ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

መእተዊ፥ ሰብ “ባሪያ” እናተብሃለ ከም ኣቕሓ ዝሽየጠሉን ዝልወጠሉን ዘመን ዘርከብና ሰባት ዋላኳ ኣይንኹን ድ’ምበር ናይ ባሪያ ንግዲ እናተብሃለ ካብ ቀዳማይ ደረጃ ጀመሩ ብመልክዕ ታሪኽ ዝረኸብናዮን ዝቐሰምናዩን ትምህርትን ፍልጠት ዘምሀረና ነገር ተሃለወ ብፍላይ ምዕራባዊያን (ኣውሮፓዊያን) ገዛእቲ ሓይልታት ተፈጥሮኣዊ ሀፍቲ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃዊያንን ንምጉሕጓሕ ዓሊሞም ናብ ኣፍሪቃ ዝገበርዎ ምትእታው፤ ነዚ ስዒቡ ድማ እቶም ባዕዳውያን ገዛእትን ወረርትን ሀገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ፀለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝበፅሕዎ ማእለያ ዘይብሉ ወፅዓን ዓመፅን ዕንወትን ቅትለትን ክሳብ ክንደየናይ ዘስካሕክሕ ኣረማዊ ስራሕ ከም ዝኾነን ከም ዝነበረን ብዝግባእ ንርዳእ ኢና። ብፍላይ ካብ ከባቢ 1880 ዓ/ም ጀሚሩ መዕለቢኦም ኣፍሪቃ ዝገበሩ ናይ ኣውሮፓ ሀገራትን መንግስታትን፥ ኣፍሪቃ ተኸፋፊልካ ናይ ምግዛእ፣ ሀብትን ንብረትን ሀገራት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ናይ ምዝራፍ ወፍሪ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምፅንሑ ብኣቆፃፅራ ፈረንጂ ካብ 1950ታት ክሳብ 1975 ዓ/ም ሀገራት ኣፍሪቃ ንነፃነተን ብዝገበረኦ ቃልሲ 1977 ዓ/ም ሓራ ዝወፀት ናይ መወዳእታ ኣፍሪቃዊት ሀገር ጅቡቲ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።  

ምዕራባውያን ወረርቲ ሓይልታት ሰራዊቶም እናፀዓኑ ካብ ኣፍሪቃ ክወፁን ነናብ ዓዶም ክኣትዉ ከለዉ ግን ኣፍሪቃ ከምታ ዝረኸብዋ ንሰብ ዋናታታ ንኣፍሪቃውያን ሓዲጎም ሰተት ኢሎም ኣይወፁን፤ የግዳስ፥ ምዝዛም ካልኣይ ናይ ዓለም ጦርነት ስዒቡ ብሽም ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዝተጣየሹ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ “ናይ ሰብኣዊ መሰላትን” ቁጠባዊ ትካላትን ኣቢሎም ብሽም “ምዕንባብ ዲሞክራሲ” ቅድም ኢሉ ብዕልን ብጋህድን ይፍፅምዎ ዝነበረ ተፈጥሮዊ ሀብትን ንብረት ኣፍሪቃ ናይ ምጉሕጓሕ ስርሖም (ረብሓታቶም ናይ ምስዳድን ምሕላውን ፖለቲካ) ኣዝዩ ረቂቕን ሕልኽልኽን ብዝበለ/ብዝኾነ መንገድን ኣሰራርሓን ክሳብ ሎሚ ቀፂሎምሉ ፀኒሖም ‘ዮም። እንተ ሎሚ ግን፥ እታ “ዲሞክራሲ” ዝብልዋ ፈሊጥ ‘ውን ተኾነት ፍጥረት ዘበለ ኹሉ ከም ዝነቕሓላ ጥራሕ ዘይኮነስ አገልግሎታ ‘ውን ከም ዘብቀዓት ሰብ ዋናታታ ከይተረፉ ካብ ዝርደኦም ፀኒሑ ኣሎ።

ባዕዳዊ ግዝኣት ምዕራባዊያን (Colonialism) ተኪኡ ንነዊሕ እዋን ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓታቶም ከሓልዎሎም/ከገልግሎም ዝፀንሓ ናይ ዲሞክራሲ ሸፍጢ (Democracy) መተካእታ ከኸውን ዝኽእል ሓድሽ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ሒዞም ክመፁ ብዘይ ምኽኣሎም ምናልባት እቲ ብሕቡእ ምንቅስቓሳት ብዝተዋደደ መልክዑ ተግባራዊ ክግበር ዝፀንሓ ዕልዋ መንግስቲ ብግልፂ ክፍፅምዎ፤ ወይ ድማ፥ ከም ምስላ ወለዲ “ክበልዕዋያ ዝደለዩ ኣቦጉምባሕስ ዛግራ ዛግራ ይብልዋ” ከም ዝበሃል ብሽምን ሽፋንን “ምሕዝነት” (Partnership) ዝብል ሓድሽ ፈሊጥ (ንኣፍሪቃ) ሰራዊቶም ብግልፂ ኣብ ኣፍሪቃ ዘስፍርሉ ጊዜ ርሑቕ ክኸውን ከም ዘይኽእል ይግመት። በዚ በለ በቲ እቲ ሕቶ፥ ሕዚ ሓድሽ ኩነታት ዓለምና ንዓና ንተጋሩ እንታይ ማለት ‘ዩ? እንታይ ክንገብር ንኽእል? ብኸመይስ ተረባሕቲ ይገብረና? ዝብል ‘ዩ። ብምቕፃል፥ ምስ ናይ ሎሚ መመያየጢ ጽሑፍ ብዝተተሓሓዘ ትምህርቲ ክንቀስመሉን ክጠቕመናን ዝኽእል ተመክሮ ካልኦት ሀገራት ዓለምና ክንርኢ ኢና።    

ካብ ታሪኽ ዝምድና ቻይናን ኣሜሪካን እንታይ ንምሃር?

