ሎሚ መዓልቲ ዕለት 18 ጥሪ 2015 ዓ/ም እዩ።ኣብ’ዛ ዕለት እዚኣ፡ቕድሚ 136 ዓመት ድማ እቲ ዓርሞሻሽ ዝኰነ ታሪኻዊ ኲናት ዶግዓሊ ዝተፈጸመሉ ዕለት እዩ።

ኣጋጣሚ ኣብ ጥቓ ቤት ማሕተም ዶግዓሊ ተወሊደ ዝዓበኹ ግዲ ኰይነ- ነዛ ዕለት እዚኣ ካብ መቃን ጊዜ ቊልዕነተይ ኣትሒዘ፡ክትዝከርን ክትኽበርን፣እናሻዕ እዝክር እየ።

ንሎሚ ብዛዕባ ዝኽርታተይን ጦብላሕታይን ክገልፅ ኣይኰንኹን ተበጊሰ ዘሎኹ።እንታይ ደኣ ሎሚ ቕነ ሓደ ተመራመርን ጸሓፍን ዝኰነ ሓውና፡ ንሓንቲ ታሪኻዊ ፅሑፉ ርእይቶ ክህበሉ ኢሉ እታ ዓንቐጽ ለኣኸለይ እሞ ደጋጊመ ነበብክዋ።

ኣብ’ቲ ታሪኽ ወልቃይት ዝብል ኣሎዎ።ብተወሳኺ ኣብ መስርሕ ምድላው መዝገበ ቃላትን ምርምርን እጃሙ ዝገበረ ጃንደረባ ተወልደመድህን ዘተኰረ  ፅሑፍ ብምኳኑ ምስ ስድራ እንዳ መምህር መንገሻ ብሩ ወልቃይቴ ንእለቱ ኣተሓሓዝኽዎ።

ኣጋጣሚ ኰይኑ ድማ ትማሊ ሰሉስ፡ንኽልተ ደቂ ደቆም ንመምህር መንገሻ ብሩ ተራኺበ ብምንባረይ ካልእ ድርኺት ስለ ዝፈጠረለይ።

ኣብ መጋርያ ወግዕና፡ ንስእሊ ጃንደረባ ተወልደመድህን ካብ ቦርሳይ ኣውፅእ ኣቢለ ኣርኣኽወን ንሓንቲኣን ሓረግ ሰረተ ትውልዶም ዝኰና።

 ስሞም ኣልዒለ ከውግዕ ከለኹ ከምቲ ዝድለ ፍጥነት ኣይዘከርኦምን ነይረን።ግን ኣብ 90ታት ዝረገጻ ኣዴታት ብምዃነን ግድን ስእሊ ከርእየን ተቐሰብኩ።ስእሊ ናይ ባዕሉ ሓይልን መልእኽቲ ስለ ዘሎዎ።

ብቕንፍፅ ድማ እታ ስእሊ ብዘርኣኽወን “ዓቢይ ኣባሓጐና ኢዮም!” በላኒ ማማ ዉቢት።

ኣነ ድማ “እወ፡ሓቅኽን ኢኺን።ኣብ ፈረንሳይን ጀርመንን ኣሳእሎም ይርኸብ እዩ።እንተኰነ ሰባት ምስ ስእሊ ሃለቃ ታዬ ኰነ ምስ ካልኦት ስመ ግኑናት 18 ክፍለዘመን የተሓዋውስዎ እዮም።” በልኽወን።

ሎሚ ድማ ኣብ ሕልናይ ኲናት ዶግዓሊ ትዝ በለኒ።እሞ ኸኣ መምህር መንገሻ ብመንነቶምን ሃገራዊ ኣረኣእይዎምን ልሉይን ጥሙትን እዮም ዝነበሩ።

ኣብ ግዜ ንእስነቶም ጥልያን ኣብ 1885 ዓ/ም/ፈ ኣብ ምፅዋዕ ወይ ባጽዕ እግሩ ክረግጽ ከሎ ብዓይኖም፡ኣብ ማዕዶ ኰይኖም፡ካብ ዝረኣዩ ደቂ ሓበሻ ሓደ እዮም።

ብተወሳኺ ድማ ኲናት ዶግዓሊ ክኻየድ ከሎ ኣብ ቤት- ትምህርቲ ምጽዋዕ ብምንባሮም፡ንተምሃሮ ኣኺቦም መግለጺ ሓጐሶሙን ተድላኦምን ገለፁ።እቲ መግለጺ ሓጐስ ኢሎም ዝገብርዎ ዕልልታን ጨብጨባን ድማ ንወደባት ከተማ ባጽዕ ሂር ስለ ዘበልዋ-ንጣልያውያን ኣቆጥዖምን ኣነደሮምን።ኣብ ዓይኒ መንግስቲ ጥልያን ብምእታዎም ኸኣ ተኣሲሮም እዮም።

