መዓርግ (ዶ/ር)

ቶሮንቶ፣ ካናዳ።

እዛ ሓፃር ፅሕፍቲ’ዚኣ ቅድም ክብል ናይ ዝወፃ ፁሑፋት መቐፀልታ እንትትኮን ዝተደገሙ ሓሳባት’ውን ይህሉው እዮም። ዝድገም ሓሳብ እንትሃለወ’ውን ኣይጎድእን። እቲ ዛዕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ – ሓድነት ተጋሩ። ብዙሓት ናይ ተጋሩ ሓድነት ከይዝረግ ኣስጊኡዎም ክጭነቑ ምርኣይን ኣብ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ምንባብን ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ መንጎ እቲ ገዛኢ ውድብ ሕወሓትን ካልኦት ተናሓናሕቲ ውድባትን ዘሎ ኣፈላልይን ውጥጥን ሓሳባቶም ዝገልፁሉ ኣግባብን ኣመልኪቱ ብዙሕ ተባሂሉ ፣ ብዙሕ ተፃሒፉ። እቲ ኹነታት ዘስገኦም ኣሓትን ኣሕዋትን ስሚዒቶም ብዝተፋላለየ መንገዲ ይገልፁ – ኮላይ ብምስላ። ካብ’ቶም ነቲ ዘሎ ኩነታት ንምግላፅ ብዙሓት ዝጥቀሙላ ምስላ “ምእንቲ’ታ ዕትሮ ትሕለፍ እታ ኣንጭዋ” እትብል ጎሊሃ ትጥቀስ። እታ ዕትሮ ነቲ ናይ ትግራይ ዋና ናይ ሎሚ ዕማም እንትትውክል እታ ኣንጭዋ ኻዓ ነቲ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ስኽ ኢልካ ብኣቕሊ ምሕላፍ እትውክል ምዃና እያ።

ብዙሓት ሕቶታታት ምልዓላ ግና ኣይተረፈን። ካብ ናይ’ቲ ገዛኢ ውድብ ሕወሓት ዝተፈለየ ኩሉ ዓይነት ሓሳብ ኣይቕረብ ማልት ድዩ? ብሱሩ ኸ ከምዙይ ምባል ንትግራይ ይጠቕማ ዶ? ሓሳብ ዝድለ ኣብ እዋን ጭንቂ ካብ’ቲ ዘሎ ወጥሪ ንምውፃእ ዶ ኣይኮነን? ወዘተ ዝብሉ።

ቅድሚ ኹሉ ሓድነት ተጋሩ ኣገዳሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ ርዱእ ጌርካ ምብጋስ የድሊ። እቲ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ኣሽንኳይ ዶ ተፋላላሊኻስ ሓቢርካ’ውን ከቢድ እዩ። ስለዚ እዞም ከይንፋላለ ዝስከፉ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ምኽኒት የብሎምን ምባል ኣይካኣልን። እንተናኣሰ ፀላእቲ ናይ ሰብ ሓይሊን ባጀትን ሰሊዖም ሕዝቢ ትግራይ ከናኽሱ ዘይሕለል ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ እዩ። ኣብ ሕመቕ ዘለዉ ገለ ተጋሩ’ውን ምስ ፀላእቲ ኮይኖም ዝሰርሑ ኣለዉ ፣ ነቲ መኸተና ከዳኽሙ ዝኽእሉ ሓሳባት’ውን ይቃላቐሉ ኣለዉ። ይኹንዳኣ’ምበር በዙይ ምኽኒት ኩሉ ሓሳብ ምፅላእ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይበዝሕ። እቲ ስኽፍትኡ ዝገልፅ ገሊኡ ብግርህነት ገሊኡ ኻዓ ብሽርሒ ከይኸውን’ውን ምጥንቃቕ የድሊ። ብግርህነት – ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ እንተቐሪቡ ቃልሲ ሕዝቢ ትግራይ ከይኹለፍ ስለዝፈርሑ ፣ ብጉርሒ – እቲ ገዛኢ ውድብ ሕወሓት ብዘይ ገለ ተቓውሞ ዝደልዮ ናይ ፖለቲካ ዕላምኡ ክውግን ስለዝደልዩ። ስለዚ እቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ሻቕሎታታ ብደምቢ ምምርማር የድልየና።

