መልእኽቲ ን ተጋሩን ኤርትራዊያንን!

‹‹ነዛ መፀሓፍ ብነፃ ኣውርድዋ! ምንባብኩምን ሓበሬታኩምን ከክንዲ ዋጋይ እዩ፡፡›› “Download the Book for Free! Your Reading and reaction is my Price”.

እዙ መፅሓፍዙይ ወራር ትግራይ ኣብ ጥቅምቲ 2013 ኣ.ግ. ምስኣጋጠመ ዝጀመርኩዎን፡ በብግዚኡ
ዘማሓየሽኩዎን፡ ክሳብ መወዳእታ እቲ ወራር ካዓ ሓበሬታ ናተከታተልኩ ዝለዋወጥኩዎን
ስለዝኮነ፡ ምእንተ ምስረታ ሃገረ ትግራይ ክጋሃድ ግዲ ህይወቶም ብግፍዒ ንዝሓለፈ
ህፃናትን፡ መናእሰያትን፡ ዓበይትን ደቂ ሃገረይ፡ ብግፍዒ ንዝተገሰሳን፡ ዝነብዓን፡
ሕሊነአን ንዝተጎድኣን ደቂኣንስትዮን ኣደታትን ሃገረይ፡ ኣብ ህዝቦም
ብዝበፅሐ ግፍዕን ዓፀቦን ሓሪኖም ንበረካ ወፂኦም ምስ ፀላኢ
እንትኳሽሑ ንዝተሰውኡ፡ ኣካሎም ንዝሰኣኑ፡ ንዝቆሰሉ፡
ንዝደመዩ፡ ንዝደከሙ ተጋደልትን ኣመራርሓን
ሰራዊት ትግራይን፡ ኣብ ውሽጥን ኣብደገን
ኮይኖም ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ኣቅኒዑ
ንክከይድ ኩሉመዳያዊ ኣስተዋፅኦ
ንዝገበሩን፡ ህዝቢና ኣብ ብርኪ
ማሕበረሰብ ዓለም ድምፁን
በደሉን ንክስማዕን፡ ንክጋዋሕን
ንዝገበሩ ዲያስፖራ ተጋሩን ደገፍትን
ፈተውትን ኤርትራዊያን፡ ካልኦት
ወፃእተኛታት ዲፕሎማሰኛታትን፡
ኣብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን
ንዝሰርሑ ግለሰባትን ኣካላትን ይኩነለይ፡፡
ደራሲ

ዶር ሰሎሞን በርናባስ

By aiga