ግን ሽወደናውያን መልእኽተኛታት “ናትና ሰብ እዩ!” ኢሎም ስምዕታ ብምእታዎም ክወጹ ገይሮሞም እዮም።

እዙይ ኲነታትን ዓወት ኲናት ዶግዓሊ ተሓዊስዎ ኸኣ፡ኣብ ማህደር ልቦም ፍሉይ ሃገራዊ ፍቕርን ስምዒትን ከም ዝሓደሮም ዝፍለጥ’ዩ።

ነዚ እዩ’ውን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብምምጻእ፡ኣብ ዓውደ ሞያ ምምህርናን ቤት ማሕተምን ክሳተፉን ክዓዩን ዝተርኣዩ።ታሪኽ ድማ ሰሪሖም ሓሊፎም እዮም።

መምህር መንገሻ ብሩ ወልቃይቴ ኲናት ዶግዓሊ ፍሉይ ጦብላሕታ ኣሕዲርሎም እዩ።ንሓርበኛታት ደቂ ሓበሻ ብፍላይ ንኣሉላ ኣባ ነጋ ድማ ፍሉይ ኽብርን ኣድናቆትን ክሓድሮም ክኢሉ እዩ።

ንሎሚ ብዙሕ ኣይተዳለኹን እየ።ግን ታሪኻዊ ኲናት ዶግዓሊ ነቲ ስመ ግኑን ኣፍሪቓዊ ጀነራል ኣሉላ ኣባ ነጋ ብመገዲ ዓቢይ መምህር መንገሻ ብሩ ክዝኽሮ ተደሪኸ ኣሎኹ።

ብኢድ ዝተጻሕፈ ታሪኽ መንገሻ ብሩን ወላዲ ኣቡኦም ብሩ ወልቃይቴ ብምርኻበይ ንፈጣሪ ዓለም እናመስገንኩ።

ንተመራማሪ ታሪኽ ዝኰነ በረኸት ሓውና ድማ ታሪኽ ጃንደረባ ተወልደመድህን ኣንቢበ ርእይቶይ ክህቦ ዕድል ስለ ዝሃበኒ፡ኣዳቂቐ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ታሪኽ ጃንደረባ ክፈልጥ በሪ ስለ ዘርሓወለይ ከመስግኖ እፈቱ።

ንእግረ መንገደይ ድማ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ቤት ማሕተም ኤርትራ፡ኣድሂቡ ታሪኽ ክጸሓፍ ከሎ ኣብ ቤት ማሕተም ኰይኖም ተሳኢሎም ዘሎዉ ኣቦ፡መምህር መንገሻ ምኳኖም እቶም ፈላምን ታሪኸኛን ሰብ ምኳኖም ክእንፍት እረድይ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተኰነ ታሪኽ ዘመናዊ ኣብያተ ሕትመት ክለዓል ከሎ ስም መምህር መንገሻ ብሩ ክለዓል ኣይስማዕን እዩ፤ኣይትረኽን እውን ዘሎ።ቂም ንጉስ ሃይለስላሴ ዘንቐዶ ሓደ ምኽንያት ምኳኑ ኣብ ቐረባ ዓመታት ክርዳእ ክኢለ ኣሎኹ።

ግን ንሶም ታሪኸኛ ሰብ እዮም።ኣብ ታሪኽ ቤት ማሕተም ንሶም ዘይብሉ ታሪኽ ክጸሓፍን መጽሓፍቲ ክሕተምን ብዙሕ ሳዕ ተዓዚብና ኢና።ኣንቢብና ኢና።

ታሪኽ ግን ታሪኽ እዩ።ሕድገት የብሉን እዩ።ስለዚ፡ግቡእ ስሞምን ታሪዀምን ክጸሓፍን ክስነድን ይግባእ በሃሊ እየ።

ኲናት ዶግዓሊ ንብዙሓት ኣበራቢሩን ሓቦ ኣስኒቁን እዩ።ብዙሕ ዋጋ መስዋእቲ ተኰነ ተኸፉሉሉ እዩ።ካልእ ግዜ ኣብ ኲናት ዶግዓሊ ዝተሰውኡን ታሪኽ ዝሰርሑን መሪጸ ከቕርብ ክፍትን እየ።