እታ ልዕል ኢላ ዝቐረበት ምስላ እትጥቀሰሉ ቐንዲ ምኽኒት ተናሓናሕቲ ውድባት ነቲ ገዛኢ ውድብ ዝምልከቱ ተቓውሞታት ፣ ሂሳትን ዘለዎም ስኽፍታን እንትገልፁ ምዃኑ እንፈልጦ ጉዳይ እዩ። ብዙሕ ጊዜ ዝቐርቡ ርኢቶታታት ነቶም ተናሓናሕቲ ውድባት ዝመኽሩ ፣ ዝውርፉን ዝነቕፉን ኮይኖም ንረኽቦም። እዚ ዘለናሉ ተቛሻሓይ እዋን ክሳብ እንሓልፎ “እቲ ገዛኢ ውድብ ዝገበረ እንተገበረ ሪኢኹም ከምዘይራኣኹም ሕለፉዎ” ማለት እዩ። እዚ ኣባሃህላ’ዚ ብዙሕ ሕቶ ንኽተልዕል የገድደካ። ቅድም ቀዳድም እታ “ዕትሮ” ከይትስበር ክግደሱ ዘለዎም እቶም ተናሓናሕቲ ውድባት ጥራህ ድዮም? እቲ ሓላፍነት ብኣውሩኡ ናይ’ቲ ገዛኢ ውድብ ዶ ኣይኮነን? ኣብ ክንዲ ነቶም ተናሓናሕቲ ውድባት ብሕም ኣይትበሉ ምባል ነቲ ገዛኢ ውድብ ናብ ከምዙይ ዝበለ ኩነታት ዝወስድ ባይታ ኣይትፍጠሩ ፣ ምባል ከ ንመን ቀተለ? እቶም ዝቐርቡ ዘለዉ ሓሳባት ነቲ ቀንዲ ዋኒን ትግራይ ዝሕግዙ ድዮምስ ኣይኮኑን ኢልካ ምሓታት ዶ ይሓይሽ ወይስ ነቲ ገዛኢ ውድብ ዝቃወም ዝኾነ ይኹን ሓሳብ እንተቐሪቡ ክንፋላለ ኢና እናበልካ ምፍርራሕ?

እዞም ሓሳባት ዝምዘኑሉ ረቑሃ ነቲ ዝግበር ቃልሲ ብኸመይ ይጠቅም ፣ ብኸመይ ከ ይጎድእ ዝብል እንተኾነ ዶ ኣይሓይሽን? ወዘተ ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታታት ክላዓሉ ዝጠልብ ዛዕባ እዩ።

