ብፍፁም ተኽላይ

ኣብ ትግራይ ሓደ ከም ልምዲ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝለዓለ ቦታ ሕዙ ዝፀንሐን ዘሎን፣ ግን ድማ ክእረም ዝግበኦ ግጉይ ባህሊ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ሰብ ዓብይ ግደ ንዝኾኑ  ሓርበኛታትን ኣመራርሓን ትግራይ ግቡእ  ኣፍልጦን ምስግናን ዝወሃበሉ ስርዓት ዘየለ ምዃኑ’ዩ። ብፍላይ ኣብ ባህሊ ውድብ ህወሓት ከዓ ፣ እዚ ጉዳይ’ዚ ኣዝዩ ኹኑንን ዝርገምን ኮይኑ’ዩ ፀኒሑ። አረ ኣብ ገለ ኣጋጣምታትስ ንኹሉ ነገር ኢዲት ናይ ምግባር ዝንባለ ክንዕዘብ ክኢልና ኢና። ብፍላይ ምስ ፍርያት ስነ ጥበብ ተዛሚዱ፣ ንምንታይ ከምዚ ይስራሕ፣ ንምንታይ ከምዚ ዘይኮነ እናተባህለ እውን ክውጋዕ ሰሚዕና ኢና። ወገነይ እዚ ባህሊ’ዚ ኣዝዩ ሃሳይን ብኣጋ ክእረም ዘለዎን ሕማቕ ልምዲ እዩ ኢለ ይኣምን። ርግፅ እዩ ኣብ ከይዲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ግደ ሓበራዊ መርሕነት(collective leadership)  ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮን ከምዘለዎን ንምጉት ዝቐርብ ኣይኮነን። እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ግን፣ ግደን ኣበርክቶን  መርሕነት ውልቀ ሰባት ብምንም ዓይነት መገዲ ዝትካእ ከምዘይኮነ ታሪኽ ምስክር’ዩ።

ንበዓል ዓብይ ግደ ሰብ ሓደን ግበረሉ፣ ሓደን ከ ንገረሉ እንዲዩ፣ ሎምዓንቲ ብታሪኽ ኣጋጣሚ ኣብ ዝባኑ ዝወደቐ ከቢድ ሕድሪ ህዝብን ስውኣት ብፆቱን ፀይሩ፣ህዝቢ ትግራይ ኣብ ናይ ልዕሊ 3 ሽሕ ዓመታት ታሪኹ ገጢምዎ ዘይፈልጥ ሓደጋ ፊት ንፊቱ ኣብ ዝተገተረሉ መድረኽ፣ ዕጫ ኮይኑ ነዚ ብድሆ ክገጥም ታሪኽ ብዛዕባ ዝበየነሉ  መራሒ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ፍትዊ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልን ብዛዕባ’ቲ ብመርሪሕነቱ ንኹሎም መፃወድያ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓማሺሹ ዝስጉም ዘሎ መስደመሚ መኸተ ህዝቢ ትግራይን ‘የ ገለ ነጥብታት ከልዕል ተበጊሰ ዘለኹ። ኣብ መጨረስታ ድማ  ብዛዕባ ፀላእቲ ዝወጠንዎ ሓዱሽ ወፍሪ ፀለመን ዕላማታቱን ኣብ ማሕበራዊ ዝነጥፍ ትግራዋይን ደገፍቲ ቃልስናን ብዛዕባ ክገብርዎ ዝግባእ ቃልሲ እውን ዝተወሰኑ ነጥብታት ንምርኣይ ዝዓለመ’ዩ መበገሲ እዚ ፅሑፍ።