ንሎሚ ግን “ጅግንነት ኣሉላ ኣባ ነጋን ሰራዊቱን ‘መንፈስ ኣይንግዛኣን ኢና’- ኢሎም ዝሰርሕዎ ታሪኽን ዝፈጸምዎ ጅግንነትን፡ኣብ ሓሽከት ወለዶታት ከም ዋርሣ ዉርሻ ኰይኑ ይቕጽል ብምህላው፡ህልውን ወድዓውን ኲነታት ህያው ኣብነት እዩ።” ክብሉ ፈላጣት ዓውደ ታሪኽን ፖሎቲካን የውስእዎ እዮም።ነዚ ዝርዕምዎ ድማ ብዙሓት እዮም።

መምህር መንገሻ ብሩ ድማ ኣብነታዊ ኣቦን ታሪኸኛን ሰብ ብምኳኖም፡ ነቲ ታሪኻዊ ኲናት ዶግዓሊ ኣብ ባጽዕ ኰይኖም  ብዓይነ-ሥግኦም ተኸታቲሎሞ-ሲ፡ክሕጐሱን ብዕልልታ ከንጨንጭቡን ቐሲብዎም እዩ።

ጅግና ተሞተ ጅግንነቱን ታሪኹን ግን ከቶ ኣይመውትን እዩ።

ኲናት ዶግዓሊ ድማ ሓደን ቀላስን ኣብነት እዩ።

ኣብራሃም

By aiga

4 thoughts on “ኲናት ዶግዓሊን መንገሻ ብሩ ወልቃይቴን”
  1. ሰበር ዜና:- ህዝባዊ ትግል ተጠራ! ማስጠንቀቂያ ተሰጠ/ የልዩ ኃይሉ ጭፍጨፋ እና ድብቅ ሴራ – ንሥር ጥር 20/ /2015 #ebc #ethiopianews

    watch it youtube channel named “ንሥር ብሮድካስት / Today’s programme , on 28/01/23, you will see comments like “አማራ ክተት መክት አንክት።” They are still waging war !

  2. ተጋሩ ምስ ነፋሒቶ ነፍጠኛታት በኃባር ሰልፊ ክወጹ ተራኢዮም፤፤ ተጋሩ ብሽም ሓንቲ ሲኖዶስን ሃይማኖትን ንናይ ነፍጠኛ ሥርዓት ክጣበቑ ምርዓይ ዘሕዝን እዩ፤፤ሕዝብና ብሥዓን ቀረብ መድሃኒትን ጥምየትን ይመዉት እዩ ዘሎ፤፤ብመኪና ክገዩሹ ካብ መረበቶም ዝወፀጹ ሕዝብና አብመንገዲ ብዕጡቃት ፋኖ ይቅተሉ እዮም ዘለዉ፤፤ረብሓ ትግራይ ረብሓ ሕዝብኹም ጥራይ ግበሩ፥፥ምስ ሰረቕቲ ጋኔን ሰሓብቲ አይትተሓባበረ ደቕና ደቒ ተጋሩ እናበልና ንምሕፅነኩም፥፥

    It is unbiblical to prohibit a bishop not to obtain aburial place in his own birth place and to incite his own people against their leaders. It is shameful law and disgraceful leaders who twist biblical and religious laws for their own advantage. if you can stay away from this politics of neftegna hiding himself in the church if not support the oppressed people of Oromo .NO more Neftegna in Tigray church!!