እስቲ ናብ’ታ ምስላ ንመለስ። ወለድና “ምእንቲ’ታ ዕትሮ ትሕለፍ እታ እንጭዋ” እንትብሉ ዝነበረ ባይታ (context) ምስ’ቲ ዘለናሉ ኹነታታት ይኸይድ ዶ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ግቡእ እዩ። ወለድና ነ’ታ ምስላ እንተውፅኡ ኣንጭዋ ንምቕታል ናይ ግድን ወይ ዳርባ እምኒ ወይ ኻዓ በትሪ ምጥቃም ግድን ኣብዝነበረሉ እዋን ምዃኑ ግልፂ እዩ። ሎሚ ኣንጭዋ ንምቕታል እምኒ ወይ ኻዓ በትሪ ምድርባይ ከየድለየ ብጥበብን ቴክኖሎጂን ምፍፃም ኣብዝካኣለሉ ዘበን ንርከብ። ስለ’ዚ እታ ዕትሮ’ያ ከይትስበር ኢልካ ኣንጭዋ ክትዕንድርን ገቢላ ካልእ ፀገም ክሳብ እትፈጥርን ምፅባይ ውዒሉ ሓዲሩ ዝገደድ ፀገም ምፅዋዕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ እታ ዕትሮ ኣይትሰበር ፣ እታ ኣንጭዋ ግና ከይገበለት ስርዓት ታሓዝ እንተበልና’ዩ ዘጥዕመልና። ብሱሩ’ውን እዛ ምስላ እተልዕሎ ካልእ መሰረታዊ ሕቶ ኣሎ። እታ “ዕትሮ” ከይትስበር ታሓላቓይ መን’ዩ። እቶም ተናሓናሕቲ ውድባት እታ “ዕትሮ” ትሰበር ኣይትሰበር ኣይግድሶምን ዲና እንብል ዘለና? ከም’ዙይ እናበልካ ጥንኩራት ውዳበታት ምፍጣር ዶ ይካኣል? ንሕና ፍሉያት ተጋሩ እቶም ኣብ ባይታ ኾይኖም እቲ ኹነታት ዝዕዘቡ ዘለዉ ተናሓናሕቲ ውድባት ኻዓ ብዛዕባ ሕብረት ትግራይ ኣያሓስቡን ማለት ድዩ? እቲ ሓደ ፍሉይ ታሓላቓይ እቲ ኻልእ ኻዓ ዘይግድሶ ጌርካ ናይ ምውሳድ ሕማም ኣብ ምንታይ ከምዘብፀሓና ረሲዕናዮ ዲና? ቀንዲ ሓሳበይ እንመክር ሰባት ፍትሓውያን ንኹን ዝብል እዩ። ብኹሉ ሸነኽ እንሪኦ ፅቡቕ ብፅቡቕነቱ ሕመቓት’ውን ከምኡ ጌርና ንውሰዶ። እዞም ውድባት እዚኦም ኣብ ሚድያታት ወፅዮም ንኽዛረቡ እንታይ ደፊኡዎም? እቲ ገዛኢ ውድብ እንታይ ሰለዝገበረ ወይ ኻዓ ዘይገበረ እዮም ፈታዊን ፀላእን ዝሰምዖ ሓሳብ ሒዞም ዝቕርቡ ዘለው ኢልና ዘይንሓስብ ንምንታይ? ከምዝሰማዕናዮ እንተኾይኑ እቶም ውድባት እቲ ቓልሲ ዘዕውት መማረፂ ሓሳብ ኣለና እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ሓሳቦም ይጥቀም ኣይጥቀም ክስማዕን ክዝተየሉን ይግባእ። እቲ ዘቕርቡዎ ዘለዉ ሓሳብ’ውን ብዓይኒ ረብሓ ትግራይ ተራእዩ ብኸመይ ይጠቅም ኣብ ዝብል ተደሪኹ እንተኾነ ይሓይሽ።

ንኹሉ ዓይነት መማረፂ ሓሳብ ዝቃወሙ ሰባት ፍትሓውያን ኣይኮኑን ዘብለኒ ካልእ ጉዳይ ክጠቅስ። ርግፅ’ዩ ዳርጋ ኩሉ ሕዝቢ ትግራይ ዝሳማማዓሎም ሓሳባት ኣለዉ። ንኣብነት እቲ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ምፍንጣሕ ፣ ግዝኣት ትግራይ ምኽባር ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገለ ፀገም ምእታው ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ምኽባር ወዘተ ይርከቡዎም። ኣብ ካልኦት ኣካይዳታት ግና ኣፈላላይ ክህሉ ግድን እዩ። እቲ ገዛኢ ውድብ ሕወሓት ቅድሚ’ቲ ዂናት ይኹን ድሕሪኡ ዝተኸተሎም ኣካይዳታት ፣ ኣብ ሓደሓደ መርገፂታት ከይተረፈ ብዙሕ ትግራዋይ ዘይሳማመዕሎም ዛዕባታት ኣለዉ። ስለ’ዚ እቲ ገዛኢ ውድብ ሕወሓት ኣፈላልይ ክፈጥር ዝኽእል ሓሳብ ናይምቕራብ መሰል ሂብካ ነቶም ካልኦት ግና እዚ ዕድል ኣይግበኦምን ማለትና ናይ ጥዕና ዶ ይኸውን? ከም’ዙይ  ዓይነት  ርኢቶ ነቲ ገዛኢ ውድብ  ከምድልየትካ  ዓንድር (be laisse faire) ምባል ዶ ኣይኸውንን? ገዛእቲ እንተድኣፈቒድናሎም ናብ ጨቋናይነት ንኽቕየሩ ፃት  ኣይወስደሎምን። ኣብ ጎረቤትና ዘሎ ጋውና ናፅነት ስለዘምፀአ ግደፉዎ እናተባህለ ዶ ኣይኮነን ኣብዙይ በፂሑ?    ኣብክንዲ እታ “ኣንጭዋ” ከምድልየታ ታዓንድር ኢልካ “ክትሕንቅቕ” ምፍቃድ ከይገበለት መንገዳ ቐይራ ክትከይድ ምግባር ይበልፅ።

