ሙሉጌታ ኣየነው

ትግርኛ ተዛራባይ ሕዝብና፣ ንዝሓለፉ ልዕሊ ፻፶ዓመት፣ማለት ድሕሪ መስዋእቲ ሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ አብ መተማ ዮውሃንስ፣ ካብ ግዜ ሚኒሊክ ጀሚሩ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ፣ግፍዒን፣ መከራን ብገዛእቲ አምሓራ እናወረዶ፣ዋላኳ እንተመጸ ብፍላይ እቲ ሓደ ህዝቢ ብሸርሒ አብክልተ ብምኽፋል ፈላልዮም ማንነቱ፣ባህሉ፣ታሪኩን ቋንቁኡ ንኸጥፍኡ ብዙሕ ጽዒሮም እዮም።ይኹንምበር እቲ
ሕዝቢ ንህላዊኡን ንማንነቱን ብዝገበሮ ሓያል ተጋድሎ እንሄ አይጠፍዐን፣አይጠፍእን ድማ።

እቲ ዝገበርዎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ዝፈጸምዎ እዉን፣ ተጋሩ ባዕልትና ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ስለ ዝሓገዝናዮምን ስለዝተሓባበርናዮምን እዩ። ሎሚ ነዚ በጺሕናዮ ዝንሄና ብርኪ ናይ ውድቀትና፣ ፈላሞት ተጠየቕቲ ባዕልና ተጋሩ ኢና።እዙይ አሜን ኢልና ምስንቕበል ብኸመይከ ንአርሞ ? ኢልና ድማ ንኽንሓስብ ዕድል ይኸፍተልና። ታሪክና ከምዝሕብረና ተጋሩ አብ ዓለም ብቕልጽምና ጥራሕ ህላወና አውሒስና እንነብር አህዛብ ኢና። ትግራዋይ ብእንተ ሃገሩ “ሃገረ ትግራይ” ክብል፣አካሉ
ጎዲሉ፣እግሩ ተቖሪጹ፣ዓይኑ ጠፊኡ፣ ሂወቱ ገቢሩ እዩ። ሎሚውን ዕሸላት መናእሰይን፣ዋዕሮታት ትግራይን ንሕና ጠጠው ኢልና እናኸድና አዴና፣አቦና፣ሓፍትና፣ሓውና አይክድፈርን ኢሎም ዶካትር፣ኢንጅነራት፣ሰብሞያ ሕጊ፣ሰብ ሞያ ኮምፒውተር ሳይንስ ሙሁራት፣ምስ ጀጋኑ አቦታቶምን፣አዴታቶም ጀነራላትን፣ኮኔሬላትን በእንተ ሕዝቦም ይዋደቑ አለው።

ትግራዋይ አብ ውሽጢ ዓዲ ብሓ.ም.ትን፣ብደጀንን፣አብ ደገ ድማ ዳያስፖራ ትግራይ ብሰልፊ፣ ብዲፕሎማሲን፣ ብገንዘብን ኩሉ ብዝኽእለቱ በእንተ ሃገሩ “ሃገረ ትግራይ” ይኳሻሕ አሎ። ወዲ ሰብ ካብ ስሕተቱ እንድዩ ዝማሃር፣ትማሊ ጸላእትና እኒ ስርዓት ብልጽግና፣ሻዕብያ፣ተስፋሕፋሕቲ አምሓሩን፣ ከምኡውን ኩለን ክልላት ኢትዮዺያ ዝገበርዎ ትግራይና ወሪሮም ዘርእና ከጥፍኡ
ፈቲኖም።ይኹንምበር ትግራዋይ እቲ እንኮ መለለይኡ ሳዓራይ ማንነቱ። ብወፍሪ ስዩም ጀሚሩ ወፍሪ አሉላ፣ወፍሪ አዴታት፣ወፍሪ ጽሓይ ብራቕ ኢሉ ዓለም አፋ ከፊታ ብግርምቲ ከትርእይ ጌርዋ እዩ።

ትማሊ ብኒ ሃጸይ ዮውሃንስን፣ ራእሲ አሉላን፣ባሻይ አውዓሎምን ዝተፈጸመ። ብብርኪ ዓለም ዝፍለጥ ወታደራዊ ብቕዓት ተጋሩ፣ በዚ ናይ ሎሚ ወለዶ ትግራይ ድማ ምስ ብሱላትን ጥበበኛታት ጀነራላትን፣ ኮኔሬላትን ትግራይ ደጊሞሞ። እቶም ኩሎም ኢዶም ዝሓወሱ፣ደገፍቲ ጸላእትና አዕራብ ከምኒ ቱርኪ፣ዓረብ ኤምሬት፣ሱዕዲ፣እኒ ኢራን ዝመሳሰሉ ሃገራት አሕፊሩ መሊስዎም።እዙይ
እንትብል እንተለኹ ግን፣ድጋፍ ናይ አሜሪካ ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ። ድጋፍ ሕብረት አፍሪቓ ብኒ ባዓል ሙሳ ፋቒ።ከምኡን ድጋፍ ሕቡራት መንግስታት ብአንቶንዮ ጉተረስ ቀጥታዊ ይኹን ተዘዋዋሪ ሓገዝ ተወሲኽዎ እዉን እዩ።እንታይ መርትኦ አለኻ ? ንትብሉኒ መንበብተይ፣ሓደ ሓያል ዓለማዊ ሕጊ መታሓዳደርዬን፣ዋና ጥብቅናይ ንፍትሒን፣ርትዕን፣ ማዕርነትን ደቒ ሰብ ጠጠው ዝበልኩ እዬ
ዝብል ሃገር፣ ኮነ ትካል፣ ንዞም ብዓይኒ ሓያላት ሃገራት አብዙይ እተዉ ዘይባሃሉ (አብይ አሕመድን፣ኢሳያስ አፈወርቒን) ጠጠው ከብልዎም አይካአሉን።ልክዕ እዩ ብዓይኒ ዓለም ተጠየቕቲ ንኸይኾኑ፣ አብ ልዕሊ ሓንቲ ልዓላዊት ሃገር ጣልቓ አይንአትዉን ዝብል ዒባራ ምኽንያት ንኸቕርቡ፣ንአብይን ንኢሳያስን ብዕሊኳ ውጹ ! PERIOD.

By aiga