ሙሉጌታ በሪሁ

08/07/2022

እዚ ሕቶ እዙይ ንምምላስ ፈለማ ክንመልሶም ዝግብኡና መሰረታዊን ታሪካዊን መንነትና አቐዲምና ክንመልሶም ይግባእ ኢለ ይአምን።

ንሕና ተጋሩ ኢና ዝብል ጭቡጥ መግለፂና እንትኸውን፣ትግራዋይነትና ዝገልጹ ድማ ቋንቋና፣ ባህልና፣ ታሪኽናን እምነታትናን እንነብረሉ ጂኦግራፊያዊ ቦታታትናን ከም ሓደ ማሕበረሰብ ትግራዎት ጠርኒፎም ይገልጹና።ከምዙይ እንትብል እንተለኹ ድማ አብ ውሽጢ ትግራዋይነት ዝሕቆፉ አናኢሽቶይ ማሕበረሰብ ከምዘለው አፍልጦ እናሃብኩ እዬ።ንአብነት ከምኒ ኩናማ፣ኢሮብን፣ ራዬቶትን ናይ ባዕልቶም ላዛን ባህላዊ መነባብሮን ዝተከበረን ዝተሓለወን ዘጠቓለለን ምዃኑ ይፈለጥ።

ንሕና ህላወ ትግራዋይነትና ብመንጽር ታሪኽ ኻብ እኒ ንጉሦ ሮምሓይ ጀሚሩ ንኒ ንግስተ ሳባ፣ንኒ ባዓል ንጉሦ ኤዛናን ሳይዛናን፣ባዓል ሃጸይ ካሌብ፣ሃጸይ ገብረ መስቀል፣ከምኡውን እኒ ራእሲ ስሑል ሚካኤል፣ሃጸይ ዮውሃንስን፣ራእሲ አሉላን፣ቐዳማይ ሚንስተር መለስ ዜናዊን፣ጀነራል ሓየሎም አርአያን፣ዶ/ር ደብረፄን ገብረሚካኤልን፣እኒ ጀነራል ፃድቃን ገብረተንሳይን ካልኦትን ዘፍረዬ ትግራዋይነት እዩ።

እዞም ኩሎም መራሕቲ እዚኦም ሓደ ዝገብሮም ህላወ ትግራዋይነት አብ ምቅጻል ብወታደራዊ ጀግንነቶምን ብመርሕነቶምን፣ሳዓሮት ኮይኖም ሕላወና ከምተጋሩ ንኽንቅጽል ዘይተሓለለ እጃም አወፍዮምስ ሎሚኳ ብዛዕብኦም ንጽሕፍ አለና። እዞም ታሪካዊያን መራሕቲ እዚኦም ብፖለቲካን፣ብወታደራዊን ዓቕሞም ሕሉፍ ብቕዓቶም ዋላኳ እንተመስከሩ፣ህላወ ትግራይን፣ትግራዎትን ከምቲ ዝግባአና ተኸቢርና ዘይንድፈር ኮይና ክንነብር ግን አይገበሩን ።ንምንታይ እንቴልና እዞም ኩሎም መራሕቲ ዋላኳ ብዝተፈላለየ እዋን ንትግራይ ዝመርሑ ይኹኑምበር እቲ ግዝአትን ትሕዝቶ መሬት ትግራይን፣ጆኦግራፊያዊ ቅርፂ ትግራይን ግን በቢ እዋኑ እናንአሰን እናተቆርመመን ነዛ ሎሚ አብ ኢድና ዘንሄት ትግራይ ሒዝና ንርከብ።

