ብ ዶ/ር ፀጋዘኣብ ካሕሱ

ኣቦ መንበር – ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ

መእተዊ –

ተጋሩ ኣብ ታሪኽ ዘሕለፍናዮ መዋእል ብፈተናን ገድልን ዝተመልአ እዩ፡፡ ጥንታውያን ኣቦታትና ስልጣንኦምን መሬቶምን ንምውሓስ ክብሉ ምስ ደመኛ ፀላእቶም ብዙሕ ተጋድሎ ገይሮም፣ ንዘበኖም ብዝጥዕም መንገዲ ታሪኽ ሰሪሖም፣ ንኣና እውን ሓደራን ውርስን ኣቐሚጦምልና ሓሊፎም እዮም፡፡ ትውልዲ ሓሊፉ ትውልዲ እንትትካእ ትግራዋይነት ብደምን ሂወትን ተጋሩ ዋጋ እናተኸፈሎ መፂኡ፡፡ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝቦቕሉ ፀላእትና ንዘበናት ዝዓቀብናዮም ፀጋታት ስልጣነናን ታሪኽናን ክወርሱን ከጥፍኡን ዘይፈፀምዎ ፈተና የለን[i]፡፡ ህልውና ተጋሩን ትግራዋይነትን ስግኣትና እዩ ኢሎም ስለዝኣምኑ ድማ ብተደጋጋሚ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን መከራን ኣውሪዶምልና፣ ንዘበናት ዓርስና ክንሕሉን ክንከላኸልን ክንብል ድማ ኣብ መኸተ ተፀሚድና፡፡

ይኹን እምበር ኣብዚ ጉዳይ ኮፍ ኢልና ክንሓስበሉ ዝግባእ ነጥቢ ኣሎ፡፡ ፀላእትና ተደጋጋሚ ግዘ እንትብድሉናን እንትወግኡናን፣ ንሕና እውን ብተደጋጋሚ ኣብ መኸተን ዕንክሊልን ንሽከል፡፡ ክንጥቃዕ ዝገብረና ምኽንያት ብንፁር ንፈልጦዶ? ፀላእቲ ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለየ ኣግባብ እንተጥቅዑና ንሕና ግና ተመሳሳሊ ሜላ “መኸተ” ንጥቀም ንምንታይ? ደመኛታትና ከየጥቅዑና ቀዲምና ክንከላኸሎምን ክንሰብሮምን ዘይከኣልናሉ ምኽንያት እንታይ ይኸውን¡? ኣማታይ፣ መጥቀዓይን ሞጋታይን ሰረተ-ኣእምሮ (Mind-set) ጥንታውያን ኣኽሱማውያን ደስኪሉ ናብ መንፀርፀራይን መካታይን ሰረተ-ኣእምሮ (Mind-set) ዝኣተናሉ ከይዲ ገምጊምናዮ ዶ ንፈልጥ? ንምንታይ እዞም ኩሎም ሓሳባት ኣብ ናይ ሎሚ ርእሲ ርኢቶ ዕላማ እዚ ፅሑፍ ኣይኮነን፡፡ ብቐፃልነት ኣስፍሕ ኣቢልና ንምርኣይ ክንፍትን ኢና፡፡ ፈለማ ግን እዞም ኩሎም ሕቶታት ንምምላስ ዝሕግዘና መደላድል ሓሳባት ነንፅፍ፡፡

ስለምንታይ እንደልዮ ለውጢ ምፍጣር ንፅገም?

ተጋሩ ዘሕለፍናዮ ናይ ኣሽሓት ዘበናት ታሪኽ ክንእረመሉ ኮነ ክንመሃረሉ እንኽእሎ ብዙሕ ቁምነገር ዝሓዘ እዩ፡፡ ዝመፃናሉ መንገዲ ከመይ ነይሩ ኢልና ብውነ ገምጊምና ፣ ሐዚ እንርከበሉ ምዕራፍ ብልክዑ ተገንዚብና፣ ንቐፃሊ ከም ተጋሩ ክንዓሞ እንሓልሞ ራእይ ክህልወናን ነዚ እነሳኽዐሉ ንፁር ኣንፈት ክነቐምጥን ይሕግዘና፡፡ ብፍላይ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና ከም ደግሲ ሕማም እናደጋገምና እንሰሓሓቶም ጉዳያት መንቀሊኦምን መፍትሒኦምን ብግልፂ ምርዳእ የድልየና፡፡ ስለዚ ዝበለፀ ፅባሕ ክህልወና እንደሊ እንተድኣኮይንና ኣብ ሎምና ትማልን ዘለና ኣጠማምታ፣ ኣብ ፅባሕ ዘለና ርድኢት ክልወጥ ኣለዎ፡፡

