ሰላም ከመይ ትዀኑ ኣሎኹም-ኣንበብትን ተኸታተልትን መፍተል ሓበሬታ ዓይጋ፧ ሰላም ክትህልዉ በዓል ተስፋ እየ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ምስ ኮነሬል ለገሠ ተገኝ ኮምሽነር ፌደራል ፖሊስ ነበር፡ኣብ ቀረባ መዓልታት ቃለ- መጠይቕ ከነኻይድ መደብ ሒዝና ኣሎና።

ስለዚ፡ንኮነሬል ለገሰ ተገኝ ኣድሂብኩም ሕቶ ዘለኹም ክፅሕፉልና ኢኹም እብል።

እሞ ደኣ ብዛዕባ ኮነሬል ለገሰ ተገኝ ላህመታዊ ሓበሬታ ክህበኩም እፈቱ።

ኣብ 1926 ዓ/ም ኣብ ኣውራጃ ተምቤን ከተማ ዓቢይ ዓዲ እዮም ተወሊዶም።ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ካብ’ቶም ሃብሮማትን ትኩራትን ዝነበሩ ሓደ እዮም ነይሮም።

ንመስራቲ ቤት ትምህርቲ ተምቤን ዓቢይ ዓዲ ዝኰኑ ሃለቃ ገዘሀኝ ኣፍለይ-ኣብ ማህደር ልቦም ሰተት ኢሎም ብሳላ መንፍዓቶም ዝኣተዉ እውን እዮም።

ኣብ ታሪኽ ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ዘመናዊ ስልጠና ብዝጀመረ፡ኣድልዎን ሌላን ጉሌን ርኡይ ጸገም ምንባሩ ታሪኽ የረዳኣና እዩ።እንተኰነ ኣብ ዝኰነ እዋን ክዕረይ ኣብ ዝጀመረሉ፡ንሶም ካብ’ቶም ሰልጠንቲ ቀዳማይ ኰይኖም ዝተሸለሙ ኣብነታዊ ፖሊስ እዮም ነይሮም።

ኣብ መሰልጠኒ ማእከል ፖሊስ፡ዝኰኑ ተወልድቲ ሓደ ብሔር፡ ተር ከም ዓተር ኢሎም ቀዳሞት እናወጹ ክሽለሙ ይግበር ነበረ።እቲ ኣሰራርሓን ኣገባብ ሽልማትን፡ንሓፂር መቃን ጊዜ ኣብ ብዝተዓረየሉ፡ንፈለማ እዋን ትግራዋይ ቀዳማይ ወጺኡ።ንሱ ድማ ኮኔረል ለገሰ ተገኝ እዮም ነይሮም።

ብድሕሪኦም ከኣ ሓደ ኤርትራዊ ስዒቡ ቀዳማይ ወጺኡ ትሸለመ።ነቲ ኤርትራዊ ስዒቡ ከኣ ሓደ ተወላዲ ጉራጌ ዝኰነ ቀዳማይ ኰይኑ ከም ዝተሸለመ ማህደር ታሪኽ ፖሊስ ይሕብር እዩ።

እሞ ደኣ፡ንሎሚ ኣብ’ዚ ክውድእ ከለኹ፡እታ “ኣንበሣ ኣበይ ድዩ ዝውለድ፧” ትብል ርእሲ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝፈረዩ፡ሓርበኛታትን ጀጋኑን ሓደ ፊተውራሪ ዝኰኑ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝበልዎ እዩ።

ኣሉላ ኣባ ነጋ፡ነዛ ከም ተረካቢ ዘረባ ዝሕላገታ፡ብህሎ እዚኣ ንምንታይ እዮም ኢሎማ፧ ኣበይ ኰይኖም እዮም ኢሎማ፧ንእኒ መን እዮም ከምኡ ኢሎሞም ዝብል ሕቶታት፡ ቃለ መጠይቕ ኮነሬል ለገሰ ተገኝ ዝምልሶ ጉዳይ እዩ።

