ብ ፍፁም ተኽላይ

ኣብ ነዊሕ ታሪኽን ባህልን ሕብረተሰብና፣ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሽሕ ግዜ ትለብም’ምበር፣ ንወላዲት ኣዲኣ  ብዛዕባ ባህርን እንታይነትን ሕማም ሕርሲ ክተምህራ ተራእዩን  ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ።እዚ ማለት ግን ሓላ ሓሊፉ ንወላዲት ኣድኤን ክምህራ ዝፍትና ኣይተራእያን ኣይነበራን ማለት ኣይኮነን። የግዳስ፣ ከም ባህልን እምነትን ሕብረተሰብ ከም ዘይንቡር ዝውሰድን፣ እተን ንኣድኤን ክምህራ ዝፍተና ከኣ፣ ከምዘይውርዙያትን ናይ ኣኣምሮ ጥዕና ጸገም ዘለወንን ተገይረን’የን ዝቁጸራ። 

መሲልካ እንታይ ኣምጻኻ እንዲዩ፣ ገለ ወገናት ኣብ ገገላሶም ኮይኖም፣ ብዛዕባ ህዝባዊነትን ቆራጽነትን፣ ብዛዕባ ሓልዮትን ተገዳስነት ህዝቢ ትግራይ፣ ንቶም ሙሉእ መዋእሎም ምእንቲ መሰልን ረብሓን ህዝቦም ዝተጋደሉን ዝጋደሉ ዘለውን መሪሕነት መንግስቲን ሰራዊትን ትግራይ ክምህሩ ክፍትኑ እንትትርኢ፣ እቲ ልዕል ኢለ ዝገለጽኩዎ ምስላ ወለድና ቅጂል ይብለካ። ልዕሊ ኹሉ ከኣ፣ መንነትን ሓቀኛ ባህርን እዞም “ትግራይ ናብራ ንግበራ” እናበሉ ዝጭድሩ ዝነበሩ ወገናት ምስትፈልጥ ድማ መመሊሱ የስተንክረካን ይድንጽወካን። 

 ከምቲ ኣቦታት ትግራይ ሰብ ሰብነቱ ዝምዘን ኣብ ፈታኒ እዋን’ዩ ዝብልዎ፣ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ምስ ገለ ሓያላት ዓድታት ተመሳጢሮም፣ ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ከጽንቱ ሓበራዊ ንድፊ ሓንጺጾም ወራር ምስ ወልዑ፣ ትግራይ፣ ሰባን ዘይሰባን እትመዝነሉ እዋን ፍለ ፍለ፣ እዞም ብኣፎም ጨለ ብግብሪ ግን ጋዶ ዝኾኑ ወገናት፣  ውራይ ትግራይን ህዝባን ባዕሉ ይፈልጥ ብምባል፣ ህይወቶም ከድሕኑ ጉምብሕ ጥልዕ ኢሎም ምስ ሰብ ግዜ ተመሳጢሮም ናብ ዝተፈላለዩ ዓድታት ሃዲሞም’ዮም። እቲ ዝገርም ግን ጉምብሕ ጥልዕ ኢሎም ምስ ሰብ ግዜ ተመሳጢሮም  ምህዳሞም ኣይኮነን። ከምኡ ምግባሮም ብመንጽር ሞራል ከዛዘራርብ ይኽእል እምበር፣ መሰሎም’ዩ። እቲ ዝገርም ንቶም ካብ ዕላመኦምን ኣብ ዝባኖም ካብ ዘሎ መጽበዓን ንሓንቲ ስድሪ’ውን ትኹን ፈልከት እንከይበሉ፣ “ምስ ህዝብና ንጋደል፣ ህዝብና ዝኾኖ ንኸውን፣ ኣብ መጨረሽትኡ ድማ ምስ ህዝብና ናብ ዓወት ምብቃዕና ኣይተርፍን!” ኢሎም፣  ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ጎኖም ኣሰሊፎም፣ንዝኹሉ ዝተጠናነገን ማእለያ ዘይብሉ ዞባዊ ምትእስሳራትን ገጢሞም፣ ብልፍንታውያን ሓይልታት ዝተሃንደሰ ናይ ጽንተት መጻወድያ ተርቢዖም ናብቲ ሕዚ እንርከበሉ ብርኪ ዘሰጋገሩና ኮባኹብቲ ገድሊ ህዝቢ ትግራይ ናብ ብርኪ ኮንቶ ከውርዱን ከም በላዕቲ ሕድሪ ክቑጸሩን  ዘይሰርሕዎ፣ዘይፈንቀልዎ እምኒ የለን።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ድማ ኣዝዩ ከፋፋልን ኣብዚ ሕሉፍ ህዝባዊ መኸተ ሓያልነቱ ኣረጋጊጹ ዝወጸ ሓድነት ህዝብና ንምዝራግ፣ ህዝቢ መኸትኡ ኣሐይሉ ምእንታን ከይስጉምን ኣብ ግዝያዊ ጸገማት ትኹረት ገይሩ ቃልሱ ክሕለኽ ዓሊሞም ክንቀሳቐሱ ንዕዘብ ኣለና። እዚ ተግባር’ዚ ብዝኾነ መመዘኒ ካብቶም ናይ ጸላእቲ ተግባር ፍጹም ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ መንጎ ልውይውይ እናበልካ፣ ፈታዊን ሓላይን ህዝቢ መስሊካ ቃልሲና ክዕንቀፍ ምግባር ኣይከኣልን፣ መልክዕ ክሕዙ ይግባእ። ሓቂ ንምዝራብ ቅድሚ ሕዚ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኮይኖም ዝገብርዎም ዝነበሩ ምንቅስቃሳት ከም ሕማቕ ርአዮ ኣይፈልጥን ነይረ፣የግዳስ ኣበራት ምሕደራ ዘቃልዑን ጸገም ህዝቢ ክስማዕ ዝኽእለሉ ዕድል ስለዝፈጥሩን፣ ከም ጽቡቕ ገይሮም ካብ ዝቖጽሩ ሰባት ሓደ ኣነ እየ ነይረ። 

