን ኣብቲ ሕብረተሰበ ብዘለዎም ተቐባልነትን ዝለዓለ ሚዛን ዘለዎም ሰባት እናመልመለ ኣባላቱ ክገብር ኣብ ምፅዓር፣ ንታ ሃገር ናብ ዝለዓለ ዕቤት ክወስድ ዝኽእል ፖሊስታት ስትራተጅን ስልትን መደባት ብምሕንፃፅን እዙይ ኣብቲ ሕብረተሰበ ኣብ ምስራፅን ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣብዙይ ዕውት ስራሕ እንተሰሪሑ ብናይ ኣተሓሳስባ ልዕልነቱ ብናይ ኣባላቱ ፅርየትን ብቕዓትን ብቐፃልነት ኣብቲ ፖለቲካዊ ውድድር (መረፃ) እናሰዓረ ክቕፅል እዩ፡፡ እዚ ኣሰራርሓ ንቲ ፖለቲካዊ ውድብ ባዕሉ እውን ብቕዓቱን ፅርየቱን ብቐፃልነት እናሓለወ ክኸይድ የኽእሎ እዩ፡፡

እቲ ሕብረተሰበ ውን ብውድድር ዝለዓለ ፖለቲካዊ መሪሕነት እናጨበጠን፣ እናተቆፃፀረን ክኸይድ የኽእሎ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ብምምሕዳራዊ መንገዲ (ንኣባላት ውድብ ኣብ ስራሕ ብምምዳብ ካብቲ ብሕጊ ዝተነፀረ ወፃኢ) ጥቕማ ጥቕሚ ብምሕላው ብኔትዎርክ ብምትእስሳር ሕልፍ ክብል ከሎ እውን ብናይ ፀጥታ መሓውራት ፅዕንቶ ብምፍጣር ወዘተ፣ ልዕልነትካ ሓሊኻ ንምኻድ ምፍታን ኣብ ሓፂር እዋን ስራሕ ዝቐለለ እንተመሰለ ውን ኣብ ከይዲ ግን ነቲ ፖለቲካዊ ውድብ መሊኡ የበስብሶ ንሕብረተሰብ ድማ ካልእ መማረፂ (ብዘይ ሕጋውን ሰላማውን መንገዲ) ክርእይ ይገብሮ። ንሕብረተሰብ ናብ ውድቀትን ዕንክሊልን የእቱ፡፡

መንግስትን ገዛኣይ ፖለቲካዊ ውድብን ንምፍላይ ብዘፀግም ደረጃ ምጥማሮም ናይ ሕብረተሰብ መሰል ንምጥባቕ ከም መንቅሒ ደወል ተገይሩ ዝቁፀር ገለልተኛ መራኸቢ ሓፋሽ እውን ኣብ ትሕቲ ናይቲ ገዛኣይ ፓርቲ ሙሉእ ቁፅፅር ይኣቱ እሞ ንሕብረተሰብ ምግልጋሉን ናይ ፖለቲካዊ ሰበ ስልጣን በደል ናብ ኣደባባይ ምውፃእን በዚ ኣቢሎም ጠባያቶም  ክእርሙ ዝህልዎ ፅዕንቶ ጠቕላላ ይጠፍእ፡፡ ዝተበደለ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ በደሉ ዝሰምዐሉ ይስኣን፡፡ ምስ እዙይ ዝተፈላለዩ ኮምሽናት ናይ ህዝቢ መሰል ንምሕላውን ንቲ ስራሕ ፈፃሚ ክቆፃፀሩን ተባሂሎም ዝቆሙ ኮምሽናት ከም ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጣባቒ ኮምሽን፣ ፀረ-ግዕዝይና ኮምሽን፣ ናይ መረፃ ኮምሽን፣ ወዘተ ወይ በቲ ሓደ ፓርቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዝቆፃፀሮ ቤት ምኽሪ ይቆም እዚ ብምዃኑ እቲ ስራሕ ፈፃማይ፣ ተቆፃፀራይ ዘይብሉ ከምድላዩ ዝመሰሎ ዝገብርሉ ኲናታት ይፈጥር፤ እዙይ ቀስ ብቀስ እቲ ሕብረተ ሰብ ፍርሕን መሲልካ ምሕዳር እዙይ እንተዘይኮይኑ ድማ  ዓድኻ ሓዲካ ምህዳም ከም ባህሊ እናለመደን እናተቀበለን ናይ መንግስቲ ሰብ ስልጣናት ብፍላይ እቲ ስራሕ ፈፃማይ ቀይዲ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ድላዩ እናገበረ ዝኸደሉ ኩነታት ብምፍጣር ንፖለቲካዊ ምብስባስን ንዘይሰላማዊ ቃልስን ጥጡሕ ባይታ ይፈጥር፡፡ እዚኣቶም ብጊደኦም ንሕብረተሰብ ናብ ናይ ውድቀት ቁልቁለት ይወስድዎ፡፡

6. ምዕሩይ ድልዱል መንግስቲ ክህሉ ምግባር

ምዕሩይ መንግስቲ ማለት ሰፊሕ ኣምር እዩ፡፡ ብሓፂር ፅሑፍ ገሊፅካ ንምውዳእ እውን ኣፀጋሚ እዩ፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ባህግታትን ብኣግባቡ ዘተኣናግድ ስርዓት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝበሃል ክህልዎ ኣለዎ፡፡ ዜጋታት ብፖለቲካዊ ኣረኣእዮኦምን ዝተፈላለየ መማረፂ ሓሳብ ብምሓዞምን “ቅፅዓት” ክበፅሖም የብሉን፡፡ ድላዮም ሓሳባት ከንሸራሽሩ ነፃ ክኾኑ ኣለዎም፡፡ ሓሳባቶም ናብ ህዝቢ ቀሪቡ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡ ጥራሕ ይወድቕ፡፡ ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ብነፃ ይንሸራሽሩ ማለት መዕለቢ ዘይብሉ ዕግርግር ብቐፃልነት ክህሉ ምፍቃድ ማለት ከምዘይኮነ ግልፂ እዩ፡፡ ዝበዝሕ ሰብ ዝመረፆ ዝደገፎ ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ናይቲ መንግስቲ መምርሒ ይኸውን፤ ክሳብ ብናይ ህዝቢ ድልየት ብስርዓት ዝቕየር፡፡

መንግስቲ ካብቶም ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ዝናገፈሉ ብቐፃልነት እናፀረየ ዝኸደሉ መስርሕ ምቕማጥ ይግባእ፡፡ ካብ ግዕዝይና፣ ወገንተኝነት ብዝኾነ ምትእስሳር ተጠላሊፍካ ምጥቕቓም ፍትሒ ምጉዳል ወዘተ ዝመሰሉ ፀገማት ብቐፃልነት ንባዕሉ ከፅርዮ ኣለዎ፡፡ እዚ ድማ ክግበር ዝኽእል ንዚኣቶም ዝቃወሙ መምርሕታት ኣሰራርሓታት ኣውፂእኻ ተግባራዊ ብምግባር መንግስቲ ናይ ቁፅፅርን ሚዛናውነትን (check and balance) ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ተኸቲሉ ክሰርሕ ተገይሩ  እንተተወዲቡ ካብ ኩሉ ንላዕሉ ድማ በብደረጅኡን ብንፁር ዝተቐመጠ ግዘን ህዝቢ ንዝመረፆም ሰበ-ስልጣን ክግምግምን ብውሳንኡ ክቕፅልን ከውርድን እንተኽኢሉ ህዝቢ ስልጣኑ ናብ ባዕሉ እንተመሊሱ እዩ፡፡ እዚ ንምግባር ዘኽእሎ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እንተልይዎ እዩ፡፡ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ጉዳያት እንተተማሊኦም ናይ ግዘ ጉዳይ (ይነውሕ ይሓፀር) እምበር ቀስ ብቐስ ኣብ ከይዲ ምዕሩይ መንግስቲ ምምፃእ ኣይተርፍን፡፡

ምስእዙይ ተተሓሒዞም ፍትሓዊ ተጠቃምነት ናይ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ስርዓት ምርግጋፅ ቀስ ብቐስ እናደልደለን እናጠንከረን ዝኸይድ ናይ ፍትሕን ድሕንነትን ስርዓት ክህነፅ ምግባር እውን ናይ ሓደ ምዕሩይ መንግስቲ መለለይታት እዮም፡፡

ብዛዕባ ምዕሩይ መንግስቲ ክንዛረብ ከለና እዚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናይ ወለዶታት ዕድመ ዝወሰዶ ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት (state Bulding) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣምር ኢና ንዛረብ ዘለና ትግራይን ተጋሩን ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ሃገረ መንግስቲ (Ethiopian state) ምምስራትን ምህናፅን ተራን ኣስተዋፅኦን ዝነበረና እኳ እንተኾነ ዝበዝሐ ፃዕርና ንታ ናይ ኢትዮጵያ ሃገረ መንግስቲ ምምስራትን ምህናፅን ዘተኮረ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ትግራይ እንተስ ባዕላ ዝኸኣለት ነፃ ሃገር ወይ ገፊሕ ስልጣን ዘለዎ ክልላዊ መንግስቲ ገይርካ ንምምስራትን ንምህናፅን ዘተግበረ ፃዕሪ ትሑት እዩ ነይሩ፡፡ ስለዝኾነ እውን ሓዱሽ ናይ መንግስቲ ህንፀትን ምጥንኻርን ስራሕ ኢና ክነካይድ እዙይ ድማ ኣብ ዝተመቻቸወ ኩነታት እውን ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን ኣብ ትግራይ ዝግበር ናይ መንግስቲ ምህናፅ ስራሕ በቲ ኣብ ውሽጥና ከባቢና ዘሎ ኩነታት ኣዐርዩ ብኣሉታ ስለዝፅሎ ዝተሓላለኸን ፀገማት ዝበዝሕዎ ምዃኑን ኣይተርፍን፡፡

ካብቶም ንቲ ፀገማት ዘጋድዱ ጉዳያት ገሊኦም ዘይተወድአ ኲናት ምህላዉ ኣብ ከባቢና ንህዝቢ ትግራይ ከጥፍእ ዝዓለመ ኲናት ማለት ውን ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን መንግስትታት ናይ ኣምሓራ ተስፋሕፋሕቲ ሊሂቃን፣ ድልየትን ምቅንጃውን ምህላዉ እቶም ዓለምለኻዊ ሓይልታት ነዚ ናይ ትግራይ ጉዳይ ከም ናይ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ምዕራባዊ ክፋል ቀይሕ ባሕርን ኣገዳሲ ጉዳይ ገይሮም ምርኣይ ምጅማሮም ካብዚ ተበጊሶም እውን ብኣንፃር ሃገራዊ ረብሐኦም ከቕንዮም ዘለዎም ድልየት እናዓበየ ምኻዱ ተጠቀስቲ እዮም፡፡ ዝኾነ ኮይኑ ግን ሓደ ሕብረተሰበ ብቐፃልነት ባህግታት እናዓወተ ክዓቢ እንተኾይኑ ብዝለዓለ ደረጃ ተወዲቡ ሓሳባቱን ኩሉ ዓቕምታቱን ጠሚሩ ክንቀሳቐስ ኣለዎ፡፡ እዙይ ንምግባር ዘኽእል ድማ ምዕሩይ በብግዝይኡ እናደልደለ ዝኸይድ መንግስቲ ክህልዎ ኣለዎ፡፡      