እቲ ምንታይ-ሲ፡ንጓል ጓሎም ንኣሉላ ኣባ ነጋ ዝኰና ወይዘሮ ኣሰፋሽ ኣሉላ፡ኣብ ጊዜ ዕድመ ኰተቴ ታሪኽ ከውግዓ ተገዲሶም ካብ ዝሰምዑ ዝነበሩ ሓደ እዮም ነይሮም።

#ንእግረ-መገደይ ድማ ክልተ ተመራመርቲ ታሪኽን ገለ ገለ ጉዱሳትን፡ኣሉላ ኣባ ነጋ መሳርሒ ሙዚቃ ይፃወቱ ምንባሮም ኣብ ወግዕታትና ኣውሲአሎም ብምንባረይ፡ብዛዕባ ኣሉላ ኣባ ነጋን ሙዚቃን ብዙሕ ዝተፃሕፈን ዝዝረብን ዛዕባ ካብ ዘይሃለወ፡ከም ኣርእስቲ ዛዕባ ክትገብሮ ኣሎኻ ኢሎሙኒ ምንባሮም ትዝ ስለ ኢሉኒ ኣሎ።

እንሆ ኸኣ፡ ንሎሚ ብጨለፍታ ኣሉላ ኣባ ነጋ በገና ይድርድሩ ምንባሮም ኣብ ከተማ ዓድዋ ብፍላይ ኣብ ከባቢ እንዳ ሚካኤል ታሪኽ ንጉሥ ጭራ-ዋጣ ዝኰነ ገብረፃድቕ ወልደዮሃንስ ገብረሥላሴ፡እናማእረርኩ ከለኹ፡ንሓንቲ ስድራ ብመገዲ ግድስቲ መንእሰይ ፌቨን ዜናዊ  ክላለይ ዕድል ገይረ ነበርኹ።

እወ፡መንእሰይ ፌቨን ዜናዊ፡ኣብ ዕድመ ኰተቴ ኰይና፡ንወግዒ ወላዲ ኣቡኣን ናተይን ብምስማዕ እያ ኣብ ታሪኽ ከም ዝግደስ ኣስተውዒላ፡ኣብ ህይወይ ገብረጻድቕ ወልደዮሃንስ ወሳንን ቀላስን ሓበሬታ ክረኽብ ባብ ኣርሓወትለይ።

ብተወሳኺ’ውን፡ኣብ ጉዳይ ኣሉላ ኣባ ነጋን ነቶም ስድራ ዘላለየቲ (ስድርኣ ዝኰኑ) ኣባሓጉኦምን ብመሣርሒ ሙዚቃ በገና ገይሮም ንሕድሕዶም ይጫረቁ ምምባሮም ሰማዕኩ።ኣመና ድማ ተገረምኩ።

እቲ ጭረቓ ተኰነ ምስናይ ግጥሙ ኣሰንዮም ኣውሲኦሙለይ ምንባሮም እዝክር እየ።

ኣብ’ቲ ጊዜ እቲ  ሓፍትና ፌቨን ዜናዊ ጓል 17 ዓመት ኣቢላ ትገማገም ኰተቴ እያ ነይራ።ንሳ፡ኣገዳስነት ታሪኽ ኣስተውዒላ ሳላ ዝሓበረትኒ ክንዮ ታሪኽ ገብረፃድቕ ወልደዮሃንስ ቕድሚኡ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ታሪኽ ኣብ መጋርያ ወግዕታትና ክፈልጥ ብምክኣለይ ደጊመ ኣመሥጊና ንኣመስገንቲ እህብ ኣሎኹ።

ስለዚ፡ሕቶታት ተሃልዩኹም ክትልእኹ ትክእሉ ምዃንኩም ደጊመ ክሕብር እፈቱ።

ወደሓንኩም!!

ኣብራሃም

By aiga