እዙይ ጥራሕ ግን አይኮነን፣ትግራይ ብግዚአ ግዝአት መሬታ ካብ አኽሱም ክሳብ የመን፣ካብ አኽሱም ክሳብ ደቡብ ሶማል ይገዝእ ዋላኳ እንተነበረ፣ሎሚ ግን ብምዕራብ ወልቃይትን ሕሞራን፣ብሰሜን ምብራቕ ወረዳታት ኢሮብ አብ ኢድ ወረርቲ ይርከብ።ሎሚ ብወረርቲ ሰራዊት ኢትዮዺያን፣ወረርቲ ሻዕብያን አምሓሩን አብ ሙሉእ ኽባ ንርከብ።ዋላ ጽባሕ እንታይ ከምዝፍጠር ንምዝራብ እንተዘይ ካአልኩ? ኻብ ናይ ትማሊ ታሪኽናን ሎሚ እንርከበሉ ትሕዝቶን መነባብሮን ሕዝቢ ትግራይ ድማ ብናይ ሎሚ ወድዓውን ጭቡጥ ኩነታትን ይምዘን።

እሞ ዳአ ታሪኽ ወለድና ናይ አኽሱም ሓወልቲ ዝሰርሑ፣ብግዜኦም ናይ ባዕሎም ሰልዲ ምሂዞም መለዋወጢ ንግዲ ዝነበሮም፣እኒ ባዓል ፈላስፋ ዘርአያቆብ ዝፈጠረ ሕዝቢ፣ከምኒ ቅዱስ ያሬድ ዝበሉ ማህሌታዊያን ዘፍረዬ ማህጸን ትግራወይቲ አዶ፣እኒ ዕሉልን ፍሉጥን ናይ “አፍሪቃ ጋሪባልዲ” ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጡ ራእሲ አሉላ አባነጋ፣ከምኒ እኒ ዶ/ር ቴድሮስ

አድሓኖም መራሕቲ ናይ ዓለም ትካል ጥዕና ዘፍረዬ ህዝቢ እናሃለወ፣ሎሚ ግዝአቱ ተወሪሩ፣ብጥሜትን፣ብሕማምን፣ገንዘቡ ተኸልኪሉ፣መብራህቲ ተኸልኪሉ፣ብዕጽዋን ክባን ክሳብ ዝፍረደሉ ንምንታይ ኢና ደኺምና ?

ትማሊ ዝነበርናሉ ብራኸ ተመንዚዕና፣መሬትና ተወሪሩ፣ ሕዝብና በብማዓልቱ እናጸነተ ከመይ አኽኢሉና ?

ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ወታደራዊ ጅግንነትና፣ ንምንታይ ብፖለቲካዊ ውድቀትና ስቃይ ሕዝብና ይናዋሕ አሎ ?

ንምንታይ ጥበብ ወለድና ምምሃዝን ምስራሕን ሓወልቲ፣ምምሃዝ ምስራሕን ሰልዲ ይቕረሞ፣ ሕዝብና ሰላም ስኢኑ ብጥሜት ንኸይመውት ናብ ስርናይ ምልማን ወሪድና ?

አነ ከምዝአምኖ ብፍላይ ታሪኽ ናይ ትማሊ፣ ትማሊ ዝተፈጸመ ዛንታ እንትኸውን፣ውሉድ ካብ ወለዱ ዝማሃረሉን፣ዝሕበነሉን እዩ።ንሕና ተጋሩ ናይ ሎሚ ወለዶ ግን እንብሎን፣ እንገብሮን ዘይቃዶ ነንሕድሕዱ ዝጋጮ፣ዘይጣዓዓም እዩ።ብታሪኽ ወለድና እናተጃሃርና እቲ ብቐሊሉ ክንገብሮ ዝግባአና እሂን ምሂን ምብሃሃል ገዲፍና፣ ብአነ እፈልጥ፣ብአነ ጥራሕ ሓቀኛ፣አነ ዝበልኩዎ፣ናተይ መንገዲ ጥራሕ ዝአመሉ ዱግማ አታሓሳስባ አካይዳን፣ብአጉል ፖለቲካዊ ትምክሕቲ ተወጢርና ናይ ትማሊ ጀግንነትና ንናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ውድቀት መሪሕነትና ክንሽፍን አብ ዝገደደ ቅጥዒ ዘይብሉ ውርደት ሕዝብና ሸሚምናዮ ንርከብ። ከም መራሕቲን ከም ሕዝቢን፣ሎሚ ዝድሌትና ፈላጣት፣ጀጋኑ በላሕቲ፣ትዕግስተኛታት መሲልና ክንርአይ ዋላ እንተፈተና አብ መሬት ዝርአይ ዘሎ ሓቒ ግን ናይ እዙይ ተቓራኒ እዩ።ሌብነት በዚሑ።ብተወከልቲ መንግስቲ አድልዎ ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ጎልቢቱ።