ቅድሚ ናብ ዋና ነጥበይ ምስጋረይ ግን፣ ሓሳበይ ብዝግባእ ዝገልፀለይ ፓትርያርክ  ኦርቶዶክስ  ተዋሕዶ  ቤተ ክርስቲያን ግብፂ  ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ሽኖዳ 3ይ ካብ ዘስምዕዎ ቃል ክጠቕስ ይደሊ። “እቲ ውፉይን ቅንዕና ዝተዓደለን  ሰብ ንገዛእ ርእሱ የኽብር፣ ንቃሉ የኽብር፣ ሕብረተሰብ ንዘንበረሉ እምነትን ኣብ ዝባኑ ንዘሎ መብፅዓን የኽብርን ይነብርን፣ ክንዲዝኾነ እውን ምስ ካልኦት ዘለዎ ዝምድናታት የኽብር። ቅንዕንኡን ተወፋይነቱን ኣብ ገዛእ ርእሱን ስርሑን ከምኡ እውን ርክባቱን ልዑል እምነት ክጎናፀፍን እልፊ ሰዓብን ደጋፊን የምፀኣሉ፡፡” ይብሉ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ሽኖዳ 3ይ።

ካብ ቃል ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ሽኖዳ 3ይ እንወስዶ ቁም ነገር፣ እቲ  ልዑል ህዝባዊ ፍቕርን እምነትን ዝንበረሉ መራሒ፣ ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ቅንዕንኡ፣ ትሕትንኡ፣ ህዝባዊ ኣጠመምትኡ፣ ዝሓዞ ህዝባዊ ሓደራ/ህዝባዊ ስልጣን) ማዕረ ክንደይ ሌይላን ጉሌይላን እንከይገበረ፣ ንምርግጋፅ ረብሓን መሰልን ሕብረተሰብ ከምዘገልግለሉን ብምምዛንን ብምምርማርን ከምዝኾነ ብግልፂ ክንርዳእ ንኽእል። ኩሉ ግዜ ክርሳዕ ዘይብሉ ጉዳይ፣ እንካብ  ዓይንን እዝንን ሕብረተሰብ ዝኽወል ክንዲ ፍረጣፍ እውን እንተኾነ ክህሉ ከምዘይኽእልን’ዩ። ክንዲዝኾነ ሕብረተሰብ፣ መን እንታይ ባህሪ ኣለዎ? ውዕልኡን ህዝባዊ ባህሪኡን ኣንዳዕዲዑ ከምዝፈልጥ ንፃት’ውን ክርሳዕ የብሉን። ስለዚ እዩ ድማ ነበር ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣  ህዝቢ ትግራይ ፍትሓዊን ይግባይ ዘይበሃሎን ሚዛናዊ ዳይና ምዃኑ ደጊሙ ደጋጊሙ ዝሕብር ዝነበረ። ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ እንካብ መሬት ተበጊሱ ቅዋም ዘይወስድ፣ ብዘይ ርጡብ ምኽንያት ንምፍታውን ንምፅላእን ዘይህወኽ ናይ እማን ወረጃን ሕቡንን ህዝቢ’ዩ።  ክንዲዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንቕንዕናን ሃርኳትነትን ዶክተር ደብረፅዮን ንምልላይ ግዜ ኣይወሰደሉን።የግዳስ ፅኑዕ ህዝባዊ ባህሪኡን ብኹነታት ዘይቀያየር ናይ ዕላማ ስብእንኡን ብዘየዋላውል ኣብ ኣደባባያት እንከይተረፈ ክምስክር ጀመረ’ምበር። ብምዃኑ እንካብ ኣናእሽቱ ህፃናት  ክሳብ ዓበይቲ ዓዲ፣ እንካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ፣ እንካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ትግራይ ብጠቕላላ  ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ንዶክተር ደብረፅዮን ዘለዎ ዘይተገደበ ፍቕርን ድጋፍን ሂብዎ’ዩ።