ክንርድኦ ዝግበአና ካልእ ነገር ኻዓ እቲ ዘለናሉ ዘበን ሓሳባት ምዕጋት ዘይካኣለሉ ምዃኑ እዩ። ብሓደ ወገን ክትዓፅዎ እንተፈተንካ ብኻልእ ሾሊኹ ክወፅእ ይኽእል ፣ ዳርጋ ኩሉ ዘበናዊ ስልኪ ዘለዎ ሰብ ዝደለዮ ዓይነት ሓበሬታ ክረክብን ፣ ዝመሰሎ ሓሳብ’ውን ክፍኑ ዘኽእል እቅሚ ኣለዎ። ከልኪልካ ኣብ ዘይትኽልክሎ ነገር ጉልበትካ ምጥፋእ ትርጉም ኣይህልዎን። የግዳስ ክንለምዶ ዘለና ጉዳይ ናይ ሰባት ሓሳብ ምኽባር ፣ እንድግፎ ሓሳብ እንትህሉ ምድጋፍ ፣ እንነቕፎ’ውን ስርዓት ብዘለዎ መንገዲ ምንቃፍ ክኸውን ይግባእ። ኩሉ ሓሳብ ኣይፍቶን ኩሉ ሓስብ’ውን ኣይፅላእን። ዝኣምነሉ ሓሳብ ዘቕርብ ሰብ ፈታውየ ፣ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ዘቕረበ ኻዓ ፀላእየ’ዩ ኢልካ ምሕሳብ ንኽተርፍ ናይ ኩልና ቃልሲ የድሊ። ናይ ማሕበረሰብና ድሕረት ስለዝኾነ ተቢዕኻ ካብ ምቅላስ ካልእ መማረፂ የለን። ሓሳብ ፀሊእናን ለውጢ ደሊናን ስለዘይኸውን ፣ ናብ ዝሰልጠነ መንገዲ ዝወስደና ስጉምቲ ሓሳብ ምኽባር ስለዝኾነ ተፀሚምና ንኽኣሎ። ምባኣስን ዘይምባኣስን ናይ ባዕልና ምርጫ’ምበር ኣብ ናይ ካልኦት ሓሳብ ዝተደረኸ ክኸውን ኣይኽእልን።

ጌጋ ዳኣ ይኽላኣለይ’ምበር እቶም ዘይደልዩዎ ወይ ኻዓ ካብ’ቲ ናቶም ናይ ፖለቲካ እምነትን መርገፅን ዝተፈለየ ሓሳብ እንትቐርብ ዝኹርኮሖም ሰባት ናይ’ማን ተጋሩ ከይንፋላለ ሓልዮም ድዮም ዝብል ሃሳብ’ውን የልዕል እዩ። ዘየባእስ ነገር ከባእሰና’ዩ ምባል ምናልባሽ ናይ ውልቆም ፍርሒ ዶ ይኸውን? ሕዝቢ ትግራይ ኣብዝሃለወ ይሃሉ ካብ ዝኾነ ይኹን ዘበን ብፍሉይ ዝሰመረሉ ምኽኒት ሓሳብና ብዘየገድስ ንኹልና ከጥፉኡና ዝመፁ ፀላእቲ ስለዘለዉና እዩ። ብኣንፃሩ ኻዓ ሕዝቢ ሓሳቡ ከይገልፅ እንተተኸልኪሉ ናብ ዝገደደ ዘይምትእምማን ከምርሕ ከምዝኽእል’ውን ምፍላጥ የድሊ። እንካብ ሓሳቡ ገሊፁ ስተባኣሰ ሓሳብካ ከይትገልፅ ተባሂሉ ዝተዓፈነ ሕዝቢ’ዩ ናብ ዝዓበየ ኣፈላላይ ዝኣቱ። ታዓፊኑ ዝበስል ነገር እንትበዝሖ ክፍጀር ስለዝኽእል።