አብ ሞንጎ ተጋሩ እዛ እምባይ መን ይወርሳ ናይ ህልኽ ምትፍናን አቲና ንርከብ።ውጽኢቱ ድማ ተሓታትነት ዘይብሉ ስርዓት ይቅጽል አሎ።መንግስቲ ትግራይ ብፍላይ አብዚ ሕዚ እዋን ሙሁራትን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዝነበሩ ስራሕ ስኢኖም ከርተት አብ ዝብልሉ እዋን፣ መንግስታዊ ማሓውር ካብ ፖለቲካዊ ሹመት ፈልዩ ተጋሩ ብትግራዋይነቶም ዓዶም ዘገልግልሉ ባይታ ክፈጥር እናኻአለ፣ሓላፍነት ከምናይ ትማሊ ብፖለቲካዊ ታአማኒነት ስለዝዋሃብ ትግራይና ብዘይ ሓንቲ ለውጢ፣ሕዝብና ናብ ዝኸፍዐ ስቓይ ዳሪግዎ ይርከብ።እዙይ እቲ  ምንም ለውጢ ዘይተራአየሉ ልሙድ አሰራርሓ መንግስቲ ትግራይ እዩ። ኢና እናበልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና።እዙይ ሰልጣን ስለ ዝሓዝና፣ሚዲያታት ስለ ዝተቖፃጸርና፣ጠበንጃን ማሓውር መንግስቲን ስለ ዝሓዝና፣ኩሉ ክንዕፍኖን፣ ረጊጽና ንሕና ብንደልዮን ንብህጎን መንገዲ ሕብረተሰብና ክንሃንጾ ንፍትን ንኸውን። እዙይ ንዝመስሎ ውልቀ ሰብ፣መንግስቲ፣ወድብ፣ ሚድያ አይፋል ክብል እደልይ።ዓገብ ክብል እደልይ።

እቲ አብላዕሊ ዝገለጽክዎ ታሪኻዊን፣ወታደራዊን ጀግንነት ሕዝቢ ትግራይ ናብዚ ሎሚ ወሪድዎ ዝንሄ ውርደትን፣ ውድቀትን ቀንዲ ምኽንያቱ ውድቀት ፖለቲካዊ መርሕነትን እዩ። ጌጋኡ አንፈቱ ባህጉን ድሌቱን ብዓይኒ ህላውኡን፣ ዕድመ ስልጣኑን ዝሰርሕ መሪሕነት ስለ ዝሃለወና እዩ ኢለ ይአምን።ዘይፍለጥ ከይዲ ፖለቲካን ስለዝኾነ ድማ፣እቶም ሎሚ ዝመርሑ ዘለዉ መራሕቲ ፖለቲካ ትግራይ፣ ትማሊ ብዝኸድዎ ከይዲ፣ ውድቀት ትግራይ ሎሚን፣ጽባሕን ብዘይ ለውጢ መፍትሒ ከምጽኡ ከምዘይኽእሉ ብውልቀይ ስለዝአምን፣ሱር ዝሰደደ ለውጢ ክገብሩ አለዎም ኢለ ይአምን።