R.D. Goleman ከምዚ ይብል፦  “ደረት ኣተሓሳስባናን ተግባርናን ዝውሰን፣ ብዝግባእ ክንፈልጦን ክንመልኮን ብዘይከኣልናዮ ጉዳይ እዩ። በቲ ንፈልጦን ንመልኮን እማ ዓቕምና ፀንቂቕና እንተሓሲብናን እንተተጠቒምናሉን ኣብ በፂሕናዮ ዘለና ንበፅሕ ኢና። ካብዚ ሓሊፍና ከይንኸይድ ዝድርተና ግን ዘይንፈልጦን ዘይንመልኮን ጉዳይ ምህላዉ ዘይምስትውዓልና እዩ። ዘይንፈልጦን ዘይንመልኮን ነገር ከም ዘሎ ምስትውዓል እንተዘይክኢልና ለውጢ ዝበሃል ነገር የለን። ለውጢ ዝጅመር ዘየስተውዐልካሎም ጉዳያት ከም ዘለዉ ክተስተውዕል ከለኻ እዩ[1]

ስለዚ በቲ ትፈልጦን ትመልኮን መጠን ሰሪሕካ እንተዘይዓጊብካ፣ እቲ ቀፂሉ ዘሎ ትኽክለኛ መንገዲ “ዘየስተውዐልክዎ ነገር እንታይ ኣሎ?” ኢልካ ምሕታትን ምንዳይን እዩ። ንትኽክለኛ መንገዲ ድማ “ወዲ መንገዲን ጓል መንገዲን” እናበልካ ብምንእኣስ ክተምልጦ ኣይትኽእልን። ኣይፋሉን ….. መሊሰ በቲ ዝፈልጦን ዝመልኮን መንገዲ ደጋጊመ ክፍትን እየ እንተይልካ ከዓ ኣብ ጌጋ መንገዲ ወዲቕካ ኣለኻ ማለት እዩ። እትፈልጦን እትመልኮን ነገር ደጋጊምካ ብምፍታን ዝመፅእ ሓዱሽ ለውጢ የለን[2]። ፅቡቓት ተሞክሮታትን ልምድታትን ዓቂብና፣ ናይ ውድቀት ተሞክሮታትን ልምድታትን ኣሪምና፣ ክሳብ ሕዚ ዘየስተውዐልናዮም ኣንፈታትን ሓሳባትን ወሲኽና ንቕድሚት ክንስጉም ዘኽእለና ስትራቴጂካዊ ምትዕርራያት ክሳብ ዘይገበርና፣ ክሳብ ሎሚ ብእንፈልጦን ብእንመልኮን መንገዲ ጥራሕ ክሳብ ተጓዓዝና እነምፅኦ ለውጢ ኣይክህሉን። እንተሃለወ እውን ሓዱሽ ታሪኽ ምስራሕ ዘይኮነስ ታሪኽ ምድጋም እዩ ዝኸውን። ታሪኽ ምድጋም ድማ ምልሰትን ውድቀትን እዩ። ስለዝኾነ፣ ኩሉ ትግራዋይ ንዘለዎ ዘበን ዝምጥን ታሪኽ እናሰርሐ ክሓልፍ እምበር ናይ ትማሊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሎሚ ንምትካል ኣብ ዝግበር ፀወታ ዕንክሊል ኣትዩ ታሪኽ ከይድገም ኣበርቲዑ ክቃለስ ኣለዎ።

ኣብዚ ዘለናሉ ወቕቲ ገጢሙና ዘሎ ናይ ምህላውን ምጥፋእን ፈተና ፈንፂሕና ህልውናና ንምርግጋፅ ዘለና መማረፂ ሓደን ሓደን ጥራሕ እዩ፣ ስዒርካ ምውፃእ!! ክንስዕር እንተኾይንና ድማ እንኮ መማረፂት እያ ዘላትና፣ ምልዋጥ!! ክንልወጥ እንተኾይንና ከዓ ብዙሕ ክንሰርሖም ዘለና ስራሕቲ ኣለዉ። ለውጢ ዝኣምንን ዝሽከምን ማሕበረሰብ ምፍጣር፣ ለውጢ ዘቀፃፅልን ዝመርሕን ሓይሊ (Change Agents) ምፍጣር፣ ብተወሳኺ ድማ በቲ ዕንክሊል ዝርብሑን ኣብኡ ተሸኺሎም ረብሐኦም ዘቋምቱን ፀረ-ለውጢ ሓይልታት ብትሪ ምቅላስ ኣገዳሲ እዩ! ለውጢ ደሊኻ ንፀረ-ለውጢ ሓይልታት እናጠበርካን ዝመፅእ ርኡይ ለውጢ ኣይክህሉን። “ጭሕምን ፀሊእኽን፣ ሰብኣይንከ ደሊኽን” ከም ዝበሃል።