እዛ ሎሚ ብቑጠባዊ ዓቕማ ማዕረ ማዕረ ኣሜሪካ ተሰሊፋ ዘላ ቻይና ምስ ኣሜሪካ ዝነበራ ርክብ ከምዚ ሎሚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና ኩል-ጊዜ ኣንጭዋን ድሙን ዝነበሩ መንግስታት ኣይነበሩን። ካብ መወዳእታ 70ታት ንደሓር ነፍሲ ዝዘርኣ ኢኮኖሚ ቻይና (መሪሕነት ቻይና ዓዱ ኣብ ምልዋጥ ዝተጻወቶ ልዑል ኣበርቶ ከም ዘለዎ ኾይኑ) ቁጠባዊ ዕብየት ቻይናን ኣመጻጽእኡን ብጥንቃቐ እንተ ድኣ መርሚርናዮ ግን ዕብየትን ለውጥን ቻይና ብዘይ ናይ ኣሜሪካ ድጋፍ ኣብዚ እዚ ሰዓት በጺሒዎ ዘሎ ልዑል ብርኪ ክበጽሕ ይኽእል ነይሩ ‘ዩ ኢልካ ምግማት ኣዝዩ ኣጸጋሚ ‘ዩ። ናይ ቻይና መሰረታዊ ዕብየትን ለውጥን ዝጀመረ ኣብ መንጎ ሶቬት ሕብረትን ኣሜሪካን ዝነበረ ምልሕሓፅ፣ ነዚ ስዒቡ ድማ እዘን ሀገራት ፈተውቲ ሀገራትን መንግስታትን ንምፍራይ ይገብርኡ ኣብ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ጦርነት ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ቻይናን ሶቬት ሕብረትን (ናይ ሎሚ ራሽያ) ዝኾነ ይኹን መሰረት ዘለዎ ምሕዝነት ንኸይፍጠር ብተወሳኺ ድማ ቻይና ናይ ባዕላ ፈታዊት ሀገር ንምግባር ዝዓለመ ዝተኸተለቶም ፖሊስታት ንቻይና ኣዝዩ ተረባሒት ገይርዋን ኣብዚ በፂሓቶ ዘላ ብርኪ ዕብየት ንኽትበፅሕ ድማ ዕድል ፈጢርላ ‘ዩ።

ብርግፅ፥ ኣሜሪካ ንዕብየት ቻይና ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራያት ፈትያ ዝገብረቶ ዘይኮነ ብእዋኑ ካሊእ መማረጺ ስለ ዘይነባራ ‘ዩ። በዚ ድማ ቅድሚ ኹሉ ተረባሒት ዝነበረት ባዕላ ኣሜሪካ ‘ያ። ተረባሒት ተዘይገብራ ነይሩ ንዕብየት ቻይና ዓቢይ ኣስተዋጾ ዘበርከተ ናይ ፖሊሰ ኾነ ካሊእ ሓገዛታ ኣይምገበረቶን ነይራ። ኣሜሪካ፥ ቻይና ካብ ራሽያ ንምንፃል ጥራሕ ዘይኮነ ቻይና ናብቲ ናታ ካምፕ ንምታው ንቻይና ካብ ዝገበረቶ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ድጋፋት ሓደ ታይዋን ንቻይና ምሻጥ ዝሓውስ ‘ዩ። እዚ ንምርግጋፅ በኣቆጻጽራ ፈረንጅ የካቲት 1972 ዓ/ም ኣብ መንጎ መንግስቲ ኣሜሪካን መንግስቲ ቻይናን ንፈለማ እዋን ዝተገብረ ናይ ሻንጋይ ናይ ምርድዳእ ፌርማን ስምምዕነት (Shanghai Communique) ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ። ሓደ ትሕዝቶ ናይዚ ውዕሊ፥ ሪፓብሊክ መንግስቲ ቻይና ብሕቲ መንግስቲ ቻይና ከም ዝኾነ፣ ታይዋን ሓዊሱ ህዝብታት ቻይና ኩሎም ኣካል ሓንቲ ቻይና ምኻኖም፣ ታይዋን ግዝኣት ቻይና ከም ዝኾነት ዝገልጽ ቃል ብቃል ሰፊሩ ዝርከብ ሓቂዊ ሰነድ ‘ዩ። ሎሚ፥ ሃለዋትን ድሕንነት ፀጥታ ታይዋን ንምሕላው ሓይሊ ሓዊሱ ኣድላዪ ኾይኑ ዝረኸናዮ መንገዲ ኩሉ ክንጥቀም ኢና ዝብሉ ዘለው ሰባት፥ ትማሊ ቻይና ካብ ራሽያ (ሶቬት ሕብረት) ንኽንፅሉ፥ ቻይና ከሓጉሱ ስለ ዝነበሮም ቻይና ንምሕጓስ ታይዋን ንቻይና ሸይጦም ምስ ቻይና ምሕዝነት ዝፈጠሩ ሰባት ‘ዮም። ብሓገዞም ኣብዚ ዝበፀሓት ቻይና ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ደው ከብልዋን ክእዝዛዋን ስለ ዘይከኣሉ፣ ቻይና ብናታቶም ተርም ናይ ምኻድ ድሌት ከም ዘይብላን መንግስቲ ቻይና ውን ከም ጎብለል ኣብ ሓድ ሓደ ጉዳያት ኢዱ ከእትውን ብሔራዊ ረብሓይ ‘ዩ ማለት ብምጅማሩ ምዕራባውያን ካብ ተወለድቲ ታይዋን ንላዕሊ ሓለይትን ተቖርቆርትን ታይዋን ኾይኖም እቲ ሕዚ ለይትን ቀትርን ዘንበልብለዎን ዘጋውሕዎን ዘለዎ ሕቶ ሀገራዊነት ታይዋን ንኸጋውሑ ተገዲዶም ‘ዮም።