ከመይ ? ንዝብል ሕቶ

ቀዳማይ እዚ ሎሚ ወሪዱና ዝንሄ መከራን ምጽናት ዘርኢን፣ መራሕቲ ብዝፈጠርዎ ጌጋ ስለዝኾነ ጌግኦም ተረዲኦም አንፈቶምን ውሽጦምን ምፍታሽ የድልይ። ተጋጊና ማለት፣ጌጋታትካ ንኽትእርም ተዳሊኻ አለኻ ማለት እዩ።ጌጋኻ ምእራም ድማ ካብ ብቕዓትን ፖለቲካዊ ብስለትን ይጅምር።ቕድሚ ሕዚ ብኔትወርክን ብዝምድናን ዝተዓኹለለ ስልጣንን፣ ትሕዝቶን ተራእዩ ተፈቲሹን ክሳብ ዘይተስተኻኸለ።ለውጢ ይኹን ሓዱሽ ዕቤት ክመጽእ አይኽእልን።

ካልአይ እዚ ጸገም ንምምካት ሕዝባዊ ጻውዒት ተጌሩ ንሕዝቢ ትግራይ ሕገ መንግስታዊ መሰልና ይከበር ብዝብል ጎንፂ ምስ ብልጽግና ኢና ናብ ዄናት አቲና።ንሙዃኑ ሕገመንግስታዊ መሰል ሕዝቢ ትግራይ ከ ይኽበር ዶ አሎ?

መብራህቲ፣ባንኺ፣ሕክምና፣ኮታስ ኩሉ ዓይነት ማሕበራዊ ግልጋሎት ናይ ምርካብ ሕገመንግስታዊ መሰሉኸ ተሓልይሉ ድዩ ? መንግስቲ ትግራይ ስርሑ መሰል ዜጋታቱን ደሕንነት ሕዝቡን ምሕላው ዶ አይኮነን ? አበይዳአ አሎ ሕገመንግስታዊ መሰል ሕዝቢ ትግራይ? መንግስቲ ትግራይ ሕገመንግስቲ ኢትዮዺያ ተደሪኹ ክደራደር እንትብልከ፣ ሕገመንግስቲ ትግራይ ክሕልዎን ከኽብሮን ዶ የብሉን ? ሕዝቢ ትግራይ መስተውዓሊ፣ ትዕግስተኛ ሕዝቢ ምዃኑ ዋላኳ እንተተፈለጠ፣ ትዕግስቲ ኹላይ ወሰን አለዎ። ርእስና ክነቕንዕን ጸላእትናን ክንምክትን፣ክነሕፍርን ዝኻአልናሉ ዋና ምኽንያት ሳላ ሓድነትናን፣ ስምረትናን እዩሞ ዝምልከቶም መራሕቲ መንግስቲ እዚ አጋጣሚ ዘይርከብ ወርቃዊ ዕድል ስለዝኮነ ብቕንዕና፣ ዝሓለፈ ጌግኦም ከህስሱሉ እንተዝሰርሑ ዝበለጸ እዩ እብል።ስለዝኾነም ንኹሉ ዘሳተፈን ዝሓቖፈን ሕዝባዊ ፎረም ብምጥያሽ አንፈት መፃኢ ትግራይ ኵውሰን አለዎ እብል።አነ መንግስቲ ይቀየር አይኮነን ዝብል ዘለኹ። መማኸሪ ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ትግራይ ሓሳባት ዘማኽሩ፣ሙሁራት፣ኩለን ተናሓናሕቲ ውድባት፣መራሕቲ ሃይማኖት፣ስቪል ማሕበራትን ሽማግለ ዓድታትን ዝውክል ፎረም ይጣየሽ እብል።

