ሙሉጌታ በሪሁ

ትግራይን ተጋሩን ንውሕ ዝበለ ታሪክ ዘለና አህዛብ እንትንከውን፣ታሪክና፣ሓድግታትናን፣ክብርናን ዝገልጹ ብኢድ ዝድህሰሱ፣ብዓይኒ ዝርአዩ አብ መሬት ዝርከብ ቅርስታትና፣ነባራይ ባህልታትናን፣ፊደላትናን፣ሃይማኖታዊ አስተምህሮታትና ካብ ውሉድ ንወለዶ እናተማሓላለፉ ናብዚ እዋና እዙይ በጺሖምስ፣ንጥቀመሎምን፣ንጽሕፈሎምን እኳ አለና። ታሪኽ ተጋሩ ድሕሪ ውድቀት ናይ አኽሱም ስልጣነ፣ዋላ ንላስታ ላሊበላ እንተኸደ ባዕሉ እቲ ነባራይን ሎሚ ዝንሄ ታሪኽ ከምዝነግረና፣ አገወቶትን፣ትግራዎትን ተኸባቢሮም፣ተፋቒሮምን እናተሓጋገዙ ይነብሩ ስለዝነበሩ አብ ሞንጎኦም ብዙሕ ፍልልይ አይነበረን።ኮይኑ ግን ሽዋውያን አብ አጋ መወዳእታ ፲፫ ክፍለ ዘመን ስልጣን አገው ናብ ግዝአቶም እንትወስድዎ፣ አገዎቶት ጥራሕ እንተይኮነ ዝተቓወሙዎም ኮላይ ተጋሩ አብ ጎኒ አገዎቶት ኮይኖም ስልጣን ሽዋ ብዘይ ሕጋውን፣ ሞለኮታዊ ስርዓትን፣ ይውሰድ ከምዘሎ ብምጥቃስ ተኸራኺሮም ግን አይሰመረሎምን።
ድሕሪኡ ሽዋውያን አብ ልዕሊ አገውን ተጋሩን ዝነበሮም ስልጣን ንምሕያል ዝተፈላለዬ ዓይነት በደልን ግፍዕን እናፈጸሙ እንትመጹ፣ብፍላይ ከባቢ መወዳእታ ፲፬ ክፍለ ዘመን፣ ንጉስ ዘርአያቆብ አብልዕሊ ካህናት ትግራይን፣ ሃይማኖት ትግራይን ዝፈጸሞ ብረዛ ሃይማኖትን፣ጨፍጫፍ ካህናት ደቂቀ እስጢፋኖስን ግን ታሪኽ ክርስኦ ዘይኽእል ሕማቕ ታሪኽ ሽዋውያን አብ ልዕሊ ተጋሩ እዩ።
ምስ እዙይ ጎኒ ንጎኒ ሕዝቢ አገውውን፣ማንነቱ ብአምሓሩ ተዓብሊሉ፣ባህሉን ቋንቁኡን እናጠፍአ ተረጊጹ ክሳብ ሎሚ ይነብር አሎ። ሕዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ብመሪሕነት ራእሲ ስሑል ሚካኤል፣እቲ ንነዊሕ እዋን እናተዳኸመ መፂኡ ዝነበረ ሓይልን መሪሕነት ተጋሩ ደንፊዑ ዋላኳ እንተተላዕለ፣ራእሲ ስሑል ሚካኤል ገዛኢ ጎንደር ንጉስ ኢዮአስ ከድሕኑ ብ፼፯፻፸ዓታት ንጎንደር ምስ ከዱ፣መራሕቲ ትግራይ ዝነበሩ ራእስታት በቢወነኖም ፋሕጭርንጋሕ ስለዝበሉ ሓደ ጥርኑፍ ምሕደራ ብዘይምንባሩ እቲ ተራእዩ ዝነበረ ሓድነት ፈርከሽ ከሽ ኢሉ።ራእሲ ስሑል ሚካኤል ንመሬት ትግራይ ምስተመልሱ ዕድሚኦም ደፊኡ ስለዝነበረ ስራዊቶም ምስኦም ስለ ዘይተመልሰ፣ተስፋ ትግራይ ጸልመተ። ድሕሪኡ፣ትግራይ ክሳብ ፼፰፻፶ታትን ንግስና ሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ ድማ አደዳ ገዛእቲ ጎንደር ክኸውን ተገደደ።ብፍላይ ደጃት ማርዬን፣ደጃት ውቤን ድማ እቶም ዝኸፍኡ ጨካናት ነበሩ።

አብ ግዜ ሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ፣ብወታደራዊ መሪሕነት ራእሲ አሉላ አባነጋ ወዲ ዕቑቢ ትግራይ ብብርኺ ሃገር እንይኮነስ ብብርኪ ዓለም ንፋሺስት ጣልያን አብ ዝተፋላለዩ ዓውደ ውግአት፣ከምኒ ስሓጢ፣ዶግዓሊን ዓድዋን ንምጥቃስ ዝአክል፣ገጢሙ ጸላእቱ ብምሕፋር ትግራዋይ ርእሱ አቕኒዑ ክኸይድ ድማ ካአለ።ይኹንምበር ነዊሕ እንተይከድና፣መራሒና አቦና ሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ አብ ዄናት መተማ ምስተሰዉኡ፣ዋላኳ ንወዲ ሓዎም ንመንገሻ ብወራሲ ዙፋኖም ሕድሪ ሂቦም እንተሓለፉ።ራእሲ አሉላ ብዝተዋሃቦም ሕድሪ ንመንገሻ ንጉስ ናይ ኢትዮዺያ ጌሮም አብ ከተማ አኽሱም እንተንገስዎ፣አብ ጎኑ ዝነበሩ መሳፍንቲ ብዝነበሮም ሕዱር ጽልኢት ናይ ራእሲ አሉላ፣መንገሻ ምኽሪ መሳፍንቲ ትግራይ እናሰምዐ፣ብምኻዱ፣መሳፍንቲ ትግራይ ብዝነበሮም ሕርፋን
ስልጣን ንመንገሻ ዓጂቦም ንሽዋ ብምኻድ ንግስናን መንገሻን፣ስልጣን ተጋሩን ንሚልሊክ ብ፼፰፻፹ታት አረኪቦም ንትግራይ ተመልሱ።

By aiga