ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ፀላኢ ብግንባር ደቡብ ኣብቲ ግንባር ዝፀንሑን ካብ ካልእ ኸባቢ ዝወሰኾሙን ናይ ኣምሓራ ክልል ክፍላተ ሰራዊት ናይ ወሎ ፋኖን ምልሻን ኣብ ዝሓለፉ 5 መዓልታት ናብ ቕድሚት እናቀራረበ ድሕሪ ምቅናዩ ናይ ፌደራል ሓይሊ ምክልኻል ኣካላት ዝኾኑ 6ይን 8ይን እዝታትን ናይ 2ይ፣6ይን 8ይን መከናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን ወሲኹ ሎሚ ዕለት 18 ነሓሰ 2014 ዓ/ም ወጋሕታ 11 ሰዓት ብኣንፈታት ጩቤ በር ፣ጃኖራ፣ ጉባጋላን ያሎውን ናብ ኣላማጣ ፣ባላን ቢሶበርን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ግንባር ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ደቡብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ንምእታው ክንዲ ዝኽእሎ ዝደፍእ ሓጋዚ መጥቃዕቲ ኣንፈት እምበር እቲ ቀንዲ መጥቃዕቱ ካብ ምዕራብ ትግራይን ምዕራብ ጎንደርን ናብ ኣድያቦ፣ኣስገደን ፀለምትን ከም ዝኾነ ተፈሊጡ ዝሓደረ እዩ።

ፀላኢ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ዓለም ዘይተርኣየ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ዓፅዩ ዘልኣለም ዘይርሳዕ ግፍዕን ስቓይን እንዳብፀሐ ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚ ተዳኺሙ እዩ ብውግእ ክውድኦ ይኽእል እየ ኣብ ዝበለሉ እዋን ነቲ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ዝፀንሐ ተፃብኦ ደው ምባል ጢሒሱ ነቲ ክገብሮ ዝፀንሐ ናይ ፅንተት ኲናት ኣጠናኺሩ ኽቕፅል በዚ ናይ ሎሚ ወጋሕታ መጥቃዕቲ ብዕሊ ኣግሂድዎ ኣሎ።

ዝኸበርኩም መላእ ደቂ ትግራይ!

ሰራዊት ትግራይ ፀላኢ እቲ ቅድም ኢሉ ዝፍለጥ ናይ መጥቃዕቲ ትልሙ መበገሲ ገይሩ ጀሚሩዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ደው እንተዘየቢሉ ብዘተኣማምን ብምምካትን ሰይሩ ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ብምስጋርን ዝተወረረ ሉኣላዊ መሬት ትግራይን ዝተፈናቀለ ህዝብናን ናብ ንቡሩ ቦቱኡ ክምለስ ንምኽኣል ዘለዎ ድልውነት ሙሉእ ምኻኑ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ክገልፅ ይፎቱ።

ዝኸበርኹም ሕዝብታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዬጵያ

ህዝቢ ትግራይ ሃገረይ ንዝበላ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ጠንካራ ኢትዬጵያዊ እምበር ፀላኢ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ፀላእትና ኣብ ልዕሊ እዚ ንባዕሉ ፅኑዕ ኢትዬጵያዊ ገይሩ ዝሓስብ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀምዎ ዘለዉ ፅንተት ቀፂሎም ክሳብ ሐዚ ከቢቦም ኣደዳ ሞትን ጥምየትን ፣ሕማምን ጭንቀትን ገይሮሞ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ወታሃደራዊ መጥቓዕቲ ጀሚሮም ኣለዉ።ኮይኑ ግና እዚ ድልየቶም ብሓይሊ ከማልእዎ ፍፁም ከም ዘይኽእሉ ብምግንዛብ ኲናት ደው ክብልን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ህልውንኡ ቐፃልነቱን ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዘይተሓለለ ቃልሲ ወገናዊ ድገፍኩም ክተርእዩ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ፃዊዒቱ የቕርበልኩም።

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

ነሓሰ 18/2014 ዓ/ም

ትግራይ ትስዕር!

By aiga