ይኹን’ምበር  ህዝቢ፣ መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ ኣብ ህላወኦም ንዘንጸላለወ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ኢድን ጓንትን ኮይኖም ከቢድ፣ ሕልኽላኽን መሪርን ተጋድሎ ኣብ ዘካይድሉ ፈታኒ መድረኽ፣ በንጻሩ እዞም ጉላላት ግን መሪሕነት መንግስትን ሰራዊትን ትግራይ  ንምድዋንን ንምስይጣንን ቅሉዕ ንድፊ ኣውጺኦም ዘየቋርጽ ዘመተ ምፍናው ስርሕና ኢሎም ሕዞሞ ኣለው። “ጣፍ ኩሉ ዘረኦ ጠፍአ፡ ዘረባ ኩሉ ለመዶ ከፍአ” ከምዝበሃል፣  ምእራይን ምጥምዛዝን ዘረባ ቀንዲ መናበሪኦም ገይሮም ዝተበገሱ እዞም ክኢላታት ናይ ጽዋ፣ እዛ እንኮ ክእለቶም ኣብ ስጡም ሓድነት ተጋሩ ኮንዶኾን ነቃዕ ንፈጥር ኢሎም ይንቀሳቀሱ ኣለው እሞ፣ ኩሉ ትግራዋይ ከቃለዖም፣  ብስም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቅጡ እምበር ፍቕሪ ህዝብን ዓድን ከምዘይብሎም፣ የግዳስ ስምረት ተጋሩ ንምዝራግ ይሰርሑ ምህላዎም ኩሉ ክፈልጥ ክገብር ኣለዎ። 

እንተኾነ”ሓሳዊ ከም ኣፉ፡ ሰራቒ ከም ኢዱ ይመስሎም”ከምዝበሃል ኮይንዎም እምበር፣  ስምረትን ሓድነትን ተጋሩ ኣብ በረድ ዘይኮነስ ኣብ ድልዱል ሰረት ዝቖመ ስለዝኾነ፣ ንኹሎም ማሕለኻታት ሰጊሩ፣  ነዛ ፈታኒት እዋን’ዚኣ እውን ከምቲ ልሙድ ብቃልሱ ሓሊፉ፣ ትግራዋይነትና ኮሊዑ፣ ሕድሪ ስውኣትና ብግብሪ  ኣድሚቕና፣ ባንዴራ ትግራይ  ኣብ በሪኽ ክነንበልብላ ኢና። 

ኣነ ከም ሓድ ህዝቡን ዓዱን ዝፈቱ ትግራዋይ እውን፣ ምንቅስቃሳት እዞም ክኢላት ጽዋ እናተኸታተልኩ ከጽንዕን፣ ከቃልዕን ምዃነይ ክገልጽ ይደሊ።

By aiga