ተፅሓፈ ብ ኣብርሃም ብርሃነ

     ኣብ ጉዕዞ ታሪኽ ወድ ሰብ፡ታሪኽ ዝበሃል ዓውደ-ትምህርቲ፡ተኣፋፊ ብምኳኑ መስለኒ፡ ኣዚዩ ኣካታዕን ኣሰሓሓብን`ዩ።ወላ እኳ ወለድና፡ “ጭብጢ የጫብጥ ማእሲ የገላብጥ” ቢሎም ተመሰሉ፣ዉርሻ ተኰነ ተውረሱና፣ዋርሳ ዉርሻ ግን ሰናይ ፍቓድን በርቱዕ ባህጊ ምኩልዃልን የድልዮ እዩ።እዚ ብምኳኑ ከኣ፡ገና ኣብ ዓውደ ታሪኽ ሰብ ወድ ሰብ ክካታዕን ክሰሓሓብን ክነብር ምኳኑ ግን ዓቢይ ምሁር ሥነ-ሰብኛን ፈላስፋን ዝነበረ ፕሮፌሰር ዚግሙንት ባውማን ኣብ ሓደ ካብ ኣስተምህሮታቱን ቃለ-መጠይቓቱን ኣውሲእዎ ሓሊፉ እዩ።

     ጀነራል ሞሸ ዳያን (ሙሴ ዳያን ብኣጸዋውዓ ሓበሻውያን) ተኰነ ንገለ ሓለፍቲ ጸጥታ ኢትዮጵያ ነበር፡ኣብ ዘመነ መንግሥቲ ኃይለሥላሴ፡ኣብ ሃገረ እስራኤል ተመኽሮን ስልጠናን ክወስዱ ብዝኸዱ፡ሓደ ሓማሴናዊ መኰነን ጸጥታ ዝነበሩ ኣብ መጋርያ ወግዕታቶም ካብ ዝሓተትዎ ሕቶታት ነታ ሓንቲ ተሃዋሲት ሕቶ ክምልሽ ከሎ፡

   “ሓበሻ፡ኣይትወልዱና ኣይንወልደኩምን ኢና።ንሕና ዘርእናን ታሪኽናን ጽቡቕ ገይርና ንፈልጦ ኢና።ምሳኩም ድማ ከም ማንም ደቂ ኣዳም መጠን ሰብኣዊ ዝኰነ ሕውነት ኣሎና እዩ።እንተ እቲ ቀዳማዊ ምኒሊክ’ዶ ብዓሌት ሓደ ኢና ዝብል ግን ሓደ ኣይኰናን ኢና።ሓበሻ ክንደይ ዘኲርዕን ዝሕብንን ታሪኽ ከለኩም፣ናይ ካልእ ኣይተቋምቱ ኢኹም…” ክብል ከም ዝተዛረቦም እናሻዕ ንሰምዕ ኢና።ቃል ብቃሉ ኣይኰነን እዩ።መንፈሱ ግን ንሱ እዩ ነይሩ።

    ኣነ ድማ ንገለ ካብቶም ኣብ’ቲ ሻቡ ጊዜ ናብ እስራኤል ካብ ዝኸዱ ሰባትን ነዚ ታሪኽ ዝፈልጡን ደጋጊመ ብምርካበይ፣ነዚ ወግዒ ጀነራል ሙሴ ዳያን ክሰምዕ ክኢለ እየ።ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ወድ 89 ዓመት ኰይኖም ዘለዉ ኮለነል ለገሰ ተገንኝ ይኹን ንዶ/ር ኪሮስ ሙሉ መኰነንን ንነፍስሔር ግራዝማች ሓጐስ (በጀት) ተኰነ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚን ካልእ ኣፍልጦ ስለ ዘሎዎም፡ብመልክዕ ቃለ መጠይቕን ወግዕን ደጊመ ክፈልጥን ከረጋግፅን ክኢለ ኣሎኹ።

   ብዛዕባ ጀነራል ሙሴ ዳያንን እቲ ወግዕን ጊዜ ኣብ ዝረከብክሉ እዋን ክጽሕፍ ክፍትን እየ።እቶም ንሙሴ ዳያን ታሪኻዊ ሕቶ ዝሓትዎ ሓማሴናዊ ኣቦ፡ከም ባህጎምን ከም ጸሎቶምን ኣብ ሃገረ እስራኤል ከም ዝዓረፉ ብምስምዐይ ድማ ካብ ኣፎም ክረኽቦ ተበጊሰ ነበረኩ ሓበሬታ ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ ብምኽንያት ሞቶም ርዱእ ኰይኑ ምህላዉ ድማ ከስምረሉ እፈቱ።እቶም ኣብቲ ወግዒ ካብ ዝነበሩ ሓደ ዝኰኑ ኣብ ኣስመራ ተወሊዶም ዝዓንበዩ ወድ ሽረ መኰነነ ፀጥታ ተኰነ መሳጢ ታሪኽ ዘሎዎም ወከፍ ምኳኖም ተነጊሩኒ ኣሎ ግን ንዖዖም ተኰነ ኣይረኸብክዎምን እየ።

    ድርብ ክሳራ ዝበሃል ከምዚ እዩ።ብዝኰነ ዉልዳቶም ነዚ ጽሑፍ ናይ ምንባብ ዕድል ተጋጢምኩም ወይ ተጋጢምዎም፡ሓደ መዓልቲ ታሪኽ ወለድኹም ከተካፍሉና በዓል ተስፋ እየ።እሞ በሉ ናብ ዋና ቅውም-ነገረይ ክኣቱ እፈቱ።

  ታሪኽ ታሪኽ እዩ።ኣብዚ ቀረባ ጊዜ ምስ ክቡር መምህር ተወልደ ረዳ (ዓቢይ ሙዚቀኛ) ብዙሕ ከነዋጋዕ ዕድል ብምግባረይ፡ሓደ ፆር ክጸውር ቀሲቦሙኒ ኣሎዉ። “ንሱ ድማ ታሪኽ ክዕመጽ የብሉን።ኣነ ታሪኽ ክዛረብ ተኰይነ እታ ሓቅን እታ ሓቅን ጥራሕ እየ ክዛረብን ክፅሕፍን ዝደልይ ወ ዝፈቱን።ንሳ እዮም ከኣ እቶም ወለድና ዘምሃሩና።ብርሃን ዓይነይ ተዘይጋረድ ነይሩ፣ንታሪኸይ ባዕለይ ምጸሓፍኽዎ ነይረ።ብርዐይ ሒዘ ታሪከይን ዝፈልጦን ክጽሕፍ ክንደይ ባህጊ ነይሩኒ እንተኰነ ጓሂ ሞት ወደይ ዉስጠ-ዉስጢ ቀቲሉኒ።ድልዱል ሰብኣይ ክነሰይ ዓይነይ ግን ግብ በለ።” ብዝበሉኒ ሓደ ሰፍ ዘይብል ጽዕንቶ ኣብ ዝባነይ ሮማዕ በለ።

      ንግደ ሓቂ ካብ መምህር ተወልደ ረዳን ንዖዖም ዝመስሉን ብዙሕ ኢኻ ትመሃር።ብፍላይ ድማ ንታሪኽ ዘሎዎም ኣክብሮትን ሚዛንን እምብዛ የቅንኣኒ እዩ።ብፍላይ ድማ ንብጻዮም ዝነበረ ነፍሴሔር ደስታ በዛብህ (እንዳ ሸቃ በዛብህ) ከልዕሉለይ ከለዉ፡ ከም ገለ ይኸውን፥ናዕታ ስምዒታተይ ህርመቱ ይውስኽ`ዩ። እቲ ምንታይ`ሲ፡ካብቶም ፍቕሪ ወ ሓልዮት መጥዮም ዘዕበዩኒ ስድራቤታት፡ ሓንቲ ንሳ እታ ሕያወይቲ ስድራ ብምኳና እዩ።

    እወ፡ኣደ ደስታ በዛብህ ወይዘሮ ዘመዳ (ኣደይ ዘመዳ) ንዓይ ከም ኣደይ እየን።ፍቕርን ሓልዮትን ጥራሕ ዘይኰነ፡ኣብ እዋን ጊዚያት መጽናዕትና-በቲ ድሙቕን ብሩህን ፍሽኽታ ገፀን፡ መኣዲ (መግብን ዝስተይን) እናቕረባ ብፍሕሽው ሳውያ እናሻዕ ዘቕርባ ደጊ ኣደ እየን።ስለዚ፡እዚ ታሪኻዊ ፅሑፍ ናብ ኣንበብቲ ከቕርብ እንከለኹ፡ንክብሪ እዛ ሕያወይቲ ስድራ ክኾነለይ ብምሓሳብ እዩ እብል።