ኣሜሪውያን ሶቬት ሕብረት ንምንፃል ዓሊሞ ናብ ቻይና እንተቕንዑ ኣብቲ ሰዓት ንሱ ዝወሰድዎ ተበግሶ እዛ ንሪኣ ዘለና ቻይና ይፈጥሩ ከም ዘለዉ ተዝፈልጡ ነይሮም ምገበርዎ ነይሮም ዝብል እምነት የብለይን። ኮይኑ ግና ኣሜሪካ ንጥቕማ ምስ ቻይና ዝኣሰረቶ ናይ ምርድዳእ ውዕሊ መሪሒነት ቻይና ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ የለን ማለት ኣይኮነን። መሪሒነት ቻይና ኢዱን እግሩን ኣጣሚሩ ተቐሚጡ ዝነበረ መሪሕነት ‘ዩ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ተፈጥሮኣዊ ጸባይ ጎብለላት ዓለምና (Super power) ኣመልኪተ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋተይ ከም ዝሓበርክዎ፥ ጎብለላት ዓለም ዝደልይዎ ንምርካብ እንትለዓሉ ናይ መጀመሪያ ስጉምቶም “ዴይ ኢዴከ ሀበ ዘፈቀድከ” ‘ያ። እዚ ማለት፥ ዝተጠየቕካዮ ምግባርን ዝተኣዘዝካዮ ምፍፃምን ማለት እንትኸውን፥ እምብለይ ጠንጠነለይ ተልካ ድማ ትስሕና ‘ዩ። ዝተኣዘዝካዮ ዘይትገብር ተዄንካ ከጥሕሉኻ ኸለዉ ዓይንኻ እናረኣኻ ምጥሓል ‘ያ። ተእወኻ ‘ውን ኣውያትካ ሰሚዑ ዝረድኣካ የለን። ምኽንያት ፈጦሮም፣ ምሂዞምን ኣወዓውዖምን ዘውደምወን ከም በዓል፥ ዩጎዝላቪያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሊብያ፣ ኢራቅ፣ ስሪያ ዝኣመሰላ ሀገራት ኣሜሪካ ሓመድ ገበረተንሞ መን ንሓገዘን መፀ? ሎሚ ድማ ራሽያ ብተርኣ ማይ ጉድጓድ ዘውፅእ ብልሓቱ ዘይፍለጥ ነታጒ ካብ መሬት ካብ ሰማይን ካብ ባሕርን እናወንጨፈት ዩክሬይን ናብ ዘበነ እኒ እኒ ክትመልሳ ኸላ ዩክሬይን ኣእወየትሞ መን ሰምዓ? ኣሜሪካ ሓዊሱ ኩለን ሀገራት ኣውሮፓ ከም መረበቶም ንዝተፈናቐሉ ዜጋታት ዩክሬይን ትኩስ ፒዛን ነቶም ከም ቆፅሊ ዝረግፉ ዘለዉ ወታደራት ዩክሬይን ድማ ብኣመዛኒኡ ቅድሚ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ስልጣን ዘይወሰድሉን ዘይፈልጥዎን ዓይነታት መሳሪያ ካብ ምቕባል ዝሓሊፈን ኢዱ ክሓውስ ዘደፈረ የለን። እዚ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን የግዳስ፥ ፕሬዝዳንት ቭላድሚር ፑቱን ኢዱ ንዘእትው ዝኾነ ይኹን ሀገርን መንግስት ኣብ ታሪኹን ታሪኽ ዓለምን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ መብረቓዊ መጥቃዕቲ ክወርዶ ከም ዝኾነ ኣቐዲሞም ብግልፂ ስለ ዘጠንቀቑ ‘ዩ። ፅባሕ ድማ ቻይና ንታይዋን ተወቒዓታ ከምኡ ንሓገዝ ታይዋን ዝተዳለወን ዝመዓራረን ሓይሊ ዘሎ ኣይመስልን።     

ናብታ ናይ ምዕራባውያን ናይ ሓይሊ ኣጠቓቕማን መሪሕነት ቻይናን ክምለስ።  መሪሒነት ቻይና ዝነበሮ መማረፅን ዝወሰዶ ስጉምትን ዝተለመደ ናይ ምዕራባውያን ናይ ሓይሊ መንገዲ ካብ ምልዋጥ ሓሊፉ ብጥቕምን ብኻሊእን ማዕረ ተረባሒ ንሙኻን ዘብቀዖ ምኽንያት ግልፂ መርገጺ መሪሒነት ቻይና ‘ዮ (ምንቃሕ ምኽኣሉ)። ቻይና ማዕረ ንማዕረ ተጣቃሚት ንምኻን ዝበቕዐት ኣብቲ ሰዓት ንሱ ቻይና ምስ ኣሜሪካ ዝመዓራረ ኢኮኖሚን ሚሊተርን ሃልይዋ፣ ኣሜሪካ ለጋስ ዓዲ ስለ ዝኾነት ዘይኮነ፤ የግዳስ ኣሜሪካ ማዕፆ ቻይና ክተንኳሕኲ ከላ መሪሕነት ቻይና ዓይኑ ስለ ዝኸፈተን ዝደልዮን ዝሰርሖን ዝፈልጥ ኮይኑ ስለ ዝቐረበን ‘ዩ። ኣብቲ ሰዓት ንሱ ቻይና ልዕሊ 700 ሚልዮን ህዝባ ድኻ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ድኻ ድኻ ተባሂሉ ዝፍለጥ፣ ህዝባ ሳዕሪ ከይተረፈ ዝበልዐላ ዝነበረት ሀገር ‘ያ። ኣሜሪካ ብኢደ እግራ ክትመፃ ኸላ ግን ቻይና እንታይ ክትገብር ከም ትኽእል (ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ዘለዋ ሊቨረጅ) ንኽትርዳእ ጊዜ ኣይወሰደላን። ቀዳማይ ዙር ካልኣይ ዙር ሳልሳይ ዙር እናተብሃለ ኣብ ዝተገበሩ ናይ ምርድዳእ ስምምምዕነታት ‘ውን ቻይና ማዕረ ተዓዋቲት ኮይና ክትወፅእ ክኢላ ‘ያ። መሪሕነት ቻይና ድምፂ ኣሜሪካ ክሰምዕ ኸሎ ገና ንገና ክሃስዩና ‘ዮም ክጎድኡና ‘ዮም ኢሉ ኣይተደናበረን፤ “ዝተብሃልናዮ ክንገብር ኢና” ኢሉ ‘ውን ንኣሜሪካ ኣይሰገደን። መሪሕነት ቻይና ዝገበሮ፥ ድሌት ኣሜሪካ ተቐቢሉ ምስ ሰምዓ ናይ ኣሜሪካ ሓሳብ ተቐቢሉ ምስ ኣሜሪካ ምሕዝነት ናይ ምፍጣር ፀገም ከም ዘይብሉ ኮይኑ ግና ቻይና ጠለባት ኣሜሪካ ንኸተማልእ፣ እቲ ዝፍጠር ምሕዝነት ‘ውን ስጡምን ብቀፃልነት ዕውት ንኽኸውን ድማ ቻይና ጠለባት እትብሎም ሓዚ ብምቕራባን ጠለባታ ንኽማልኡ ብምሕታታን ‘ዩ። በዚ መልክዕ ዝተዳለወ ስለስተ መድረኽ ንኣሜሪካ ጥራሕ ዘይኮነ ንቻይና ‘ውን ተረባሒት ገይርዋ ‘ዩ። 