ሳልሳይ ብሕዝባዊ ሓገዝን ሕዝቢ ብዝኸፍሎ ግብሪ ዝማሓዳደራ ሚዲያታት ትግራይ፣ካብ ሕመቕን ተላኤኺነትን ወፂዐን ዕላመዐን አብ ረብሓ ሕዝቢ እንተዝገብራ ፍትሓውነትን ማዕርነትን ንኹለን ውድባት ብቲ ሕገመንግስቲ ዝቐመጦ መስርዕ እንተዝምርሓ ዝሓሸ እዩ ኢለ ይአምን።ኩለን ውድባት ብዓይኒ ሕጊ ማዕረ እዬን።ትግራይ ዓዲ ፍትሒ ዓዲ ሓቒ መሰል ዜጋታታ ብሕገመንግስቲ ዘኽበረት እናበልኻ ምጉስጓስን፣ብግብሪ አብ መሬት ዘይርአይ ሰነምግባር አምባገነናት እዩሞ ድምፂ ወያነን፣መራኸብቲሓፋሽ ትግራይን ዓገብ ሕዝቢ ይርእይ አሎ።ይሰምዕ አሎ ዓገብ።ለውጢ ካባኹም እስኪ ይጀምር። ንብረት ሕዝቢ ዝኾና ሚዲያታት፣ብመንግስቲን፣ብሓደ ውድብን ተወኒነን መገልገልቲ ውሑዳት ካብ ምኳን ወጺዐን ረብሓ ሕዝበን፣ብምቕዳም ህዝባዊ ግልጋሎተን ክጅምራ አለወን ኢለ ይአምን።

ብራብዓይ ከም ሕብረተሰብ እዚ ጽንተት ዘረኢ ትግራዋይነትን፣ሃይማኖትን እንተይፈለዬ የጥፍአና ስለዘሎ፣ተጋሩ ከም ተጋሩ ዝግባአና ትግራዋይነት እጃምና፣ሓሳብና ብምግላጽ፣ዓቕምና ንመኸተና ብምውፋይ፣ብንረኽቦን ብዘለና ሞያን ትሕዝቶን ምስታፍ የድልየና እብል። ለውጢ ካባይ፣ካባኻ፣ካባኺ እዩ ዝጅምርሞ አብ ትሕቲ ረብሓ ትግራይን፣ሓድነት ትግራዋይነትን ብምዕሳል ሓሳብናን ተሳታፍነትና ነዋፃእ። አብ መወዳእታ ትግራይ ሎሚ ተጌርዋ ዝንሄ ዕጽዋ ኮነ ኽባ ፈንፂሓ ከምትወጽእ ምንም ዘጠራጥር ነገር የለን።ግንከ እቲ ስልጣን ሒዙ ዝንሄ መሪሕነት ከምዚ ብልቕ ጥልቕ ዝብል ዘሎ መፈራራሓይ ቃላት፣ ዓፈና ኮነ ተባሂሉ አንፈት ንኽቅየር ዝግበር ዘሎ ሸርሒ ንልዕሊ ፳ዓመታት ዝርአይናዮ ተሞኩሮ መርሕነት ፖለቲካ ትግራይ ስለዝኾነ፣ደጊም አይሰርሕን። ልክዕ እዩ አብ ዕጽዋን ክባን ኮይና ክቕድሙን፣ክስዕቡን ዝግቦኦም ዕዮታት አለው። ፈለማ እቲ ተነቢሩልና ዝንሄ ዕጽዋን ክባን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ምስባር እዩ።አብዙይ ኩሉ ትግራዋይ ብዘይ አፋላላይ ንሳማማዐሉ ቀዳማይ ዕማምና እዩ።ይኹንምበር መንግስቲ ትግራይ ብወከልቱ አቢሉ ዘሕልፎም ዘሎ ዘይግብኡ ጠቐነታትን መፍርራሕን ግን የሕዝን፣የሕፍር ድማ ማዕሮ ክንድዙይ ዲና ፖለቲካዊ ዓርሰ እምነት ስኢና ኢልካ መልሲ ዘይብሉ ሕቶታት ንኽነልዕልውን ንግደድ አለና።  ተናሓናሕቲ ውድባት ማለት ዝተፈልዬ ሓሳብ ማለት እዩ። እዞም ውድባት እዚኦም ድማ ፍረ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ እዮም በእንተ ትግራይን፣ትግራዋይነትን ድማ ይቓለሱ አለው።ነዞም ዕሸላት መናእሰይ፣ብሩህ ተስፋ ትግራይ ዝኾኑ ውድባት ብጅምላ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ይሰርሑ ኢልካ ሹም ምጽላም፣ንዘይፈልጥ ሰብ ሓቂ ይመስሎ።ልክዕ እዩ ናይኒ አረጋዊ በርሃ፣ናይኒ ሊላይ ሃይለማርያምን ብኒ ዛዲግ አብርሃን አብርሃም በላይን ዝምርሑ ውድባት አለው።ምስ ቀተልትና ድማ ኮይኖም ትግራይና ንጽንተት ዳሪጎማ።ከምዚኦም ዝበሉ ካሕዳማት ባንዳታት ይባሃሉ።