    ብዛዕባ ምድረ-ሓማሴን ኣብ ዘመነ ሃጸይ ዮሃንስ ወይ ድም ኣሉላ ኣብ ምድረ-ሓማሴን ከም ወትሃደራዊ ሓላፊ መጠን ኰይኖም ኣብ ዘገልገልሉ መቃን ጊዜ እንታይ-እንታይ እወንታውን ኣሉታውን ስርሓውቲ ሰሪሖም፧ ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሞን ኰነ ደጃዝማች ሃይሉ ከ እንታይ ኣሉታውን እወንታውን ተራን ግደን ነይርዎም፧ ታሪኽ ታሪኽ ተኰይኑ ታሪኽ ክመስል ኣሎዎ።እቲ ምንታይ-ሲ ንትምህርትን ንምእራምን ስለ ዝጠቕም እዩ።ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ሓደ ወልቀሰባት ኣብ ዝማእምኦም ታሪኽ ኣይንፈልጥን ኢና፥ኣብ ዝኮርኩሖም እዋን ድማ ከም ምሁራትን ፈላጣትን ታሪኽ መሲሎምን መሲልዎምን ኰነ ኢሎም ብደይ መደይ ታሪኽ፡እወ ንታሪኽ ኣብ ፀሓይ ቀትሪ ተጠሊዖም፡ከበላሽዉን ክዕልሱን ንርእይን ንሰምዕን ኣሎና።

 ታሪኽ ድማ ኣብ ግቡእ ጊዜኡ ተዘይተሓኺሙ ወይ ተዘይተፈዊሱ ጊዜ ብዝኸደ ካልእ ቊስልን ሕማምን ከምጽእ ንቡር`ዩ።

    ኣነ ድማ ኣሰር እኒ መምህር ተወልደ ረዳ፣ዶ/ር ኪሮስ ሙሉ፣እንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖትን ካልኦትን ታሪኽ ከም ዘለዎ ክጽሕፍን ክሕልፍን ፈጣሪ ይሓግዘኒ እብል።በሉ እምበኣር፡ዓውደ ታሪኽ ሰፊሕን ዓሚቕዩቕን ብምኳኑ ንኹሉ መርሚርካ ኣይኰነን ዳህሲስካ ኣይውዳእን እዩ።

    እንተኰነ ነዚ ዝስዕብ ኣርእስትን ትሕዝቶን ከም ሓደ ክፋል ታሪኽን ነቶም ዝተጠቕሱ ሰባትን ዝትንክፍ ታሪኽ ብምኳኑን ኣብቲ ዝሓለፈ 30 ዓመትን ሕጅን ዘየለ ታሪኽን ፈጠራን ክዝንተውን ክውጋዕን እናሻዕ ክንሰምዕ ጸኒሕና ኢና።ነዚ ንምእምኡ ጊዜን ዓቕልን ኰነ ትምህርትን መጽናዕትን ግድን ከም ዘድልይ ኣየማትእን እዩ።ብድሆታትን መሰናክላቱን ግን ከምቲ ኣቦይ ወልደኣብ ወደማርያም “ዘራኦን ዓጻዶን ብሓደ ዝሕጐስሉ ይግበሮ” ዝበልዎ ከም ባህግን ሰናህይ ትምኒትን ማሕረ እዃ ተኰነ ግን ኣብ ባይታ ተተምኒኻን ሃረር ኢልካን ኣምበ ኣይከውንን እዩ።

   ስለዚ፡ከይተሓለልናን ከይተፅዓድናን ክምርምርን ከነጽዕን ይግባኣና እዩ እናበልኹ፡ነቲ ቕድሚ 110 ዓመት ኣቢሉ፡ ብሓልዮት ሽወደናውያን ትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ “ብርኃን ይኹን” ተሓቲሙ ዝወፀ ታሪኻዊ ጽሑፍ ናባኹም ከም ዘለዎ ኤቕርቦ ኣሎኹ።ነዚ ጽሑፍ እዚ እንጅነር ምልኣት ሓለፎም ዝተብሃለት ግድስን ኣብ ስርሓ ድማ ስልጥቲ ዝኰነን ሓፍትና ክትጽሕፎ እንከላ ንመሰረታዊ ትሕዝትኡ ከየጉደለት “ከጨረመትን ከይቆርመመትን” ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሳውያ ኣጸሓሕፋ ማለት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ቃላት ክልተ ነጥብታት ከም ባህልን ንቡርን ኰይኑ ተጻሒፉ ዚነበረ ጥራሕ ንኣንባቢ ከይስልችዎ ብምባል ብከምዚ ኣገባብ ክትጽሕፎ መሪፃ ኣላ።

   እቲ ካልእ ወላ ፊደላቱ ከምቲ ጥንታዊ ኣገባብ ኣጸሓሕፋኡ ኣስፊራቶ ኣላ።ካልእ ጊዜ በዚ ሎሚ ዝጸሓፎ ዘሎ ኣገባብ ክንጽሕፎ ተስፋ እናገብርኩ-ንሎሚ ግን ከም ዘለዎ ይቐርብ ምህላው፡ ምፍላጡን ምሕባሩን ኣገዳሲ ኰይኑ ይስመዓኒ።ንእንጅነር ምልኣት ሓለፎም ንስሉጥ ኣገልግሎታ እናመስገንኩ፡ብቐጥታ ናብኡ ከብለኩም እየ።ናይ ጸሓፊ ርእይቶን ሓሳብን ወይ ድማ ትንተና የብሉን እዩ።ነቲ ክልተ ግዱሳት ኣቕይሽቲ እቲ ከባቢ ኣብ’ቲ መቃን ጊዜ እቱይ ዝጸሓፍዎ ናብ ኣንባቢ ምብጻሕ እዩ እቲ እንኮ ዕላማ እዚ ፅሑፍ እዚ ክብል እፈቱ።

“Conflict and division will remain in the world as far as humanbeing exist.” Professor Zygmunt Bauman

“ወድ ሰብ ኣብ ዓለም፡ ብሕይወት ክሳዕ ዘሎ ጎንጽታትን ፍልልያትን ግድን ኣሎ፤ክህልው እውን`ዩ።” ፕሮፌሰር ዚግንት ባውማን

ናይ ወንጌል ብርሃን አብ ሐማሴን ከመይ ኢሉ ኸም ዝአቶን ከም እተገልጸን።

ብቐሺ ሰሎሞንን ቀሺ ዘርኣ ጽዮንን እተዘንተወ።

         ስለ ርሕሩሕ ምሕረት አምላኽና ብኡ በርቂ ጸሐይ ካብ ላዕሊ ዝበጽሐና ሉቃ ፩፡ ፸፰።

   ነጸብራቕ ወንጌል መንግስቲ ክርስቶስ ናይ ጸጋ ጸሐይ ጸርጉ ናብ ጸዐዘጋ ኺአቱ ኸሎ ከምዚ እዩ።

   ደቂ እታ ዓዲ ብንእስነቶም ሕጆም ከም ስርዓት ኢትዮጵያን ከም ልማድ አቦታቶምን ብትምህርቲ እዮም ዝዐበዩ እሞ፥እቶም ከህናትን ዲያቆናትን ብትምህርቲ ቀሺ ሐይለአብ ዝአውርኦም አብቲ ቤተ- ክርስትያን በቲ ስሩዕ በቦታቶም ዝጸንሖም ምግልጋል ብዘይ መንቅብ ጥንቁቓት፥ንሕድሕዶም ብፍቕሪ ጽኑዓት እዮም ዝነበሩ።

    አብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ መጻሕፍቲ እናመርመሩ፥ዚበዝህ ምምርማሮም ብዛዕባ እምነት ስላሴ ብሃይማኖተ አበው፥ብዛዕባ ንብረት ምእመናን፥ብፍትሀ ነገስት ብሲኖዶስ እዩ።ብምግባሮም ከአ ድሌት ጽድቂ ነበሮም፥እንተዀ ስርዓት ሲኖዶስ ካብ ኦሪት ከም ዚኸብድ ተርአዮም።