 ምስዚ ልዕል ክብል ዝተጠቐሰ ኣርእስቲ’ዚ ዝዛመድ ሜጀር ጀነራል ኣበበ ተኽለሃይማኖት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ምስ ቢቢሲ ኣብዘካየዶ ቃለ መሕትት  ብዛዕባ  ዶ/ር ደብረፅዮን ተሓቲቱ እንትዛረብ፣”ዶ/ር ደብረፅዮን ገስጋሳይ፣ ቅኑዕን ለይቲ ምስ ቀትሪ ኣብ ስራሕን ፃዕርን ግዚኡ ዘሕልፍን ብህዝቢ እውን ኣዝዩ ልዑል ቅብሉነት ዘለዎ መራሒ እዩ።” ብምባል ንቅንዕናን ሃርኳትነትን ዶክተር ደብረፅዮን ገሊፅዎ’ዩ።  ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደሊ ነጥቢ እንተሃለወ፣ ዶክተር ደብረፅዮን ቅኑዕን ሓላይን እኳ እንተኾነ፣  ንሓቀኛ ባህሪ ደቂ ሰባት ንምልላይ ግን ዋላሓንቲ  ዘይእግሞን፣ ኣቐዲሙ ናይ ነገራት መበገስን መዕልቦን ኣፀፂዩ ዝፈልጥን ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ላዕለዋ ፀፍሒ መሪሕነት ብሄራዊ መረዳእታን ድሕነትን እዛ ሰናዕ ሃገር ኮይኑ ከምዘገልገለ እውን ክርሳዕ ዘይብሉ ነጥቢ ይመስለኒ።   ስለዚ ሓሶትን ምጭብርባርን ኣብ ቅድሚ ዶክተር ደብረፅዮን ዝሕሰብ ከምዘይኮነ ብዝርዝር ባህሪኡ ዝፈልጡ ሰባት ይምስክሩ። 

ንምዃኑ ዶክተር ደብረፅዮን ናብ ኣቦ መንበርነት እንትመፅእ እንተሎ፣ ውድብ ‘ህወሓት’ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ቁመና ከምዝነበረት ንድሕሪት ተመሊስካ ምርኣይ፣ ሕዚ ዘለናዮ ቁመና ብሚዛኑ ክንርዳእ ኣዐርዩ ሓጋዛይ’ዩ። ስለዝኾነ ኣብቲ እዋን’ቲ ውድብ ህወሓት ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝነበራ ብደም ዝተነድቀ ስጡም ርክብ ላሕሊሑ፣ ህዝቢ ትግራይ “ብሕማቕ ጓሳ ላሕሚ ትውቃዕ፣ ብሕማቕ ዳኛ ቅኑዕ ይርታዕ” እናበለ ኣብ ዘዕጉምጉመሉ ዝነበረ ወቕቲ ምንባሩ ምዝካር ኣዝዩ ጠቓሚ ይመስለኒ።  ስለዙይ ውድብ ህወሓት ኣብ ታሪኻ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ፣ ኣብ ሕትኽቱኽ ክትውዕል ዝጀመረትሉ፣ ስትራቴካሊ ምሕሳብን ምስራሕን ኣብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ ኣብ ልዕሊ ምብፃሓ፣ እቲ መርሕነት ከዓ ኣብ ነናይ ባዕሉ ካምፕ ተጎጃጂሉ ናብ ምንቛር ኣብ ዘምራሓሉ ሕማቕ ኩነታት እዩ እምበኣር ናብ መሪሕነት መፅዩ። እዚ ኹሉ እንትኸውን ዶክተር ደብረፅዮን ካብታ ዝኣምነላን ዕድመ መዋእሉ ዝተጋደለላን ዕላማ ንስድሪ’ውን ፈልከት እንከይበለ “ሓቂን ዕላማን” ጥራሕ ተቐኒቱ ዝተቃለሰን ኣብ ናይ ምንም ካምፕ እንከይኣተወ ንብሕቱ ንዝኣመነሉ ሓሳብ ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት ዝተቃለሰ ናይ ዕላማ ሰብ ምዃኑ ኩሉ መስኪርዎ ዝሓደረ ሓቂ እዩ።  

