ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ትግራይ ተሓሲሙ ብትዕቢት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ንቡር ክብሩ ኣታሒቱ ክገዝእ ተሃንዲድ ልመፀ ሽሾ ፀላኢ ሳላ ህዝቢ ፥ መንግስቲን ፥ ኩለን ውድባት ሃም ርግሀ ረቢብን ብዘይ ናይ ፖለቲካ ይኹን ካሊእ ዝኾነ ዓይነት ኣፍላላይ ተቓለሰ ወዮ ሃም ሕሩጭ በኒኑ ፍሕፍሕ ኢሉ ተብሃለ ህዝባዊ ሓይሊ ሓመድ ዓዱ ሊሒሱ ንፀላእቱ ሓመድ ድበ ኸዲንዎም ። ዎዮ ንፃዊዒት ሰላም ‘ምስ መሸበርቲ!’ ኣይዛተንክብል ዘባጨወ ብዘይ ሕንከት ሕብሩ ቐይሩ ‘ወዓግስያ ክተምስል ዝዋውዕ ትኣስር’ ሃም ዝበሃል ደላይ ሰላም ክመስል ንዓለም ኣብ ምድንጋር ይርከብ።

ብወገን መንግስቲ ትግራይ ቐደምውን ተኾነ ጎንፂ ብሰላም ንምፍታሕ ቑሩብ ምንባሩን ሓዚ ድማ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ሓይሉ ዓቂቡ ብመንግስት ኤርትራን ክልል ኣምሓራ ዝተጎብጡ መሬታትና ብውሑድ መስዋእቲ ከምልስ ዘኽእልን ብቑልጡፍ ናብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየት ትግራይ ዘሰጋግር ጭምጭምታ ዕድል ሰላም እንተሎ ሓንኲኽኳ ንምፍታን ድልው ምኻኑ ይበል ዘብል እዮ። ተኸነ ግን ከም ሰብ ሕድሪ መግዝኢ ግዘ እምበር ትግራይ ናይ ምፅናት ባህጊ ፀላትና ኣብ ቦቱኡ ከምዘሎ ንዕዘብ ንኣብነት;

  • ከም መቐፀልታ ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ኣብ መሉእ ክባን ዕፅዋ ትርከብ ውፂኢቱ ድማ ህዝብና በቢ መዓልቱ ብጥምየት ይራግፍ ምህላው።
  • ሓዚ ውን ሰፊሕ መሬት ትግራይ ኣብ ኢድ ፀላእቲ ይርከብ።
  • ኩሉ ዓይነት መንግስታዊ ግላጋሎት ከይረክብ ብምግባር ህዝቢና ኣብ ባንኪ ዝዓቖሮ ቕርሺኳ ከይጥቐም ብሩኹቡ ምፅዋት የመዓዲ ኣሎ።
  • ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ኣብ ህንፀት ምክላኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ተጋሩ ክንዲ ሽልማት ብሰንኪ መንነቶም ፎቖዶ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዮምን ተቐቲሎምን ዕያሎም ድማ ኣብ ከቢድ ፀገምን ፀበባን ይርከቡ።
  • ተጋሩ ካብ ሽኸትን ከባቢን ተግፊፍም ይጋፍዑ ኣለው።
  • ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋሩ ከም ብሓዱሽ ይእሰሩ ኣለው ።
  • ኣብ ሰብ ሓፍቲ ተጋሩ ነብርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝወርድ ዘሎ ምክልባት ዓመፅን ቐፂሉ ኣሎ።

በቲ ካልእ ወገን ድማ ብፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለምን ካልኦት ወድዓዊ ኩነታትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተ ሰላም ክቕቦሎ ተዝግደድ ‘ውን ንከይሰምር ሸርሒ ናኣለሙ ዝሓድሩ ሓይልታት ኣምሓራን መንግስት ኤርትራን ተስፋ ዘተ ሰላም ናይ ምኩላፍ ዕድሉ ዝላዓለ ምዃኑ ኣብ ግምት ዘእተወ ምድላው ይግባእ ንብል።

ዘተ ሰላምን ግደ ውድባት ትግራይ

ረብሓ ህዝቢና ብዘተኣማምን ንምዝረጋገፅ ኣብ ወታደራዊ ዓውዲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተሓፈሰ መስተንክራዊ ዐወታት ብመዳይ ዲፕሎመሲ ማዕረ ማዕረ እንትስጉም ሙሉእ ዓወት ይኸውን። ፖለቲካ ባህሊና ከም ልምዲ ንስንሳትካ ኣብ ዝግበር ዘተ ይኹን ክትዕ ኣብ ክንዲ ባህሊ ተፃዋርነትን ‘እንካ ሃባን’ ዘይምቅድዳውን ምፍሕፋሕን ከም ታሪካዊ ድኹም ጎንና ኮይኑ ፀኒሑ እዮ።

ኣብዙ ሎሚ ቕነ ኣብ መንጎ ገዛኢን ተነሓናሕቲ ውድባትን ዝረአ ዘሎ መስከፊ ፍሕፍሕ መግላፂ ዱሑር ባህሊ ፖለቲካና እዮ። ተኸነ ግን ኢዚ መድረኽ መላግቦ ታሪኽ ትማሊ ፥ ህላወ ሎሚን ፥ባህጊ መፃኢት ትግራይዝውስን ዝተሓላለኸ ፥ካልኣይ ዕድል ዘይብሉ ፥ ተኻሳሓይ ምዕራፍ ኩሎም መማራፂ ብዓይኑ ረብሓ ትግራይ ጥራሕ ናገምገምና ናተላዘብና ሰሚርና ‘ምበር በቲ ልሙድ ፖለቲካ በለፅን ምድፍፋእ እንስዕሮ ፀገም ወይከ የለን።

ኣብ መወዳእታ መንግስትና ምስ ኣብ ትግራይ ገበን ዘርኢ ምፅናት ዝፍፀመ መንግስቲ ዝግበር ዕፃ ትግራይ ኣብ ዝውስን ዓብይ ዛዕባ ብሰንኪ ስነ ሓሳብ(ideology) ወይ ግዝያዊ ፀቢብ ረብሓ ከይርመስ ብሉፃት ተሞኩሮ ዓላም ኣብ ግምት ዘእተወ፥ ሕሉፍ ጌጋታት ንዘይ ምድጋም ምስ ውዳባት ትካላዊ መልክዕ ዘሎዎ ብቐፃልነት ኢሂን ሚሂን ክብል ይግባእ። ብተወሳኺ ውፅኢት ዘተ ሰላም ብዘየገድስ ቐንዲን ዋሕስ ህላወና ዝኸነ ሓ.ም.ት.(TDF) ንምሕያል ኩሉ ትግራዋይ ከም ወትሩ ክሰምር ይግባእ።

ክብሪ ስለ ትግራይ ንዝወደቑ ጀጋኑና!                                                                                                

ሰብ ሕድሪ ዓለምለኸ ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ

By aiga