    አብ መንጎዚ አብቲ ቤተ-መጻሕፍቲ ቀደም ብ፲፰፻፵ እተሐትመ አምሐርኛ መጽሐፍ ቅዱስ ሀሰስ ኢሎም ረኸቡ።፩ መጽሐፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምምርማርን ባህጊ ስለዝነበሮም፥አይዐርፉን ነበሩ።ከምዚ ዘበንዚ እኳ መብራህቲ በብዓይነቱ ዜልቦ ኽነሱ ምሸት ምሸት ዕጨይቲ አንዲዶም የንብቡ ነበሩ።ብኡ እናመርመሩ ልቦም እናሞቐ ኸዱ፥መታን ፍልጠት ከብዝሑ ኸአ ንጐንደር ኪኸዱ ሐሳቦም ነበረ።ከምዚ እናበሉ ኸም ዓቅሞም ፍልጠት ምስ ረኸቡ ኽህነት ከምጽኡ ሀለቃ አፈወርቅ ሊቀ ካሕናት ሀማሴን ንዓድዋ ሕዞምዎም ከዱ፥ብአቡነ አትናቴዎስ ክህነት ኪቕበሉ።

    መዐርጎም ኪህብዎም ከለው ግና ሊቀ ካህናቶም ፈልዩ አብ ቅድሚ አቡን ደው ምስ አበሎም እንተ ኸአልኩም አብ ካልእ ሀገር እንተ ዘይከአልኩም፥አብ ዓድኹም ወንጌል መሀሩ፥ኢሎም ሽምዎም።ድሕሪዚ ሀለቃ አፈወርቅ አብቲ ኸተማ ዓድዋ አእትዮም፥ምስ አቶ ዮሀንስ ማየር ናይ ነምሳ ልኡኽ ወንጌል አላለይዎም።

   ንሶም ድማ አምሐርኛ መጽሐፍ ቅዱስ አምጺኦም ፈተንዎም፥ምውጻእ ምዕራፋቱን ምንባቦምን ምስ መርመሩ፥ተሐጉሶም ክፍሊ ወንጌላትን መልእኽታትን በበይኑ እተሐተመ አምሐርኛ መጻሕፍቲ ብዙሕ ሀብዎም።

    ድሕርዚ አይተ ማርየ የሎም፤“እምበአርሲ አምሐርኛ ምንባብ ካብ እትኽእሉስ ንባጽዕ ሰብ ስደዱ፥ መጽሐፍቲ ክህበኩም።” ንሳቶም ከዓ ሰብ አይንረክብን ምጽዋዕ ዚኸደልና “የልዎም።ንሶም ከአ የሉ፤ ብሰብ ጌሩ ክሳዕ አስመራ እንተ አምጽአኹልኩም አብ አስመራ መን ይቕበለልኩም፥ ንሳቶም የሉ፤” አብ እንዳ ቀሺ ገበዝ ግርማይ ሀቡልና።” አይተ ማየር ድማ ከም ዘልዎ ፱ መጽሐፍ ቅዱስን ኻልኦት መጻሕፍትን ሰደዱልና።በቲ ሒደት መጽሐፍ ከም ሐዊ ነደደ ሐደ ጥዋፍ ንብዙሕ መብራህቲ ኸም ዜንክስ፥ከምኡ ነሐድሕድ ተናኸሰ፥ ናይ ወንጌል ብርሃን ኸአ አብ ሐማሴን ክበርህ ጀመረ።

    ክህነትን ዲቍናን ከምጽኡ ምሰታቶም ዝኸዱ ሰብ ሐማሴን እኳ ዘዝደለይዎ አልዐሉ።ሽዑ ምጽላእ ቃል እግዚአብሄር ዘይተላዕለ ዀይኑ፥ንብዙሕ ሰብ ባህጊ መጻሕፍቲ ነበሮ።ኰነ ድማ ብ፲፰፻፸ ብወርሒ ሕዳር ንምብዛሕ ፍልጠት ቅኔ ኺመሃሩ ጸሊቖም ንጐንደር ኪኸዱ አዅሱም (ኣክሱም) በጽሑ እሞ አሕዋቶም አርኪቦም ካብኡ መለስዎም።

     ኪብሉ ኺብሉ ዝበለፀ መገዲ ምድሓን ወሰኽ ዜብሉ ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝዀነ ክርድኡ ጀመሩ።ደጊም በዚ ኸምዚ እናወሰኹ ስርዓት አቦታት እናነዓቑ ኸዱ፥ንኻልኦት እኳ ኸም ዓቅሞም እዙ ጽሩይ ቃል እግዜብሄር እምበር፥ ገድልን ተአምርን ድርሳንስ ዚጠቅም የብሉን፥እናበሉን ይነግሩ ነበሩ።

    ቅድሚ እዚ ኸአ ሐደ ሰብ በዓል ኤውሮጳ ካብ ሀገር መን ከም ዝዀነ ደአ አይንፈልጥን እምበር፥ መጻሕፍቲ ጽዒኑ መጺኡ አብ አደባባይ ደገዝማቲ ሀይሉ አውደቖ እሞ ብዙሕ ሰብ ተዛረፎ፥ ግእዝ እዩ ዚበዝሕ አብኡ ኸአ (ካቴኪስሞስ) ጥያቄ እተባህለ ነበረ።ንሱ ንመላእክቲ ንዝሞቱ ቅዱሳን፥ ንማርያም ድንግል ምስጋድ መታን ኬማሉድና፥ምልማኖም ድማ ኸም ዘይግባእ በይኑ ክርስቶስ ከምዝዀነ መማለዲና ጽሑፍ ነበሮ። ነዚ መጽሓፍ እዚ ዝሐዘ ኸአ ዓቢ ዀነ ንእሽቶ አብ ዝረኸበ መኻን የንብቦ ስለዝነበረ፥ልቢ ፈለስቲ ቢዜኒን ሐያሎ ካብ ካህናት ሀገርን ነደደ፥ ጸዐቶም ድማ እናበርትዐ ኸደ።

    እቶም ጣዕሙ ዝመቀሮም ደቂ ጸዓዘጋ ግና እናተብዑ ኸዱ እምበር፥ ብቓል እግዚአብሄር ካብ ምዝራብ ስግጥ አየሉን።ነዚ ቓል እግዜብሄር ዚፈትው ኣብ ሐማሴን ከአ ብዙሓት ነበሩ።ጓሂ ፈለስትን ካህናት ሀገርን ድማ ተላዕለ፥ ዋዕላ ኺወዓዐሉ ጀመሩ፥ እንተዀነ ክሳዕ እዋኑ እኳ አየስለጡን።

    እዚ ኪኸውን ከሎ ልኡኻት ወንጌል አይተ ላገርን አይተ ሄድንስትርሚን ኻብ ሀገር ስወዴስ (ሽወደን) እተላእኩ አብ ጸዓዘጋ ናብ ነቡርእድ ገብሩ ውበት ደሐር ዋግሹም እተባህሉ አተው።ክረምቲ ግና ናብ በለዛ ክኸርሙ ተፈቒድሎም።በዓልደረባ ንብላታ ገብረመድህን ሂቦምዎም አብ እንድኦም ሰፈሩ።እሞ አብኡ ተላለይዎም ተፋቐርሞም፥እንተዀነ ኻብ ቃል እግዚአብሄር ተገሪሆም ብድፍረት አታ እናበሉ እንተ ሐተትዎም ንሳቶም ከአ ብጥንቃቐ ቀስ ኢሎም ይምልስሎም ነበሩ።

    ከም መሳትኦም እምበር፥ከም ዓበይቲ አየኽበርዎምን እንተዀነ ንሳቶም ዋዒኦምን ህወኾምን እናረአዩ ይዕገስዎም ነበሩ።ምስናይዚ ኸአ ሐጎስ ልቢ አልይዎም፥ቀልጢፎም ናብ ጸዓዘጋ ይመላለሱ ነበሩ።ደቂ ጸዓዘጋ ኸአ ናብ በለዛ ይበጽሕዎም ነበሩ፥ንሳቶም ከአ ብብሩህ ገጽ ይቕበልዎም ነበሩ እሞ፥ፍቕሮም እናሐደረ በርትዔ።እዚ ድማ አብ ፈለስትን አብ ሀገርን ቅንኣት አልዐለ፥ሃይማኖት ፈረንጂ ሒዞም ከአ አበለ።

