ብ ፀጋዝኣብ ካሕሱ ኣሰፋ (ኣቦ-ወንበር ውድብ ባይቶ ዓባይ ትግራይ -ባይቶና)

እዚ ፅሑፍ ብ ሓፈሻ ናይ እቲ ፀሓፊ ርእይቶ ጥራሕ እዩ።

ኣይተ ኣባይ ግደይ ካብቶም ኣብ ዳያስፖራ ኮይኖም ዝቃለሱን ኣብቲ ናይ ዳያስፖራ ኮሚኒቲ ይኹን ኣብ ዓዲ ፅልዋ ፈጠርቲ ካብ ዝበሃሉ ተጋሩ ሓደ እዮም። ወይ፣ ከምኡ ኢለ ይርዳእ። ብፍላይ፣ ኣብ ዝሓለፈ 2 ዓመት ብተደጋጋሚ ኣብ ማሕበራዊን መይንስትሪም ሚድያን ቀሪቦም ብዝህብዎም መብርሂታት፣ ጎስጓሳትን ትንታነታትን መብዛሕትና እንዝክሮም ወናም ትግራዋይ እዮም።

ኣይተ ኣባይ ግደይ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ማሚ ዜና ዓወት እንትዝንግዕ መንግስቲ ይቀየር ኢልካ ዘረባስ ናይ ጥዕና ኣይትመስለን ብዝብል ርእሲ ዘቕረብዎ ሓሳብ መብርሂ ዘድልዮ ኮይኑ ረኺበዮ።በዚ ዝተጠቐሰ ርእሲ ኣብ ዝፀሓፍዎ ፅሑፍ ዘሕለፍዎም መልእኽቲታት ዓብዪ ናይ ሓበሬታን መረዳእታን ክፍተታት ስለዝረኽብኩሎም ምናልባት ብገርሂ እንተኾይኑ ክእርሙ ብፍላጥ እንተኾይኑ ድማ ተኸታተሊኦም ከይደናገር መብርሂ ምሃብ ግድን ይብል። እቲ ቀንዲ መልሲ ክህበሉ ዘደረኺና ግና ኣብ ማእኸል እቲ ፅሑፍ ክትረኽብዎ ኢኹም።

መዘከርታ-

  • ብዝተኽኣለ መጠን ተዃሳሕቲ ኣብ ዝኾኑ ነጥብታት ብቁጡቡነት ዝተውሃበ መብርሂ እዩ። ኮይኑ ግና ንሶም ዘቃልዕዎምን ክፀሓፉ ግቡእ ዘይነበሩን ርኢቶታት ከብርህ ግድን እዩ።
  • ምልክት ዘለዎ ኣካል እቲ ፅሑፍ ብቀጥታ ካብ ፅሑፎም ዝተወሰደ እዩ።

By aiga