ናብ ትግራይ ክምለስ። ብርግፅ፥ ሉዓላዊ ሀገር ቻይና ምስ ትግራይ ዘወዳድር ሃልይዎ ዘይኮነ ናይዚ ፅሑፍ ዓላማ/መንፈስ ብሚዛን ኣድላይነት ብቑዕን ቆራፅን መሪሕነት ዝግምግም ‘ዩ። ከም ናተይ ገምጋምን ርኢቶን፥ ሓዝናዮም ሎሚ ኣምለጡና ሎሚ ባሃላይ ‘የ። ለንዘበን ንዓና ጥራሕ ኣይኮነን ዘይጠዓመና ንዓዓቶም ‘ውን ጥዒምዎም ከም ዘየነ ክንፈልጥ ኣለና። ንሕና ጥራሕ ኣይኮናን ኣብ ፀገም ዘለና ንሳቶም ‘ውን ኣብ ፀገም ‘ዮም ዘለዉ። ናትና ፀገምና ናታቶም – ናታቶም ፀገም ናህና ዘይክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ብሓቂ ድማ፥ ፀገምና ፀገሞም – ፀገሞም ድማ ፀገምና ኣይኮነን። ኣዚ ማለት ግን ካብ ዕዳ ነፃ ኢና ወይ ድማ ዘራኽበና የብልናን ማለት ኣይኮነን። ዘራኽብ ስለ ዘለና ኢና ተራኺብና ዘለና፤ ክንራኸብ ከለና ግን ከምቲ ወለዲ፥ “ካብ ኣዘራርባ ይፍረድ ካብ ኣታሕዛ ይቕደድ” ከም ዝብልዎ ሰኣን ብቑዕ መሪሕነት ተዘይ ኣምሊጥና ድሌቶምን ኣጀንደኦምን ብዝግባእ ኣፅንዒናን ተረዲእና ንልቦምን ንኣእምሮኦምን ጉዳይና ተረዲእና ንሳቶም ጥራሕ ዘይኮኑ ንሕና ‘ውን እንደልዮ ሒዝና (ተረባሕቲ ኮይና) ክንወፅእ ኢና። እዞም ሰባት ዝተፈለየ ሓሳብ ናይ ምስማዕ ፀገም የብሎምን። ፍረ ንዘለዎ ሓሳብ እዝኖም ኩል ጊዜ ክፉት ‘ዩ።  መሪሕነት ትግራይ፥ ዝብላዕ ዘለዎ ቁርፅ ዝበለ ሓድሽ ሓሳብ ሒዙ ተቐሪቡ ትግራይ ክትዕወት ‘ያ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፥ ትግራይ ኣብ ረብሓኦም ዘልዋ ሓይሊ እቲ መሪሕነት ብዝግባእ ኣፅኒዑ ተቐሪቡ ክንመዓራረ ኢና። ሕዚ ‘ውን፥ ሓሳብ ኣለኒ ኢሉ ንኽስማዕ ክዳመፅ ዘለዎ ግን መሪሕነት ትግራይ ‘ዩ።

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ዓቕሚ ንፍጠር

ኣብ ርእሲ ናይዚ ፅሑፍ ከም ዝሓበርክዎ፥ “ክንመዓራረ እንተ ኾይና ዓቕሚ ክንፈጥር ክንክእል ኣለና” ክብል ከለኹ፥ ምስቶም ጎብለላት ዓለም ማዕረ ንማዕረ ንሰለፍ ማለተይ ከም ዘይኮነ ግልፂ ‘ዩ ኢለ ይኣምን። የግዳስ፥ ከም ተጋሩ ባህልና፣ ታሪኽናን መንነትናን ዓቂብና ከም ህዝቢ ክነብር እንኽእል ንሃለዋትናን ድሕንነትናን ዝጣበቕ ሓላዊ ዓዱን ህዝቡን ዝኾነ ሰራዊት ክህልወና ከሎ ‘ዩ። ተጋሩ ከም ህዝቢ ንኽንቅፅል ዘላትና ብሕቲ መማረፂ ወታደራዊ ዓቕምና ኣጠናኺርና ምቕፃል ‘ያ። እዚ ክበሃል ከሎ ድማ ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ወታደር ንግበሮ ማለት ‘ውን አይኮነን። ዓሰርተ ሚልዮን ዘይመልእ ህዝቢ ትግራይ ምኢትን ዓሰርተን ሚልዮን ህዝቢ ምስ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብበዝሒ ሰራዊት ንመዓራረ ማለት ‘ውን ኣይኮነን። እንተ ኾነ ግን፥ ብቕዓት ሰራዊት (Capability) ብዓይኒ ወታደራዊ ስትራቴጂ ምስ ንርእዮ፥