   ኰነ ብ፲፰፻፸፫ ዓመት ብወርሒ ግንቦት ክፍአት ዝመልኤ ልቢ ፈለስቲ ቢዜን ናብ ብላታ ገብረኪዳን ንምኽሳስና ኽመጹ ኸለው፡ ቀሺ ገብረመድህን ንመገሻ ኽሐልፉ አብ ዓዲ ቘንጺ ተጓነፍዎም እሞ ብገርሆም ከምቲ ፍቕሪ ቐደሞም ዘለው መሲሉዎም ካብ በቕሎም ወሪዶም ከመሐደራትኩም እናበሉ ኢድ እንተ ነስኡሎም ሐደኳ ዝመልሰሎም ሰአኑ።ስለዚ መገሽኦም ሐዲጎም ተመልሱ እሞ እናጋለቡ መጺኦም እቲ ዝዀነ ዘበለ ነቶም ብጮቶም ነገርዎም።ንሳቶም ድማ ኽፉእ እንተዀይኑ ሐደው ጽቡቅ ቅድም ዚሐትዎም መሲልዎም ናብ ቤተ ክርስትያን ምንጻፋት አንጺፎም ተጸበይዎም።

    እንተዀነ አስታት ፴ ዚአክሉ ፈለስቲ ተገሪሞም፥ናብ ብላታ ገብረኪዳን አቕኒዖም አትዮም፥ “ብኻህናት ጸዓዘጋ ተማሕጺና አሎና” የልዎም።ብላታ ገብረኪዳን ከአ ገላውኦም ለኢኮም ወሰዱና።ሽዑ ክንደይ ውዑይ መንፈስ ነበረና፥አብ ሰብነትና ሐጐስ እምበር ንእሽቶ ፍርሐት አይነበረናን፥ባህ እናበለና ኸድና።አውርኦም ዝዛረብ አባት ሀይለኢየሱስ ነበሩ፥ናትና ድማ ቀሺ ሐይለአብን ቀሺ ገብረመድህንን ዀኑ።

   በቲ እዋንቲ ዝነበረ ምጒት ብዛዕባ ምምላድ ቅዱሳንን ታቦትን እዩ።እንተዀነ ቀሺ ሐይለአብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጣዕሚ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ በቲ ዘበን እቲ ዚገጥሞ ሰብ አይነበረን ብዘይ መምህር ብፍቃድ እግዚአብሄር ተገልጩሉ ነበረ።ቀሺ ገብረመድህን ድማ ብአእምሮ ብምጒት ለባም ከአሊ ነበሩ።

   ሕጂ በቲ ዝኸሰስዎ ብምጒት አይቀንዖምን ኸም ዝሐሰብዎ አይሰለጦምን እሞ ቀሺ ሐይለአብ ከአ በቲ እተዛረቦም ስግጥ ስግጥ እንተሉ እዚ ቐይሔመይሕዶ ደአ ዚምጒተልኩም መሽልኩም፥ኪብሎም ጀመረ።አይተ ጋፎ ዳንግሽ በዓል ጸዓዘጋ ድማ ልቡ ምስኦም ስለ ዝነበረ ቃሕትዮም ምላሽ ስኢኖም እንተ ረአዮም፥መታን ኪድልድሉ ዕርቂ አምሲሉ አብ ምኹዓት መሬት ዋዕላ ክኸውን ሕጽር ብዝበለ መዐልቲ አቋጸሩና።

   ኰነ ድማ በቲ ቖጸራ መዐልቲ መጻሕፍትና ሒዝና ተደላዲልና ወፈርና።ስእሊ ማርያም ምስ ወዳ አብ አትራኖስ ሰቒሎም ብዙሕ ድጋም ኪደግሙ ደንጐዩ።ድሕርቲ ብዛዕባ አማላጅነት ነገር ተላዕለ።አባት ሀይለየሱስ ቅዱሳን ጻድቃን የማልዱ እዮም የሉ።ቀሺ ሐይለአብ ከአ ከመይ ንዝበሉ እዮም ዜማልድዎ የሎም።

   አባት ሐይለየሱስ፤እቲ ምእንቲ እከለ ኢሉ ብሽም ሐደ ጻድቕ ዝክር ዚገብር ዝነበረ ሰብ ሞይቱ ምስ ተቐብረ መላእክተ ብርሃን መጺኦም ነታ ነፍሲ ምግባር ስኢኖሙላ ይኸዱ።መላእኸተ ጸልማት መጺኦም ይወስዱዋ እሞ አብ ቅድሚ እግዚአብሄር ደው የብሉዋ።እግዚአብሄር ድማ ነዛ ነፍሲ እዚአ አብ ገሃነም እሳት ውሰድዋ ይብል።

    እቲ ዝክር ዝግበሮ ዝነበረ ጻድቕ ከአ ናብ እግዚአብሄር መጺኡ ተዝካርካ ዝገበረ፥ ሽምካ ዝጸውዐ እምሕረልካ እየ ኢልካዶ ኪዳን አቲኻለይ አይኰንካን፤ እዛ ነፍሲ እዚኣ ድማ ዝክረይ ክትገብር ዝነበረት እያ ይብሎ።እግዚአብሄር ከአ፥ መሊሱ ሕደጉዋ ትድሐን ይብል።በዚ ኸምዚ ዝበለ ነገር አማሊዶን የድሕኑ እዮም የሉ።በቲ ዘበንቲ አብ መጻሕፍቲ አዋልድ እምበር፥አብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ፍልጠት አይነበሮምን። ቀሺ ሐይለአብ ከአ፥እዚ ቓላት እዚ ሐሶት እዩ፥አብ ቃል እግዚአብሄር አይርከብን የሎም።ንሶም ድማ አርባዕተ ጉባኤ ኸንግር የልዎ።

     ስለዚ ቀሺ ሐይለአብ ከአ ብሉይን ሐዲስን እምበር ካልኦት መጻሕፍቲ ንምስክር አይቕበሎምን የሎም።አብ መንጎዚ አንጸርጺሮም ሐሳቦም ስለ ዘይኰነሎም፥ረብሐት ዜብሉ ምጽራፍን ታዕታዕን ዀነ። ንምሸቱ ምልጋብ ተሳኢኑ አብ ጸዓዘጋ ናብ ዳኛ ተመለስና።

    ኰነ ድማ ናብ ጸዓዘጋ ምስ አቶና፥ አባት ሐይለየሱስ አብ ቅድሚ ዳኛ፥ ነዚአቶም ሪሞም ከይትህብዎም ቤተ ክርስትያንውን ከይአትውዋ፥ ምሰታቶምውን ከይትሳተፉ፥ገዚተ አሎኹ፥ስልጣን ዘለዎ ድማ ይገዝት እንተበሉ ኲላቶም ፈለስቲ ገዚትና አሎና፥ የሉ። ቀሺ ገብረመድህን ከአ ይርኤኹም፥ጐይታይ ሳይረታ ከብቱ ሳይፋታ ምሽቱ ብስርዓት አብ ምጒት ቌምና ኸለናዶ ኺግዝቱና የሉ።

    ካብቶም ዓበይቲ ገሊኦም እኒ አይተ ባርያኡ ሽከቲ፥እኒ ኸንቲባ ዘሙይ ጸዓዘጋ ዘለውዎም ተንሲኦም ሕደጉ አፍትሑሎም፥ኢሎም እንተ ለመንዎም፥አይንፈትሕን፥ኢሎም አበዩ።ንሕና ከአ እምበአረይ ከማኹም ስልጣን አሎና፥ምገዘትናኩም ኔርና፤እንተዀነ ንስካትኩም ገዛእቲ ምድርን ሸየምቲ ዓለምን ኢኹም እሞ፥ሽሕ ምንጻፍ ቅርሺ ዝመልኦ፥ሽሕ ነፍጢ ምስ ባርያ ተኳሲኤን ይሐልወኹም፥ሪሞም ከይትህብዎም፥ከይትራኸብዎም፥ ኢልና ገዘዝና።

    ዳኛ ድማ፥ንሳቶም ብዝገዘትዎ ንሳትኩም ብዝገዘዝክምዎ ገዛኻትኩም ኪዱ የሉና።ንሕና አብ በቤትና ሐደርና፥ንሳቶም ግና አብቲ ቤተ ክርስትያን ተደፊኖም ሐደሩ።ንጽብሒቱ ዐረቕቲ መጺኦም፥እዚ ዓቢ መጽሓፍ ቅዱስ ደአ ሓዙ እምበር፥ጥያቄ ዝብሃል አይትሓዙ፥የሉና።ንሕና ኸአ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ እንሕዝ ኲሉ አብኡ አሎ፥በዚ ተዐረቕና።