ከም ውፅኢቱ ከዓ፣ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣቦ መንበርነት ውድብ ህወሓትን ፕረዚደንትነትን ትግራይ ምስተረከበ፣ ሰላምን ርግኣትን እታ ሃገር ኣብ ዝተዘረገሉ፣ ንልምዓታዊ ንጥፈት ኣብ ዘይጥዕም ኩነታት እውን ኮይኑ ፣ ኣብ ሓፂር ግዜ  ልቢ ህዝቢ ትግራይ ንምሓዝ ዘኽእሉ ዝጭበጡ ለውጢታት ክምዝገቡ ፣ ምስ ምሕደራ ተኣሳሲሮም ዝለዓሉ ዝነበሩ  ፀገማት ከዓ ምስቲ ህዝቢ ብምዃን ንምፍታሕ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ክውገኑ ገይሩ’ዩ። ይኹን እምበር፣ ፖለቲካዊ ኩነታት’ታ ሃገር መትሓዚ መጨበጢ እናተሳእኖ ይኸይድ ስለዝነበረ፣ ኣብቲ ልምዓታዊ ስራሕቲ ተወጢኖም ዝነበሩ ፅቡቓት ስራሕቲ ክዘሓሓሉ ጀመሩ፣ብርግፅ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ምብልሻው ዝጀመረ ግን ነበር ቀ/ሚ መለስ ዜናዎ ብህይወት እንከሎ ጀሚሩ’ዩ።  ድሕሪ መስዋእቲ ቀ/ሚ መለስ ድማ፣ ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ውድብ ኢህወዴግ ብዝተፈላለዩ ውሽጣዊ ፀገማት ተለኺፉ፣ ክሓዊ ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ በፅሐ፣። ኣብ መጠረሻ ኸዓ ንባዕሉ እቲ ውድብ ኣብ ልዕሊ ምፍራሱ ዓዲ እውን ኣብ ነብሲ ወከፍ መዓልቲ እናፈረሰት ምኻድ ጀመረት፣ ስለዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ካብ ፈለምኡ መዋቕራዊ ፀገም/Structurall Problem/ ዝነበሮን ንዓመታት እናተዋህለለ ዝመፀ ፀገም እምበር፣ ሃንደበት ካብ ሰማይ ከም ኑህ ዝናብ ዱብ ዝበለ ከምዘይኮነ ንቲ ጉዳይ ብዝርዝር ዝፈልጡ ኣካላት ዘረጋገፅዎ ሓቂ’ዩ።  ብዝኾነ ኣብ ከምዚ ኣመሰለ ኩነታት እንከለና  እዩ  እምበኣር እቲ ኩነታት  ዘጋጠመ። 

 ከምቲ ልዕል ኢለ ንምግላፅ ዝፈተንኩዎ፣ ብዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ መንግስትን ውድብን ትግራይ፣ ብዘርኣዮ ትግሃትን ኣብታ ዝነበረት  ሓፂር ግዜ እውን እንተኾነ ብዝተመዝገቡ ተስፋ ህዝቢ ዘለምለሙ ለውጢታት፣ ሓርፊፉ ዝነበረ ርክብ ህዝብን ውድብን/መንግስትን ናብ ንቡር ክምለስ ደሪኽዎዩ፣ ብምዃኑ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዝተኻየደ ታሪኻዊ መረፃ ንውድብ ህወሓት ብምምራፅ ኣርጋጊፅዎ’ዩ። ኩሉ ከም ዝዝክሮ እቲ ዝተኻየደ ታሪኻዊ መርፃ፣ መረፃ መኸተ ምንባሩ’ዉን ግልፂ’ዩ ነይሩ። ስለዝኾነ’ውን ህዝቢ ትግራይ፣ ስርዓት ኣብይ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ብዘየላጢ እናገለፀ ኣብ ዝነበረሉ እዋንን ብኹለንትነኡ መምዘኒ ኣብ ኣፀጋሚ ወቕቲ’ውን ኮይኑ፣ ንኽብሩን መንነቱን ብዝኩልዕ ኣግባብ ታሪኻዊ መረፅኡ ብምክያድ፣ ንህወሓት ታሪኻዊ ሓላፊነትን ሓደራን ኣረኪብዋ’ዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ቀረባን ርሑቕን ፀላእቲ በብናይ ባዕሎም መበገሲ ህዝቢ ትግራይ ጨሪሶም ክፅንትዎ ሓበራዊ ፕሮጀክት ሓንፂፆም ብልፍንቲ ወራር  ምስወልዑ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሙሉእ ዘመኑ ዘይገጠሞ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ወይከዓ ከም ህዝቢ ናይ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ሕቶ ኣብ ዝንባኑን ዝባን ብፆቱን  ምውዳቁ ዝተረደአ ዶክተር ደብረፅዮን፣  ምስ ሓደስትን ነባራትን ብፆቱ ማይን ፃባን ኮይኑ፣ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል መንግስቲ ክዓስል ብምግባር፣  ኣብ ከይዲ ጉዕዞ ብዘጓንፍዎ ፈንተንቲ ኩነታት እናተጠበሰ ንምግላፁን ንምርድኡን ብዝኸብድ ናይ ምስትውዓል ደረጃን ጥበብን እቶም ፀገማት እናኣለየ፣ ሕቶ ምንባር ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ ብቃላት ንምግላፅ ዝኸብዱ ሕልኽላኻት እናሰገረ፣ ምስ ብፆቱን መቓልስቱን ኮይኑ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ክዕፀፍ ናብ ዘይኽእለሉ  ጥራሕ ዘይኮነ ሚዛን እዚ ዘለናዮ ዞባ ዝቕይር  ኩለመደያዊ ዓቕሚ ክህነፅ ግቡእ መሪሕነት ኣዕሪፉ’ዩ። 