  • ኣብ በዝሒ ሰብን መሳርሕን (ተተረኺቡ ዝበለፀ) መሰረት ዝገበረ ዘይኮነ ብኣንፃሩ ኣብ ሜዳ ወሪዱ ኣብ ግንባር ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል፥ ስትራተጂክ ኦፐሬሽናልን ታክቲካልን ብዝኾነ መልክዑ ክዋፈር ዝኽእልን ዝዋፈርን በሊሕን መስተውዓሊን መሪሕነት፣ ብቑዕ ዝኾነ ስልጠና ዘለዎ ንቑሕ ተቓላሳይ/ተጋዳላይ ምፍራይ ምኽኣል፤
  • ብቕዓት ሰራዊት፥ ብቐፃልነት ተዓዋታይ ዝኾነ ውፉይ ተቓላሳይ ከፍሪ ዝኽእል ወታደራዊ ዶክትሪን ምፅሓፍን ምድላውን ምኽኣል፤
  • ብቕዓት ሰራዊት፥ ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ዘልዎን ዝኽተልን፣ እዋኑ ዝጠልቦ ወታደራዊ ፍልጠትን ንዋትን ዘለዎን ዝተዓጥቀን፣ ቀትሪ ይኹን ለይቲ ክረምቲ ይኹን ሓጋይ ተበገስ እንትበሃል ዘየዕነይኒ (ኩል ጊዜ ድልው ዝኾነ ባዓል ሞያ)፣ ሓደ እንትኸይድ ዘፍርሶ ሓደ እንትመፅእ ዘልዕሎ ዘይኮነስ ዘላቒ ዝኾነ ሰራዊት ምፍጣር ምኽኣል ‘ዩ። ኣብ ርዕሲ እዚ፥ ድሮናት፣ ኣውሮፕላናት፣ ታንክታት (Capacity) ተተወሲኽዎ ድማ ዝበለፀ ይኸውን። እታ ሕዚ ኣብ ኢድና ዘላን ክንገብራ እንኽእልን ግን ሰራዊት ትግራይ ምዕቃብ ‘ያ። ሎሚ ሻሕተት ማሕተት ተይልና መውፅኢ የብላን፤ ሕዚ ዓቕሚ ተፈጢርና ግን ክንመዓራረ ኢና። እቶም ፀላእትና ድማ እዚኣ ስለ ዝፈልጡ፥ ትግራይ ክትገብሮ እትኽእል ንኸይትገብር ብናታቶም ተርም ተሰማሚዕና ንኽነብር ዝኽኣልዎ ኩሉ ኣብ ምግባር ዝረባረቡ ዘለዉ።  

ዓቕሚ ምስ ዘይብሉ ድኹም ህዝብን ዝለመሰ መሪሕነትን ዝመዓራረ ሓያል የለን

ኣሜሪካ፥ ቀሺ ዓለምና ኾይና፥ ቀሺ ዝበለካ ግበር ዝገበሮን ኣይትግበር! እናበለት፥ ብፍላይ ድሕሪ ዝሑል ጦርነት ብሕታዊ ጎብለል ዓለምና ኾይና ዝበመፀትሉ ጉዕዞ (Unipolar moment) ሎሚ ዘብቀዐን ዝተጠናቐቐን ይመስል። ቅድም ኢሉ ኣብ ሲሪያ ቀፂሉ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሕዚ ድማ ብቐንዱ ጉዳይ ዩክሬን እቲ እሳ ንዓሰርተታት ዓመታት ትገብሮ ዝነበረት ተግባር ካልኦት ክገብርዎ ኸለዉ ተዓዛቢት ኮይና ምርኣይ ብሓቂ ዝነበረ ምዕራባዊ ስርዓት ዓለም ኣብቂዑ ሓድሽ ስርዓት ጋህዲ ንምኻኑ ዘረጋግፅ ‘ዩ። እዚ ማለት ንኣፍሪቃ ይንእሱ ‘ዮም ማለት ኣይኮነን። እቲ መሪር ሐቂ፥ እዚ ሕዚ ኣብቅዒሉ ዝመስል ዘሎ ስርዓት ዓለምና ምኻድ ኮነ እቲ ዝተኣታተው ዘሎ ሓድሽ ስርዓት (multipolar) ንድኹም ማሕብረሰብን መሪሕነትን እንኮ ዘምጸኦ ለውጢ ዘይብሉ ምኻኑ ‘ዩ። ንበሊሕ ህዝብን መሪሕነት ግን ብኢደ እግሩ ዝመፀ ሲሳይ ‘ዩ። ትግራዋይ ዘዋጽኦ ፈሊጡ፥ ከም ህዝቢ ንዓይ ዝግበኣኒ ስፍራን ቦታን እዚ ‘ዩ! ኢሉ ሃለዋቱን ደሕንነቱን ቅድሚ ኹሉን ልዕሊኹልን ኣቕሚጡ ዝሕንጾን ዝሕዞን መርገጺ ተሃልዎ እዚ ሕዚ ብዝግባእ መሰረት ይሕዝ ዘሎ ሓድሽ ስርዓት ዓለምና (multipolar) ብላዕ ኢልዎ ዘብል እንጀራና ‘ዩ። ረኸብናያ ሎሚ ሰኣናያ ሎሚ ኢልና ኣብ መድረኽ ዓለም ዝግበኣና ስፍራን ቦታን ንኽንረክብ ቆሪፅና ተተላዒልና ከም ህዝቢ ኣዝዩ ተረባሕቲ ክገብረና ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን። መሬት መሬት ምርኣይ ገዲፍና ቆሪፅና ነቒልና ተተላዒልና ደፋኢ ዘይድልዩ ጋሕ ኢሉ ዝተኸፈተ ማዕፆ ሀገራዊነትን ዕብየትን ኣብ ቅድሚትና/ኢድና ‘ዩ።  እዚኣ ከመይ ንገብራ? “የትግራይ አመራር የርዕሰ ሃያላኑ ስጋት ለመቅረፍ ምን ማድረግ ይችላል?” ብዝብል ርዕሲ ኣብ ዘዳለኹዎ ሓፂር ፅሑፍ ሰለስተ ዓበይትን ወሰንትን ነጥብታት ኣልዒለ ‘የ። ሕዚ ኣብዚ ፅሑፍ ዝውከሶ ነጥቢ ግን ወታደራዊ መልክዑ ጥራሕ ዘተኮረ ‘ዩ ዝኸውን።  