    ሽዑ እቶም ዓረቕቲ አብቲ ንሳቶም ዘለውዎ ናብቲ ቤተ ክርስትያን ሒዞሙና ኸዱ።ዕርቂ ምስ ኰነ፥ ከመለኹም እናተበሃሀልና ተሰዓዐምና።ድሕርዚ ኽልተ መዐልቲ አብኡ ውዒሎም ብመጻሕፍቲ ድማ ኽንዘራረብ ወዐልና፥መወዳእትኡ ብስምምዕ እተባላሾ ስርዓት ቤተክርስትያን ከነቕንዕ አብ ምኹዓት መሬት ዋዕላ ኪኸውን ብዓል እዝጊ መስከረም ተቛጺርና ብደሐን ተፈላሌና።

   ኰነ ኸአ፡ወርሒ ነሐሴ ኺአቱ ጾመ ፍልሰታ ንቐሺ ሐይለአብን ንሀብተጊዮርጊስን አሕዋትና መታን እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተረዲእናዮ ዘሎና ኪነግርዎም እሞ እንታይ ከም ዝትርጒምዎ ብሀድአት ኪሐቱን ኪመልሱን ኪመራመሩን ንደብረ ቢዜን ሰደድናዮም።ንሳቶም ግና ለከ ኽፍአት ዝሓስቡ “ንሕናስ አብ ገዳም ኴንና ኽንጽሊ አብዚ መጻእና እምበር ምሰታትኩም ክንዛረብ ግዜ የብልናን” ኢሎም ገጽ ከሊኦም መለስዎም።ደሐር ብዓል እዝጊ መስከረም ዝነበረ ዋዕላና ክሳዕ መኽሰሲና ዜዳልው ብዓል እዝጊ ጥቅምቲ ይኹን፥ኢሎም ለአኹልና።

     በቲ ቀዳማይ ባእስና ካብ ራእ. ዮሀ. ፮ይ ም ፲ይ ፍ ብዛዕባ ምምላድ፥ “ወጸርኁ በቃል ዕቢይ ወይቤሉ እስከ ማእዜኑ እግዚኦ ቅዱስ ወጻድቅ ኢትትቤቀሎሙኑ ወኢትኴን ኖሙኑ በእንተ ደምነ እምእለ ይነብሩ ዲበ ምድር” ኢሎም ጠቂሰምዎ ነበሩ።ቀሺ ሐይለአብ ከአ፥ “እዚ ምእንቲ ሕነ ኪኸፍለሎም ንመዓት ለመኑ እምበር፥ ኬማልዱ ንምሕረት አይለመኑን” ኢልዎም ነበረ እሞ፥ ስለዚ ኸአ ጸርፊ ገይረምዎ ነበሩ።አቦኡን አዲኡን ዝጸረፈ ሞት ይሙት።ዘጸ ፳፩ ፲፯። “ንጽዮን ዚጸልእዋ ዂሎም አብ ናሕሲ ኸም ዝበቖለ ሳዕሪ ይኹኑ።”-ከምኡ ዝመስል ከአ ካብ ሐያሎ አዋልድ መጻሕፍቲ አኻኺቦም ይጽሕፉ ስለ ዝነበሩ እዩ፥ ጥቅምቲ ዝገበርዎ።

     ኰነ ድማ፥እቲ ናይ ክፍአት ምኽሮም ብተንኰል ምስ ወድኡ ንብላታ ገብረኪዳን ሐዲጎም በቲ ቀዳማይ ምጒት ብቕንዕና ስለ ዝዳነዩ፥ጸሊኦምዎም በቲ ቖጸራ መዐልቲ አብ ምዂዓት መሬት አብቲ መኻን ዋዕላ ነፍጠኛታት ራእሲ ባርያኡ አምጺኦም ንቀሺ ሐይለአብን ቀሺ ሰሎሞንን ንቀሺ ገብረመድህንን ንሀብተጊዮርጊስን አትሒዞም፡ንዓረዛ አብ ራእሲ ባርያኡ ወሰድዎም።ሐያሎ ካብ አሕዋት ክስዕቡ ዘይፈተው ሕርጥ ሕርጥ ኢሎም ተረፉ።

    ቀሺ ዘርአጽዮን ከአ ብሕማም ተረፉ።አብ መቐውሕ አሰርዎም።ድሕሪ ቕሩብ መዐልቲ አብ ፍርዲ አቖምዎም።አባት ሀይለየሱስ ድማ ቅድም ዘይነበረ ኽሲ አምጺኦም ንማርያም ቆፎ እያ ኢልክምዋ የልዎም።ቀሺ ሐይለአብ ከአ እምበአር ሐሰውቲ ምስክር አይትስእኑን እሞ አንገት ይቕጽዐና፥የሎም። መሊሶም እዝስ ከም ዘየልካዮ ይኹን ከምዚ ኢልካ እንተ ትኸውንሲ፥ከም አረሚን ከም ተጋውን ምቖጸርናካ ኔርና፥ ኢሎም ሐድግዎ።

     ሐደ ካበታቶም ከምዚ የዘንቱ አሎ፤ድሕርዚ ዓረዛ አብ ራእሲ ባርይኡ አእተውና፥ድንኳኖም ከፊቶም ብማዕጾ ምስ ረአዩና አበይ አለው እዞም ሰይጣናት ኢሎም ሐተቱ።ከምዚ ንሰይጣን ብመልክዑ ርእዮም ዝፈለጥዎን ዘለለይዎን ይመስሉ መልክዕናን መልክዕ ሰይጣንን ሐደ ኰይኑ ተራእዩዎም።

    መልክዕና ንመልክዕ ሰይጣን ምሳሌ ኰይኑሎም ካብቲ ኵሉ ሰራዊቶም ፍሉያት መልክዕ ሰይጣን ዘሎና ተረኺብና።ደብረ ብዜን ቀዳመ ሰንበት መታን ከይኸዱ፥ብዓርቢ ገስጊሶም ሐሊፎም ከሲሶሙና ነበሩ።ፈሪሳውያን ንየሱስ አብ ጲላጦስ ከሲሶም ምስ አሕለፍዎ በቲ ብዓሎም አብ መጋባእያ አይአትውን መታን ከይረኽሱ።ነዚ ቓልዚ አስተብህሎ፥ከምኡ እዩ ዝመስል ብዜኖች ምስ ረአዩና ድማ ኸም ይሁዳ ስዒሞም ተቐበሉና።

     ሽዑ ራእሲ የሉ፤ካህናት ድማ ዀይኖምለይ መጠምጠሚኦም እማ ግፈፎም፥ቀሚሾም ድማ ቕደዶ ኢሎም አዘዙ።ከምኡ ድማ ገበሩ።ብድሕርዚ አባ ሀይለየሱስ ማርያም፥ቅዱሳን ጻድቃን፥ሰማእታት፥ መላእክቲ ታቦት፥መስቀል፥ስእሊ አየድሕን አየማልድ ኢልኩም፥ኢሎም ከሰሱ።ራእሲ ድማ የሉ፤ቅዱስ ሚካኤል ዓርቢ-ዓርቢ ንሲኦል ከም ዚዘምታ ንነፍሳት ብአኽናፉ እናተሸኸመ ከም ዘውጽኦምዶ አይትአምኑን ኢኹም ኢሎም ሐተቱ።

    ንሕና ድማ ኸምዚ ኢልና መለስናሎም፤መላእኽቲ አገልገልቲ እዮም፥ነቶም ንእግዚአብሄር ዝፈርሁ ኽረድኡን ኽሕግዙን ዝለአኹ እዮም።ንእግዚአብሄር ዘይፈርሁ ግና ኽቕሰፉን መዓት ኬውርዱን ዝለአኩ እዮም።ነቶም ካብ ፍቓድ እግዚአብሄር ወጺኦም ዝሞቱን ፈሪዱ ንስቓይ ዝሰደዶምን ካብ ሲኦል የውጽኡ ንሲኦል ይዘምቱ ዚብል አብ መጽሐፍ ቅዱስ አይርከብን።ማርያም ኰነት፥እቶም ካልኦት ጻድቃን ኰኑ ኻብ ፍቓድ እግዚአብሄር ዝወጸን ዘይአመነን ከድሕኑ ኪዳን አትዩሎም ዝብል ቃል አብ ብሉይን ሐዲስን ምስክር ሀቡና የልናዮም።ስእልን መስቀልን ድማ ከም ዜድሕን ምስክር ሀቡና፤ስለ ጾም ድማ ዓይኒ፥እዝኒ አካላት ብምልኡ እንተ ጾመ እዩ እምበር፥ካብ እንጌራ ጥራይ ምጻም አይጠቅምን፥ኢልና መለስናሎም። ደጊም በቲ ፈለስቲ ቢዜን ዝጸሐፍዎ አኸኪብካ ኪፍረድ ተጀመረ።

