ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ማልት

ማሕበር ልምዓትትግራይ ኣብ ከተማ ዊንድሶር ካናዳ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ተጋሩ ብር 300,000፤ ተወለድቲ ከባቢ ደቂ ኣንገረላ ዓረ ደቂ ኣምሓረ ኣኮሎግዛይ ኤርትራ ድማ ብር 106,000 ብድምር ብር 406,000 ዝለኣኽዎ ሓገዝ ገንዘብ ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ መቐለ ንዝርከቡ 300 ተመዛበልትን 106 ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣከፋፊላ።

ንዝተውሃቦም ሓገዝን ሓገዝቶምን ዘመስገኑ እቶም ተጠቀምቲ ካልኦት ተጋሩን ፈተውቲ ተጋሩን ኣሰር እዞም ዝሕግዙ ዘለው ኣካላት ክስዕቡ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ምክትል ፈፃሚ ዳይሬክተር ማልት ዶ/ር ተስፋሁነኝ ሃይለማርያም ብወገኖም ሓገዝ ንዝገበሩ ተጋሩን ተወለድቲ ኤርትራን ብምንኣድን ንተጠቀምቲ ድማ ብምብርትታዕን መልእኽቶም ብምፍላም ኩሉ ትግራዋይን ፈተውቲ ተጋሩን ሕዚ’ውን ሓገዝ ዝጠልብ ብርክት ዝበለ ማሕበረሰብ ከምዘሎ ብምግላፅ ሓገዞም ከጠናኽሩን ከፋጥኑን ፀዊዖም።

By aiga