ጎበዝ፥ ምንባር ጥራሕ ዘይኮነ ተኸቢርና ክነብር ተኾይና ከም ህዝቢ ደው ክንብል ኣለና። ናይ ባዕሉ ፍሉይ ዝኾነ ባህልን መንነትን ከም ዘለዎ ህዝቢ፥ ባህልናን መንነትና ሓሊና ክነብር ተኾይና እዚ ከግብረና ዘኽእለና ሃዋህው/ባይታ ክንፈጥርን ክህልወናን ይግባእ። ብኻሊእ ኣባህላ፥ ሃላዋትናን ደሕንነትናን ዋሕስ ጌርና ባህልናን መንነትናን ዓቂብና ንኽነብር፣ ህዝባዊ ተልእኽኡ ዝፈጽምን ዘተግብርን ሰራዊት ከድልየና ‘ዩ። ንምዃኑ፥ ሰራዊትካ ቀኒስካን በቲንካን ብደርፍን ብድራማን እንታይ ክትፈጥር ኢኻ ትሓስብ? ኣብ ጥራሕ ሜዳ ጉራን ፈኸራን ተዝጠቅም ነይሩ ንሻዕቢያ ምጠቐመ፤ ዝሓዝካዮ ዘይብልካ ዘራፍ ማለት ዝጠቅም ተዝኸውን ሕዚ ‘ውን ነምሓራን ንኤርትራን ምጠቐመ። ቀልቢ ንግስቲ ኣናህብ ክንስሕብ እንተ ኾይና ብዝግባእ ክንዕንብብ ኣለና (ዓቕሚ ሰራዊትና ክነደንፍዕ ኣለና)። ኣብ ዘይብልና ነገር ዝመፀናን ዝፅገዐናን ዓድን መንግስትን ክህልው ስለ ዘይክእል ዝብላዕን ዝስተይ ክህልውና ኣለዎ (ናትና ‘ዩ እንብሎ ሰራዊት ክህልወና ኣለዎ)። ክንመዓራረ ተዄና ሰራዊትና ክንሃንፅ ኣለና። ንምንታይ? ህንፀት ሰራዊት ትግራይ ዋሕስ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ስለ ዝኾነ። ትግራዋይ፥ ሰራዊት ትግራይ ፈጢሩ ዓቕሚ ተዘየጥሪ ነይሩ፥ ተዘራረቡ፣ ተመያየጡ፣ ተደራደሩ! እናበሉ ዝህውትቱ ሀገራትን መንግስታትን ኣይመሃለዉን ነይሮም። ከምታ ቅድሚ ሕዚ ዝገበሩና ኣይረኣናን ኣይሰማዕናን ኢሎም ክኽድዎ ዘይኽእሉ ዓቕሚ ሳላ ዝፈጠርናን ዘጥረናን ግን ጊዜኦም፣ ጉልበቶምን ገንዘቦም መዲቦም ንኽጓየዩ ጌርናዮም ኢና። ሓይልና ሳላ ዝወፃና እቲ ትማሊ ከም ኣባ-ጎብዬን ኣባ-ጨጎራን ዝጉሰስ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዓለም ሎሚ ከም ማንቲለ ኣጓይናዮን ኣዝሊልናዮን ኢና።  እቲ ሓቂ፥ ሰራዊት ትግራይ፥ ኣይኮእንዶ ክቕነስን ዕጥቁ ክፈትሕን ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ቁመና ብዝሓሸ መልክዑ ንኽጣየሽ ተዘጌርና ክንወሓጥ ኢና።    

እቲ ሒሳብ ኣዝዩ ቐሊል ‘ዩ። ኢትዮጵያ ንዓና ክትኣምነና ዘይትኽእል እንተ-ኾይና ንሕና ንኢትዮጵያ ንኣምነሉ ምኽንያት የብልናን። ኢትዮጵያ ዘፍርሓ ነገር እንተሃልዩ ብተመሳሳሊ ንዓና ‘ውን ከፍረሓና ይግባእ። እዚኣ ንምርዳእ ድማ ናይ ጠፈር ተመራማሪ ምኻን ኣይሓትትን። ሰራዊት ትግራይ ናይ ምዕቃብን ምድንፋዕን ውሳነ ድሕሪ ገዲም ምስ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘራኽቦ ነገር የብሉን። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ሓደ ዛዕባ ክንወስዶን ክንጥቀመሉን እንተ ኾይና ‘ውን መጠንቀቕታ ደወል ኾይኑ ከም ዘገልገለና ጌርና ጥራሕ ኢና ክንወስዶን ክንጥቀመሉን እንኸል። ጎበዝ፥ ሰራዊትና ንሓሉ ክብሃል ከሎ ንኻሊእ ዘይኮነ ንኸይንወሓጥ ‘ዩ። ምቕናስ ኮነ ምብታን ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ገዲም መቓብርካ ፊሒርካ ‘ያ። ዝጠቕመናን ዝረብሓናን ፈሊጥና ጽኑዕ መርገጺ ሒዝና ደው ተዘይልና ኣይክንዘልቃን ኢና። ንምንታይ? እትመፅእ ዘላ ዓለም (ስርዓት) ወይ ክትውሕጥ ኢኻ ወይ ድማ ክትወሓት ኢኻ፤ ንኸይንወሓጥ ‘ዩ ድማ ዕጥቅና ነስጥም ዝበሃል ዘሎ። ከምቲ ጉሒላታት ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ብልፍንቲ ዝወረሩናን ዘበሳበሱናን ዓዲ-ማትና ንኽንወርርን ህዝቢ-ማትና ንኽንገፍዕን ኣይኮነን። ሰራዊትና ሒዝና እንተ ፀኒሕና ካሊእ ይትረፍ ዝወቕዓናን ዝሃድነናን ሀገርን መንግስትን ክህልው ስለ ዘይኽእል ‘ዩ። ካብዚ ዝሓለፈ ድማ ንኽንመዓራረ ስለ ዝረድኣና ‘ዩ። ብዝተረፈ ሰራዊት ትግራይ ምቕናስን ምብታንን ተመሊስካ ናብ ጓጓ ኢትዮጵያ ምእታው ተዘይ ኮይኑ ካሊእ ትርጉም ክህልዎ ኣይኽእልን።

ንዘይድቅሱልና ኣይንድቅስን

ኢትዮጵያ ኾነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ከብፅሕዎ ዝዓለሙ ቁጠባዊ ጥፍኣትን ውድቀትን ዕንወትን ውድመትን ኩሉ ኣብፅሖም ‘ዮም። ዝቃፀል ኣቃፂሎም፣ ዝዓንው ኣዕንዮም፣ ነቒልካ ዝውሰድ ዘበለ ሀብትን ንብረትን ትግራይ ኩሉ ነቒሎም ወሲዶም ‘ዮም። ከምዚ ዝበለ ነውርን ዓመፅን ዝፈፀመ መንግስቲ ድሕሪ ምጭብባጥን ምፍርራምን ‘ውን ተኾነ ደቂሱ ክሓድር ‘ዩ ኢልካ ምሕሳብ ህስነት ‘ዩ። ካብ ሞት ዝተረፉ በዚሒ ሞርከኛታታ ምርኣይ ስዒቡ ኣብ ዓለም መድረኽ ዝተዋረደት ኢትዮጵያ ትኹን ኤርትራ ድሕሪ ገዲም ደቂሶም ክሓድሩ ‘ዮም ኢላካ ምሕሳብ ሕዚ ‘ውን ግርህነት ‘ዩ። ካብ ሕሉፍ ዘይመሃር፣ ታሪኽ ዘይፈልጥን ዘይጥይቕን፣ ሓቂ ናይ ምስማዕ ድሌት ዘይብሉን ዘይወሓጠሉን፣ ንሱ ‘ውን ከም ኣቦታቱ ተዘይተሰበረ ዘይመሃር ማሃይም መራሒ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዓመታት ምምፅኡ ኣይተርፍን፥ መድሓኒቱ ከምዚ ዝበለ ነገር ድሕሪ ዓሰረተ ዓመት ይምፃእ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ሓዚ ምድላውካ ኣጠናቒቕና ተዳሊኻ ምንባር ‘ያ።