    እቶም ፈራዶ ድማ ገሊኦም ተአሲሮም አብ እምባ ኺድይቡ፥ ገሊኦም ኪግረፉ፥ ገሊኦም ሞት ይግብኦም፥ ኢሎም ፈረዱ። ሐደ ሽማግለ ብላታ ሳቊኤል ዝበሃሉ ግና፥እዚ ነገርና ኸምቲ ናይ አይሁድ አብ የሱስ ክርስቶስ እተገበረ ደአ ይመስለኒ ሕጂ ኸአ እዞም ሰባት እዚኦም ብየሱስ ክርስቶስ ዝአምኑ አብዚ ዅሉ ዘብጽሕ እንታይ አልይዎም።ፈቲሕኩም ክትሰድዎም ይረአየኒ፥ኢሎም ፈረዱ።

     ሐደ ክቡር ሰብአይ ሊቀ ካህናት ሰራዬ (ሰራየ) ሀለቃ ሀይለሚካኤል ዚብሃሉ ድማ መጽሐፍ ዘይመርመሩ ዀይኖም፥ነቲ ኖህ ካብ ማይ አይሂ ዝደሐነሉ መርከብ ስራሕ ዝበሎ፥ነዚ አብ ቤተ ክርስትያን ዝቕደሶ ታቦት መሲልዎም፥ንኖህ “ግበር ታቦተ በዘትድሕን ቦቱ” ከምዝበሎዶ አይትፈልጡን የሉና። ድሕርዚ እቶም ፈለስቲ ቢዜን ንሎሚ መሐሩልና ዳሕራይ መዐልቲ ግና ከምዚ ናይ ሎም እንተ በደሉ ንሕና አረጋውያን ክንሕሉ ኢና አብ ገዳም ዘሎና እሞ፥እንተ ለአኽናልኩም፥ውርዲ ኻብ ርእስና ዝደሌኹም ግበርዎም የሉ።ራእሲ ድማ፥ ካህናት ዓዲ ሀይሉ ፈታዊየይ እንካ እዮም ንሎምስ ክምሕሮም እዬ፥ሕጂ ሃይማኖት`ዶ ቅጽዓት ይሕሸኩም ኢሎም ሐተትዎም።

    አሕዋትና ኸአ ንሕናሞ ካብ ሃይማኖት ነብያትን ሀዋርያትን መአዝ ወጺእና እንተ በልዎም፥ራእሲ ድማ እምበአርሲ ኻብ ሃይማኖት ነብያትን ሀዋርያትን ፫፻ን ከይትወጹ ተገዘቱ የልዎም፥ንሳቶም ከአ ሕራይ የሉ።ሽዑ ወንጌል ማቴዎስ መበል ፳፭፡ ፵፩ ፵፮ አንቢቦም፥አገዚቶም ብዘይሎም ከምዚ ነገርዚ እንተ ሰማዕኩልኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ወይለኹም፥ኢሎም ፈቲሖም ናይ ቊርነት አኽፊሎም ሰደድዎም።

    ንዓዶም ኪኸዱ ናብ መገዲ እምነት ነብያትን ሀዋርያትን ብጀኻ እምነት እግዚአብሄር እንታይ እምነት ነይርዎም ፫፻ስ ብጀካ እምነት ስላሴ አብ ኒቅያ ዝገበርዎ ጸሎተ ሃይማኖት እንታይ ነይርዎም በዚ ዘገዘቱና ኢሎም እናሰሐቑ መጹና፥ናብ ዓዲ ዝጸናሕና ኸአ ብሐጎስ ተቐበልናዮም።

      እንድሕርዚ ነቲ ብባርነት ብዘይ ሐራ ዝነበሩሉ ስርዓት አቦታትን ልማድን ምግልጋል ቤተ ክርስትያንን ሐደግዎ፥ብመገዲ ሐራ ወንጌልን ምግልጋሉን ከዱ።ሐያሎ ሰባት ፍልጠት ቃል ወንጌል ዝነበሮም ከአ መታን ካብ ስርዓት አቦታት ከይወጹ ካብ ንብረቶም ከይፍለዩ፥ ንድሕሪት ተመልሱ።ዝዀነ ዀይኑ ምንጋር ቃል እግዚአብሔር ክሳዕ ዚስደዱ፥ንድሕሪት አይተመልሱን፥ልቢ ፈለስቲ ድማ አይዐረፈን፥ ካህናት ከከይዶም እናነገርዎም።

    እዚ ዂሉ ኽንገብር ከሎና ኻብ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ክንፍለ አይደሌናን፥ እንተ ተኻእለናስ በብቑሩብ ክትሕደስ ጌጋአን ስሕተታን ኪእረም፥አዋልድ ገድለ ተአምር ብሐሳብ ሰብ እተጻሕፈ፥ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይሰማማዕ ክተርፍ ኢና ዝደለና።እዚ ዂሉ ድማ በብቕሩብ አብ ደብረ ቢዜን አብ ሊቃውንቲ አብ ጨጌ፡ አብ አቡን አብ ሀጸይ ዮሀንስ ክነብጽሖ ኢና ዝሐሰብና እምበር ብአና ዓቕሚ ይኸውን ኢልና አይሐሰብናን።

     እቲ ዓመት እቲ ምስ ሐለፈ፥ብ፲፰፻፸፬ ክልተ ካብ አሕዋትና ንባጽዕ ወረዱ እሞ፥ምስ አይተ ሉንዳልን አይተ ላገርን ብዛዕባ ንብረቶምን ምስዳዶምን እንተ ተዘራረቡ፥ንሳቶም ከአ ስለዚ እትጽልኡሉን እትስጎጒሉን እምነትኩም ጽሒፍኩም ቅድም ንንጉስ አፍልጥዎ፥ምላሹ ኽትሰምዑ የልዎም።ሽዑ እምነቶም ዘበለ አብ ደብዳቤ ጽሒፎም ብኢድ ክልተ አሕዋቶም ቀሺ መድህንን ሀብተጊዮርጊስን ናብ ንጉስ ዮሀንስ ንዓዲ አምሐራ ሰደዱ፥ ንጉስ ከአ አብ ጎጃም ጸንሕዎም።

     ሀለቃ ወልደጊዮርጊስ ቀደም ዚፈልጥዎም ፈታው ማሕበርና ስለ ዝዀኑ፥ደብዳቤኦም ናብ ንጉስ አእተውሎም።ንጉስ ንእምባጫራ ምስ ተመልሱ ግና፥ንሀለቃ ወልደጊዮርጊስ አሰርዎም፥አሕዋትና ኸአ ዚነግረሎም ስኢኖም ምላሽ ከይረኸቡ ተመልሱ።

     ኰነ ድማ ክፍአት ጸላእቲ በርትዔ ኻብ ፈለስቲ፥ኻብ ካህናት፥ካብ መኳንንቲ ዀይኖም ሐቢሮም ናብ ንጉስ ዮሀንስ አትዮም ዘበልናዮን ዘይበልናዮን ወሳሲኾም ከሰሱና።ዘየልናዮን ዘይመጐትናሉን ታቦት ጽዮን አብዚ አይወጸትን፥ማርያም ድንግል ድሕሪ የሱስ ሽዱሽተ ወሊዳ፥ኢሎም አደልዲሎም አበአሱና።

     ንጉስ ድማ በታ እምነትና ዝጸሐፍናሎም ቃል፥ብየሱስ ክርስቶስ ዚአምኑ፥ሃይማኖት ስላሴ ዝሐዙ ሰባት እንታይ ገይሮም ኢሎም ምቕባል አብዮምዎም ዝነበሩ፤ሕጂ ንጉስ በዘን ክሲ እዚኤን ጒሀዮም፥ ሕጅኩም ናባይ ስደድዎም ዚብል ማሕተም ደብዳቤ ናብ ሹም ናብ ብላታ ገብረኪዳን ሰደዱ።ካብ እቶም ከሰስቲ ዂሉ ምስጢሩ ዚፈልጥ ፈታዊና ኻብ ትግራይ ቅድሚኦም ዝሐለፈ፥ነገሩ ዂሉ አፍለጠና። ብዛዕባዚ ኽንመክር አብ ቤተ ክርስትያን አብ ሕቡእ መኻን ተአከብና።

