እዛ ዓድዋ

ዝብልዋ

ግዛዕ አለዋ

አይትኺድዋ

አይትምጽእዋ

እንተ አቲኹምዋ

አይትወጽዋ

ኢሉኹም ‘ት ልዋ

ብዘየማትእ  ጽዋ

እምቢ በልኩም ዋ

በሉ ሳሐንዋ

ክትፎ ደቡብ ስጋ ቁልዋ

አሞራ ሰማይ ተቐሊብዋ

እንተ ‘ታ ናይ ሳዋ

አራዊት ኴ ፈንፊኑዋ

ስጋ ‘ብላን ኢሉዋ

ደማ ውነ  ከም ስዋ

ክሰትያ  ‘ሉ ጢዒምዋ

ዘርኢ ደሙ ግዲ  ኮይኑዋ

ሐራም ኢሉ ተሐሲምዋ

ካብ አራዊት ከተማ

ህግደፍ ዝስማ

አራዊት በረኻ

ዝዓበየ አብ ጫካ

ይሐይሸ ለካ

ትማሊ ጣልያን ዝብልዋ

አስካሪ ሶላቶ ሐሽኪርዋ

ሎሚ ውን ሽዋ

ዓዲሙ ሐዚልዋ

ክም ጻጸ ዓድዋ

ትግራይ ከጽንትዋ

ነቲ ህዝቢ ጭዋ

አብ መጻወድያ አንጭዋ

አብ ቅርቃር አተዋ

አንታ ዓቢ ሕንጠይ  ሕንጠይ ዓቢ

ዘይታዓደለኲም ልቢ

ይሰዓር ድዩ ህዝቢ?

ዝዓሰለ ከም ንህቢ

አይግዝአን ዝበለ እምቢ

አንታ ሰብ ውን ዶ ይስእን ቐልቢ

ምስ ተናኻሲ ዕቡድ ከልቢ

ተደሚሩ ጽልኢ ዘዕቢ

ደም ወራሪ  ደመ ኸልቢ

ስግኡ ሬሲኡ ጥምቢ

እናኾነ ብቖረጻ ብስልቢ

እምባሕ ይብል ክንዲ ዝአቢ

‘ደድሕሪ አድጊ ዝኸደ

ጥራጥ አድጊ ለመደ’

እት ሐደ ካብቲ ሐደ

ዘይሐይሽ ዝገደደ

እት ሐደ ብኹቱር ጽልኢ

ሕሳብ ከዋራርድ ያኢ

ሰቡ ዘጽንት ጉዳም ገልዒ

እት ሐደ ሕልሙ አንድዒ

ከም ሐርገጽ ነባዒ

ሐሳዊ መሲሕ ሰቡ በላዒ

ህዝቦም ጌሮሞ ዱኽዒ

ክልቲአም ብሐሶት

ንሕና ብሐሞት

ጥምጥም ክሳብ ሞት

ንሱ ‘ዩ ታሪኾም

ናይ ቀደሞም

ናይ ወለዶም

ታሪኽ ክድዓቶም

ሕዚ ውን ደጊሞም

እንተ ንሕና

ጡዑም ዝ ላዛና

መሪር ዩ ሐሞትና

ሱር መሠረትና

ውሉድ ወለድና

ጅግንነት መለለይና

ጽንዓት አርማና

ሕራነ ባህልና

ሐድነት ቀደምና

ተወራሪስና

ሀለዋትና ድሕንነትና

ብውነና ብወንና

ብዳንጋና ብቕልጽምና

ብሕብረት መኪትና

ወረርቲ መረበትና

ትማሊ ሲዒርና

ሎሚ ‘ውን ደጊምና

አለና@2013

ጥቅምቲ 2015 ዓም

By aiga