  ንቶም ኣብ ላዕሊ ዝግለፁ ዝነበሩ ባህግታት ንምዕዋት ምዕሩይ መንግስቲ ክህልወና ይግባእ፡፡ ምዕሩይ መንግስቲ ማለት ብዋናነት ብናይ ህዝቢ ድልየትን ተሳትፎን ዝፀደቐ ሕገ መንግስቲ ዝመርሖ ኣብቲ መንግስቲ ዘለዉ ብሕጊ ብንፁር ዝተቐመጡ ናይ ስልጣንን ስራሕ ክፍፍልን ብዘይ ምንም ወለም ዘለም ኣብ ተግባር ዘውዕል ክኸውን ኣለዎ፡፡ እቶም ዋና ትኹረት ዝግበረሎም ኣብቲ ሕገ መንግስትን ብንፁር ዝቕመጡ ናይ መንግስቲ ኣወዳድባታት ኣለዉ፡፡ እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ጨንፈራት መንግስቲ ማለት እውን ናይ ሕጊ መውፅኢ ( legislative assembly) ናይ ሕጊ ተርጓሚ (Judiciary) ስራሕ ፈፃሚ ( executive ) ዝበሃሉ ጨንፈራት ብንፁር ሰስረሖም ዝሰርሑ ክኾኑ ይግባእ፡፡ ከምቲ ክሳብ ሐዚ ዝመፃእናዮ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ንቶም ካልኦት ጨንፈራት መንግስቲ ዓብሊሉ ገባራይ ሓዳጋይ ዝኾነሉ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ውዒሉ ሓዲሩ እዚ ጨንፈር ናይ መንገስቲ ዘይግበኦ ስልጣንን ስራሕን ዓማጢጡ ናይ ስልጣን ግዝይኡ ንምንዋሕ ኩሉ ዝከኣሎ ሕጋውን ዘይሕጋውን ነገራት ብሽም ናይ ዓዲ ጥቕምን ናይ ህዝቢ ረብሓን እናመኽነየ ዝፀንሐሉ ጎባጣይ ዝኾነሉ ኩነታት እዩ ዝፍጠር፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ (legislative assembly) ዋና ስርሑ ንቲ ስራሕ ፈፃሚ ምቁፅፃር እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ ብቐጥታ ብህዝቢ ዝተመረፀ ስለዝኾነ ኣባላቱ ተፀዋዕነቶምን ሓላፍነቶምን ንቲ ዝመረፆም ህዝቢ እዩ፡፡ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ናይ ህዝቢ ድልየትን ባህግን መሰረት ዝገበረ ካብቲ ሕገ መንግስቲ ዝፈቕደሉ ስልጣንን ሓላፍነትን ከይወፀ በቲ ቤት ምኽሪ ዝወፁ ፖሊስታትን ስትራተጅን መደባትን ናይ መፈፀሚኦም ባጀት ሓዊሱ በቲ ዝተደለየ መንገዲ ዝፍፀሙ ዘለዉ ምዃኖም ምቁፅፃር እዩ፡፡ እዚይ ክኸውን ከሎ እቶም ብቐጥታ ብህዝቢ ዝተመረፁ ኣባላት ቤት ምኽሪ ሓላፍነቶም ይፍፅሙ ኣለዉ፡፡ ሕብረተሰብ እውን ነቲ ዝመርሖ መንግስቲ ናይ ምቁፅፃር ዓቕሙ ዓብዪ ይኸውን፤ ካብዚ ወፃኢ ብናይቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውድብ እናተመልመሉ ብውድባዊ ኣሰራርሓ ክመርፁ እናተገበረ ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ዝኾኑሉ ኣገባብ ብፍፁም ክግደፍ ኣለዎ፡፡ ብህዝቢ ዝተመረፀ ናይ ቤት ምኽሪ ኣባላት ድማ ተፀዋዕነቶም ንቲ ዝመረፆም ህዝቢ እምበር ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ውድብ ቤት ፅሕፈት ክኸውን የብሉን፡፡ እቲ ዝመረፆም ህዝቢ ስርሖም ብግቡእ ኣይሰርሑን ዘለው ኢሉ ክኣምን ከሎ ብቀጥታ ብናይ ህዝቢ ድምፂ ዝወርደሉ ኣሰራርሓ ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ፡፡  ክቆፃፀር ኣለዎ፡፡ ከምቲ እናተለመደ ዝመፀ ናይቲ ስራሕ ፈፃሚ መምርሕታት ክቕበልን ፀብፃብ ክሰምዕን ጥራሕ ዝእከብ ክኸውን የብሉን፡፡

ናይ ሕጊ ተርጓሚ (Judiciary) ፍትሕን ስርዓትን ኣብ ሕብረተሰበ ዘንገሰ ምዃኑ ኣብ ልዕሊ ምቁፅፃርን ምምራሕን እቲ ስራሕ ፈፃሚ ብሕግን ስርዓትን ጥራሕ ዝስርሖ ዘሎ ምዃኑ ናይ ምቁፅፃር ሓላፊነት ኣለዎ፡፡ ካብ ሃገራዊ ረብሓ ኣንፃር ክረአ ከሎ በቲ ስራሕ ፈፃሚ ዝፍፀም ናይ ሕጊ ጥሕሰት ዝለዓለ ጉድኣት ኣብ ሃገር የብፅሕ፡፡ ዋና ትኽረቱ እውን ነዚ ዝለዓለ ጉድኣት ዘብፀሐ ናይቲ ስራሕ ፈፃሚ ብፍላይ ናይቲ ላዕለዋይ ናይ ስራሕ ፈፃሚ ኣካል ዝፍፅም ናይ ሕጊ ጥሕሰትን ወንጀልን ግዕዝይናን ጉድኣቱ ከቢድ ስለዝኾነ ነዚ ምቁፅፃር ክኸውን ኣለዎ፡፡ ብምዃኑ እውን ካብቲ ናይ ስራሕ ፈፃሚ ዝኾነ ይኹን ተፅዕኖ ነፃ ክኸውን ኣለዎ፡፡

እዞም ናይ መንግስቲ ጨንፈራት ብግቡእ ዝሰርሑ ዘለው ምዃኖም ንምርግጋፅ እቲ ወሳናይ መስርሕ ህዝቢ ኣብዚኣቶም ዘለዎ ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ ብንፁር ተቐሚጡ ተግባራዊ ክኸውን ከሎ እዩ፡፡ እዚ ማለት ናይ ቤት ምኽሪ ተመረፅቲ ናይ ወረዳ መመሓደርቲ፣ ናይ ጣብያ መማሓደርቲ ብዝተነፀረ ግዘ ብህዝቢ ይምረፁ። ህዝቢ እንተዘይኣሚንሎም እውን ብቐጥታ የውርዶም፡፡ ናይ ጣብያ ተመረፅቲ ብቐጥተኛ ናይ ህዝቢ ኣኼባ ክመርፁ ይኽእሉ እዮም፡፡ ናይ ወረዳ ተመረፅቲ ካብ ጣብያ ነዚ ስራሕ ተባሂሉ ብዝምረፁ ተወከልቲ ክምረፁ ይኽእሉ እዮም። ናይ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ቀጥታ ካብቲ ዝውከልሉ ወረዳ ክመርፁ ይኽእሉ እዮም።ተፀዋዕነቶም እውን ነቲ ዝመረፆም ህዝቢ ይኸውን፡፡ ናይዞም ኣባላት እዚኣቶም ኣቓውማን ኣሰራርሓን ብኣኼባ ብንፁር ይቕመጥ፡፡ ብፖለቲካዊ ውድብ ተሓርዮም ዝሽወሙ ወይ ዝምረፁ ተፀዋዕነቶም እውን ንቲ ናይቲ ውድብ ቤት ፅሕፈት ዝኾነ ናይ ጣብያ፣ ወረዳ፣ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ክህልዉ የብሎምን፡፡

ኣብዙይ ኣካይዳ እዙይ ዘጋጥሙ ፀገማት ኣይህልውን ማለት ኣይኮነን፡፡ ግን ኣብ ከይዲ ብህዝቢ ኣመኔታ ዘለዎ ተፀዋዕነቱ ንዝመረፆ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ምዕሩይ መንግስቲ መሓውር ክንሃንፅ እንተኾይንና ካሊእ መንገዲ የለን፡፡ ብናይ ሓደ ውድብ ሞግዚትነት ምዕሩይ መንግስቲ ኣይህነፅን፡፡ እቲ ህዝቢ እናተጋገየ እናኣረሞ ካብ ጌግኡ እናተምሃረ ክመዓረረ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡፡ ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ኣሰራርሓ ግልፅን ኣሰታፋይን ዘይምዃኑ ጥራሕ ዘይኾነስ ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ፖለቲካዊ ምብስባስን ሰላም ምስኣንን መንገዲ እዩ፡፡

በቲ ንፁር ናይ ህዝቢ ናይ ምውሳን ዓቕምን ኣሰራርሓን ብግዜ እናዓበየ ዝኸይድ መንገዲ እንተኸይድና እቶም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ብናይ ኣተሓሳስባ ተቐባልነቶም ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስበኦምን ስትራተጂኦምን መደባቶም ብቕዓት ኣብቲ ሕብረተሰበ ብዘለዎ ተቐባልነትን ብናይ ኣባላቶም ብቕዓትን ፅርየትን በብደረጅኡ በብግዝይኡ እናሰዓሩ ወይ እናተስዓሩ ፖለቲካዊ ስልጣን ይሕዙ ወይ ይስእኑ፡፡ እዙይ ኣካይዳ እዙይ ኣተሓሳስባናን መማረፂ ሓሳባትናን ተዓፊኑ እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣሳታፋይ ሓቋፋይ ኣይኾነን ኢልካ ዝውሰድ ዘይሕጋውን ዘይሰላማውን ቃልሲ የወግድ፡፡ እዙይ ብምዃኑ ድማ በብግዝይኡ እናደልደለ ዝኸይድ ሓድነትን ሰላምን ክመፅእ ይኽእል፡፡ እዚ ኣብ ፖለቲካዊ እምነትን ስርዓትን ዝተመስረተ ኣፈላላያት ብሰላማውን ሕጋውን ኣግባብ ዘተኣናግድ ፖለቲካዊ ስርዓትና ካብ ሃገር ወፃኢ ከፍርስዎ ንዝመፁ ናይ ወፃኢ ተፃባእቲ ሓይልታት መኪቱ ናይ ምዕዋት ዓቕሙ ዓብዪ ይኸውን፡፡ ሓድነት ህዝቢ እውን የጠናኽር። እዚ ሕጋውን ሰላማውን ፖለቲካዊ ውድድርን ቃልሲ ዝፈቅድ ስርዓት ኣብ ሓደ እዋን ክህሉ ዝኽእል ሰላም እናረጋገፀ እናደልደለ ከኸይድ ይኽእል፡፡ ሰላም ድማ ንማሕበረ-ኢኮኖሚ ልምዓትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን መሰረት ስለዝኾነ እናጎልበቱ ክኸዱ ዝተመቻቸወ ኩነታት ይፈጥረሎም፡፡

ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ምዕሩይ መንግስቲ ክንዛረብ ከለና ካብቶም ናይ ትግራይ መንግስቲ ዓብዪ ትኹረት ገይሩ ክሰርሐሎም ዝግባእ ጉዳያት ሓደ ናይ ትግራይ ናይ ድሕንነት መሓውራት ህንፀትን ኣመራርሓን ዝምልከት እዩ፡፡ ብሰላም ንኽንነብር እውን ክመፀአና ዝኽእል ተፃብኦ ኣቐዲምና እናፈለጥና ንኡኡ ዝምጥን ምድላው ገይርና ክንፀንሕ ኣለና እዙይ ናብ ኲናት ንኸይንኣቱ እውን ይሕግዝ እዩ (deterrence) ዓቕምና ዝፈቐዶ ጥንኩር ናይ ድሕንነት መሓውራት እንተልዮምና ናይ ፀላእትና ድልየትን ምድላውን ኣቐዲምና ብምፍላጥ መፍትሕታት ክንግበረሉ  ስለዝኾነ መንግስቲ ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድሕንነትን ፖለቲካዊ ድልየትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየውረደ ንክፍፅም ዘኽእሉ ጥንኩር ናይ ሃገራዊ ድሕንነት መሓውራትን ንፁር ዝኾነ ኣመራርሓን ክህልዎ ይግባእ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ንወለዶታት ምስ ዝተፈላለዩ ፀላእቲ ብዘካየዶም ኲናት ዓሚቕ ናይ ውትድርና ውርሻ (Tradition) ኣለዎ፡፡ ገፊሕ ናይ ውትድርና ውርሻ ናይ ውትድርና ስራሕ ፍልጠት፣ ባህሊ፣ ጀግንነት ተመኩሮ ኣለው፡፡ ኣብ ቀረባ ግዘ ድማ (ዝሓለፈ ዕጥቂ ቃልስን ድሕሪኡን) ዝበለፀ ሳይንሳዊ ትሕዝቶ ሒዙ እናፀረየ መፂኡ እዩ። እዚ ብናይ ደቂ ህዝቢ ትግራይ መስዋእትነት ዝተረኸበ ዓሚቕ ውርሻ ትካላዊ ክኸውን (institutionalized) እንተዘይተገይሩ ኩሉ ግዘ ካብ ዜሮ ምጅማር እዩ ዝኸውን፡፡ እቲ ዝተኸፈለ መስዋእትነት ንበለል ይተርፍ። ስለዚ ነቲ ዘሎ ንምዕቃብ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝበለፀ ክድልድል ክዓሙቕ ንምግባር ቀልጢፍና ትካላዊ ክኸውን ንገበሮ። እዙይ ማለት ምሩፃት ናይ ፅንዓትን ምርምርን፣ ስልጠናን መእኸላት ብምጥያሽ ክሰርሓ ምግባር ማለት እዩ፡፡

እቲ ናይ ሃገራዊ ድሕንነት ኣመራርሓ እውን ብኣግባቡ ክመዓራረይ ኣለዎ፡፡ ሐዚ እውን እቲ ዝተለመደን ውፅኢት ዝርከበሉ ኣሰራርሓን ካብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት (ሰራዊት ናይ ድሕንነት መሓውር ናይ ኢኮኖሚ ጉዳያት ሓላፊ፣ ናይውሽጢ ሃገር ምምሕዳር ሓላፊ ወዘተ) ዝቐውም በቲ ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ሓላፊ (ፕረዚደንት ወይ ጠ/ሚኒስተር) ዝምራሕ ኣብ ናይ ሃገራዊ ድሕንነት ጉዳያት ካብ ፓርላማ ቀፂሉ ዝለዓለ ውሳነ ወሃባይ ኣካል ብምቋምን ካብዚ ቀፂሉ ዝህሉ ኣሰራርሓ ብምንፃርን ክምራሕ ኣለዎ ናይዚ ናይ ሃገራዊ ድሕንነት ካውንስል (national security council) ኣባላቱ ስርሑን ሓላፍነቱን ኣወዳድብኡ ኣሰራርሕኡ ብኣዋጅ ብፓርላማ ክቐውም ይግባእ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ከቢድ ዝኾነ እዋን ይሓልፍ ኣሎ፡፡ ካብዚ ኩነታት ዝውሰድ፣ ካብቶም ብዙሓት መደምደምታ ሓደ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዝመሰለ ኩነታት ክፍጠር ህዝቢ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ተበይንሉ ብዝካየድ ኲናት እንደገና ከይኣቱ እኩል ጥንቃቐ ምግባር እዩ፡፡

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሰላምን ልምዓቶምን ውሑስ ንምግባር ብመንግስቲ ክወስዶ ዘለዎም ዓበይቲ ስጉምታት ኣለው፡፡ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖሚ ትሕቲ ቅርፂ (social and economic Infrastructure) ብግቡእ ተወዲቡ ክሰርሕ ክግበር ኣለዎ፡፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብቲ በፂሑና ዘሎ ጉድኣት ንምድሓን ናይ ዳግመ ህንፀት (reconstruction) ስራሕቲ ክትለም ኣለዎ፡፡ እዚ ብዓለም ለኻዊ ኣፍልጦን ብቕዓትን ዘለዎም ሰብ ሞያ ክስራሕ ዘለዎ ገዚፍ ስራሕ እዩ፡፡ ብዙሕ ገንዘብን ጉልበትን ፍልጠትን ዝወፀሉ ቀሊል ዘይኮነ ግዘ ዝወስድ ስራሕ እዩ፡፡ እቶም ብኢኮኖምያውን ማሕበራውን ትሕቲ ቅርፅታት ናብ ዝነበርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብኡ ንላዕሊ ክህነፁ ኣለዎም፡፡ ኣብዚ መንገድታት ናይ መራኸቢ ማእኸላት፣ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ናይ ሓይሊ መመንጨውን መሰራጨውን ማእኸላት ኢኮኖምያዊ ትካላት ተወዲኦም ተመዓራርዮም ብምሉእ ዓቕሞም ክስርሑ ክግበሩ ኣለዎም፡፡ ቤት ትምርትታት፣ ዩኒቨርስትታት፣ ሆስፒታላትን ክሊንካትን፣ ናይ ፅሩይ ማይ ነጥብታት ወዘተ) እዚኣቶም እውን ናብ ዝነበርዎምን ካብኡ ንላዕልን ክህንፁ ግልጋሎት ክህቡን ኣለዎም፡፡

ናብዚ ንምብፃሕ ካብቲ ሐዚ ዘለናሉ ዘይተጠቓለለ ኲናትን ዝቀላቐል ዘሎ ናይ ሰላም ዝርርብን ከመይ ንቐፅል ዝብል እዩ እቲ ሕቶ፡፡ እቲ ናይ ኲናት ሰላም ሕቶ ዋና ውራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብምዃኑ ሰፊሕ ዝተወደበ ናይ ህዝቢ ተሳትፎ ምርግጋፅ መሰረታዊ መበገሲ ይኸውን፡፡ ኣብቲ ኲናት ዝቀላቐለሉ እዋን ብዝተገበረ መረፃ ህዝቢ ትግራይ ንውድብ ህወሓት መሪፁ እዩ፡፡ እቲ ገዛኣይ ውድብ መንግስቲ ኣጣይሹ ነቲ ኩነታት ይመርሕ ኣሎ፡፡ እቶም ናይቲ ውድብን መንግስትን መራሕቲ ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ መዓት ዓቕሞም ክንዲዝፈቐደሎም ነቲ መኸተ ውን መሪሖም ተጋዲሎም ናብቲ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ኩነታት በፂሕና ኣለና። እዙይ ከም ዘሎ ኮይኑ ናይ ህዝቢ ትግራይ ብዝተወደበ ኣግባብ ነቲ ኲናት ናብ ዓወት ከብፅሖ ዘኽእሎ ኣሰራርሓን /ኣወዳድባን ተገይሩዶ ኢልካ ምሕታትን ክመሓየሽ ዝግበኦ ምምሕያሽን ይግባእ፡፡ ኣብዚ ዘሎ ጉድለታት ብምንቃፍ ብምትዕርራይ እቲ ኵናት ስፊሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝዓሰሎ ክኸውን ናይ ምግባር ጉዳይ ናይቲ ገዛኣይ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስትን ሓላፊነት እዩ።

እቲ ኲናት ክጅመር ከባቢ ናይ መኸተ መድረኽ ተባሂሉ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተፈላለዩ ማሕበራት ምናልባት እውን ተፅዕኖ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት ዝተጣየሸ ናይ መኸተ ናይ ፖለቲካዊ መድረኽ ነይሩ፡፡ እቲ ኲናት ምስ በርተዐ እቲ ውድበ እዙይ ኣይሰርሐን መንግስቲ ትግራይ ተመሊሱ ናብ መቐለ ምስ ኣተወ ቀልጢፉ ክሰርሕ ኣይተገበረን ሐዚ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታት ኣሎ ምርኣይ የድሊ፡፡ ብስሩኸ ኣፈጣጥርኡን ኣሰራርሕኡን ብናይቲ ገዛኢ ፖለቲካዊ ውድብ ድልየትን ባህግን ኣተሓሳስባን ጥራሕ ድዩ ክምራሕ ዘለዎ ክሳብ ክንደይ ነፃ እዩ? ህዝብን ሃገርን ማእኸል ገይሩ ስራሕቱ የካይድ ክረኣ ኣለዎ፡፡ እዙይ ከም ዘሎ ኾይኑ ከም ኣሰራርሓ ግን ጉድለታት እናኣረምኻ ናይ ህዝቢ ድልየትን ኣተሓሳስባታት ናብ ናይ መንግስቲ ወሰንቲ ኣካላት ንምብፃሕ ናይ መንግስቲ መደባትን ድልየትን እውን ናብ ሕብረተሰበ ንምብፃሕ ጠቓሚ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እዩ፡፡

ኣጀንዳታቱ ብዋናነት ናይ ኲናት ምቕፃልን ብዓወት ንምውፃእ ዘድልዩ ኩሎም ጉዳያት ምምላእን ብሓደ ወገን ብኻሊእ ወገን ካዓ ናይ ሰላም ድርድር መማረፅታት እናሰፍሐ እንተኸይዱ ድማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጥቕምን ባህግን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየእተኻ ብሰላማዊ ኣግባብ መፍትሒ ንምምፃእ ዝስራሕ ተገይሩ ክመዓራረይ ነዚ ዘድልዮ ኩሉ መረዳእታ ክወሃቦ ዓቕሙ ከዕቢ በዚ ልክዕ ድማ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ክውስኽ እቲ ገዛኣይ ፖለቲካዊ ውድብን መንግስትን ዕንቅፋት ክፈጥሩ የብሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ክሰፍሕ ክዓሙቕ እዩ ክስራሕ ዘለዎ፡፡ እቶም መሰረታዊ ናይ ኲናትን ሰላምን መማረፂ ኣተሓሳስባታትን ዘለው መማረፅታትን ፀገማትን ናይ ኣፈታትሓ ኣንፈታቶምን ኣብዞም ዓበይቲ ናይ ህዝቢ መድረኻት ምይይጥ እናተገበረሎም ሓሳባት ክምንጭዉ ክሰፍሑ ክዓምቁ ኩሉ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ፡፡ እዚ ናይ ህዝቢ ሓድነት የጠናኽር ነቲ ኲናት ድልዱል መሰረት ይኸውን፡፡ ኣብኡ ከሎ ውን ዲሞክራስያዊ ባህሉ ንዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት ብስልጡን ፖለቲካዊ መስርሕ እናፈታሕኻ ሓቋፋይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ንምህናፅ ጥጡሕ ባይታ ኣብ ምፍጣር ቀሊል ዘይኮነ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ፡፡ (ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ፖለቲካዊ ባህልን ልምድን ብኸምዚኦም ዝመሰሉ ፈተንቲ እዋናት እናድለየሉ ስለዝኸይድ ኮነ ኢልካ ክስረሐሉ ኣለዎ)፡፡