ከም ተጋሩ ክንሓስብን ክንገብሮን ዘለና ነገር እንተሃለወ፥ ምስ ኢትዮጵያ ኾነ ምስ ኤርትራ ንጨባበጥ ንፈራረም ድሕሪ ገዲም፥ እቲ ሓደ መፁኒ ክብል እቲ ሓደ ካብ ሎሚ ሎሚ ደኸሙ እናበለ ከመዓድው ደቂሶምልና ከም ዘይሓድሩ ፈሊጥና ኢና ክንሓስብን ስራሕ ክንሰርሕን ዘለናን ዝግበኣናን። ብሽም ፍቕርን ምሕዝነት ዝፈሓስ ሽርሕን ተንኮልን ድማ ተጋሩ ተወሳኺ በጀት ምፅዳቕ ከየድለየ ብቐሊሉ ክነፍሽሎ ንኽእለሉ መንገዲ፥ እቲ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ዘድከመና ናይ ሓሶት ምሕደራ ኣወጊድና ሓድሽ ናይ ፖለቲካ ባህሊ፣ ህዝባዊ ይሁንታ ዘለዎ መንግስቲ፣ ሕግን ስርዓት ዝኣልያ ኣብ ዲሞክራሲያዊን ትካላዊን ኣሰራርሓ ተኣምን፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዝመለለዪኣ ትግራይ ምፍጣር ‘ዩ። እዚኣ ክንገብር ተኽኢልና ነጻ ህዝቢ ኾይና ክነብር ኢና። እዚኣ ምግባር ዓቐብ ተኾይናትና ድማ ከምታ ለሚ ዘፅነቱና ፅባሕ ድማ ክደግሙና ‘ዮም። ክደግሙና ተመኺሮምን ተተላዒሎምን ድማ ቀዳማይ ስሕተቶም ደጊሙም ዕድል ክቡና ‘ዮም ኢልና ከይንሓስብ። ክደግሙና ተኾይኖም ፈጺሞም ከጥፍኡና ‘ዮም። ንኸይንጠፍእ ‘ዩ ድማ ዓቕምን ብቕዓትን ሰራዊት ትግራይ ነደንፍዕ! ነፍስና ንኽኣል! ዝበሃል ዘሎ። እዚኣ ተጌርና፥ መመልከቻ ይእቲና ዘይኮነ ንሳቶም ባዕላቶም (እቶም ጎብለላት) ንረብሓኦም ክብሉ ሓቢርና ንኽሰርሕ ክእሉሽናን ክጥይቑናን ‘ዮም። ሎሚ ደው ከብሉኻን ክዓልዉኻን ተዘይኪእሎም ስለ ዝፈትውኻ ዘይኮነ ካሊእ መማረፂ ስለ ዘይብሎምን ክህልዎም ‘ውን ስለ ዘይኽእል ክቕበሉኻ ‘ዮም። ከምቲ ልዕል ኢለ ዝሓበርክዎ፥ ምሕዝነት ዓለምና ምስ ሓያል ህዝብን መሪሕነትን ‘ዩ። ድኹም ማሕበረሰብን መሪሕነት ብኣንጻሩ ቀለባ ‘ዩ። ሰራዊት ትግራይ ንዓቅብ፣ ሰራዊትና ነደንፍዕ፣ ከም ተጋሩ ንዓና ዝረብሓናን ዝጠቕመናን ንግበር፣ ህራስ ይፅነሓልና፣ ኣይንዘናጋዕ! ዘብለኒ ዘሎ ሕዚ ‘ውን ንኻሊእ ዘይኮነ፥ ቀለብ ካልኦት ንኸይንኸውን ‘ዩ።  ብቑርምም ሽርምም ንኸይንበርስን ከይንጠፍእን ‘ዩ። በይዛ ሀገሮምን ህዝቦም ዝወደቑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወዲቖም ንኸይተርፉ ‘ዩ። እቲ ሕቶ፥ ምሕሳብ ደው ዘበለን ዝተስኣኖን መሪሕነት ትግራይ (ኣብ ስልጣን ዘለዉ መራሕቲ ህወሓት) ንነፍሱ ከመይ ይሪኣ? ብኣውርኡ ድማ ሎሚኸ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ከመይ ይግምቶምን ይግምግሞን? ኣየናይ መማረፂ ይኽተል? ንሎሚ ዝሕሾ ወይስ ረብሓታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ብዘላቒ ውሑስ ዝገብር? ዝብል ‘ዩ።  