መንግስቲ ትግራይ ብድፍኑ ሓደሓደ ውድባት ምስ ጸላእትና ኾይኖም ብባንዳነት ይሰርሑ አለው እንትብል።ሽሞም ብውልቀ ሰባትን፣ብሹም ውድባትን ዘይምግላጹ ነቶም አብ ውሽጢ ትግራይ ዝንቓሳቀሱ ተስፋ መጻኢት ትግራይ ዝኾኑ ውድባት ኮነ ተባሂሉ ምስ ሕብረተሰቦም ንምግጫውን፣ናይ ፖለቲካ ኸስቢ ብምርካብ ውልቀ ሰባትን፣ውድባትን ንምሽምቓቕን ንምንፃልን ኮነ ተባሂሉ ብእቅድዝተገብረ ሸርሒ እዩ። እዙይ ድማ ንዝሓለፉ ፳ዓመታት አብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመበደልን፣ብአውርኡ ድማ ጥሕሰት ሕገ መንግስታዊ መሰል ውድባትን፣ውልቀሰባትን እዩ።ሎሚ ግን ትማሊ አይኮነን።ካብናይ ትማሊ ጌግኡ ክማሃር ዘለዎ መንግስቲን ውልቀሰባትን ውድብን ንባዕሉ ኢሉ እንተዝማሃረሉ ትርባሕ ትግራይና እያ።

እዙይ ክማሓየሽን ሕገመንግስታዊ መሰል ዜጋታቱ ዘየኽብር መሪሕነት፣ ብዝሓዝክዎ አምባገነናዊ፣ናይ ዓፈናን፣ጸለመን ምፍርራሕን መንገዲ ክቅጽል እዬ ኢሉ እንትደርቕ እንተሎ ትግራይን ትግራዋይነትን አብ ሓደጋ ይአትው አሎ ማለት እዩ።ውድቀትና ድማ ካብ ጸላእትና ንላዕሊ ተጋሩ ባዕልትና ንኸውን አለና ማለት እዩ።ስለዝኾነ ድማ ተጋሩ ብፍላይ መራሕቲ መንግስቲን፣ ኩለን ውድባትን ጥንቃቀ ዘድልዮ መጻኢ ዕድል ትግራይ ይጽበየና አሎ ኢለ ይአምን።ሓሳብ ሓይሊ እዩ፣ጉልበት እዩ።ዋና መርአያን መግለጺ ስልጣነን እዩ።ምስ ከጽንቱኻ ብአየርን ብታንኪን፣ብሚሳይላትን፣ድሮናትን ኮፍ ኢለ ክደራደር እዬ እናበልኻ ንዓለም እናጸዋዕኻስ፣ምስ ሓውኻ፣ ውላድኻ፣ ፍንፃሕ መሰንገልኻ አይደራደርን፣አይሰምዕን   እንትትብልስ ንምኳኑ እንታይ ትብል ከምዘለኻ ይርዳአኺ ዶ አሎ? እሞ እቲ ዘውጻእኻዮ ሕገ መንግስቲ ! ውይ ናይ ይምሰል እዩ። ወይ ቃላቱ ዳአምበር ትርጉሙ አይትፈልጦን !

ትግራይ ትስዕር !!!

ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይን፣ንቲ ለባም መስተውዓልን ሕዝበይ፣ ሕዝቢ ትግራይ ይኹነለይ።

ክብርን ምስጋናን አብ ስደት ኮይኑ በእንተ ሕዝቡ ደኺሙኒ እንተይበለ ዝኳሻሕ ዘሎ ዳያስፖራን፣ሙሁራት ትግራይን ይኹነለይ።

By aiga