ናይ ፖለቲካዊ ውድባት መድረኽ ከም ዘሎ እውን ይፍለጥ እዩ፡፡ እዚ መድረኽ ብግቡእ እንተተመሪሑ ሓቋፋይን ኣሳታፋይን ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ምህናፅ ዓብዪ ታራ ክህልዎ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ ግን ብኽልቲኡ ወገን በቲ ገዛኣይ ፖለቲካዊ ውድብን በቶም ተቓወምትን ብንቕሓት ክስረሐሉ ክኽእል ኣለዎ፡፡ እቲ ገዛኣይ ፓርቲ ነሳትፎም ኣለና ንምባል ንናይ ረኣዩለይ ፖለቲካዊ መኽሰብ ክጥቀመሉ እንተሓሲቡ ውፅኢቱ ኣሉታ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ እቶም ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ውድባት እውን ናይ ባዕሎም ውልቃዊ ድሌትን ባህግን ንምዕባይን መንግስታዊ ስልጣን ንምክፋልን እንተተጠቒመምሉ ሐዚ እውን ውፅኢቱ ኣሉታዊ ክኸውን እዩ፡፡

ካብዚ ዘድሕን ንፁር ኣሰራርሓ ኣውፂእኻ ተግባራዊ ምግባር የድሊ፡፡ ካብቶም ትኹረት ክግበረሎም ዝግባእ ኣሰራርሓታት እውን ገሊኦም ናይ ምይይጥ ኣመራርፃን ውሳነ ኣወሳስናን ናይ ስራሕ ብፅሒቱን ስልጣኑን ሕጋዊ ኣቃውማኡ ከመይ እዩ ብቤት ምኽሪ ድዩ ወይስ በቲ ስራሕ ፈፃሚ ኣካል ዝበሉ ጉዳያት ገሊኦም እዮም፡፡

ኣብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ኣብዚ ናይ ሐዚ ኲናት ዝነበሮ ተሳትፎ ኣስተዋፅኦን ፅዕንቶን ርኡይ እዩ፡፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጥንካረ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓቕሚ ኮይኑ እዩ፡፡ ንቐፃላይ እውን ብትኹረት ክረአ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዩ፡፡ ብዙሓት ንሃገራዊ ህንፀት ጠቐምቲ ዝኾኑ ሞያታት፣ ፍልጠት፣ ርክባት ገንዘብ ኣለዎ፡፡ እዙይ ኣብ ሃገራዊ ህንፀት ዘለዎ ተራ ዓብዪ እዩ፡፡ ነዚ ሓይሊ እዙይ ካብቲ ባዕሉ ብናይ ኣባላቱ ምንቃድን ተገዳስነት ዝገብር ዘሎን ደርጋ ንዓለም ዘስደምም ተሳትፎ ንላዕሊ ብዝተወደበ መንገዲ ንምምራሕን ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ክህልዎን ንቐፃላይ ሃገራዊ ህንፀት እውን ጠንካራ ዓቕሚ ኮይኑ እናበርተዐ ክቕፅልን እንታይ ክገብር ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ መደብ ምውፃእ ምምራሕ ሐዚ እውን ናይቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝሓዘ ውድብን ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን እዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወፃኢ ዘለው ዓብዪ ዓቕሚ ዘለዎም ተጋሩ ብናይ ባዕሎም ኣንቅዶ ተወዲቦም ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናብ ዓወት ምብፃሕን ንቐፃላይ ስራሕ (ዳግመ ህንፀት ትግራይ) ክዳለው ይግባእ፡፡

ብጣዕሚ ብዙሓት ሓሳባትን ስራሕትን እዮም ተላዒሎም ዘለው። ብእኹል ተገሊፆም ምባል ’ውን ኣይከኣልን ኣንፈታትን ናይ ስራሕ ዘፈራትን እዮም ተሓቢሮም ግዚኡ ክበፅሕ ከሎ ኩሎም እቶም ስራሕቲ ብቕዓት ብዘለዎም ሰብ ሞያ እናተመርሑን እናተዘርዘሩን ምስ ናይቶም ስራሕቲ ስፍሓትን ውስብስብነትን ዝመጣጠን ኣወዳድባ ተገይርሎም ትልምን በቢደረጅኡ ቅደም ሰዓብን እናወፀሎም ናብ ተግባር ክኣቱ ይግባእ። እቲ ምዕሩይ መንግስቲ ምህናፅን ምድልዳልን ቁልፊ ጉዳይና ገይርና እቶም ኩሎም መደባት ምስዚ ሽቶ እዙይ እናተዛመዱ ክራኣዩ ምግባርን ዝለዓለ ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ጉዳይ ይመስለኒ።

ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ኩነታት

1. ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኩነታት

እቲ ከም ደጋዊ ኩነታት (ደጋዊ ንትግራይ) ተገይሩ ክረአ ዝኽእል ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት እዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ሐዚ ብዛዕባ ኲናትን ሰላምን ማለት እውን ኲናት ምጥቕላልን ብሰላም ነቲ ኲናት መዕለቢ ምግባር ጉዳይ ክነልዕል ከለና ብናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዕድመን ፃውዒትን መፂኡ ሐዚ ዳርጋ ናይ ኢትዮጵያ ኢኮነምን ናይ ፀጥታ መሓውራትን ተቖፃፂሩ ከም ድላዩ ዝገብር ዘሎን ግልፂ ነቲ ናይ ትግራይ ጉዳይ ብኲናት ክውዳእ ዝደልዮ ዘሎ ናይ ኢሳያስ መንግስቲ እውን ካብ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ፈሊኻ ምርኣይ ዘይከኣል ኮይኑ ኣሎ፡፡

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ዓመትን ፈረቓን ዝተኻየደ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናትን ነዚ ኲናት ብሰላም መዕለቢ ምግባርን ዳርጋ ማዕረ ማዕረ ብዝበሃል ደረጃ ኣብ ቀራና መንገዲ ኣለዉ፡፡ ብሓደ ወገን ናይታ ሃገር ኣጠቓላሊ ኩነታት ማለት እውን ኢኮነምያዊ ዕንወት ዲፕሎማስያዊ ኪሳራን ፖለቲካዊ ምግምማዕን ዘይምርግጋዕን እዚ ናይ ዘርኢ ምንፃት ኲናት ጠጠው ኢሉ ብሰላም መዕለቢ ክግበረሉ ይጠልቡ፡፡ ካብዚ ተበጊሱ እውን እዩ እቲ ጠቕላይ ምኒስተር ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ሰዓራይ ዘይብሉ ኲናት እዩ ተዘራሪብና ነዕልቦ ዝብል ፃውዒት ዘቕረበን እቲ ፓርላማ እውን ዝተቐበሎን እዩ፡፡

 ብካሊእ ወገን ካዓ ነቲ ኲናት መፈለምታ እውን ዘበገሱ ሐዚ እውን ሃፀያት ኢትዮጵያ ንትግራይ ኣንበርኪኽካ ክትዕምብብ ዝሓስቡ ናይ ኣምሓራ ፖለቲካዊ መራሕትን ተስፋሕፋሕቲ ልሂቃንን ብኲናት ንወድኣዮ ይብሉ ኣለው፡፡ ሰራዊቶምን ናይ ክልል መንግስቶም በዚ መሰረት የመዓራርዩ ኣለው፡፡ በቲ ማእኸላይ መንግስቲ ገሊኦም ናይ ክልል ኣምሓራ መራሕቲ ተስማዕሚዑ ኣንፃር እቶም ሰላም ዘይደልዩ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ ዝብል ምንጭታት እኳ እንተሃለው ክሳብ ክንደይ ርግፀኛ ምዃኑን ከመይ ኢሉ ከም ዝቕፅልን ከምዝውዳእን ርግፀኛ ምዃን ኣይከኣልን። ብኣንፃሩ እቶም እቲ ጉዳይ ብኲናት ክውዳእ ዝደልዩ ናይ ኣምሓራ መራሕቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሰማሚዖም ሰራዊቶም የሰልጥኑ፣ የዕጥቁ ኣለዉ፡፡ ምዕራብ ትግራይ ብሓባር ሰፊሮም ኣይንለቅቕን ምባል ጥራሕ ዘይኮነስ ብውግእ ዝለቐቕዎ ራያ እውን መሊስና ክንሕዝ ኢና ይብሉ ኣለዉ፡፡ ብሓፂሩ ንህዝቢ ትግራይ ክነጥፍኦ ኢና ይብሉ ኣለዉ፡፡

 ካብዚ ንላዕሊ ግን ዳርጋ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ተቆፃፂሩ ኣሎ ዝበሃል ናይ ኢሳያስ መንግስቲ እዚ ኲናት ብሰላም መዕለቢ ክግበረሉ ይፃረር ጥራሕ ዘይኾነስ ምስ ናይ ክልል ኣምሓራ ስጡም ርክብ መስሪቱ ብሓባር ምዕራብ ትግራይ ተቆፃፂሮም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ኣቐሚጦምዎ ኣለዉ፡፡ ብዓፋር ወገን እውን ተመሳሳሊ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ፡፡ ብሓፂሩ እቲ ንዓመትን ፈረቓን ብናይ ኢሳያስን ጀነራላቱን መሃንዲስነት ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብኲናት መዕለቢ ክግበረሉ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ናይ ምጥፋእ መደቡ ክቕፅለሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ፡፡ ወታሃደራቱ ይምልምል፣ የዕጥቕ፣ የሰልጥንን የዳሉን ኣሎ፡፡ ውግእ ንምጅማር ተቐሪቡ ኣሎ፡፡

ናይ ኣብዪ ኣሕመድ መንግስቲ ብቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ፀገማት ብፍላይ ድማ በቲ ኢኮነምያዊ ፀገምን ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ፀቕጥን ብሰላም መዕለቢ ንምግባር ድልየት ዘለዎ እንተመሰለ ብካሊእ ወገን ካዓ ሐዚ እውን ሰራዊት ይዕልም፣ ኣፅዋር ይገዝእ ሰራዊቱ ንቐፃሊ ውግእ የዳሊ ኣሎ። እዚኦም ተደሚሮም ድማ እቲ ናይ ኲናት መንገዲ ይቕፅልሉ ከም ዘለው የርኢ፡፡ ምስዚ ተወሳኽን ካብዚ ንላዕልን ድማ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብዋናነት ብናይ ህዝቢ ትግራይ ቃልስን መስዋእትነትን ዝተመስረተ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ናይ ኢሳያስ መንግስትን ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲን ናይ ኣምሓራ ሊሂቃንን ይቃወምዎ እዮም፡፡ ነዚ ስርዓት ምትካል ዋና ዓንዲሕቖ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ከየጥፋእኻ ድማ ሃፀያት ኢትዮጵያ እንደገና ክትዕምብብ ኣይትኽእልን ኢሎም ብምእማን እዮም ንህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ መሪሕነቱን ጠቕሊሎም ከጥፍኡ ዝወፈሩ፡፡

ብካሊእ ወገን ካዓ መሰል ዓርሰ ውሳነና ክነኽብር ንደሊ ኢና ብዝብል ፖለቲካዊ ዕላማ ኲናት ዘካይድ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ኦሮሞ ብዕጡቕ ሓይልን ዘይተዓጠቐ ሓይልን እናተቐናጀው ይቃለስ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ኣገው፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ቅማንት፣ ዓፋር፣ እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ዓጢቖምን ብሰላማዊ ኣግባብ ቃልሲ ይቃለሱ ኣለው፡፡ ህዝቢ ሶማል፣ ሲዳማን ምቅላስ ይጅምሩ ኣለው፡፡ ብሓፂሩ እቶም ብሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ኢና ክንመሓደር ዘለና፤ መሰልና ባዕልና ኢና ክንውስን ንደሊ ዝብሉ ህዝብታት ብተናፀል ይኹን ብሓባር ኣንፃር ሃፀያዊ ባህጊ ናይ ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራ ናይ ሊሂቃን ይቃለሱ ኣለው፡፡ ኣብ ቀረባ ግዘ ተመስሪቱ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ዘሎ ናይ ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ሓይልታት ሰሙር ግንባር ናይዚ ቃልሲ ውፅኢትን መርኣያን እዩ፡፡