ኣብ መወዳእታ፥ እንደልዮ ብግልጺ ኣቕሚጥና፣ ሽቶና ንኽንወቅዕ ቆሪጽና ተዘይነቒልና፥ ንነፍስና ተለዊጥና ህዝብናን ከባቢናን ተዘይለዊጥና ዝልወጥ ነገር ከም ዘየለ ክንፈልጥ ይግባእ። ብድውልና ዝልወጥን እንልውጦን ነገር የለን። እቲ ዝተለምደ ኣብ ሓይሊ መሰረት ዝገብረ ናይ ሓሶትን ናይ ሸቐጥን ፣ ናይ ሽርሕን ናይ ተንኮልን፣ ሕድሕድካ ናይ ምጥልላፍ ምሕደራ ‘ውን ተኾነ ካብቲ ትማሊ ዝነበርናዮን ሎሚ ዘለናዮን ናይ ሕሰምን ስእነትን ናብራ ክውጸኣና ኣይንኸልን። ፈተና ጸላእና እዚኣ ንኹልና ግልጺ ክትከውን ኣለዋ። ክንልወጥ እንተ ኾይና ክልወጥ ዘለዎ ነገር ኹሉ ክንልውጥ ክንከልና ኣለና። ብኣተሓሳስባናን ብስራሕናን ክንልወጥ ክንክእል ኣለና። ንሃለዋትናን ድሕንነትናን መንነትናን ክብርታትናን መስዋእትነት ዝኸፈልናን ብቐጻልነት ዋጋ ንኸፍል ዘለና ሰብ መትከል ጽኑዕ ህዝቢ ኢናሞ ናብራናን ናብራ ህዝብናን ኩነታትናን ኩነታት ዓድናን ንኽንልውጥ መንገዲ ለውጥን ዕቢየትን ዝጠልቦ ዘበለ ኹሉ ንምምላእ ድሉዋት ክንከውን ክንክእል ኣለና። ገዲም፥ መን ነገሰ፣ ወዲ መን ኣማሓዳሪ ኾነ፣ ወዲ መን ኣበይ ኣተወ … ኣይኮነን ሕድሕድና ከዋቕዐናን ከናኽሰናን ዝግባእ፥ የግዳስ፥ ሰሪሖም ከስረሑና ዝኽእሉ፣ ህዝባዊ ዝኾነ ራእይን ሸኽምን ዘለዎም ይምርሑና፣ ናይ ሓሳብ ብልጫ ዘለዎ ይግዘኣና! በሃልቲ ክንከውን ኣለና። ናብራ ክንልውጥ እንተ ኾይና መጀመሪያ ሕማቕ ባህልን ኣተሓሳስባናን ክንልውጥ ክንክእል ኣለና።   

ሓደ ፀገም ግን ኣሎ

1983 ዓ/ም ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣዲስ ኣበባ ከኣትው ከሎ ምስ ሙሉእ ሓይሉን ጉልበቱን ስለ ዝነበረ በዚ እተው በዚ ውፃእ ዝብሎ ሓይሊ ኣይነበረን (ከም ዘይነበረ ‘የ ዝግምት)። ድሕሪኡ ‘ውን ተኾነ ምስ ዓቕሙ ስለ ዝቐፀለ ደው ክብል ከሎ እናተርኣየ ክዛረብ ከሎ ‘ውን እናተሰምዓ መፂኡ ነይሩ ‘ዩ፤ እንተ ሓዚ ግን (ሕድሕድና ብሖሶት ንሸናገል በሃልቲ ተዘይኮይና) ከም ኣሜባ እናተቖራረፀ መፂኡ ሽም ጥራሕ ሒዙ ዝተረፈ፣ ዓርሰ እምነት ዘይብሉ፣ ሕድሕዱ ክባላዕ ውሽጡ ዝተበልዓ ዝቦኽቦኸን ዝበስበሰን ድሑር መሪሕነት ህወሓት እዚኣ ክገብርን ዝሓለፈት ታሪኽ ክደግምን ኣይኽእልን። እዚ ማለት ግን ዝተብሃሎ ብምግባር ስልጣኑ ኣየቐጽልን ማለት ኣይኮነን። ናተይ ነጥቢ፥ ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ጎብለላት ዓለም ደው ኢሉ ክስማዕን ከስምዕን ይትረፍ፥ እታ ድኻ ዓዲ ኢትዮጵያ ከይተረፈት ብመትሓዚኡ ስለ ዝሓዘቶ ቃልስን መስዋዕነትን ህዝቢ ትግራይ ናይ ግሉ ገይሩ፥ ቆሲለሉ ‘የ ሞይተሉ ‘የ ዝብሎ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ብዝምልከት እኳ መርገጺኡ ብዕሊ ምዝራብ ተሳኢንዎ ምስ ዝሰዓረ ሓይሊ ተፈናጢጡ (ተቐኒዕዎ ሕዚ ‘ውን ምስ ኢትዮጵያ ክቕፅል ተሓሲምዎ ድማ ሀገረ ትግራይ! እናበለ ዓወትና ክነጥቕ) ሃለዋቱ ንኸቐፅል ሸውላለ ኣብ ምጽዋት ዝርከብ ምኻኑ ‘ዩ። ብፍላይ ጉዳይ ኣፍሪካ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣዚ መዓልቲ መዓልቲ ዘይእዮ ዘሎ ምልውዋጥን ምዕባለን ሎሚ ዝተበፅሓ ስምምዕነት ፅባሕ ንጉሆ ፈሪሱ ብኻሊእ ስምምዕነት ዝትከኣሉ ኩነታት ሰፊሕ ‘ዩ። ሎሚ ይኸውን ‘ዩ ዝበልዎ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ኣይኸውንን ዝበሃለሉ፤ ኣይኾውንን ዝበልዎ ብተመሳሳሊ ክኸውን ዘለዎ እዚ ‘ዩ ብማለት እቲ ቐዳማይ ዘፍርስሉ ኩነታት ዝፍጠረሉ ኣጋጥሚ ሰፊሕ ‘ዩ። ብምኻኑ ድማ ተሓፂቡ ዘይፀሪ ሽንፍላ ዝኾነ መሪሕነት ህወሓት ሕዚ ‘ውን ትግራይ ንድሕሪት ናይ ሙግታት ዓላማ ተዘይሃልይዎ (መስረቲ ሀገር – ሀገር ሓሪምና ንኸይንተርፍ) መሪሕነት ትግራይ ዓቕምን ክእለትን ኹሉ ትግራዋይ ዘሳተፈ መሪሕነት ንክኽውን ብምግዳድ ንዓና ንተጋሩ ዝረብሓናን ዝጠቕመናን ንኽንገብር ንውራይና ሃየ ንጓየ እናበልኩ ፅሑፈይ ኣብዚ እዛዝም።   

ሀገር ዝመስረትና ህዝቢ ሰኣን ብቑዕ መሪሕነት ሀገር ኣይሓርመናን ‘ዩ!

By aiga

One thought on “ትመፅእ ዘላ ዓለም ከከም ስረኻ ‘ያ፥ ከንመዓራረ እንተ ኾይና ድማ ዓቕሚ ክንፈጥር ክንክእል ኣለና።”
  1. ዝነበረትን ዘላን ትመጽእን ኩሉ እንትነ ዓለም ከም ስረኽዩ !!!

Comments are closed.