እቲ ዝገርም፣ ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዘይበልዓሉን ካልኦት ኣብ ዘበላሸውዎን መዓት ምርግራጉ ሙሉእ ህዝቢ መስኪሩ’ዩ።  ስለዝኾነ ሙሉእ  ህዝቢ ትግራይ እዚ ሓቂ’ዚ ብዕምቆት ስለዝርዳእ፣ ካብ ቆልዓ ክሳብ ሽማግለ ኣብ ጎኑ ህዝባዊ መኸተና ተሰሊፉ ኩሉ ንምኽፋል ዘለዎ ቅሩብነት ብዘረባ ጥራሕ እንከይኮነስ፣ብግብሪ እውን ኣረጋጊፁ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝነብር ዳያስፖራ ትግራይ እውን ብፍልጠቱ፣ ገንዘቡን ጉልበቱን መኸተ ትግራይ ንምዕዋት ተሰሊፉ ተዋዲቑን ናይ ባዕሉ ዘይትካእ ግደ እናተፃወተን ይርከብ። ኣብዚ እንከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ቁም ነገር፣  ዶክተር ደብረፅዮን ሙሉእ ህዝቢ እምነት ዘንበረሉን ንቃል ህዝብን ስውኣት ብፆቱን ዝነብር ናይ ዕላማ ሰብ ምዃኑ ስለዝኣምንን፣ልዑል እምንቶ ህዝቢ ዝለዎ መሪሕነት ድማ ኣሽንኳይ ዶ ኣብ ኲናትሲ፣ ኣብ መደበኛ ናይ ልምዓትን ምህናፅ ስርዓት ዴሞክራሲ እዋን እውን ኣዝዩ ተደላይን ብቐሊሉ ዘይርከብ ሃፍትን እዩ። ልዕሊ ኹሉ ኸዓ ፖለቲካ ናይ ባዕሉ ሲንክሳር ዝጠልብ መስርሕ ምዃኑ ገዛኢ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝኮነሉ ወቕቲ፣ ነዚ ገዛኢ ኣተሓሳስባ’ዚ ሰይሩ ትዕግስቲ፣ ውፍይነትን ቅንዕናን ጥራሕ ተቐኒቱ ዝስጉም መራሒ ብምዃኑ፣ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፣ መንእሰይ ከዓ ብፍላይ ኣብ ሓፂር ግዜ  መፃወድያ ፀላእቲ እናሰባበረ ከም ማዕበል ናብ መሰልጠኒ ማእኸላት ክፈስስ ብምኽኣሉ፣ መኸተ ትግራይ ንኹሎም ብልፍንቲ ዝወፈሩ ሓይልታትን ምትእስሳራቶም  ደዃዕዃዕ ኣቢሉ፣  ንኹሉ  ዕንቅፋታትን ውዲታትን በናጢሱ፣ ተዓዊቱ ክወፅእ ኣብ ልዕሊ ምኽኣሉ፣ ከም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነቲ  ፍልፍል ዘይነፅፍ ሓበንን ኩርዓትን ዝኾነ ታሪኽ እምቢታን ሰዓራይነትን ወያነ ትግራይ ዓቂብዎ ጥራይ እንከይኮነስ ተወሳኺ ድምቀት ዝውስኹ  ቅያታት ብምምዝጋብ ወሪቕዎ’ዩ። 