ፀረ-ለውጢ ሓይልታት እንመን እዮም?

ፀረ-ለውጢ ሓይልታት እንብሎም ካብ ዝተፈላለየ መንቀሊ እቲ ህልው ኩነት (Status-quo) ክቕፅል ዝደልዩን “ዓቀብቲ-ነብሶም” (Self-preservation) ዝኾኑ ሓይልታት ኩሎም ማለት እዩ። ሰረት እዞም ሓይልታት ካብ ውሽጥናን ካብ ደገን ይፍልፍል። ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ዓቀብቲ -ነብሶም ካብ ረብሓ ትግራይ ንላዕሊ ውልቃውን ጉጅለኣውን ረብሐኦም ዘቐድሙ፣ ብሄራውን መንነታውን ክብርታት ዘይገድሶም፣ ህላወን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ትሕቲ ስልጣኖምን ንዋታዊ ረብሖኦም፣ ትሕቲ ህላወ ትካሎምን ውድቦምን ዝሪኡ ወገናት ማለት እዩ። ደጋዊ ዓቀብቲ-ነብሶም እንብሎም ድማ ፥ ብዓብዪኡ ታሪኻውን ስትራቴጂካዊ ፀላእትና ኮይኖም ብናትና ህልውናን ለውጥን ረብሐኦም ዝትንከፍ ጎረባብትናን ደጋዊ ሓይልታትን እውን ዝሓቖፈ እዩ። ስለዝኾነ፣ ቃልስና ነዞም ክልተ ሓይልታት ኣብ ግምት ዘእቱ፤ ክልተ ብልሒ ዘለዎ ሰይፊ ክኸውን ግድን እዩ። ኩልሻብ ድማ ቀዳምነት ክንህቦ ዝግባእ ውሽጣዊ ፀረ-ለውጢ ሓይልታት ኣብ ምእላይን ባዕላዊ ጥንካረኻ ኣብ ምሕያልን እዩ።

ለውጢን ታሪኽ ምድጋምን፤

ታሪኽ ዝድገም ንምንታይን ብኸመይን እዩ ዝብል ዝተፈላለዩ ጠመተታት ከም ዘለዉ ተረዲእና ንሕለፎ’ሞ፣ ታሪኽ ዝድገም እንታይ ዓይነት ቅድመ ኩነታት ክማላእ እንተሎ እዩ ዝብል ንርአ።

እንግሊዛዊ ወታደራዊ መራሒን ፖለቲከኛን ዊንስተን ቸርችል ብዛዕባ ታሪኽ ምድጋም ከምዚ ይብል፡-“ሕፅረት ኣመተ (ኣማታይነት)፣ ስጉምቲ ንምውሳድ ቀሊል ኣብ ዝኾነሉ ግዘ ተግባራዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ምድሕርሓር፣ ስእነት ንፁር ኣንፈት ሓሳብ፣ ኣፈ-ዕርበት ክሳብ ዝበፅሕ ደንገርገር እናበልካ ምፅናሕ፣ ፀረ-ለውጢ ዓቃብቲ-ነብሶም ሓይሊታት ብርቱዕ ቅልፅሞም ክሳብ ዘዕርፉልካ ምፅባይ እዩ ታሪኽ ንክደጋገም ዝገብር። ፀረ-ለውጢ ዓቃቢ-ነፍሱ ሓይሊ (self-preservation) ዕድል ክሳብ ዝሃብናዮ ክቕድመናን ክግውድን ድማ ተፈጥሮኣዊ ሓቂ እዩ[3]። ስለዝኾነ፣ ታሪኽ ከይድገም ኣማቶ ንኹን፣ ሕዚ ክግበር ዘለዎ ሕዚ ንግበር[4]፣ ሓሳባትና ነፅሪ፣ ቅድመ ምድላዋትና ነሐይል።