እዙይ ማለት ግና ውድባት ትግራይ ዘምፀአለን ክዛረባ ኣለወን ፣ ዝቐርብ ሓሳብን ዝቐርበሉ መድረኽን ምምራፅ ኣየደልን ማለት ኣይኮነን። ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ዋኒን ክህሉ የብሉን። እቲ ገዛኢ ውድብ ፣ ተናሓናሕቲ ውድባት ይኹና ውልቀሰባት ኣብ ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓ ኽዋገያ ትግራዋይ ክፈቅድ ኣይብሉን። ኣነ ከምዝዕዘቦ እቲ ገዛኢ ውድብ ሕወሓት ይኹን ተናሓናሕቲ ውድባት ካብ ከምዙይ ዝበለ ጌጋ ናፃ ኣይኮኑን። መራሕቲ ሕወሓት ይኹኑ መራሕቲ ተናሓናሕቲ ውድባት ዝገበሩዎም ጸቡቓት ነገራት ከምዘለዉ ኹሉ ጌጋታት’ውን ኣለዉ። ክዝረብ ዘይብሉ ነገር እንተድኣ ተዘሪቡ ፣ ናይ’ቲ ተዛራባይ መንነት ብዘየግድስ ታዓገስ ክባሃል ፣ ዝጠቅም ሓሳብ ኣብዝቐርበሉ እዋን’ውን ይበል ክባህል ኣለዎ። ነቲ ሓደ ከምድላዩ ክገብርን ክዛረብን ፈቒድካ ነቲ ኻልእ ብሕም ከይትብል ምባል ፍትሓዊ ኣይኸውንን ፣ ነቲ ክፍጠር እንደልዮ ኩሉ ዝዋሰአሉ ፖለቲካዊ መድረኽ’ውን ኣይጠቅምን። ኣብ ኲናት ስለዘለና ጥንቃቐ ዘድሊ ብኹሉ ወገን’ምበር ብሓደ ኣካል ጥራህ ኣይኮነን።

ትግራይ ዝተፈላለዩ ሓሳባት የድልዩዋ። እዞም ዝቐርቡ ሓሳባት ኩልና እንሳማመዕሎም ኣይኾኑን። እቲ ቀንዲ ሓላፍነትና ክንፋላለየሎም ዘይብልና ዛዕባብት መሚና ምፍለጥ እዩ። ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓታት ኣብ እነውሕሰሎም ጉዳያት ኩልና ብሓባር ክንዓስል ግድን እዩ። ንዓስል ኻዓ ኣለና። እቲ መከራ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ይሃልወና ኣያሃልወና ንኹልና ከጥፍእ ዝመፅ ስለዝኾነ። ነቲ መኸተ ዘዕንቅፍ ሓሳብ እንትቐርብ ነቲ ሓሳብ ፈሊኻ ብግልፂ ምቅዋም ንቡር ኮይኑ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ከይቐርብ ምባል ግና ኣየጥዕመልናን። ኣብ ጓል መንገዲ ፣ ኣብ ኣካይዳ ወዘተ ነናይ ውልቅና ሓሳባት እንተሓዝና ነውሪ ኣይኮነን። ናይ ዕማማት ቅደም ሳዓብ ምፍላይ ኣገዳሲ እንተኾነ’ኳ ኣብ ኣቃራርባን መድረኽ ኣማራርፃን ጥንቃቐ ምግባር’ምበር ኣይእዋኑን ዝባሃል ዛዕባ ክህሉ የብሉን። ፅባሓና ዝውስኑ ጉዳያት ሎሚ እንተዘይተዛቲናሎም ዳሕራይ ናብ ሃንደፍደፍ ስለዘእትወና። ኣብ ፀላእትና እንሪኦ ሕመቕ እናኾነንና ኣብ ውሻጠና ከምኡ ክኸውን ባይታ ምፍጣር ዓገብ እዩ። የግዳስ ትግራይ ዝተፈለየ ሓሳብ ከምዘይትፈርሕ ንፈታዊን ፀላኢን ምርኣይ ናይ ተጋሩ ልዑል ስነልቦና ዝገልፅ ይመስለኒ። ስለ’ዚ እቲ እዋን ዝጠልቦ ምስላ “እታ ዕትሮ ኣይትሰበር ፣ እታ ኣንጭዋ’ውን ኣይትሕለፍ” ዝብል ክኸውን ኣለዎ። ክእረም ዝግበኦ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድብ ይምፃእ ክእረም ፣ ዘድሊ ሓሳብ’ውን ዘቕርቦ ኣካል ብዘየገድስ ክቐርብ ስለዘለዎ – ዝቐትል ዋሕዲ’ምበር በዝሒ ሓሳብ ስለዘይኮነ።

By aiga