 ኣብዚ  ዕዉት ህዝባዊ መኸተና፣  ምስ ሓያል ቃልሲ  ህዝቢ ትግራይ ገጢሞም ዝበርዓኑ ፈተነታት ድማ ዘርዚርካን ፀብፂብካን ዝውዳእ ከምዘይኮነ ንማንም ግልፂ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ኸይዲ ጉዕዞ ህዝባዊ መኸትኡ፣ ህላውኡን ብሄራዊ መንነቱን ብቓልሱ ከረጋግፅ ህዝባዊ ቃልሱ ክጅምር እንከሎ፣ ብዘይካ ኣብ መንግስቱን ሰራዊቱን ካልእ ዝተኣማመኑሉ ፀግዒ ፍፁም ኣይተመነየን። ብምዃኑ ህላውኡን ብሄራዊ መንነቱን ንምርርግጋፅን ንምውሓስን ኩሉ ንምኽፋል ጋእ ዘይበለ’ዚ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቱን ሰራዊቱን፣ ከም ህዝቢ ሰሚሩን ፀኒዑን ብምቅላስ ከዓ እንሆ ህላውኡን ድሕነቱን ብዘላቕነት ክውሕስ ናብ ዝክእለሉ ብርኪ ተሰጋጊሩ ይርከብ።

ከም ውፅኢት’ዚ ድማ፣ ፀላእቲ ማእለያ ዘይብሉ ጋዓገልጠምን ዘራያትን ኣሰሊፎም ክረኽብዎ ዓሊሞምን ተመንዮምን  ዘይከኣሉ ዓወት፣ ሕዚ ሓዱሽ ሽርሕን ውዲታትን ነድፎም፣ ዝተመጋገበን ካብ ሓደ ማእኸል ብዝግራሕን ፕሮፖጋንዳ ብምኽፈት ንፅንዓት ህዝብናን መንግስትናን ንምብዳህ ብዕሊ ስራሕ ጀሚሮም ኣለው። ትኹረት እቲ ዝወጠንዎ ሓዱሽ ዘመተ ከዓ፣ ኣብ መሪሕነት መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ዘየቋርፅን ተኸታታልን ወፍሪ ፀለመ ብምክያድ፣ ቅቡልነቶም ኣብ ሕቶ ክኣቱን፣ ሓድነትና ክዝረግን ብምግባር እቲ ብዓውደ ኲናት ክሰምረሎም ዘይከኣለ ዓወት ክሓፍሱ ምእኹል ሰራሕ ጀሚሮም ኣለው። እዚ ድማ፣ ብመሪሕነት ብልፅግናን ባዶ ሰለስተ ህግዴፍን ዝተሃንደሰ፣ ገዚፍ ሃፍቲ ዝተመደበሉን ብስሩዕ እናተገምገመ ‘ዩ ዝምራሕ ዘሎ። ስለዚ እዚ ኹንታት’ዚ ብምርዳእ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፍ ትግራዋይን ደጋፊ ቃልስናን፣ ንቲ ዝካየድ ዘሎ ሓዱሽ ውጥን፣  ከምቲ  ኣብ መሬት ምስ ቅልፅም ህዝባዊ መኸተና ተጋጪዮም ከም ኩምራ በረድ ዝመኸኹ፣ እዚ ሓዱሽ ዝተሃንደሰ ውዲታት እውን ብስሙር ቃልሲ ክነበርዕኖ ይግባእ።  

By aiga