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ተፃረርቲ ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት ኣተሓሳስባታት ፖለቲካዊ ሓይልታትን ነቲ ሕብረተሰብ ኣብ ክልተ ተፃረርቲ ደንበታት ኣሰሊፎምዎም ኣለው፡፡ ብሓደ ወገን ሃፀያዊት ኢትዮጵያ ናይ ህዝብታት መሰል ብምርጋፅ ናይ ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራ ሊሂቃን ድልየትን ባህግን ንምምላእ ብዕሙት ናይ ህዝብታት ፅልኢትን ንዕቐትን ኣሃዳውን ጨቋናይን ስርዓት ንምህናፅ ዝግበር መዕነዋይ ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት ደገፍቲ ሓይልታት ኣለው እንኮላይ ብኢሳያስ ዝምራሕ ናይ ኤርትራ መንግስቲ፤ ብካሊእ ወገን ድማ ነዚ ናይ ሃገረ መንግስቲ ህንፀት ኣካይዳ ኣጥቢቖም ዝቃወሙ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣለው፡፡ ኣብዚ ደንበ እዙይ ብህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ዝምራሕ ናይ ህዝቢ ትግራይ ቃልሲ ኣሎ፡፡ ምስዚ ድማ በቶም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሓይልታትን ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ቃልሲ እቶም ካልኦት ህዝብታት (ሶማል፣ ዓፋር፣ ኣገው፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ቅማንት) ቃልሲ ኣሎ፡፡

ተስፋሕፋሕቲ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ፖለቲካዊ መራሕትን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብሓባር ዝምነይዋ ሃፀያት ኢትዮጵያ መሊሳ ክትዕምብብ ናይ ምግባር ኸኀኸሕልሕሕሕሕነቨነነ ነቨፈጀቨወወሰሰሰደፈደገፈሕልሚ ኣብ ከቢድ ወድዓዊ ፀገም ኣትዮ እቲ ኲናት ክቕፅለሉ ኣፀጊምዎ ከም ዘሎ ግልፂ እዩ፡፡ እቶም ፌደራልን ኮንፌደራልን ሕብረ ብሄራዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ከም ዝተሓተ ፕሮግራም ተቐቢሎም ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታት ድማ ወታደራዊ ዓቕሞምን ብፍላይ ካዓ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ዓቕሞም ንቶም ኣሃዳውያን ሓይልታት መሊኡ ክስዕር ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ገና ኣይበፅሐን፡፡ ኣብዚ ኩነታት ኮይና ኢና ኲናት ጠጠው ከይበለ ናይ ሰላም ዝርርብ ንኽግበር ምንቅስቓሳት ዘለው፡፡ እዚ መድረኽ እዙይ ብከቢድን ውሕሉልን ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክንሰግሮ ዘለና ይመስለኒ፡፡

2. ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፖለቲካዊ ሓይልታት

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኲናት ብኸመይ ይውዳእ ገና ኣይፈለየን ብኽልቲኡ መንገዲ (ብኲናት ይኹን ብሰላማዊ ዝርርብ) ይወዳእ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ዝበሃሉ ሐዚ እውን ኣንፃር እቲ ማእኸላይ መንግስቲ ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታትን ህዝብታትን ዘለና ዝምድናን ምትሕብባርን በብግዝይኡ ክጠናኸር ይግባእ፡፡ ኣብዙይ መዳይ ዝተጀመሩ ርክባት ከምዘለዉ ይፍለጥ እዩ፡፡ ግን ካብቲ ሐዚ ዘለዎ ደረጃ ክዓቢ ክሰጥም ምግባር ዓብዪ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ፡፡ እዚ ፖለቲካዊ ዝምድናታት ኲናት ይኹን ብሰላማዊ ድርድር ውፅኢታዊ መወዳእታ ክህልዎ ይሕግዝ እዩ፡፡

ኣብቶም ናይ ኢትዮጵያ ኣንፃር መንግስቲ ዝቃለሱ ውድባትን ህዝብታትን ቅደም ሰዓብ ብምንፃር ምስራሕ ዘለና ውሱን ዓቕሚ ኣብ ውፅኢታዊ ስራሕ ክውዕል ይሕግዝ እዩ፡፡ ካብዚ ኣንፃር ንናይ ኦሮሞ ህዝቢ፣ ናይ ሶማል፣ ናይ ዓፋር፣ ሲዳማ ህዝብታት ምስ እዚኦም እውን ናይ ኤርትራ ህዝቢ ቃልሲ ፍሉይ ትኹረት ምግባር ይግባእ፡፡

ኣብ ንገብሮ ፖለቲካዊ ዝምድናን ምትሕብባርን ናትና ዝምድናን ድጋፍን ንጠቕላላ ናይቲ ህዝቢ ቃልሲ ኾይኑ ውሽጣዊ ጉዳዮም ግን ባዕሎም ብዝስማዕምዕሉ መስርሕ ክመርሕዎን ኣብ ምርድዳእ ክበፅሑን እምበር ንሕና ኢድና ዘይነእትወሉ ጉዳይ ምዃኑ ከም ፖሊሲ ብንፁር ምቕማጥ ይግባእ፡፡

ናብ ናይ ሰላም ድርድር ዝመፅእ እንተኾይኑ እውን ኣብቲ ናይ ሰላም ድርድር ክንበፅሖ ዝግባእ ሽቶ (ናይ መወዳእታ ዕላማ) እዙይ ንክነዕውት ንኽተሎ ስትራተጅን ስልትን ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ዝምስረት መንግስቲ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ይኸውን? ከመይ ይቐውም? እንታይ ልኡኽ ይሕዝ? ክንደይ ግዘ ይፀንሕ? ዳሓር ከመይ ይትካእ? ኣብዚ ግዘ ዝህሉ ናይ መንግስቲ ወሰንቲ መሓውራት ኮላይ እቲ ናይ ድሕንነት መሓውር ብጠቕላላ ኣብ ምርድዳእን ስምምዕነት እናበፃሕናሎም ናይ ሓባር ቅዋም እናተትሓሓዘሎም ዝኸዱ ጉዳያት ምዃኖም ምስምዕማዕ ይግባእ፡

እዚኦም ኩሎም ንምዕዋት እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናይ ፌደራሊስትን ኮንፌደራሊስትን ናይ ሰሙር ግንባር ውደበ ከም ፖለቲካዊ መሰርሕ ክጠናኸር ምግባር የድሊ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለው ሓይልታት

1. ይ ኤርትራ ጉዳይ፡-

ናይ ኤርትራ ጉዳይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ናትና ጉዳይ ክኸውን ገይርዎ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ኲናት (እሞ ገና ዘይተወደአ ኲናት) ናይቲ ኲናት መሃንዲስ ፈፃሚ ኾይኑ እዩ ኣካይድዎ ።ሐዚ እውን ክልል ትግራይ ተቆፃፂሩ ብፍላይ ምዕራብ ትግራይ ምስ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ተኣሳሲሩ ህዝቢ ትግራይ ብምዕራብን ብምብራቕን ብሰሜን ዓፅዩ ብምሓዝ ህዝቢ ትግራይ ብምንፃት እቲ ኲናት ይቕፅለሉ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ኤርትራ ናይዚ ዞባ (ቀርኒ ኣፍሪቃ) ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ቀንዲ ናይ ሰላም ዘረጊ ምዃኑ ዓለም ብምልኡ ዝስማዕመዐሉ ሓቂ ኾይኑ ኣሎ፡፡

 ብኢሳያስ ኣፈወርቅን ሰዓብቱ ኣባላት መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግፍዕታትን ኣብዚ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ካሊእ መድረኻት ብገፊሑ ዝግለፅ ጉዳይ ስለዝኾነ እዙይ ከም ዘሎ ኾይኑ ክልቲኡ ህዝብታት (ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን) ንወለዶታት ዘለዎ ኩለመዳያዊ ምትእስሳር ድማ ዓሚቕ እዩ፡፡ ብነዊሕ ናይ ሓባር ታሪኽ፣ ባህሊ፣ መነባብሮ ማሕበራዊ ዝምድና ዝተተበተበ እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ሓደ ኩታ ገጠም ዝኾነ ነዊሕ ዶብ ዘለዎ ጂግራፍያዊ ከባቢ ንርከብ ህዝብታት ኢና፡፡ እዙይ ኩነታት እዙይ መሰረት ገይርካ ክረኣይ ከሎ ዘለና መማረፂ ወይ ብተፃብኦ እቲ ሓደ ንቲ ካሊእ ከጥፍእ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ምእታው እዩ፡፡ እንተዘየለ ድማ ነዚ ዝተገለፀ ኩነታት ናብ ፀጋ ቀይርካ ብሓባር ብሰላም ተኸባቢርና፣ እናተሓጋገዝና ተሳኒና፣ እናተስማዕና ምንባር እዩ፡፡ እቲ መማረፂ ንዘስተውዕል ሰብ ዘደናግር ኣይኮነን፡፡

ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ዝምድና ክሕሰብ ከሎ እቲ መሰረታዊ መበገሲ ክኸውን ዘለዎ ሰላምን ኣብ ሓበራዊ ጥቕሚ ክልቲኡ ህዝብታት ዝተመስረተ ብቐፃልነት እናዓሞቐን እናደልደለን ዝኸይድ ኣብ ሕውነትን ምክብባርን ዝተመስረተ ዝምድና እዩ፡፡ ክልቲኡ ህዝብታት ነዊሕ ናይ ሓባር ታሪኽ፣ ባህሊ ቤተሰባዊ ምትእስሳር ዘለዎ ኣብ ናይ ሓባር ጂኦግራፍያዊ ከባቢ ዝነብር ቀፃላይ ሕማቕ ይኩን ፅቡቕ ዕድሉ እውን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ፡፡ እዚ ፈፂሙ ክነፃፀል ዘይኽእል ህዝቢ እቲ ምትእስሳርን ዝምድናን ከመይ ገይርና ንሓበራዊ ረብሓ ነውዕሎ ኢሉ ሓሲቡን ተመኻኺሩን መፃኣይ ዕድሉ ናይ ሰላምን ልምዓትን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ካብ ምግባር ወፃኢ ናይ ኲናትን ተፃብኦን እንተኾይኑ ተተሓሒዝካ ምጥፋእ እዩ ዘምፅእ፡፡