     ሽዑ ዚበዝሑ በቲ ውዑይ ልቦም አብ ገጽ ንጉስ ንቑም የሉ።ቀሺ ሐይለአብ ግና ሎሚ ተታሕጅና አብ ንጉስ እንተ ኼድና ኸም ዚቐትሉና ፍሉጥ እዩ ወንጌል ከአ ተዓጽያ ትተርፍ።ሕጂ ኽንስደድ እዩ ዚሐይሽ፥ወንጌል ብእዋኑ ኸም ብሐዱሽ በርቲዓ ኽትስበኽ እያ የለ።በዚ ሰሚሮምዎ ዓቢን ንእሽቶን ካብ ፴ ንላዕሊ ንባሕሪ ተሰዱ፥ ገሊኦም ከአ ተረፉ።

   ነቶም እተሰዱ ድማ ሚስዮን ስዌዴስ ብጽቡቕ ተቀበልዎም። እንተዀነ ሐያሎ ብዓሶ ሞቱ ገሊኦም ከአ ደኺሞም ንዓዶም ተመልሱ።እዚ ዂሉ ኪኸውን ከሎ ግና፥ ጸጋ እግዚአብሄር ብሉጽን ዘስተንክርን እዩ። ሐንቲ ሰበይቲ ንሰብአያ ዝዐንቀፈት የልቦን፥ዝኸአለት ትስደድ፥ዘይከአለት ድማ ናብ ሀገር ትሕባእ ነበረት እምበር።

   በ፲፰፻፸፭ ድማ ቀሺ ሐይሉአብ ስለ ዝሐመመ ሀሩር ምኽአል ስኢኑ፥ንሱን ቀሺ ዘርኣጽዮንን ቀሺ መድህንን አብ በረኻ ጽላሌ ወርሒ ሐምለን ወርሒ ነሐሰን አብ በዓቲ ኸረሙ።ዋግሹም ገብሩ አብ ጸዓዘጋ ሰፊሮም ስለ ዝነበሩ ፈሪሆም።መስከረም ኪብሕት፥ብሕብእብእ ብብዙሕ ጸበባ ንማይ ውዑይ ወረዱ። ብወርሒ ጥቅምቲ ኸአ ትርኲ (ቱርኪ) አራከልበ ወጸ፥ዋግሹም ገብሩ ድማ ትግራዮም ከዱ።ሽዑ ደጊም አብ ሀገርና ዕረፍቲ ንረክብ ኢሎም ዝባን ከበሳ ደየቡ።እንተዀነ ንጉስ ዮሀንስ አብ ክሳድ ዒቃን አብ ጐዳጉድን ተቐባቢሎም አጥፍእዎ።

    ከም ብሐዱሽ ድማ ብ፲፰፻፸፮ ብዙሕ ጭፍራ ካብ ምስሪ ወጺኡ አብ ጒራዕ ሰፈረ።ራእሲ ወልደሚካኤል ከአ፡ካብ ንጉስ ዐልዮም ናብ ትርኲ አተው።ሐጋይ ምስ ኰነ ናብ ጒራዕ ተዋጊኦም፥ትርኲ ተሳዕረ።ድሕሪዚ ንጉስ ዮሀንስ ንደጃች ሀይሉ አብ ሐማሴን ሸይሞም ንትግራዮም ከዱ።

    ራእሲ ወልደሚካኤልን ደጃች ሀይሉን ድማ ብወርሒ ሐምለ ናብ ወክድባ ተዋግኡ።ራእሲ ስዒሮም፥ ደጃች ሀይሉ ምስ ስድርኦም ሞቱ።አይተ ላገርን ቀሺ ሐይለአብን ሀብተጊዮርጊስን አብ ቤተክርስትያን ዓዲ ቘንጺ እንተ ጸንሕዎም፥ቀተልዎም።ሀብተጊዮርጊስ ግና በዐረር ውጉእ ክነሱ ትንፋሱ ዝሐለፈት መሲልዎም ሐዲጎምዎ ኸዱ።

    ምሸት ምስ ኰነ፥አዴኡ አልዐለቶ።ድሐር አይተ ሄድንስትርም ብቓሬዛ አጽዊሮም ንማይ ውዕይ አውረዱዎም እሞ እግዚአብሄር አሕወዮ።ንጸዓዘጋ ፍጹም ጥፍአት ኰነ፥ደጊም ስደት በርትዔ።እንተዀነ ምሕረት እግዚአብሄር ብዙሕ ስለ ዝዀነ፥አይተ ሄድንስትርም ብትብዓት አብ ራእሲ ወልደሚካኤል አትዮም፥ብዛዕባ እንታይ ከም ዝቐተልዎም ስለ እየቛየቚዎም ንዓበይቲ ጸዓዘጋ ደአ አይትቀበል እምበር ንናእሽቱስ አስተምህር ኢሎም ፈቐዱሎም።

     በዚ ኸምዚ ሐርነት ረኸቡ።አብ ገለብን አብ ምንኵሉን እግዚአብሄር ጽቡቕ ስፋራ አዳለወሎም። ብሐደ ሸነኽ እንተ ዐጾ ብሐደ ሸነክ ይኽፈት።ቤት ምህሮ ንአወዳትን ንአዋልድን ተሰርዔ እሞ እናዐመሩ ኸዱ።አብ ምንኵሉ ኺነግዱ ንዝወርዱ ሰባት ከአ ቃል እግዚአብሄር ምሸት ምሸት ይስበኸሎም ነበረ።

    አብ አግዓሮ ምስ ራእሲ ወልደሚካኤል ንዝሀደሙ ድማ ቓል እግዚአብሄር ካብ ገለብ ይውሕዞም ነበረ።አብ ከበሳ ግና ደሀይ ስብከት ወንጌል ዜውስእ አይነበረን።ናይ ሰላምታ ወረቐት እኳ አብ ካልእ ዚኸይድ ናብ አቦይ ተስፋይ እንተ ተረኽበ፥ ሕጆም ናብ ብላታ ገብሩ ወሰድዎም።

     ብላታ ገብሩ ድማ ሰላምታ እንተ ተቐባበሉስ ብፍቕሪ አብ ወንጌል ከይስሓቡ፥መታን ሰብ ኪስኽሕ ኢሎም ሰየፍዎም።ሽም እግዚአብሄር እናልዐሉ እናመስገኑ ሞቱ።ድማ አቦ ቐሺ ሐይለአብ ስለ ዝዀነ እዩ ዝቐተልዎም።እቶም ብዛዕባ ወንጌል እተሰዱ ሰባት ግና ትምሕርቲ እናወሰኹ ብአእምሮ እናደልደሉ እዮም ዝነበሩ።እንተዀነ አብኡ እተወልዱ ቀለውዕ ብዙሐት ይሞቱ ነበሩ።ሀብተጊዮርጊስ ሐውና ኸአ ብምኽንያት ሕማሙ ዚሐይሽ ምካን ደልዩ አብ ምድሪ ቶርዓ ዱዔት አብ ዚብሃል ከረን ከይዱ ሞተ።

      ብ፲፰፻፹፩ ድማ ዀነ፥ቅድምዚ ገለብ ብምሕረት እግዚአብሄር ከም ዕርዲ ዀይና ዝነበረት አብአ ንዝነበሩ አሕዋት ብራእሲ አሉላ ስደት መጾም።ምስ አሕዋቶም ናብ ምንኵሉ ተአከቡ።ካብቶም ተመሀሮ ዝነበሩ ኸአ ገሊኦም ዓድዓዶም ከዱ።

   አቐዲሙ እዚ ዓመት እዝ ከይበጽሔ ባሻይ ሀብቱ ዛግር ንዅሎም አኪቡ ኺሕዞም ናይ ተንኰል ሐሳብ ነበሮ።እንተዀነ እቶም አሕዋት፥ንሱ ናብ ገለብ እናመጸ፥ከከም ዚከአሎም ይኽወልዎ ነበሩ።ንሱ ግና ድሎት እንተ ሰአነሎም ብጒርሑ እንታይ ገይረዮም እዩ ዚሕብኡኒ እናበለ፥ብጥዑም ዘረባ ይሐባብል ወሬ ይሰድድ ነበረ።ኪብል ኪብል ጃበራ ዚበሃል ስብአይ መንጐኛ ገቢሩ፥ንሱ ኽፉእ ከይገብሮም፥ ንሳቶም ከአ ብደሐን ኪቕበልዎ እምበር ከይሕብእዎ አተአማመኖም።