  3. የትግራይ ኦርዶቶክ ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን አባቶች ና ምዕመናንን ይቅርታ ለመጠየቅ ወደ ትግራይ ሊያቀኑ ነው የተባሉት የነፍጠኛው ሲኖዶስ አባላትእነርሱ በባረኩት እና የገንዘብ ድጋፍ ባደረጉለት (ስንቅ በሰነቁለት ሰይጣናዊ ጭፍራ) የጅምላ ዕልቂት በቤተክርስቲያናችን ና ምዕመናኗን ላይ ብቻ ሳይሆን መላው የትግራይ ሕዝብ ከሕፃናት እስከ አረጋውያን የዕልቂቱ ሰለባ የሆኑበት ነው ፥፥ቤተክርስቲያናትና ገዳማት ብቻ ሳይሆኑ መስጊዶችም እንዲቃጠሉ ተደርገዋል፥፥ስለሆነም ሃይማኖትም ሆነ የፖለቲካ አመለካከታችንን ሳይለዩ ሁሉንም ትግራዋይ ይቅርታ መጠየቅ እና የተበደለው ሕዝብ መካስ አለባቸው፥፥የሰረቁትን የከበረ መስቀል፤ጥንታዉያን የብራና መፃሕፍትን፥ ሌሎች የሕዝቡ መገልገያ የሆኑ የግልም ሆነ የትግራይ መንግሥት ንብረቶችን መመለስ አለባቸው፥ ሲታጠቡ እስከ ክንድ ሲታረቁ ከሆድ(ከልብ)እንደሚባለው ተረት(አባባል)ያገቱትን ሕዝብና ንብረት መልሰው፥ ከወረሩት መሬታችን(ምዕራብ ትግራይ ወጥተው)፥የሰረቁትን መልሰው፥የበደሉትን እስላም ክርስቲያን ሳይሉ ካሳ ከፍለው እና ለዚህ ሁሉ ፈቃደኛ ሁነው መሆን አለበት፥፥ከኦርቶዶክስ ተዋህዶ አማኝ ትግራዋይ ጋር በረሀብ ና በጥይት ያለቀው፥ለነፃነት የታገለው ሃይማኖት ሳይለይ ሁሉም ትግራዋይ ስለሆነ ፥ሁሉም ይቅርታ ሊጠየቅ ካስ ሊሰጠዉ ይገባል፥፥ይህ ሲባል ግን ቤተክርስቲያናችን የደረሰባትን መከራ ለማጣጣል አይደለም፥፥ሁሉም ትግራዋይ በትግራዋይነቱ የደረሰበት የጅምላ ፍጅትና የሁሉም ትግራዋይ ተሳትፎ ለማጉላት ነው፥፥አንዳንዶች የሲኖዶሱ አዲሱ ወደ ትግራይ የሚደረገው ጉዞ የወንጌል ቃልን የተከተለ ሳይሆን የአቢይ አሕመድ ትዕዛዝን በማክበር ነው፥፥የነፍጠኛው ሲኖዶስ በመንፈስ ቅዱስም ሆነ በቃለ ወንጌል ሳይሆን በቦለቲካዊ ና ኢኮኖሚያዊ ግቦች የተቃኘ የተስፋፊዎች ስብስብ ለመሆኑ አጠያያቂ አይደለም፥፥ወደ ትግራይ የሚደረገዉ የነፍጠኛው ሲኖዶስ ጉዞ በተስፋፊው የሰሊጥ ነጋዴ ጎንደሬ ሳንሱር ያልተደረገና የማይደገፍ ነው የሚሉም አልጠፉም፥፥ሲታጠቡ እስከ ክንድ ሲታረቁ ከሆድ(ከልብ)እንደሚባለው ተረት ከልባቹ ከሆነ ያገታችሁትን ትግራዋይ የወሰዳችሁትን መሬት መልሱ ፥ስላወደማችሁት ንብረት ና ላደረሳችሁት አካል ጉዳት ካሳ ስጡ፤፤ልትገድሉና ልትዘርፉ መጥታቹ ባዕድ ሠራዊት ታክካቹ(ታካቹና ታዝላቹ)መጥታቹ ስታበቁ የአማራ ክልል ስለወደመ ይቅርታ ልንጠየቅ ይገባል ትላላቹ፤፤ብልፅግና የትግራይ ሠራዊት እርምጃን ለመግታት ሲል እነርሱን አገኘሁ ብሎ የናንተን መሬት በድሮን እና ከባድ መሣሪያ ህውሃት በልግስና የሠጣችሁን ክልላችሁን አዉድሟል ስለሆነም ደረሰብን ስለምትሉት ሁሉ አቢይንና ካቢኔውን ብሎም የራሳችሁን መሪዎች ተጠያቂ አድርጉ፤፤በክልልቹ ለደረሰዉ ሁሉ የራሳችሁን ተጠያቂነት እንዳለበት እንዳትዘነጉ ስንል እናበክራለን እንመክራችሗለንም፥፥ ለስልጣን እና ለገንዘብ ሲል ምዕመናኑን አልቅሱ፥ማቅ ልበሱ፥ለሰማዕትነት ተዘጋጁ እያለ ሽብር የሚነዛዉ ማህበረ ቅዱሳን ተብየዉ አሸባሪ እና ሆድ አደሩ የሲኖዶሳቹሁ አባላትና መሪዎችን ልብ ይስጣቸው፥፥አ።።።።ሜን!!!!!!!!!!!

Comments are closed.