ልዕል ኢሉ ተቐሚጡ ዘሎ ሓሳብ ዊንስተን ቸርችል ሓደ ሳይንስዊ ጠመተ እዩ። እስኪ ብዛዕባ ኣገዳሲነት ለውጢ ድማ ካሊእ ሳይንሳዊ ሓቂ ንርአ።

 “ብዛዕባ ኣድላይነት ለውጢ መን፣ ንምንታይን ብኸመይን ተረዲእዎ ብዘይየገድስ፣ ወድዓውነትካን ሰጓማይነትካን ንምርግጋፅ ናይ ምትዕፅፃፍን ምልዋጥን ተኽእሎ ምውናን ይጠልብ።  ኣሽቢ ዝተብሃለ ናይ ሳይበርነቲክስ  (ኤሌክትሮኒክ ማሽናትን ናይ ወዲ ሰብ ሓንጎልን ዘለዎም ዝምድና ዘፅንዕ ክፍሊ ሳይንስ)  ተመራማሪ “ሕጊ ኣገዳሲ ለውጢ”  ብዝብል ኣብ ዘቐምጦ ሕጊ፣ “ሓደ ሂወት ዘለዎ ፍጥረት ኣብ ከባቢኡ ንዝተፈጠረ ለውጢ በዲሁ ህላወኡ ከረጋግፅ እንተኾይኑ ልዕሊ እቲ ዘጓነፍዎ ፀገማት ዝኾኑ መፍትሒታት ክውንን ኣለዎ” ይብል።

ነዚ ሕጊ ስነ-ፍጥረት ናብ ናይ ምሕደራ ሳይንስ ክንትርጉሞ እንከለና፣ ኣብ ውሽጦም ለውጢ ናይ ምትእንጋድን ምምፃእን ልምዲ ኮነ ድሌት ዘይብሎም ፈፀምቲ ስራሕን ትካላትን ከባቢኦም ብዝተለወጠ ቁፅሪ ኣብ ዓብዪ ፀገም ይወድቁ፤ ነቲ ለውጢ በዲሆም ንምሕላፍ ይፅገሙ።

ዝደረቐን ዝዘዓገን ኣተሓሳስባ፣ ትካላዊ ስትራቴጂን ቅርፂ ኣወዳድባን፥ ሓባሪ መፃኢ ሓደጋ እዩ። ልክዕ ከምቲ ፀሊም ደመና ዝናብ ከም ዝዘንብ ሓባሪ ዝኾነ፣ ድርቀት ስነ-ሓሳብ፣ ስትራቴጂን ውዳበን ፥ ሓባሪ መፃኢ ሓደጋ እዩ። ኣተሓሳስባ፣ ስትራተጂን ቅርፂ ኣወዳድባን እንተተነፃፂሎምን ነቲ ዓብላላይ ክውንነት ዝምጥን ምትዕርራያት ክገብሩ እንተዘይኪኢሎምን እቲ ትካል ስትራተጂካዊ-ተደላይነት የብሉን ይበሃል። ኣብዚ ጉዳይ ቅልጡፍ ምትዕርራያት ክግበር እንተዘይኺኢሉ ድማ ስትራቴጂካዊ-ምንስፋፍ ይፍጠር። ድሕሪ ስትራተጂካዊ ምንስፋፍ ዝግበሩ ኩሉም ምንቅስቓሳት ድማ ኣልቦ-ትርጉምን ቅቡልነት ዘይብሎምን ይኾኑ[5]

ስለዝኾነ፣ ከም ህዝቢን መንግስቲን ስትራቴጂካዊ ተደላይነትና ክዓቢ እንተኾይኑ ኣብ ከባቢናን ዞባናን ተፈጢሩ ንዘሎ ለውጢ ዝምጥን ናይ ኣተሓሳስባ፣ ስትራቴጂን ውዳበን ምትዕርራያት ክንገብር ኣለና። ነዚ ካብ ምፍፃም ተሓሲምና እንተቀፂልና ዕፃና ስትራቴጂካዊ ምንስፉፍ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። እዚ ለበዋ እዚ ስትራቴጂካዊ ተደላይነትና እዩ ቀኒሱ እምበር ናብ ስትራቴጂካዊ ምንስፋፍ ኣይጠሓልናን ካብ ዝብል ቱስፉይ ገምጋም ዝብገስ እዩ። ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ስትራተጂካዊ ምንስፋፍ ገጢምዎም ከም ዘሎ መርአያ ዝኾኑ ተርእዮታት ግና ኣለዉ እዮም። ንኣብነት፣ ቱርኪ፣ ኤምራትስን ኢራንን ዝተብሃላ ዓይኒን ሓመድን ዝኾና ሃገራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ዘለዋ ደገፍ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ስትራቴጂካዊ ተደላይነቶም ከረጋግፁ ብዘይምኽኣሎም ናብ ስትራቴጂካዊ ምንስፋፍ ከም ዝኣተዉ ከመላኽት ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ፤ ሰለስተ ተናሓናሕቲ ሃገራት ንሓደ ሓይሊ ክድግፋ ምርኣይ ንቡር ስለዘይኮነ።