እዚ ንምግባር ሐዚ ዘሎ መንግስትን ህዝብን ፈላሊኻ ምርኣይ ይግባእ፡፡ እቲ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ኤርትራ መንግስትን እዚ መንግስቲ ዘሰጉም ኣተሓሳስባን ዝሓዙ ጉጅለታትን ምስ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ሓበራዊ ጥቕምን ምክብባርን ክነብሩ ኣይኽእሉን፡፡ ባዕሉ ብዝወለዖ ኲናት ስዕርት ተጎምጒሙ ተዳሂሉ ስለዝተመለሰን ሕልምታቱ ከይተዓወተ ብምትራፉ ንህዝቢ ትግራይ ተሓታቲ ብምግባር ዝሓዞ ቂምን መድሃልትን ንኽመልስ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ክውስን፣ ባዕሉ ንባዕሉ ክመሓድር ብምውሳኑን እዚ ብምግባሩ እውን ከም ደመኛ ፀላኢ ዝረኣዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብዚ ከባቢ ናይ ሰላምን ሓበራዊ ልምዓትን ፀላእቲ እዮም፡፡ ነዚ ኣተሓሳስባ ሐዚ ጠጠው ዝበሉ ድማ ብኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራን ሰዓብቱን እዮም፡፡ እዚኣቶም ብዝመፅእዎ መንገዲ (ብኲናት ብሰላማዊ አግባብ ቃልሲ) ክሰዓሩን ኣተሓሳስባኦም ካብቲ ናይ ኤርትራ ሕብረተሰበ ክፅረግ ኣለዎ፡፡ እዙይ ምግባር ብዋናነት ናይ ኤርትራውያን ተቃለስቲ ስራሕ እዩ፡፡ እዙይ ከምዘለዎ እናሃለወ ግን እዞም ተቃለስቲ ኤርትራውያን ካብ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ቃልሶም ብዓወት ንክዛዘም ዘይተቆጠበ ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ፡፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ወታደራዊ ዘሎ ፀገም ናይ ኩለና ፀገም እዩ፡፡

ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ ናብ ናይ ሰላምን ሓበራዊ ልምዓትን ናይ ህዝቢ ተሳኒኻ ምንባር ምእታው ዝከኣል ኣይኮነን፣ ናይ ኤርትራ መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሐ በደል ከቢድ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ካብኡ ዘይንእስ በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብፂሑ እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጋዲሉ ነፃ ዝወፅእ ሃገር ተስፋ ስኢኑ ኣብ ሃገሩ ካብ ምንባር ናብ ዘይፈልጦ ቦታታት ዝተሰደደ ኣደዳ ሞትን ስቓይን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ናይ ሰሃራን ካልኦት ወሰና ወሰን ሱዳንን ዘለው በረኻታትን ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ገዛውቶም ይቁፀሮም ኣውራ ድማ እታ ሃገር ጥርሓ ተሪፋ ህልውናኣ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡፡

 ኣብዚ መስርሕ እዙይ ንሕና ተጋሩ መንግስቲ ኢሳያስን ሰዓብቱን ብዘብፅሑልና በደል ተመስሪትና ተመሳሳሊ ፀገም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከይነብፅሕ ከቢድ ጥንቃቐ ምግባር ይግባኣና፡፡ ፀላእትና ብኢሳያስ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን፡፡ ፀላእትና ብውልቀ እውን ተፈልየም (ዋላ እቶም ብመንግስቲ ተኣዚዝና እናበሉ ግፍዒ ዝፍፅሙ ውልቀ ሰባት) ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ክንገብር ይግባእ እምበር ካብዚ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት በደል ከይንፍፅም ክንጥንቀቕ ይግባእ፡፡ እዙይ ብሕጋውን ፖለቲካውን ስራሕቲ መልክዕ ክሳብ ዝሕዙ ዓብዪ ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ፡፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክንራኸብ ከለና ዝግባእ ዝምድናን ኣቀራርባን ካብቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽን ባህልን ጭዋነትን ዝብገስ ናይ ህዝቢ ትግራይ መንነት መሰረት ዝገበረ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሓውን ፈታውን ዝወስዶ ከም ባዕሉ ከም ህዝቢ ትግራይ ገይሩ ዝወስድ ክኸውን ኣለዎ፡፡

እዙይ እቲ መሰረታዊ ኣንፈት ኮይኑ ኣብ ኤርትራውያን ናይ በዓል ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዓይነት ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ዘለዎም ውልቀ ሰባት ሓይልታት ኣለዉ፡፡ እዚኦም ሓሳቦም ኣረኣእየኦም ኣብ ተግባር ከውዕሉ ብሓይሊ ነገራት ንዓኣታቶም ብዝጥዕም ኣግባብ ኣብ ተግባር ከውዕሉ እንተተንቀሳቒሶም ክሳዕ ከም ናይ ኢሳያስ መንግስቲ ሰራዊት ወይ እውን ናይ ስለያ መሓውር ተራእዮም ኣድላዪ ዝኾነ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይግባእ፡፡ ከምቲ ዝተገለፀ ኣረኣእያ ዘለዎም ሓይልታት /ውልቀ ሰባት ዓቕሞም ተወዲኡ ተሳዒሮም እምበር ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ሓልዮም ዓሪፎም ኣይቅመጡን፡፡ እቲ ኩነታት ብዝጠልቦ ተመጣጣኒ ሓይሊ እዮም ክተሓዙ ዘለዎም፡፡

 ሰላም ምስተረኸበ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝግበር ዝምድና ግዘ ወሲዲ ቀስ ብቐስ ብናይ ባዕሉ ናይቲ ህዝቢ ድልየትን ድፍኢትን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበፅሕ ኩነታት ምምችቻው ምትሕግጋዝ ይግባእ፡፡ ክልቲኡ ህዝብታት ዝበለፀ ምቅርራብ ክገብርን ዝምድንኡ ዝበለፀ እናሰጠመ ክኸይድ ዝኽእለሉ ወድዓዊ መሰረታዊ ኩነታት (ናይ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ መንነት ጀኦግራፊ ወዘተ) ኣለው፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብባዕዳዊ ገዛእትን ብናይ ኣይተ ኢሳያስ መንግስትን ዝተፈጠሩ ዕንቅፋታት ውን ኣለው፡፡ ነዚ ጭቡጥ ኩነታት ተገንዚብካ ክልቲኡ ህዝቢ መሰሉን ባህግታቱን ሓልዩ ግን ንናይ ክልቲኡ ህዝብታት ረብሓ ሰላም ደረጃ ብደረጃ እናጠናኸረ ዝኸይድ ኣንፈትን ስራሕትን ምስራሕ ይግባእ፡፡ ካብዙይ ኣንፃር ካብ ላዕሊ ካብ ፖለቲካዊ መራሕቲ ፀቕጥን ድልየትን ዝመፅእ ብጉያ ጉያ ዝግበር ፖለቲካዊ ምትእስሳር ካብ ታሕቲ ካብቲ ህዝቢ ባዕሉ ክንዲ ዝፈቐደ ክኸይድ መሰረት እናገበረ ግዘ ወሲዱ እናበሰለ ብዝመፅእ ናይ ምትእስሳር ስራሕ ዕዱል ዝህብን ነቲ ናይ ህዝቢ ድሌት ቀዳምነት ዝህብን ክኸውን ኣለዎ፡፡ እዙይ ብክልቲኡ ገፅ ክረኣይ ይኽእል እዩ፡፡ ተጓይኻ ዝምድና ንምፍጣር ብዝግበር እውን የለን ከምዘለናዮ ዳኣ ንፅናሕ ኢልካ ንቲ ናይ ህዝብታት ድልየት ብምዕጋትን ብምጉታትን እውን ክረኣይ ይኽእል እዩ፡፡ ነዚ ወድዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ምምራሕ የድሊ፡፡    

2. ምስቶም ወሰንቲ ዓለምለኻዊ ሓይልታት ዝህልወና ዝምድና

እቶም ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዘለው ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ብፍላይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሃገረ መንግስቲ (state) ቐፃልነትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ ኢሎም ዝሓስቡ ካብ ዝተፈላለየ ምኽንያት ተበጊሶም ናብዚ መደምደምታ ዝበፅሑ ሐዚ ናይ ዓለም ሃገራት ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ ቅዋም እዩ፡፡ እዚ ህዝቢ ትግራይ ወላ በቲ ሐዚ ኣብ ስራሕ ዘሎ ሕብረ ብሄራዊ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ናይ ባዕለይ ዕድል ባዕለይ ክውስን እየ ኢሉ ናይ ባዕለይ መንግስትን ነፃ ሃገርን ክምስርት እየ እንተበለ እውን ከባብያዊ (ቀርኒ ኣፍሪቃ߹ ኣፍሪቃ ብጠቕላላ) ፀገም ክፈጥር እዩ ካብ ዝብል ተበጊሶም ናይ ህዝቢ ትግራይ ነፃ ሃገር ምምስራት ዘይምችዎም ኣለው፡፡

እቶም ዘገድሱ ሓይልታት ኣሜሪካ߹ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረትን ጎረባብቲ ሃገራትን߹ ናይ ኣውሮፓ ሕብረትን ናይ ኣውሮፓ ሃገራትን እዮም፡፡ ኩሎም እዞም ዝተጠቐሱ ሃገራት ንቲ ሓዚ ዘሎ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ተቐቢልካ ኣብ ውሽጡ ዝኾነ ምምሕያሽ ተገይሩ ንኣብነት ክልላት ናይ ባዕሎም ውሽጣዊ ጉዳያት ባዕሎም ዝውድእሉ ግፍሕ ዝበለ ስልጣን (ኣብቲ ሕገ-መንግስቲ ዘሎ ኣብ ተግባር ምውዓል) ምጉልባት እውን፣ ተወሰኽቲ ካልኦት ስልጣን ሂብካ ግን ናይ ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ከይፈረሰትን እቲ መንግስቲ ከይጠፍአን (መንግስቲ ክብል ከለኹ state ማለት እዩ፤ ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ regime ማለተይ ኣይኮነን) ተዛቲኻ ተደራዲርካን ተስማዕሚዕኻን ምቕፃል ዝቕበሉን ዝመርፁን ይመስሉ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ በቲ ሕገ-መንግስቲ ዓንቀፅ 39 መሰረት መሰልና ብምኽባር ናይ ባዕልና ሃገርን ነፃ መንግስትን ክንምስርት ኢና እንተበልና ባህ ዘይብሎም ይመስሉ፡፡

ካብዚ ንላዕሊ ግን ካብቲ ሕገ መንግስታዊ መስርሕ ወፃኢ ናይ ባዕልና ነፃ ሃገርን እዛ ሃገር ዝመርሕ መንግስትን ክንምስርት ኢና እንተበልና ዘጋጥሙና ተቓውሞ ኣዝዩ ከቢድ ክኽውን ከምዝኽእል ምግማት ይከኣል እዩ፡፡

ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ርክብ ኣመሪካን እቶም ናይ ኣውሮፓ ሃገራትን በቲ ሕጋዊ መስርሕ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ህዝበ-ውሳነ ኣካይድና መሰል ዓርሰ ውሳነና ክነረጋግፅ ኢና እንተበልና ብግልፂ ክቃወምዎ ከፀግመሎም እዩ፡፡ ምኽንያቱ ናይ ህዝብታት ናይ ባዕሎም መሰል ባዕሎም ምውሳን ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቻርተር እውን ዘሎ መሰል ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ጉድኣት (ገና እኳ ብተኣማንነት ዘለዎ ዓለም ለኻዊ ሳልሳይ ወገን ክፅብፀብ እሞ ብዘተኣማምን ተሰኒዱ ከም መረዳእታ ንውሳነታት እታወት ክኸውን ክግበር ዘለዎ እንትኾን) ሐዚ እውን ዝፍለጥ ስለዝኾነ ነዚ ብሕጋዊ መንገዲ መሰልና ብህዝበ-ውሳነ ክረጋገፅ ዝብል ሓሳብ ገና ብገናኡ ብርቱዕ ተቓውሞ ዝመፆ ኣይመስለን፡፡

ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ነፃ ሃገርን መንግስትን ምምስራት ዝቃወሙ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ምኽንያቶም ፈሊጥና ብኡ ኣንፃር ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕትና ኣፅዒቕካ ምስራሕ ብጣዕሚ መሰረታውን ኣገዳስን ጉዳይ እዩ፡፡ እዚ ስራሕ ብዓወት ንኽፍፀም ድማ እቲ መሰረታዊ እታወት ፀላእትና (ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ብኡኡ ተዓዲሙ ዝወረረ ናይ ኤርትራ መንግስቲ߹ ናይ ኣምሓራ ሓይልታት) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ በደል ናይ ሰብኣዊ መሰላት በደል (ግፍዒ ናይ ማሕበረ ኢኮነሚ ዕንወት) ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ዘለዎ ገለልተኛ ሳልሳይ ወገን ተፀብፂቡ߹ ተሰኒዱ ናይቲ ውሳነ ዋና መረዳእታ ኮይኑ ክቐርብ ምግባር እዩ፡፡ እዚ ብዘተኣማምን ንምክያድ ናይቶም ናይ ደገ ሓይልታት ኣመሪካ߹ ሕቡራት መንግስታት ድርጅት߹ ናይ ኣሜሪካ ሕብረት ናይ ኣውሮፓ ሕብረትን ሃገራትን ስምምዕነት ድጋፍን ይሓትት እዩ፡፡

እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ኢኮነምያዊ ጉድኣት ፈሊጦም ገፊሕ ናይ ማሕበረ ኢኮነምያዊ ሕውየት (socio economic reconstruction) ትልሚ ንኽወፅእ ክሕግዙና ኣለዎም፡፡ እንተነኣሰ ኣብቶም ናይ መፈለምታ ውሑዳት ዓመታት እቲ ጉድኣት ሐዚ እውን ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ብዘለዎ ሳልሳይ ወገን ተፀኒዑ ንውሳነ መበገሲ ክኸውን ክግባር ኣለዎ፡፡ እዚ እውን ብዘይካ ናይቶም ናይ ደገ ሓይልታት ሰናይ ፍቓድን ተሳትፎን ኣይኸውንን፡፡ ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ተደላዪ ናይ ገንዘብን ማተርያልን ሓገዝ ዝህቡ ንሳቶም እዮም፡፡

ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ማለት እውን ብናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ስምምዕነት ይኹን ወይ ካብ ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ስምምዕነት ወፃኢ እውን ህዝቢ ትግራይ ብናይ ባዕሉ ነፃ መረፃ ናይ ባዕለይ ነፃ ሃገርን መንግስትን ክምስርት እየ ኢሉ ብህዝበ-ውሳነ እንተድሚፁ ኣብ መወዳእታ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ፡፡ ብዘይካ እዙይ እተን ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ዝኾና መንግስታት (states) ኣባል ኮይንና ተቐባልነት ኣይነረክብን፡፡ እዙይ ዘሰዕቦ መዘዝ ድማ ካብ ሰሜን ሶማልያ ተማሂርና ኢና፡፡ ስለዚ ናይዚ እውን ምስቶም ዝተብሃሉ ዓለም ለኻዊ ሃገራት ድርጅታትን ፅቡቕ ርክብን ንመፃኢ ውሳነና ኩነታት እናመቻቸኻ ምፅናሕን የድልየና፡፡

ስለዚ ምስዞም ዝተጠቐሱ ናይ ደገ ሓይልታት ዘለና ዝምድና መሰረታዊ ዕላማናን ድልየት ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከየቕረብና ምስኣቶም እውን ከይተብኣስናን ከይተቆራረፅናን ዕላማና ክነማልእ ንቃለስ ዝብል ብጣዕሚ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ኩሎም እቶም ናይ ደገ ሓይልታት ተመሳሳሊ መበገስን ድልየትን ወይ እውን ዝተመጣጠነ ተቓውሞ ኣብቲ መሰልና ንምርግጋፅ ንገብሮ ቃልስን የብሎም፡፡ ናይዞም ኣካላት መበገሲኦምን ድልየቶምን (ብሄራዊ ጥቕምና ዝብልዎ) ኣለሊኻ ንመበገሲኦምን ድልየቶምን መሰረት ዝገብር ምስናትና እምነትን ድልየትን ዘይጓነፅ ተጠዓዒሙ ክኸይድ ዝኽእል ምዃኑ ብቐፃልነት ምርዳእን ናይ ፖለቲካውን ዲፕልማስያውን ስራሕና ዋና ትኩረት ዝወሃቦ ጉዳይ ክኸውን ይግባእ፡፡

ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገለፀ እዞም ወሰንቲ ዓለምለኻዊ ሓይልታት ብቐዳምነት ኣሜሪካ ካብኡ ቀፂሉ ድማ ናይ ኣፍሪቃ ሕብረት፣ ጎረባብቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት፣ ናይ ኣውሮፓ ሕብረት ቻይናን ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ሃገራትን ዘለና ዝምድናን ኩነታትናን ብቐፃልነት ክርድኡን ኣብ ጎንና ክስለፉን ምግባር ካብ ናይ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ራዳርና ክስወር ዘይብሉ ጉዳይ እዩ፡፡ ኣብዚ በብግዝይኡ ነቲ ኩነታት ዝስማዕማዕ መደባት እናወፀሉ ዝትግበር ኾይኑ ከም መሰረታዊ ኣንፈት ክንክተሎ ዘለና ጉዳያት ግን፡-

ሀ. መሰረታዊ ዕላማና ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ዕድል ባዕሉ ናይ ምውሳን መሰሉ ኣብ ዝኾነ ግዘ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይወርድ ዘይደራደረሉ ጉዳይ ይኸውን፡፡ እዚ መሰረታዊ መሰል ህዝብታት ብሕጋውን ዓለም ለኻዊ ተቐባልነት ብዘለዎ መስርሕን ንኽፍፀም ብወገንና ክግበር ዘለዎ ንምግባር ድልዋት ምዃና ምግላፅ፡፡ 

ለ. ህዝበ-ውሳነ ንምክያድ እቶም ናይ ደገ ሓይልታት እኹል ግዘ መዲቡ ሕጋዊ መስርሕ ተኸተሉ እዮም ዝብሉ፡፡ ኣብቲ ግዘ ንሳቶም ፖለቲካዊ ስራሕ ንክሰርሐሉ ይሓስቡ እዮም ኢልካ ምግማት ይግባእ፡፡ እቲ ግዘ ምዝርራብ ይከኣል እዩ፡፡ ተዘራሪብካ ናይ ግዘ ምስትኽኻል ከም ዝከኣል ከምዘሎ ኾይኑ ብኣንፃር እዙይ እንተዘይገይርና ህዝቢ ትግራይ ከጋጥሞ ዝኽእል ቐፃላይ ፀገም ኣንፃር እቲ ዝግመት ግዘ እውን ነዊሕ ኣይኮነን፡፡ እቶም አቐዲሞም ብዝበለፀ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጥሕሰት ብዓለም ለኻዊ ኣብ ምፅራይ ዝበፅሐ ኢኮነምያዊ ዕንወት ምፅብፃብን ናይ ዳግመ ህንፀት ፕሮግራም ተቆሪፁ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕን ኣብ ውሽጥና ንገብሮም ካልኦት ምድላዋት እውን ዘድልየና ግዘ ሓሲብካ ንሕና ከይተጠቐምናሉ ንሳቶም ጥራሕ እናተጠቐምሉ ዝባኽን ግዘ እውን ኣይኮነን፡፡ ስለዚ ንውሕ ዝበለ ናይ ሽግግር እፎይታን ግዘ ሃቡ ኣይንህብን ብዝብል ምስቶም ዓለምለኻዊ ሓይልታት ክንበኣስ የብልናን፡፡

ሐ. ኣብዚ ዝሕሰብ ናይ ሽግግር እዋን ኩሎም ናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየትን ብኣግባቡ ተሓሲቡሎም መደብ ወፂእሎም ብዝለዓለ ብቕዓትን ተሳትፎን ህዝቢ ትግራይ ክፍፀሙ ምግባር ይግባእ፡፡ እዙይ ማለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ሰብኣዊ በደላት ማሕበረ ኢኮነምያዊ ዕንወት ብዓለምለኻዊ ሳልሳይ ኣካል ተፀኒዑ ተፀብፂቡ ንውሳነ ግብኣት ክኸውን ምግባር፡፡ እዚ ፅንዓትን ፀብፃብን መሰረት ዝገበረ ናይ ዳግመ ህንፀት ፕሮግራም ተሰሪሑ ተቐባልነት ክህልዎ በዚ መሰረት ስራሕ ክጅምርን ምግባር፡፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራት ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገም ናይ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ብስፍሓትን ዕምቆትን ምፍታሽ ጉዳይ ምንቅስቓስ መንግስቲ መሓውራት ምጥንኻር ብጠቅላላ ናይ ማሕበረ ኢኮኖሚ ልምዓትን ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትን ናይ ህዝቢ ትግራይ ድልየትን ባህግን ብዘርዊ መንገዲ ምጅማር የድሊ፡፡ እዚ ማለት ህዝቢ ትግራይ ዝቕበሎ ምዕሩይ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ምጅማር ማለት ይኸውን፡፡

መጠቓለሊ

ሐዚ ኣብ ኲናት ኢና ዘለና፤ ሐዚ እንተዘይኮነ እውን ድሕሪ ዝተወሰነ ውግእ ናይ ሰላም ዝርርብ ምምፅኡ ኣይተርፍን፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናትን ዝወረደ ወፅዓን ካብ መፀ ናብ ፀጋ ንቐይሮ፡፡  እዙይ ንምግባር እቲ ዋና ኣንፈት ኣብ ትግራይ ምዕሩይ መንግስቲ ንምህናፅ ከም መበገሲ ንወስዶ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ዘርኢ ናይ ምንፃት ኲናት ብዘይ ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ከም ህዝቢ መኪትዎ እዩ፡፡ እዙይ ኣብ ታሪኽ ናይ ህዝብታት ሓለሓሊፉ ዘጋጥም ፍፃመ እዙይ ንቐፃላይ ድልዱል ፖለቲካዊ ሕብረተሰበ ንምፍጣር ከም መበገሲ ንወስዶ፡፡

ካብቲ ሐዚ ዘለናሉ ኩነታት ተበጊስና ክንርእይ ከለና ናይ ህዝቢ ትግራይ ባህጊ ህልውናና ኣረጋጊፅና ብቐፃልነት እናማዕበለ ምኻድ እዩ፡፡ እዙይ ናይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ባህግን ድልየትን እውን እዩ፡፡ እዙይ ብቐፃልነት እናዓሞቆን እናደልደለን ዝኸይድ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆን ዝተስማዕመዐሉን ናይ ምሕደራ ስርዓትን ኣንፈትን መሰረት ዝገበረ ካብ ውሽጢ ትግራይ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ከመፅዎ ዝኽእሉ ተፃብኦታት ተኸላኺሉ ሰላም ዘስፍን ስርዓት ክህልዎ ይግባእ፡፡ እዚኣቶም ዝተኣሳሰሩ ስለዝኾኑ ተነፃፂሎም ኣብ ተግባር ዝውዕሉ ኣይኮኑን፡፡

