ሓሞት ወይስ ኣዶ?

 ኻበይ ይውለድ ጀግንነት

ኻብ ተሽከሞካዮ ፆር ኽብደት

ብረት እንተዘይኾነስ ኢስብኣዊ ውርደት::

ኻብ ዝብላዕ ምስኣን ጥምየት

ኻብ እርቃን ድኽነት

ኻብ ዐልየት ጭቆና ባርነት

ምሕሮ የለ ዕድገት

ሕክምና ኣልቦ ሞት ድንገት::

ጀግና ኣቦ ኣይብሉን ኣዶ

ሓሞት የብሉን ዘንድዶ

እኻዳኣ ሓቦ ምስነደዶ::

ብረት ንኽእጠቅ ዝግደድ

ኸሳድድ ንኽሳደድ

ኽድይብ ንኽወርድ

ኽፋሗኽ መሬት መሬት

ፀላዒ እንትገጥሞ ፊት ንፊት

መዳፍዕ እንትውርወር ንቅድሚት:

ቡምባታት እንትባራዕ

ሓዊ የማን ፀጋም እንትባላዕ:;

መሬት ስማይ እንትደባለቅ

ልቢ እንተንፈርፍር እንትጭነቅ

ኸምጨጎራ ንቅድሚት  እንትፋሗኽ

ንድሕሪት ወይ ፈንትኽ::

ቆላሗ እንትብል ኽዝክር 

እንታይ ኣሎ ተገደፈ ብድሕሪት ዘይችግር

ለካስ ኣለኹ እናበለ ጠጠው ኢሉ ሞት 

ሞትንሞቱ መረፀ ናይፀላኢ ጥይት::

ዘሊሉ ትጠጉግ

ዓሣ ኸምዝረኣየ ዐንጉግ::

ለካስ  ተዋጋእቲ ኽልተ ኣይነት

ሓደ ብዱል ቆራፅ ንኽመውት

ሓደ እሱብ እጡቅ ንኸብዱ ዝዘምት::

ብረት ትሽኪምካ 

ዙራፍ ተፈከርካ

ሕደግ ኣይፋልካን:

ተጋጊኻ ኣይኾንካን::

ጀግና ተወለደ

ሓቂ ምስነደደ

ፍትሒ መንሚኑ ምስንጎደ

ናብራ ምስኸበደ

ኣማራፂ የለ 

ነቨረ ኣይነቨረ

ሞት ኣብ ጎኑ ምስዓስለ

ጀግና መሗለ

እናዐለለ ነቀለ

ደሗን ኹኑ በለ::

ያሬድ ሑልፍ

By aiga