መጠቓለሊ –

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ክነረጋግፅ ቕልፅምና ምድልዳል ኣገዳሲ እንተኾነ’ኳ፣ ቅልፅምና ዕውት ውቅዒት ኣዕሪፉ እንምነዮን እንብህጎን ወሳናይ ለውጢ ከመፅእ እንተኾይኑ ነቲ ብኣሉታ ተለዊጡ ዘሎ ከባብያዊን ዓለምለኻዊን ወድዓዊ ኩነት ዝሽከም ውሽጣዊ ናይ ኣሰራርሓ ፣ ኣተሓሳስባታትን ኣመላኻኽታታትን ለውጢ ክንገብር ግድን እዩ። ቃልስና ዝዕወት ቅልፅምና ክነደልድል፣ መሓዙት ትግራይ ክነብዝሕ ከለናን ንፁር ዕላማን ኣንፈትን ክንዕጠቕ ከለናን ጥራሕ እዩ። ካብዞም ሰለስተ እታወታት ዝተረፈ እንተሃልዩ ዓወት ዘይትጭበጥ ግመ ክትኸውን እያ።

ብተወሳኺ፣ ኩሉ ትግራዋይ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ናይ ማሕበራዊ መደብ፣ ፖለቲካዊ ውዳበን ካልኦትን ኣፈላላይ ከም ህዝቢ ኣብ ሓደ ሰሚሩ ንፀረ-ለውጢ ዓቀብቲ-ነፍሶም ሓይልታት  ክቃለሶም ኣለዎ። ናይ 100 ዓመት ኣሽካዕላል የብቅዕ ክብል ኣለዎ። እዚ ወለዶ እዚ ናይ ባዕሉ ታሪኽ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ኣረጋጊፁ እዩ። ኮይኑ ግና፣ ፀረ-ለውጢ ዓቀብቲ-ነብሶም ሓይልታት ገጢምዎ ዘሎ ናይ ሃለዋት ሓደጋ ጉልባብ ጌሮም ምሉእ ታሪኽ ከይሰርሕ “መቐነት ኣደይ ኣዐንቂፉኒ” እናበሉ ቃልሱ ከየደስክልዎን ታሪኽ ከይይድገምን ኣበርቲዕና ንቃለስ።

ዓባይ ትግራይ ትስዕር!


[1] R.D. Goleman (1996, p. 106), ከምዚ ይብል :- “The range of what we think and do, is limited by what we fail to notice and because we fail to notice that we fail to notice, there is little we can do to change; until we notice how failing to notice shapes our thoughts and deeds.”

[2] “Stupidity is doing the same thing again and again, and expecting different results” ከም ዝብልዎ።

[3] British military and political leader W.S. Churchill “Want of foresight, unwillingness to act when action would be simple and effective, lack of clear thinking, confusion of counsel until the emergency comes, until self-preservation strikes its jarring gong – these are the features which constitute the endless repetition of history.”

[4] ብሽም መኸተ ነገራት ንፅባሕ ኣይነሕድር፣  ድሕሪ ምዝዛም መኸተ ኩለመዳይ ለውጢ ንምምፃእ ዝኸበደ እዩ ዝኸውን፣ ድሕሪ ምዝዛም መኸተ ዘሎ ግዘ ፀረ-ለውጢ ዓቀብቲነፍሶም ሓይሊታት ዝሕይልሉ ግዘ እዩ

[5] However perceived and by whom, contextual survival and progression require adaptation. Ashby’s Law of Requisite Variety in cybernetics explains that for an organism to survive change in its environment, it must possess more solutions than the problems it faces. Translating this to the management sciences, executives and organizations that are not used to change within themselves will struggle to cope when they confront change in their contextual domains.

By aiga