ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ማልት

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ’ሰላም ንኹሉ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ዘዳለወቶ ቀልቢ ብዙሓት ዝሰሓበ ውቁብ ካርቫል ስምምዕ ሰላም ዝድግፍን ቀፃልነቱ ንክረጋገፅ ፃውዒት ንምቕራብን ዝዓለመን ነይሩ።

ንሕና ተጋሩ እቲ ስምምዕ ሰላም ፤ንክልተ ዓመት ክካየድ ዝፀንሐ ነዊሕ ደማዊ ኲናት ደው ኣቢሉ ፣ ህዝብና ንቡር ናብርኡ ክመርሕ ፣ህፃውንቲ ዳግም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ፣ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ስርሖም ነጋዶ ናብ ንግዶምን መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ሰብ ሞያን ናብ ቀደሞም ክምለሱ ተስፋ ከም ዝግበረሉ ም/ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃ/ማርያም ገሊፆም።

ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃ/ማርያም ወሲኾም ፤እዚ ሰላም ናብ ባይታ ንኽወርድ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓዊሱ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ንተግባራውነቱ ክተግሁ ብምፅዋዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይተቋረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ብምእታውን መሰረታዊ ግልጋሎታት ብምኽፋትን ኣብ ምሒር ፀገም ንዘሎ ህዝቢ ክበፅሐሉ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ካርኒቫል ሰላም ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ዝተረኸብሉ ብማርሽ ባንድ፣ማርሻል ኣርት፣ሙዚቃን ሰርከስን ተዓጂቡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተምሃሮ ዝተሳተፉሉ ዕዉት ስነ ስርዓት ነይሩ።

By aiga