ገብረእዝጋብሄር ገብረጻድቕ፡ኣብ ዓዲ-ግራት ተወሊዱ።ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተኽለሃይማኖት (ጫካ ሰፈር) ክነብር ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ዕለት  13 ታሕሳስ 2015 ዓ/ም፡ብሞት ተፈልዩ ኣሎ።

ንሱ፡ብግጥምታት መምህር ግርማይ ልዕሊ 120 ደርፍታት ዝደረፈ ወናም ከራሪ እዩ ነይሩ።ዜማታት ደርፍታቱ ዳርጋ እቲ ዝበዝሕ ናቱ’ዩ።

ገብረእዝጋብሄር ኣብ ጊዜ ቁልዕነትና
“ሃሎ ሃሎ እናበልኩ፡ገንዘበይ ወዲአዮ፡በጃኺ ፍቕረየ…
   ሃሎ ሃሎ እናበልኩ፡ስርሐይ ረሲዔዮ፡በጃኺ ፍቕረየ…”

ወዘተ እናበልና ደድሕሪኡ ክንደርፍ ዝቐሰበና ወናም ከራሪ ምንባሩ እዝክር።

“ወናም ክራረይ” ትብል ደርፉ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዳርጋ 40 ዓመታት ኣመና ካብ ምፍታዋ ዝተልዓለ፡ብዙሓት ድምጻውያንን ከረርትን ወይ ደጊሞም ክደርፍዋ ወይ ድማ ኣምሲሎም ከዚይሙን ክገጥሙን ተዓዚብና ኢና።

ኣብ ከተማ ኣስመራ እታ ናይ ህቡብ ስነ ጥበበኛ መምህር ተወልደ ረዳ ዝነበረት ቤት ሙዚቃ “ያሬድ ሙዚቃ ቤት” ዝነበራ ዕዳ ከፊሎም እታ ስም ሒዞማ ብምንባሮም፡ኣብ ኣፍደገ እታ ቤት ሙዚቃ ደድሕሪ ደርፍታት ክንደርፍ ሎሚ ኰይኑ ይረኣየኒ እዩ።

ኪሮስ ኣለማየሁ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ክራሩ ቕያር ሒዝካ ምድራፍ ልሙድ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን እኒ ኣማኑኤል ኤልያስ፡ፀጋልኡል ኪሮስ፣መርከብ ገብረኺዳን ይሕግዝዎን ይተሓባበርዎን ምንባሮም ታሪኽ ይሕብረና’ዩ።

ንሱ ድማ ክራሩ ንገብረእዝጋብሄር “ተካእየይ ኢኻ” ኢሉ ክራሩ ከም ዝገደፈሉ መሰካኻክር የዘንትዉ እዮም።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሩ ክትሳተፉ እትደልዩ ተሃልይኹም፡ኣብ ኣስኰ (Asko) ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቐትሪ (ወይ ድማ 7 ሰዓት ብናይ ሓበሻ ኣቆጻጽራ) ምኳኑ ክሕብር እፈቱ።

ጽንዓት ንኹሉ ቤተሰብን መቕርቡን ኰነ ኣድነቕቱን።

By aiga

2 thoughts on “ዜና ዕረፍቲ፥ ዉሩይ ከራርን ድምጻውን ገብረዝጋብሔር ገብረጻድቕ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ!”
  1. ናይ ሓውና ነፍስ ይምሓር ፥ንስድርኡን ነፈተውቱ ኩሉ ፅንኣት ይሃቦም

Comments are closed.