ብ ኢሳይያስ ሃይለማርያም

ቕድሚ ወራርን ድሕሪ ‘ቲ ኹናትን ቑፅሮም ቐሊል ለይበሃል ተጋሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልትኣወጀ ምፅናት ዓሌት (genocide)  ብልተፈላለዬ ደረጃን መንገዲን ተሳቲፎም ‘ዮም። 
ኣፈፀምቲ  ‘ቲ ፋሽታው ፖሊሲ ካብ ምዃን ጀሚሩ፣ “ምስ ሓይልታት ትግራይ ርክብ ኣለኩም” ብምባል መናእሰያት ክቕተሉን ክእሰሩን ብምግባር፤  መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝቢን፣ ነጋዶ፣ ሓረስቶት፣ ምሁራት ምእሳር፤ ሃፍትታት፣ ንብረታትን ታሪካው ቕርስታት ህዝቢ ትግራይ ኣበይ ኽምልርከቡ ልቶም ወረርቲ መሪሖም ለስረቑን ለውረሩን ውልቀ-ሰባት ብሕጊ ተሓተትቲ ክኾኑ ኸምልኽእሉ ዳርጋ ተረሲዑ፣ ‘ቶም ውልቀ ሰባት ልቲ አብይ  ልዘርጎሖ  ባእዳዊ መግዛቲ (“የትግራይ ጊዜያዊ አስተዳደር”) ልትፀምበሩ “ልህዝቦም ካብዘለዎም ፍቕሪ ልተልዓለ ህዝቢ ከገልግሉ” ኸምልኾነ፣ ምስ ፀላኢ ብግልፂ ተሰሊፍኻ፣ ሰብ ስልጣን ፀላኢ ኾይንካ ናይ ፀላኢ ፖሊሲን ትእዛዝን ምፍፃም ‘ውን መግለፂ “ፍቕሪ ህዝቢ” ኸምልኾነ ከረድኡኻ ልፍትኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ‘ውን ኣለው (ብቕንዕናን ለይምርዳእን ክኾን ይኽእል)። 
ህዝቢ ብ ማሕበራው ሚዲያ ይኹን ኻልኦት መንገድታት ብዛዕባ ‘ቶም ብ ገበን ኽሕተቱ ልኽእሉ ውልቀ-ሰባት ልህቦ ርኢቶን ልሕዞ ኣቋምን ኣብ ኸይዲ ስርዓት ፍትሒ ፅዕንቶ ይፈጥር፣ ናይ ፍትሒ ሚዛን ‘ውን የዛብዕ (court of public opinion influences administration of justice and creates misconceptions about suspects’ culpability)።
ብሰንኪ ሐምዚ ዓይነት ኣታሓሳስባን ኣቋምን:
፩. ልዕልና ሕጊን ተሓታትነት (rule of law and accountability) ዋጋ ይስእኑ፤
፪. ዜጋታት ኣብቲ ስርዓት ፍትሒ እምነት ክስእኑ ይገብር፤ (erodes the public’s trust in the judicial system)፤ ፫. ህዝቢ ኸዲእኻ፣ ምስ ፀላኢ ተሰሊፍኻ፣ ናይ ፀላኢ ፖሊሲን ትእዛዝን ኣፈፂምኻውን (ጥዑም ምልሓስ፣ ብዙሓት ደገፍትን ፎተውትን ተሃሊዪካ) ካብ ሕጊ ተሓታትነት ምምላጥ ዝከኣለሉ መንገዲ ኸምዘሎ ይሕብር (encourages impunity and treason)። 
ካብቶም ልንሰምኦም ገለ ርኢቶታት:ሀ) “[እገለ] ዋላ ሰብ ስልጣን ብልፅግና ይኹን ‘ምበር ብፍቕሪ ህዝቢ ኣይሕመይን”፤ 
ለ) “ዘይሩ ዘይሩ ናትና ‘ዮም፣ ሓደ ኢና”፤
ሐ) “ለይጋገይ የለይ… ኸዚ ግን ምስ ሕዝቡ ጠጠው ይሉ ል ስርዓት አብይ ላትቓለሰ ዩ”:: ናይ ሓደ ሓደ ሰባት ጉዳያት ብለይ ቤት-ፍርዲ ተዳኒዮ ፋይል ተዓፂዩ ተወዲኡ ኸም ማለት ‘ዮ ።
ብመጨረሻ: ምስኣን ፍትሒ ብቐዳምነት ልጎድእ ልቶም ብግፍዒ ልትቐተሉን ልትዓመፃ ተጋሩ ‘ዮ (the least we can do for them is holding the perpetrators accountable and serve justice)። ይኹን ምበር፣ ኣብ ተሓታትነት፣ ልዕልና ሕጊን ኸይዲ ፍትሒን ካብ ብገንኡ ንጹር ኣተሓሳስባ እንድሕር ለይሓዝና፣ ‘ቲ ካብ ድኽነት ልነምልጠሉ መንገዲ ብምንዋሕ፣ ኣብ መጻኢ ክንሃንፃ ልሓሰብናያ ትግራይ ልድሕሪት ክመልሳ ይኽእል። ሕጊ ልኹሉ መዓረ ኣብ ለይኽበረሉ (uniform applicability of the law) ማሕበረሰብ ኻልኦት መሰረታው ናይ ህዝቢ ሕቶታት ‘ውን ብቐሊሉ ምፍታሕ መፀገሚ ‘ዮ። ል ተሓታትነትን ልዕልና ሕጊን ዋጋ ንሃብ።

By aiga