    ብድሕርዚ ናይ ተንኰል ምኽሩ ምስ ወድኤ መታን ኬዘንግዖም፥ ከም ልማድ ቀደሙ ምስ ገላውኡ ጥራይ ናብ ገለብ መጸ።ብድሕሪኡ ድማ ናይ ብላታ ገብሩ መጹ።ንጽብሒቱ እቶም ገላው ብላታ ገብሩ፥ አኪብኩም ንዅላቶም ሓዝዎም ኢሉ ናብ ገዛ ሚስዮን ሰደዶም።ንሳቶም ከአ ምኽሩ ተቐቢሎም ናብቲ ገዛ ሚስዮን መጹ።ሽዑ ሐያሎ ካብ እቶም አሕዋት ዕይኦም ኪዐዩ ተዐጢቆም፥ብዝንጉዐቶም እንታይ ይመጸና ኸየሉ አብ ግዳም ጸንሕዎም።

    ብኡብኡ ሐደ ካብቶም ዐቀይቲ ንወልደአብ፥ወዲ ኸንቲባ ዘሙይ ሐዞ፥ንሱ ኸአ እንታይ ኢሉኒታ ኢሉ ነዝዖ። እቶም ብጮቱ ድማ በሎንዶ እንተበልዎ፥ነፍጢ ተኵሹ ቐተሎ።ሽዑ ጥቕኡ ዝጸንሑ ዀኑ ፍንትይ ኢሎም ዝጸንሑ ዀኑ ፋሕ ኢሎም ሀደሙ።ባሻይ ሀብቱ ድማ ተዅሲ ሰሚዑ፥ እናጐየየ መጺኡ ንሚካኤል ነጋስን ንገብረማርያም ሰስንዮስን ንደብሩ እምናይን ንየበቲት ዐይላይ እስጢፋኖስ እተብሃለን አትሐዞም። እንተዀነ ኵላቶም ስለ ዘይተታሕዙ፥ከምቲ ዝሐሰቦ ስለ ዘይኰነሉ አዝዩ ጕሄ።   

      እዚ ኪኸውን ከሎ፥እቶም አብኡ ዝነበሩ ዓበይቲ ካህናት ራእሲ አሉላ ንአይተ ሄድንስትርም ናብ ዓዲ ተኽላይ አምጽአዮም ኢሎምዎ ስለ ዝነበሩ፥ንምኵሉ ሐዲሞም አለው።እዚ ጸበባ እዚ አይረአዩን።ነቶም አብኡ ዝጸንሑ ማሕበር ንሰብኡት፥ነንስቲ፥ ግና በቲ ሐጺር ቅነ ብርቱዕ ጸበባ ረኸቡ።

    ኰነ ኸአ፥እመቤት ቢያታ ካልሶን ለዋህ አግዓዚት ዝዀና ሰበይቲ፥ ነቶም ሀዲሞም ዘይኽእሉ እኒ ሰጊድ ዘሙይ እኒ ደባስ ነጋሲ፥ገብረማርያም መድህን ምስ ዘርኤ ሐው፥ገብረአብ ግርማይ፥የሱፍ ዘርአጽዮን፥ከም መሐስእ አብ ትሕቲ ዓራት ደፊነን ነቶም ዕብይ ዝበሉ ኸም ብልሓተን ዝኸደና ኸዲነን አብ ቤተን ሐብኣኦም።

    ባሻይ ሀብቱ ናብ ቤተን እንተ መጸ፥ተሸበራ እሞ መታን ከይጕርጕረን፥ነቶም ሕቡኣት ኬድሕና ኢለን ክልተ ዝአፉ ነፍጢ ሀብኦ ዚሔሸ እዋን ምስ ረኸባ ኸአ፥ንምኵሉ ገጸን ሰደድኦም።እንተዀነ መገዱ አይፈልጥዎን እዮም እሞ ጸቢብዎም።

    እናጐሀዩ ኸለው ፪ ሰባት፥ላባ አብ ዚብሃል ርባ ምስ በጽሑ፥መጽዎም።ሰጊድ ከአ ንምንኵሉ እንተ አእቶኹሙና ገንዘብ ክህበኩም እዬ፥ የሎም እሞ መሪሖምዎም ከዱ።አብ ጥቓ ምንኵሉ ሸኻት ቀይሕ ናብ ዚብሃል ስፍራ ምስ በጽሑ ግና ልኡኻት እግዚአብሄር ግዲ ዀይኖም ጠፍእዎም።በዚ ኸምዚ ናብ ምንኵሉ ወጋሕታ አተው።ሽዑ እቶም አሕዋቶም በቲ ጸበብኦምን መከርኦምን ኸይሰምዑ ጸኒሖም፥ብዙሕ ጐሀዩን በኸዩን።

   ጐይታና ስቤንሶን ድማ ንዝባን ሐማሴን ደይቦም አብ ብላታ ገብሩ አትዮም፥ነቶም ካልኦት አፍቲሖም ተመልሱ።ንሚካኤል ነጋሲ ግን ብእሱሩ አትረፉሎም።እንተዀነ ኽፉእ ማእሰርቲ አይነበሮን፥አብ ቤት ፈታዊኦም እዩ ዝጸንሔ።ሽዑ ቐልጢፎም ንምጽዋዕ ወሪዶም ከም ብሐዱሽ ንሐማሴን ደይቦም ከም ብልሐቶምን ኸም ክእለቶምን ዝገበሩ ገይሮም አፍትሕዎ።

     እንተዀነ መታን ከይጠዐሱ እሞ መሊሶም ከይአስሩሎም፥ ኢሎም ካብ እምባ ደርሆ ምሸት ተላዒሎም፥ ብለይትን መዐልትን ገስጊሶም ንምንኲሉ አተው።አብ ሕማም ክሳዕ ዝበጽሑ ዀነ።ግናኼ ጻዕሮም ስለ ዝቐንዖሎም ብዙሕ ተሐጐሱ ንእግዚአብሄር እውን አመስገኑ።ኵላ ማሕበር ድማ ምስኦም ተሐጐሰት።ከምታ ዝፈርህዋ ኸአ፥ብላታ ገብሩ ደድሕሪኦም ዘረባ ረሲዕና፥ንዑ ዝብሉ ልኡኻት ሰደዱ። እሞ አይረኸብዎምን።

   ብድሕርዚ አብ ገለብ ዝነበሩ ዅሎም አሕዋት ሰብ ሐዳር ኰኑ ተምሀሮ ዀኑ ንምኵሉ ገዐዙ።አብ ገለብ ዝነበረ ቤት ምህሮ ክሳዕ እዋኑ ተሪፉ ነበረ።እንተዀነ ብ፲፰፻፹፱ መንግስቲ ኢጣልያን ወዲኦም ንሐበሻ ይገዝኡ አለው፥ስለዚ ኻብቲ ብመንግስቲ ሐበሻ ተሰጕጐም ዝነበሩ፥እንሆ ዘበን ሐራ ዀነሎም።

   ዝዀነ ኰይኑ መንግስቲ ክርስቶስ አብ ዝባን ሐማሴን ከም ፍሬ አድሪ ዀይና ተዘርኤት እሞ፥ብዙሐት ውሉድ ጥምቀት ዚዐርፉላ ኰነት።ማቴ ፲፫፡ ፴፩፥ ፴፪።

   ከምቲ ቀሺ ሐይለአብ ዝመኸሮ፥እንሆ ወንጌል ብሐራ ይስበኽ አሎ።ሐይሉ ኸአ በብንእሽቶ እናተገልጸ፥ፍሬኡ እናበዝሐ ይኸድ አሎ።የሱስ አብ ከውሒ ዝሰርሖ፥መዐጹ ሽኦል ዘይትብርትዖ፥ዘይሕይሎ።እቲ መርሖ ዳዊት ዝሐዘ ባዕሉ ኻብ ዘርሕዎ ሐይሊ ዘለዎ ምዕጻው ዘይከአሎ።አብዚ ደአ እሙን ይኹን ምግልጋሉ ነፍስወከፍ በቲ ህያብ ጸግኡ ኸከም እተዐደሎ።ስብሐት ይዅኖ ነቲ ካብ ነቲ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ህልዊ ዘሎ።  

By aiga