ብ መንግስቲ ትግራይ ዝመሓደር ትካል መራኸቢ ሓፋሽ ቴለቭዥን ትግራይ ከምዝሓበሮ እቲ ወራር ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ንጉሆ ናብ 18 ነሓሰ፣ 2014 ዓመተ ምህረት ዘውግሕ ለይቲ ከምዝኸፈቶ ሓቢሩ። ቅድም ኣቢሉ እውን ብ ኣቐባሊ ቃል ሰራዊት ፋሽሽታዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ ዘግሀዶ መግለፂ፣ ውራይን ምንቅስቓስን ሰራዊት ከይትፅብፅቡ ክብል ን ጋዜጠይናታትን ዩትዩበራትን ከፈራርሕ ከምዝፈተነ ተሓቢሩ። ኣብቲ ብ ዕለት 17 ነሓሰ 2014 ዓም ኣብ ገፅ ፌስቡክ መከላኸለኢ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተለቐቐ ሓበሬታ ን ኲናት ምንቅስቓሳት ይገብር ከምዘለ ዘመላኽት ምዃኑ ካብ መግለፂ እቲ ኣቐባሊ ቃል ምርዳእ ይከኣል። ስለ ‘ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ’ ንዝወፅእ ዝኾነ ይኹን ዘይምእኹሉ ፕሮፖጋንዳን ሓበሬታን ብ ገበን ኽሕደት ሃገር ከሕትት ምዃኑ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ምሉእ ዓወት ንስለ መንነቱን ክብሩን ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ!

By aiga