ህወሓት

Byaiga

Nov 13, 2022

አብ ሜዳ ቲዲኤፍ ብድብያ

አብ  ልዝብ ፕሪቶርያ

ናይ ህወሓትሙያ

ብውሕሉል  ቅያ

ተፈፂሙ  ቀብሪ  ሻዕብያ

ካልአይ ቀብሪ አብ ኬንያ

ሐመድ ድበ አረጊት  ውኻርያ

አነ ዝገርመኒ ናይዛ ውድብ

ሑርጭ ተበቲና ትውሕድ

ተበልዋ ብርኩታ ኮይና ትስጉድ

ጌም ኦቨር ብታህዲድ

ተአወጁ ረመጽ ኮይና ተንድድ

ጁንታ ተበልዋ ትህነግ

ተረፍ መረፍ ደርግ

ሐመድ ልሒሳ በርደግ

ክሳዶም ሐኒቓ ዓገግ

ጃንዳ ማለሊት

ካልእ መጸውዒት

ናይቲ አረጊት

መራሒ አራዊት

ዝበልኩም በልዋ

ግና ‘ት ጽዋ

ካብቲ ኽባ ካብቲ ዕጽዋ

ካብቲ ጸልማት ካብቲ  ጽምዋ

ብሰላሕታ ህዝብና ከጽንትዋ

‘ታ ጉድጓድ ጥልቐት ዘለዋ

መንኦም አተዉዋ

መንኦም ከ ወጽእዋ

ማእለያ ዘይብሎም ከዳዓት

ከቢቦም ከም ገዓት

ትግራይ ወሪድዋ ማዓት

ብውግእ ኦሪት ዘጸአት

አብጺሖምላ ጉድአት

ዘይሐዊ ሕማም መንደዓት

ድላይኩም በልዋ ህወሓት

ብደፋር ሐላፍነት

ቖራጽ መሪሕነት

ሀለዋት ድሕንነት

አውሒሳ  እናሀለት

ዓሚ ቅድሚ ዓሚ

ከምዝ ሎሚ

ዓለም ብዓለማ ንርእሳ ጥቕሚ

ህዝቢ ትግራይ ከተጽንት ብአልማሚ

መሪሕነት ብብልሐት ብትልሚ

አምኪንዎ  ርዅስ ሕልሚ

ካብዚ ዝዓቢ

‘ታይ አሎ ገራሚ

ነዚ ብልሒ ዘይተረድኤ ትግራዋይ

ተማሂረ ዝብል ሐንጎሉ ጠዋይ

ተንታኒ ባሀላይ ጎናይ

ጋዜጠኛ ‘የ ባሃሊ ግናይ

ዕጥቂ ከይተፈትሔ  ዋይ ዋይ

ብመሰለኒ ጽውጽዋይ

አደዳ  ጸላኢ አፋላላይ

ሞፍቶ ተመን መንደላይ

ካብቲ ሜዳ ዘሎ ተጋዳላይ

አነ ‘ፈልጥ ባሀላይ

ነብይ ዲኻ ጠንቋላይ

ወይስ ከምቲ ዓሻ ሀላይ

ጥራይ ማዓኮርካ መን ከማይ

ህወሓት ደጋጊማ ስለ ተሰወአት

ተቖጺሩ ከም ኽሐደት

ሰፍ ዘይብል ውርደት

ሕቶ ‘ተለካ ሕተት

‘ታይ አምጽኦ ክተት

መለኸት ክፍተት

ናይ ቀደም ጌጋታት

ዝፈጸመቶ ህወሓት

ዝዋዓለቶ ሐጥያት

ብዝቐነየ ዝኽሐነ ጽልአት

አብዛ መወዳእታ ሳዓት

ምዝርዛር ምህውታት

ትርፎ ጉድአት

ጠቕሊልካ ጥፍአት

የለን መኽሰባት

ከምቲ  ምክልኻል ሐይልታት

መሪጹ ቦታታት

ወሲኑ ግዜታት

ዘጥቕዕ ንዓወታት

ገሊኤን ውድባት

ስልጣን ንምግባት

መሪጸን ነዛ ሳዓት

መርዚ ይተፍኣ ብዘይ ሕፍረት

ግና ናይ ህዝቢ ንብዓት

ብናይ ተጋዳላይ ጽንዓት

መወዳእትኦም አብ ታሪኽ ቅርዓት

አቱም ሚድያታት

ጸጉሪ ትሰንጥቑ ካይላታት

በለካ ለኽዓካ ቃላት

ይጽናሓልኩም ዜናታት

ኩሉ ጊዜ ትስዓር  ትግራይ

ነንባዓዕላ ምስ ትባላዕ ጥራይ

እምበር ብጸላኢ እራይ ምራይ

ብናይ ደገ ጸላኢ ዘራይ ወዲ ዘራይ

ተሰኒፉ  ነይፈልጥ ትግራዋይ

ስለዚ አነ ብወገነይ

ዝነበረኒ ቅርሕንተይ

ገቲኤ ስምዒተይ

‘ዛ ውድብ ትቐንየለይ

ግና ሐደ ነገር ዘየማትእ

ብስም ሕድሪ ስዉእ

ትግራይ ዝአተወ ከይወጽእ

ዝወጸ ‘ውን ዳግም ከይመጽእ

ነዃል ከይትህሉ ዓይኒ መርፍእ

ትደፈን ትመላእ ብመላእ

ኲናትን ውግእን ይወዳእ

ብውግእ ወረ ውግእ

ትግራይ ዳግም ከይትሰግእ

አለኹ ንበላ ነዛ ውድብ

ኹሉ ጌጋታታ ብእኩብ

ንክንእርም ብእዱብ

አብ ሳዓቱ ክንጻባጸብ

ህጂ ግን ንተአኻኸብ

ህዝብና ጠፊኡ በብቑሩብ

ዝተረፈ  ክድሐን ብዕቱብ

አቱም  አሕዋት አሐት

ስግር ሩባ ዘለኹም ደቀባት

ሽምኩም ደለይቲ ፍትሒ

ገሪሙኒ ‘ት ናትኩም ብልሒ

አለሊኹም ናይ መለኽቲ ሽርሒ

ትማሊ አብታ ፈለማ ወርሒ

ትግራይ ትስዕር ብፍትሒ

ኢልኩም ብዘይ ፍርሒ

ሎሚ ‘ውን ተኾነ አብ ዘተ ሰላም

ሸተት ከይበልኩም ከምቲ ጠላም

ዘየማትእ መትከልኩም ጽኑዕ ቁዋም

ትግራዋይ ዘበለ ገሪምዋ ኩሉ አዳም

ድሕሪ መላኪ ብሩህ ‘ዩ መጻኢኹም

ንዮ ኔጆ መረብ ኩሉ ሰብኩም

ንሱ ‘ዩ ‘ት ሓቂ እዚአ ወዳሐንኩም

አለና@2013

ሕዳር 2015

By aiga