ህልውናናን ሰላምናን ዝረጋገፅ ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ቅሳነትን ቀፃልነትን ብዘለዎ ኩለመዳያዊ ምዕባለ እዩ፡፡ እዙይ እናደልደለን እናሰፍሐን ብዝኸዶ ቁፅሪ ውሽጣዊ ፀገማትና ብቐሊሉ እናተፈትሑ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ኩሉመዳያዊ ፀገማት ናይ ሕመቕና መበገሲ ምዃኖም ይንክዩ ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ወፃኢ ዝመፀና ተፃብኦን ሓደጋን ብዝተሓባበረ ቅልፅምን ዓቕምን ንምምካት ዝተመቻቸወ ኩነታት ይፈጥረልና፡፡ ሐዚ ኣብ ከቢድ ኲናትን ዕፅዋን ኢና ዘለና፡፡ ዋና ትኩረትና ሐዚ እቲ ገጢሙና ዘሎ ናይ ኲናትን ዕፅዋን ሓደጋ ከመይ ንፈትሖ እዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ እዚ ሐዚ ብዘለና ኣወዳድባን ኣመራርሓን ዝግበሩ ምምሕያሻት እናገበርካ ብዝሓፀረ ግዘ ኣብ ምውዳእ ክነተኩር ይግባእ፡፡ ሐዚ ብዝኾነ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣመራርሓን ኣወዳድባን ብጠቕላላ ኣፍሪስና እንደገና ሓዱሽ ኣመራርሓን ኣወዳድባን ናብ ምፍጣር እሞ ኣብ ከቢድ ኲናትን ዕፅዋን ኮይና እዙይ ንምግባር ምዕላም ዝጠቅም ኣይመስለንን፡፡ እዙይ ማለት ግን ሐዚ ዘሎ ኣመራርሓን ኣወዳድባን መሰረት ገይርካ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ክኸውን ዝግበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወዳድባን ምፅፋፍ ኣይገበር ማለት ኣይኮነን፡፡ ብሓፂሩ ነቲ ተሰሪሑ ኣዕቂልናሉ ዘለና ገዛ ኣብ እዋን ክረምቲ ኣፍሪስና ክነዕርዮ ኣይንፈትን፡፡ ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ክግበር ዘለዎ ምትዕርራይ ግን ንግበር እየ ዝብል፡፡  

ኣብ ውሽጥና ውሽጣዊ ሰላምናን ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትናን መሰረት ገይርና ብቐፃልነት እናማዕበለ ዝኸይድ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ልምዓት እናመዝገብና ተስፋና እናለምለምና ብሩህ ተስፋ ከምዘለና ብጭቡጥ እናረኣና ክንከይድ ከለና ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ ህዝብታት እናደለዩና ዝኸዱ ክበዝሑ እዮም፡፡ እቶም ናይ ቀረባ ጎረባብትና ከማና ክኾኑ ይደልዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀስ ብቀስ ክፃመዱና ክሕወሱና ክደልዩ እዮም፡፡ እቶም ናይ ርሑቕ ጎሮባብትና ድማ ምሳና ናይ ምዝማድን መስራሕን ድልየቶም እናወሰኸ ክኸይድ እዩ፡፡ እዚ ንህልውናና ምርግጋፅን ምድልዳልን ብካሊእ ኣገላልፃ ሰላምና ዝበለፀ ውሑስ ክኸውን ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ዕብየትና ብቐፃልነት ክድንፍዕ ኩሎም እዚኦም ድማ ናይ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ህንፀትና ሰራውሩ እናበዝሑ እናገወደ ክኸይድ ምቹው ኩነታት ይፈጥሩ፡፡

መብዛሕተኦም እዞም ተገሊፃም ዘለው ጉዳያት እቲ ሕዚ ተተሒዙ ዘሎ ኲናት ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ምዝዛምን ናብቲ ቀፃላይ ናይ ህንፀተ መንግስቲ (state building) ከመይ ይኣቶ፣ከመይ ይተኣሳሰር ተባሂሉ ክሕተት ይግባእ። ሓደ እቶም ዝበዝሑ ስራሕቲ ሕዚ ውን እቲ ኲናት ንምክያድን ብዓወት ንምዝዛምን ግድን ክንሰርሖም ዘለና ስራሕቲ እዮም። ንኣብነት ንቲ ናይ ድሕንነት መሓውራት ዝምርሕሉ ንፁር ፖሊሲ፣ ስትራተጂን፣መደባትን ምውፃእ ናይ ኣመራርሓ ውሳነ ኣወሃህባ መስርሕ ምንፃር ናይ ህዝቢ ምሕደራ (መብዛሕትኡ ግዘ ናይ ደጀን ስራሕ ኢልና ንፅወዖ፣) ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ምንቅስቓስን ልምዓትን ኩሎም ንንቀሳቐሰሎም ንሰርሖም ኣለና። ብዝተነፀረ ስምምዕነት ዝተበፅሐሉ ኣንፈት ምምራሕ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ይገብሮ።

ካልኣይ እቶም ፀኒሖም ክጅመሩ ተባሂሎም ዝሕሰቡ ንኣብነት ከም ናይ ኢኮኖምያውን ፣ ማሕበራውን መሰረተ-ልምዓት ዳግመ ህንፀት ዝምልከት ውን ናይ ፅንዓትን ንፁር ፕሮግራም ምሓዝን ስራሕ ሐዚ ክጅመር ኣለዎ። ኣብ ተጋሩ ዝበፅሐ ግፍዕን በደልን ኢኮኖምያዊ ዕንወትን እውን ብሐዚ ክፅናዕ ክስነድ ኣለዎ። ነዚኣቶም ኩሎም ዝተወደበ ንፁር ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ምሃብ የድሊ። እዙይ ማለት እንታይ ሽቶ ሒዞም ይሰርሑ፣ ብኸመይ ዝመሰሉ ሰባት ይስርሑ፣ ብኸመይ ዝመሰለ ኣግባብን ውዳበን ይስርሑ፣መኣስ ይስርሑ፣ ውፅኢቶምን ምዕባለታቶምን ከመይ ንቆፃፀሮ ወዘተ… በቲ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክወሃቦም ኣለዎ። እዙይ ድማ ምስቲ ሐዚ ዘሎ ብመሰረታዊ ባህሪኡ ነቲ ኲናት ምዕዋት ዝኾን ስራሕ እናተዛመደ ክምራሕ ይግባእ።

ብድምሩ እዞም ኩሎም ማለት ውን እቶም ሐዚ ውን ግድን ክንሰርሖም ዘለና ይኹን ሐዚ ጀሚርናዮም ቀስ ብቐስ ጊዜ ወሲዶም ናብ ውፅኢት ዝመፁ ስራሕቲ ምስቲ ዋና ዕላማና ማለት ውን ቀፃልነት ዘለዎ ናይ ሰላም፣ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት፣ ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓትን ምዕዋት ነዊሕ ጉዕዞና እናተገናዘቡ ምስዙይ እናተቀናጀው (እናተወሃሃዱ) ክምርሑ ኣለዎም። ስለዚ እቲ ተቐሚጡ ዘሎ ሓሳባት ካብ ሐዚኡ ክጅመር ዘለዎን ቀስ ብቐስ እናደንፈዐ ክኸይድ ዘለዎን ጉዳይ ምዃኑ ምስትብሃል ይግባእ።  

ናብዚ ናይ ቀፃላይ ዝተረጋገፀ ህልውናን ሰላምን ናይ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ልምዓት ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ሃዲድ ንምእታው ንፁር ፖለቲካዊ ኣረኣእያን መስተውዓላይ ኣማታይ ዝተወደበ ኣመራርሓን ወሳናይ ታራ ኣለዎ፡፡ እዙይ ንምርግጋፅ ኩሎም ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ፖለቲካ ፓርትታትን መንግስትን ንፁር መፍለዪ ሃልይዎም እዙይ መሰረት ዝገበረ ምዕሩይ መንግስቲ ብምህናፅ ክረባረቡ ይግባእ፡፡ ምዕሩይ መንግስቲ ፍትሕን ስርዓትን ዝሕሉ ናይ ህዝቢ መሰልን ናይ ሃገር ሉኣላውነትን ዝሕሉ ንሕብረተሰብ ፍትሓዊ ዝኾነ ማሕበረ-ኢኮኖምያዊ ግልጋሎት ዘብፅሕን ቀፃላይ እናደንፈዐ ዝኸይድ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ማሕበረ-ኢኖምያዊ ልምዓትን ዘመዝግብ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ኣብ መንጎ እቶም ፖለቲካዊ ውድባት መንግስታዊ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ፖለቲካዊ ውድድር ኣንፈት ንቶም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ባህግታት ህዝቢ ትግራይ መን ዝበለፀ ይፍፅምን ውፅኢት የመዝግብን ኣብ ዝብል ክኸውን ይግባእ፡፡  እዙይ ንምዕዋት ዋና መሰረቱ ድማ ምዕሩይ መንግስቲ ደረጃ ብደረጃ ምህናፅን እናተሃነፀ እናሰርሐ ውፅኢት እናመዝገበ ምኻድ እዩ፡፡

ትግራይ ትስዕር!!

የቐንየለይ

By aiga

3 thoughts on “ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ”
  1. ከኤርትራውያን ጋር ሀገረ አግአዝያን እንመሰርታለን የሚሉት የትግራይ ተወላጆች ፈፅሞ የሉም ይህን የሚደግፉ የትግራይ ተወላጆች ከኤርትራውያን ጋር የኢኮኖሚያዊ ና የጋብቻ ትሥስር ያላቸው ብቻ ናቸው፤፤በጦርነቱ ልጆቻቸውንና ወላጆቻቸውን ያጡ አርሷአደሮች ተጋሩ ሁሉም ኤርትራውያን በአይናቸው ማየት እንኳ አይፈልጉም፥፥የደርግ ዲቃላ ፥የነፍጠኛ ርዝራዥ፥ሻዕቢያ ፤የኤርትራ ሞስሊም ወዘተ እያሉ የፈጠራ ስም በመስጠት የጥቂቶች ተጋሩ አስተሳሰብን በመላው የትግራይ ሕዝብ ላይ ለመጫን መሞከር የአምባገነንነት ማሳያ ነው፤፤ኤርትራውያን ጆኖሳይደሮችን የዘነቀ ሀገረ ኣግኣዚ የሚባል መንግሥት ና ፓርቲ ትግራይ አትፈልግም፤፤

    Some tigrayans who are intermarried , tied a knot , with Eritreans, and those who have established commercial interest with Eritreans are stuttering everyday about new governing system in Tigray nicked named Hagere Agazian(ሀገረ አግአዝያን). These wicked and dictators are hell bent on smearing, insulting, bullying and defaming any one who challenged them by naming him or her ” neftegna, offspring of shabiya, eritrean muslim who don’t want or can’t integrate with agazian etc .
    Tigrayans in Diaspora can’t entertain diverse and various ideas but insist on imposing their notion on the majority. Dicatorship became a long standing tradition among politicians in Tigray. Stop imposing your evil views on peasanst of Tigray who have lost their children, parents, and religious leaders by genociders , eritreans.
    You have your family in abroad without suffering, hunger and massacre and you want to decide future of Tigray .

  2. Do not talk about 11 million people who do not know you. Agazian is not Eritrean Agazian is original Tigean identity and has nothing to do with Eritrea. Both your Ethiopia and Eritrea are fake. Keep your illness in you.

  3. Thank you so much General Tsadikan for using Tigrignea to write. Others has refused to listen and they are still writing in Amharic for Tigrean audience. We asked them to abandon Amharic as colonial weapon against Tigray. We told them Amharic and Orthdoox are the soft weapons Amhara used to destroy Tigray. But some idiots has refused to listen. Withe these deaf idiots, moving Tigray for forward is going to be a challenge.

Comments are closed.