ቲዲኤፍ

Byaiga

Nov 5, 2022

አለና@2013

ቲዲኤፍ መን ዲኻ

ምስ ዓለም ገጢምካ

ናይ ልብኻ ዝገበርካ

ሽም ተቐየርካ

ዝድላዮም ተበሉኻ

‘ታይ አለኒ ምስ ሽምካ

ትርፎ ምስ ቅያኻ

ወትሩ ምሳኻ

ክብርን ሞጎስን ንዓኻ

ሳላኻ  እወ  ሳላኻ

ሳላ ተጋደልካ

አብ በረኻ ዓድኻ

ትደልዮ ቦታ መሪጽካ

ትደልዮ ሰዓት ቆጺርካ

ሸርሚምካ ቆሪጽካ

ወረርቲ ዝቐበርካ

አምበሳ በረኻ

አብ ዘተ ‘ውን ተኾንካ

ኢዶም ጠዊኻ

እግሮም ሐሊኽካ

ሕጊ መንግስቲ መሊስካ

‘ታ ትደልያ አፈሪምካ

አኸቲምካ አቐሊምካ

ቓል ስውአት ሐሊኻ

ህዝብኻ  አድሒንካ

መስመር ‘ንዶ ሐይልኻ

በዚ ትዳናገር ወይለኻ

እንታይ ‘የ ‘ሞ ክብለካ አነ

አብ ሜዳ ብወነ

ዝፈዲ  ሕነ

አብ  ዘተ ብውነ

ንሰላም ዝዳነ

ልኡኽካ ብንዋይ ዘይቓነ

ትግራዋይ ብአኻ ተሐበነ

አንታ ብቐደሙስ ተኾነ

ግርምቢጥ ኮይኑ እምበር ዘበነ

ነቲ ወናኒ ቀደምት ስልጣነ

ብሕዱር ቂም ዝከሐነ

አብ’ ዛ ዓለም

ብዘይ ቃል ዓለም

እቲ እንኮ ሐውካ

ዝመስል ንዓካ

ምስ ጸላኢካ

ተጎርቢትካ ተሐዚልካ

ብጽልኢ ዒረን የዕይንትኻ

መንነቱ ሐኺኽካ

መንነት ጊላኻ

ከተስርጽ ሐሻኻ

ቅልውላው መንነት አልቦ

ትማሊ ጀሚርካ ብዓንተቦ

ደም ትግራዋይ ዘይትጸግቦ

ጭውነትና  አላዝቦ

‘ት ንገብሮ ‘ት ናሐስቦ

ጨርቂ ኮይኑስ ያኢ ክትሐጽቦ

ታይ ዝብልዎ ዕብዳን ካዕቦ

መዋጽኦ ዘይብሉ መጻብቦ

ደላይ ፍትሒ ደጊም አይትስነፍ

አብ መትከል ስውአትካ ተሰለፍ

ሕጂ ‘ያ ሳዓታ ምልኪ ትቕዘፍ

ደጋፊ ቲፒኤልኤፍ

ተሐጎስ ተኸየፍ

ብሽሙ አመኽንዮም ብአፍ

ትግራዋይ ክጸንት ክጐሐፍ

ክትስበር በትሪ ወይን ሴፍ

ደጀን ይጭፍጨፍ

ግና

ቃላን ተግባራን ዘይዕጸፍ

ረዛን ውድብ ዘይትብል ሰፍ

ሐደ ምእንት ሐደ ዝስየፍ

ዘይዛሪ ናይ ህዝባ ደገፍ

ዝዋራረስ  ዝማሐላለፍ

ዘይጉዕጸጽ ዘይኩለፍ

ዉዱቕ ፖለቲካ ትራፍ ምራፍ

ሀጸይነት አብ ቅርዓት ጉሐፍ

ባንዳ ወዲ ባንዳ ምስሌነ ውታፍ

እናደርበየት  ዘላፍ መላፍ

ትሕምበብ  ትውንጨፍ

አንታ… ወያነ ትግራይ ትጽየፍ

ጦብያ ኹን ህግደፍ

ማዓር ተላዕጠጠ  መንደፍ

መሲሉካ ናፃ መግደፍ

ፈሪምካ  ናበይ ይጸደፍ

ብአራዳ ተረፍ መረፍ

ምስ ወዲ ሹቕ ሰነፍ

ሐሶት ይማሐላለፍ

ታህዲድ ይልፈፍ

ህዝብና  ክስከፍ

ቀልቡ ክግፈፍ

ንሳቶም ብሀተፍ ተፍ

ንሕና ብቑረጽ ግረፍ

አብ ሜዳን ዘተን ተባሀልና ዘፍ

እምበአር ልዝብ ፕሪቶርያ

ናይ ባሀማት መጻወድያ

ማንታ ምልኪ መእለያ

‘ጌም ኦቨር’ ናይ ጽንተት ጉያ

‘ጌም ኦን’ ኮይና ተጠውያ

ካብታ ጉድጓድ  ዝፋሐርካያ

እሾኽ መርገም ናዓ በል ውጻያ

 ‘እምባሕ በል’ እናእወያ

አብ ስደት ይበልያ

ባዓል ‘ኩራዕ’ ባርያ

ዕርቓና ወፅያ ጥራያ

‘ንኪድ ጥራሕ’ ንደምብያ

እንተ አህዛብ

ንየው ነጀው መረብ

ሐው ምሰ ሐው ይዘራረብ

ብጥፍአት ትግራይ መኽሰብ

ምንባር ፍጹም ነይሕሰብ

ንዮ በሎ ጽልኢ ከም ሰብ

ሰላም ‘ያ ዘይትጽገብ

ባርነት ተጸየፍ ዓገብ

ንመንነትካ ተረባረብ

ሰብ ናብ ሰቡ

ገረብ ናብ ገረቡ

ተጋሩ ርበቡ

ከይትጠፍኡ ከይትዓርቡ

ሕዳር 2015

By aiga

One thought on “ቲዲኤፍ”

Comments are closed.